መዝሙር 144
ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ይርእያ ኣዒንቲ ዕዉራት፣
ይሰምዓ’ውን ኣእዛን ጸማማት፣
ይስማዕ ኪዝምሩ ቘልዑ፣
ሓጐስ፡ ሰላም ኣሎ ኣብኡ።
ትኸውን ምድሪ ሽዑ ገነት፣
ትንሳኤ ይረኽቡ ምዉታት።
(ኣዝማች)
ኣምላኽና ዚገብሮ ኽትርኢ፡
ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!
2. ገንሸልን ተዅላን’ውን ሓቢሮም፣
ምስ ድብን ምራኽን ወፊሮም፣
ንእሽቶ ወዲ ይጓስዮም፣
ድምጹ ይሰምዑ ዅላቶም።
ንብዓትና ነበረ ይኸውን፣
ሽበራን ቃንዛን’ውን ኣይህሉን።
(ኣዝማች)
ኣምላኽና ዚገብሮ ኽትርኢ፡
ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!
(ኢሳ. 11:6-9፣ 35:5-7፣ ዮሃ. 11:24 እውን ርአ።)