ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w23 መጋቢት ገጽ 14
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ዘይከውን ዝመስል ዝነበረ መርዓ ቦኣዝን ሩትን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ብልጽቲ ሰበይቲ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ መጽሓፍ ሩት ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • “ደጊ ሰበይቲ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
w23 መጋቢት ገጽ 14

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ “እከለ” እተባህለ ሰብ ንሩት እንተ ተመርዕዩ ርስቱ ኸም ‘ዜበላሹ’ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ (ሩት 4:1, 6)

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ምርዑው ሰብኣይ ውሉድ ከይወለደ እንተ ሞይቱ፡ መልሲ ዜድልዮ ሕቶታት ይልዓል ነይሩ እዩ፦ እቲ ንሱ ዚውንኖ ዝነበረ መሬት እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ስም ቤተ ሰቡ ንሓዋሩ ድዩ ዚጠፍእ፧ ሕጊ ሙሴ ነዚ ሕቶታት እዚ ምላሽ ይህብ ነይሩ እዩ።

ሓደ ሰብ እንተ ሞይቱ ወይ ብሰንኪ ድኽነት መሬቱ እንተ ሸይጡ፡ እንታይ እዩ ዚግበር ነይሩ፧ ሓዉ ወይ ናይ ቀረባ ዘመዱ ንምድሩ ይብጀዎ ወይ መሊሱ ይዕድገሉ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ርስቲ ኣብቲ ቤተ ሰብ ይጸንሕ።—ዘሌ. 25:23-28፣ ዘሁ. 27:8-11።

ስም ቤተ ሰብ እቲ ምዉት ብኸመይ እዩ ዚዕቀብ ነይሩ፧ ብመውስቦ ዋርሳ ኣቢልካ እዩ ዚዕቀብ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሩት ኣብ ከምዚ ዓይነት መውስቦ እያ ኣትያ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መውስቦ ንሰበይቲ እቲ ምዉት፡ ሓሙታ እዩ ኸም ሰበይቱ ገይሩ ዜእትዋ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ስም እቲ ምዉት ይዕቅብ፡ ርስቱ እውን ይወርስ። እዚ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዚ፡ ንመበለታት እውን ዚጠቅም እዩ ነይሩ።—ዘዳ. 25:5-7፣ ማቴ. 22:23-28።

ንኣብነት፡ ንናእሚ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ሰብኣያ ኤሊሜሌክ ይብሃል ነበረ። ንሱን ክልተ ደቆምን ምስ ሞቱ፡ ናእሚ ብዘይ ጠዋሪ እያ ተሪፋ። (ሩት 1:1-5) ስለዚ፡ ናብ ይሁዳ ምስ ተመልሰት፡ ነታ ሰበይቲ ወዳ ዝዀነት ሩት ናብ ቦኣዝ ለኣኸታ፣ ነቲ ምድሪ ኺብጀዎ ኽትሓትቶ ድማ ነገረታ። ቦኣዝ ናይ ቀረባ ዘመድ ኤሊሜሌክ እዩ ነይሩ። (ሩት 2:1, 19, 20፣ 3:1-4) ኰይኑ ግና፡ ካብኡ ዝቐረበ ዘመድ ከም ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ንሱ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “እከለ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ስለዚ፡ ብቐዳምነት ተበጃዊ ኪኸውን ዚግባእ፡ እቲ “እከለ” እተባህለ እዩ ነይሩ።—ሩት 3:9, 12, 13።

ኣብ ፈለማ፡ እቲ “እከለ” እተባህለ ሰብ ኪሕግዝ ፍቓደኛ ዀነ። (ሩት 4:1-4) እተወሰነ ወጻኢታት ኪገብር እኳ እንተ ነበሮ፡ ናእሚ ነቲ ናይ እንዳ ኤሊሜሌክ ምድሪ ዚወርስ ውሉድ ክትወልድ ከም ዘይትኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ምድሪ ናብ እንዳ እከለ ምተጠቓለለ ነይሩ፣ እዚ ድማ ኣብ መጀመርታ ዜዋጽእ ኰይኑ እዩ ተራእይዎ።

