ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/10 ገጽ 20-24
  • ኣቦን ሽማግለን—ንኽልቲኡ ግደታት ምፍጻም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቦን ሽማግለን—ንኽልቲኡ ግደታት ምፍጻም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቦን ሽማግለን
  • “ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ”
  • ‘ዘይኣማኒት ሰበይቲ’ ዘላቶ
  • ‘ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር’
  • ሚዛኑ ዝሓወለ ትዕዝብቲ
  • ብቑዓት ኣቦታት ከምኡውን ብቑዓት ሽማግለታት
  • ሽማግለታትና ክቡራት ገይርና ክንርእዮም ኣሎና
  • በዓል ቤትን ሽማግለን—ነቲ ሓላፍነታት ሚዛናዊ ገይርካ ምሓዙ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ነተን መጓሰ ዚጓስዩ ሓለውቲ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ‘ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚጽዕሩ ኣኽብርዎም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ወለድን ውሉዳትን:- ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ሃብዎ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/10 ገጽ 20-24

ኣቦን ሽማግለን​—⁠ንኽልቲኡ ግደታት ምፍጻም

“ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና: ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺአልያ ይዀነሉ፧”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:4, 5

1, 2. (ሀ) ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን: ንጽል ተዓዘብትን ቈልዑ ዘይብሎም ምርዑዋት ተዓዘብትን ንኣሕዋቶም ከገልግሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ኣኪላስን ጵርስኪላን ንብዙሓት ሎሚ ዘለዉ ናይ መርዓ ብጾት ኣብነት ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧

ኣብታ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ተዓዘብቲ: ንጽል: ቈልዑ ዘይብሎም ምርዑዋት ሰብኡት: ወይ ቈልዑ ዘለዎም ሰብ ሓዳር ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ገለ ካብቶም ነቲ ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ: ኣብ ምዕራፍ 7: ዘሎ ምኽሪ ክስዕቡ ዝኸኣሉ ሰባት ንጽል ኰይኖም ከም ዝቐጸሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። የሱስ “ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ” ብምባል ገሊጹ ነበረ። (ማቴዎስ 19:12) ከም ጳውሎስን ምናልባት ድማ ገለ ከምቶም መጋይሽቱን ዝኣመሰሉ ንጽል ሰባት: ንኣሕዋቶም ምእንቲ ክሕግዙ ኢሎም ክገሹ ናጻ ኢዮም ነይሮም።

2 መጽሓፍ ቅዱስ በርናባስ: ማርቆስ: ሲላስ: ሉቃስ: ጢሞቴዎስ ከምኡውን ቲቶስ ንጽል ሰባት ከም ዝነበሩ ኣይዛረብን ኢዩ። ምርዑዋት እንተድኣ ነይሮም ድማ: ኣብቲ እተፈላለየ ዕዮታት ኣስተርሕዮም ክገሹ ምእንቲ ክኽእሉ ካብ ናይ ስድራቤት ሓላፍነታት ናጻ ከም ዝነበሩ ፍሉጥ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:2፣ 15:​39⁠-​41፣ 2 ቈረንቶስ 8:​16, 17፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:​9⁠-​11፣ ቲቶስ 1:⁠5) ልክዕ ከምቲ ጴጥሮስን “ካልኦት ሃዋርያትን” ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክገሹ ከለዉ ኣንስቶም ዝማልእወን ዝነበሩ: ነዚኣቶም ድማ ኣንስቶም የሰንያኦም ነይረን ክዀና ይኽእላ ኢየን። (1 ቈረንቶስ 9:​5) ኣኪላስን ጵርስኪላን ካብ ቈረንቶስ ናብ ኤፌሶን: ድሕርዚ ናብ ሮሜ: እንደገና ድማ ናብ ኤፌሶን ተመሊሶም ደድሕሪ ጳውሎስ ብምኻድ: ሓደ ኣብነት ናይቶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ናይ መርዓ ብጾት ኢዮም ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ቈልዑ ይንበርዎም ኣይንበርዎም ዝገልጾ ዝዀነ ይኹን ነገር የለን። እቲ ንኣሕዋቶም ዝህብዎ ዝነበሩ ውፉይ ኣገልግሎት ካብ “ብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ” ምስጋና ኣምጺኡሎም ኢዩ። (ሮሜ 16:​3⁠-​5፣ ግብሪ ሃዋርያት 18:​2, 18፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:19) ሎሚ: ከም ኣኪላስን ጵርስኪላን ዝኣመሰሉ: ምናልባት ናብቲ ዝያዳ ዝድልየሉ ቦታታት ብምኻድ ንኻልኦት ጉባኤታት ከገልግሉ ዝኽእሉ ብዙሓት ናይ መርዓ ብጾት ከም ዘለዉ ኣየጠራጥን ኢዩ።

