ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w23 ሕዳር ገጽ 31
  • ሁልዳ ሸቶኣ ወቒዓ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሁልዳ ሸቶኣ ወቒዓ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓንቲ ኢድካ ኽትሕዞ እትኽእል ቤተ መጻሕፍቲ
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ኣብ ደሴታት ፊጂ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ካብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እተላእከት ደብዳበ “ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ረኺበ ኣይፈልጥን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
w23 ሕዳር ገጽ 31

ሁልዳ ሸቶኣ ወቒዓ

ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ኢንዶነዥያ ናብ ሳንጊር በሳር እትብሃል ንእሽቶ ደሴት እንተ ትኸይድ ኔርካ፡ ምናልባት ሰለስተ ክርስትያን ኣሓትና ኣብ ገምገም ባሕሪ ምረኣኻ። እዘን ኣሓት ብኣገልግሎተን እየን ዚፍለጣ፡ ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህራ እየን ዚጽዕራ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ግና፡ እተፈልየ ነገር እየን ዚገብራ ነይረን።

ካርታ ኢንዶነዥያን ኣብ ከባቢኣ ዚርከባ ሃገራትን። ኣብታ ላቔባ ዝዀነት ስእሊ፡ ሳንጊር በሳር እትብሃል ንእሽቶ ደሴት ኣላ።

ኣብ ሰሜናዊ ኢንዶነዥያ እትርከብ ደሴት ሳንጊር በሳር

ፈለማ፡ ናብቲ ባሕሪ ኸይደን ኣእማን ናብ ገምገም ይጓርታ። ገሊኡ እቲ ኣእማን ግዝፉ፡ ክንዲ ዅዕሶ እግሪ እዩ ዚኸውን። ድሕሪኡ፡ ኣብ ድኳ ኾፍ ኢለን ግዝፉ ከክንዲ እንቋቝሖ ኽሳዕ ዚኸውን ብሞደሻ ይሰባብራኦ። ድሕርዚ፡ ነቲ ኣእማን ኣብ ናይ ፕላስቲክ ሳንኬሎ መሊአን፡ ብመደያይቦ ኣቢለን ናብ ገዛአን ይወስዳኦ። ቀጺለን፡ ነቲ ኣእማን ኣብ ከረጺት ይመልኣኦ፣ እዚ ድማ ብናይ ጽዕነት ማካይን ተጻዒኑ ይውሰድ፡ ንህንጸት መገዲ ኸኣ የገልግል።

ሁልዳ ኻብ ገምገም ባሕሪ ኣእማን ትኣሪ

ሓንቲ ኻብተን ኣሓት ሁልዳ ትብሃል። ሁልዳ፡ ኵነታታ የፍቅደላ ብምንባሩ፡ ካብተን ካልኦት ንዝነውሐ ሰዓታት ትሰርሕ ነበረት። ኣብ ካልእ ግዜያት በቲ ኻብኡ እትረኽቦ ኣታዊ፡ ንስድራ ቤታ ዜድሊ እያ እተማልእ ነይራ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ግና፡ ተወሳኺ ሸቶ ነበራ። ኣፕሊኬሽን JW Library® ንምጥቃም ዚሕግዝ ኤለክትሮኒክ ታብለት ኣድልይዋ ነበረ። እቲ ኣብቲ ኣፕሊኬሽን ዚርከብ ቪድዮታትን ካልእ ትሕዝቶን ንኣገልግሎታ ዀነ ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ርድኢት ከም ዜስፍሓላ ትፈልጥ ነበረት።

ሁልዳ ንወርሕን ፈረቓን ንግሆ ንግሆ ኸክልተ ሰዓት ሰርሐት፣ በዚ ኸምዚ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ጽዕነት ማኪና ዚመልእ ኣእማን ሰባበረት። ኣብ መወዳእታኡ፡ ታብለት ንምዕዳግ ዜኽእላ ገንዘብ ረኸበት።

ሁልዳ ምስ ታብለታ

ሁልዳ ኸምዚ ትብል፦ “ሰብነተይ ብሰንኪ እቲ ምስብባር ኣእማን እኳ እንተ ደኸመን እንተ ቘሰለን፡ እዛ ሓዳስ ታብለት ኣብ ጉባኤን ኣገልግሎትን ብዝያዳ ውጽኢታዊት ክኸውንን ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ብቐሊሉ ኽዳሎን ምስ ኣኽኣለትኒ፡ ንዅሉ እቲ ስቓየይ ብቐሊሉ እየ ረሲዐዮ።” ብዘይካዚ፡ ኣብ መጀመርታ ኽፋል እቲ ለበዳ፡ እታ ታብለት ብዙሕ ከም ዝሓገዘታ ትገልጽ። ከመይሲ፡ ኵሉ ንጥፈታት ጉባኤ ብኢንተርነት እዩ ዚካየድ ነይሩ። ሁልዳ ሸቶኣ ምውቃዓ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