መዝሙር 38
ኬበርትዓካ እዩ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	- 1. ብምኽንያት’ዩ ኣምላኽ ናብኡ ስሒቡካ፣ - ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣውጺኡካ። - ኣብ ልብኻ ርእዩ ዅሉ ሃረርታኻ፣ - ፈታው ጽድቅን ቅንዕናን ምዃንካ፣ - ቃል ኣቲኻ ኽትገብር ፍቓዱ፣ - ኪረድኣካስ ጽናዕ ኣብ መገዱ። - (ኣዝማች) - ብደም የሱስ ዓዲጉ፡ - ገይሩካ ጥሪቱ፣ - ኬበርትዓካ’ዩ - ብምዃንካ ናቱ። - ከውሕኻ’ዩ ዕቝባኻ - ኣብ ምሉእ ህይወትካ፡ - ኬበርትዓካ’ዩ፡ - እወ ኼጽንዓካ። 
- 2. ኣምላኽ ሂቡ ወዱ፡ እወ፡ ምእንታኻ፣ - ድሌቱ’ዩ ዅሉ ኺሰልጠካ። - ብልግሲ ኻብ ሃበ ነቲ ሓደ ወዱ፡ - የበርትዕ’ዩ በታ ሓያል ኢዱ። - ኣይርስዖን እምነትካ፡ ፍቕርኻ፣ - ኪሕብሕበካ’ዩ፡ ኪሓልየልካ። - (ኣዝማች) - ብደም የሱስ ዓዲጉ፡ - ገይሩካ ጥሪቱ፣ - ኬበርትዓካ’ዩ - ብምዃንካ ናቱ። - ከውሕኻ’ዩ ዕቝባኻ - ኣብ ምሉእ ህይወትካ፡ - ኬበርትዓካ’ዩ፡ - እወ ኼጽንዓካ።