ኣቦን ሽማግለን

3. ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ብዙሓት ሽማግለታት ስድራቤት ዘለውዎም ምርዑዋት ሰብኡት ከም ዝነበሩ ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧

3 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ.: መብዛሕትኦም ካብቶም ክርስትያን ሽማግለታት ቈልዑ ዘለውዎም ምርዑዋት ሰባት ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝመስል። ጳውሎስ ካብ ሓደ ‘ንመዓርግ ኤጲስቆጶስ ዝደሊ [“ዝመጣጠር:” NW ]’ ሰብኣይ ዝድለ ብቕዓታት ክዝርዝር ከሎ: ከምዚ ዝበለ ክርስትያን “ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን: ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለዉዎን” ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጹ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:1, 4

4. ካብቶም ቈልዑ ዝነበርዎም ምርዑዋት ሽማግለታት እን​­ታይ ኢዩ ዝደለ ነይሩ፧

4 ከምቲ ዝረኣናዮ: ሓደ ተዓዛቢ ቈልዑ ክህልውዎ ወይ ክምርዖ ኣይግደድን ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ሓደ ክርስትያን ምርዑው እንተድኣ ነይሩ: ከም ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ መጠን ብቑዕ ምእንቲ ክኸውን: ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ግቡእን ፍቕራውን ርእስነት ከዘውትር ከምኡውን ደቁ ግቡእ ተኣዛዝነት ከም ዘርእዩ ገይሩ ኣብ ምሓዝ ክኢላ ምዃኑ ከርኢ ነበሮ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠3፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:​12, 13) ቤቱ ኣብ ምስትንባር ዝርአ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ድኽመት: ንሓደ ሓው ኣብታ ጉባኤ ፍሉይ መሰላት ንምርካብ ብቑዕ ኣይገብሮን ነበረ። ስለምንታይ፧ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና: ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺአልያ ይዀነሉ፧” (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠5) እቶም ኣባላት ስድራቤቱ ነቲ ናይ ምዕዛብ ሓላፍነቱ ክግዝኡ ፍቓደኛታት እንተድኣ ዘይኰይኖም: ካልኦትከ ድኣ ብኸመይ ኢዮም ክምልሱ፧

“ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ”

5, 6. (ሀ) ጳውሎስ ንቲቶስ ብዛዕባ ቈልዑ እንታይ ብቕዓት ኢዩ ዝጠቐሰሉ፧ (ለ) ካብቶም ቈልዑ ዘለውዎም ሽማግለታት እንታይ ትጽቢት ኢዩ ዝግበር፧

5 ኣብተን ኣብ ቅሬጥስ ዝነበራ ጉባኤታት ተዓዘብቲ ክሸይም ንቲቶስ ክእዝዞ ከሎ: ጳውሎስ እዚ ዝስዕብ ነገራት ከም ኵነት ኣቕረበ:⁠- ‘መንቅብ ዜብሉ: ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ: ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ: ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር: መንቅብ ዜብሉ [ይኹን]።’ እቲ “ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ” ዝብል ብቕዓት እንታይ ማለት ኢዩ፧​—⁠ቲቶስ 1:6, 7

6 እቲ “ኣመንቲ ውሉድ” ዝብል ስያመ ነቶም ድሮ ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩን እተጠምቁን መንእሰያት: ወይ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ገጾም እናዓበዩ ዝኸዱ ዘለዉ ንኣሽቱ ውሉዳት ኢዩ ዘመልክት። ኣባላት ጉባኤ: ደቂ ሽማግለታት ብሓፈሻ ጽቡቕ ጠባይ ዘለ​­ዎምን እዙዛትን ክዀኑ ኢዮም ዝጽበይዎም። ሓደ ሽማ​­ግለ ኣብ ደቁ እምነት ንምህናጽ ዝከኣሎ ዘበለ ይገብር ምህላዉ ግሁድ ክኸውን ኣለዎ። ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ።” (ምሳሌ 22:⁠6) ይኹን እምበር ሓደ መንእሰይ ከምዚ ዝበለ ልምምድ ረኺቡ ከብቅዕ ንየሆዋ ምግልጋል ምስ ዝኣቢ: ወይ ከቢድ ኣበሳ ምስ ዝፍጽምከ እንታይ ይኹን፧

7. (ሀ) ምሳሌ 22:6 ዘይዕጸፍ ስርዓት ከም ዘይትገልጽ ፍሉጥ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ ሓደ ሽማግለ ውሉድ ንየሆዋ ከገልግል እንተ ዘይመረጸ: እቲ ሽማግለ ብቕጽበት መሰላቱ ዘይስእን ስለምንታይ ኢዩ፧