ኰይኑ ግና፡ እቲ እከለ እተባህለ ሰብ ንሩት ከም ሰበይቱ ገይሩ ኸም ዚወስዳ ምስ ተነግሮ ሓሳቡ ቐየረ። “ርስተይ ከየበላሹስ ክብጀዎ ኣይክእልን እየ” በለ። (ሩት 4:5, 6) ስለምንታይ እዩ ሓሳቡ ቐዪሩ፧

እቲ እከለ እተባህለ ሰብ ወይ ካልእ ሰብ ንሩት እንተ ተመርዕይዋ እሞ፡ ሩት ወዲ እንተ ወሊዳ፡ እቲ ወዲ ንምድሪ እንዳ ኤሊሜሌክ ምወረሶ። እሞ ደኣ እዚ ንእከለ ‘ርስቱ ዜበላሽወሉ’ ብኸመይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዘይገልጸልና እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ዝበለ ግና በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት ተደሪኹ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ቀዳማይ፡ ምድሪ እንዳ ኤሊሜሌክ ውዒሉ ሓዲሩ ናቱ ስለ ዘይከውን፡ ገንዘቡ ዚባኽን ኰይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ምድሪ ወዲ ሩት እዩ ዚወርሶ።

  • ካልኣይ፡ ንናእሚን ንሩትን ናይ ምምጋብን ናይ ምክንኻንን ሓላፍነት ምተሰከመ ነይሩ።

  • ሳልሳይ፡ ሩት ካብ እከለ ኻልኦት ቈልዑ እንተ ትወልድ ነይራ፡ እቶም ውሉዳት ምስቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ደቁ ርስቲ ምተመቕሉ ነይሮም።

  • ራብዓይ፡ እቲ እከለ እተባህለ ኣቐዲሙ ዝወለዶም ውሉዳት ዘይነበርዎ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሩት እትወልዶ ወዲ ምድሪ እንዳ ኤሊሜሌክን እንዳ እከለን ኪወርስ መሰል ምሃለዎ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ብስም ኤሊሜሌክ እተወልደ ውሉድ ንርስቲ እንዳ እከለ ምወሰዶ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ እከለ እተባህለ ሰብ ንናእሚ ኺሕግዝ ኢሉ ርስቱ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ኣይደለየን። የግዳስ፡ ነቲ ድሕሪኡ ዘሎ ተበጃዊ፡ ማለት ንቦኣዝ፡ ነቲ ሓላፍነት እቲ ኺወስዶ ሓደጎ። ቦኣዝ ድማ “ስም እቲ ምዉት ናብ ርስቱ ንምምላስ” ድሌት ስለ ዝነበሮ፡ ከምኡ ገበረ።—ሩት 4:10።

እቲ እከለ እተባህለ ሰብ ስሙን ርስቱን ኣብ ምዕቃብ እዩ ኣተኲሩ ነይሩ። ጥቕሚ ርእሱ ጥራይ እዩ ዚደሊ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ስሙ ኣይዓቀበን፣ ስለዚ፡ ስሙ መን ምዃኑ ኣይንፈልጦን ኢና። ብዘይካዚ እውን፡ እቲ ቦኣዝ ዝረኸቦ ፍሉይ መሰል ኣምሊጥዎ እዩ። ቦኣዝ ናብቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዚመርሕ ሓረግ ወለዶ ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ እከለ እተባህለ ሰብ ግና ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ጥራይ ካብ ምትኳሩ እተላዕለ ንእተሸገረ ሰብ ኪሕግዝ እተኸፍተሉ ኣጋጣሚ ብዘይምቕባሉ፡ ዓብዪ ኣጋጣሚ እዩ ኣምሊጥዎ!—ማቴ. 1:5፣ ሉቃ. 3:23, 32።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