7 እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምስላ ደረቕ ዝዀነ ስርዓት ዝገልጽ ኣይኰነን። ነቲ ናይ ናጻ ምርጫ ስርዓት ድማ ኣይድምስሶን ኢዩ። (ዘዳግም 30:​15, 16, 19) ወዲ ወይ ጓል ኣብቲ ሓላፍነት ክስከምሉ ዝኽእሉ ዕድመ ምስ ዝበጽሑ: ንሱ ወይ ንሳ ወፈያን ጥምቀትን ብምግባር ዝመጸ ብሕታዊ ውሳነ ክገብሩ ኣለዎም። ሓደ ሽማግለ ዘድሊ መንፈሳዊ ሓገዝ: መመርሒ: ከምኡውን ተግሳጽ ብርግጽ ሂቡ ከብቅዕ: እቶም ውሉዳት ንየሆዋ ከገልግሉ እንተ ዘይመረጹ: እቲ ኣቦ ተዓዛቢ ኰይኑ ካብ ምግልጋል ብቕጽበት ኣየልግስን ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ሓደ ሽማግለ ምስኡ ኣብ ቤት ዝነብሩ ቈልዑ ምስ ዝህልውዎ እሞ: ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ እናተኸታተሉ ድማ ብመንፈስ ምስ ዝሓሙን ኣብ ጸገም ምስ ዝኣትዉን: “ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር” ሰብ ገይርካ ክርአ ኣይከኣልን ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠4) እቲ ነጥቢ: ሓደ ተዓዛቢ “ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ” ንምዃን ዝከኣሎ ከም ዝገብር ብሩህ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኢዩ።a

‘ዘይኣማኒት ሰበይቲ’ ዘላቶ

8. ሓደ ሽማግለ ምስታ ዘይኣማኒት በዓልቲ ቤቱ ብኸመይ ኢዩ ክመላለስ ዘለዎ፧

8 ጳውሎስ ነቶም ዘይኣመንቲ ኣንስቲ ዘለዋኦም ክርስትያን ሰብኡት ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ: ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ: ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም: ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ: ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት: ኣይፍትሓያ . . . ኣታ ሰብኣይ: ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ: እንታይ ትፈልጥ፧” (1 ቈረንቶስ 7:​12⁠-​14, 16) እታ “ዘይኣማኒት” እትብል ቃል ንሓንቲ ፈጺማ ሃይማኖታዊ እምነት ዘይብላ ሰበይቲ ዘይኰነትስ ንሓንቲ ህይወታ ንየሆዋ ዘይወፈየት ሰበይቲ ኢያ እተመልክት። ኣይሁዳዊት: ወይ ድማ ኣብ ኣረማውያን ኣማልኽቲ እትኣምን ሰብ ነይራ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ሎሚ: ሓደ ሽማግለ ኣብ ካልእ ሃይማኖት እትኣምን: ኣምላክ ክፍለጥ ኣይክእልን ኢዩ እትብል: ወይ ኢዜሄራዊት ሰበይቲ ክትህልዎ ትኽእል ኢያ። ምስኡ ክትነብር እንተድኣ ፈትያ: ብምኽንያት ናይ እምነት ምፍልላይ ጥራይ ካብኣ ክፍለ የብሉን። ምስኣውን እንተዀነ ‘ከም ድኽምቲ ፍጥረት: እናኽበራ ምስ ሰበይቱ በእምሮ ክነብር’ ኣለዎ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠7፣ ቈሎሴ 3:19

9. ኣብተን ሰብኣይን ሰበይትን ንደቆም ነናቶም ሃይማኖታዊ እምነታት ክምህራኦም ማዕረ መሰል ዝህብ ሕጊ ዘለወን ሃገራት: ሓደ ሽማግለ እንታይ ኢዩ ክገብር ዘለዎ: እዚኸ ነቲ ዘለዎ መሰላት ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፎ፧

9 ሓደ ተዓዛቢ ውሉዳት እንተድኣ ኣልዮምዎ: “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ንኸዕብዮም ነቲ ኸም በዓል ቤትን ኣቦን መጠን ዘለዎ ግቡእ ርእስነት ይጥቀመሉ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:⁠4) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ሕጊ: ክልቲኦም ናይ መርዓ ብጾት ንደቆም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ክምህሩ ማዕረ መሰል ይህቦም ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እታ ሰበይቲ ንደቃ ሃይማኖታዊ እምነታታን ተግባራታን ክትምህሮም: እዚ ኸኣ ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያና ምውሳዶም እውን ከጠቓልል ዝኽእል መሰላ ክትጥቀመሉ ትደሊ ትኸውን።b ርግጽ ኢዩ: እቶም ቈልዑ ኣብ ሃይማኖታዊ ጽንብላት ብዛዕባ ዘይምስታፍ ዝመጸ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልናኦም ክስዕቡ ኣለዎም። እቲ ኣቦ ከም ርእሲ ስድራቤት መጠን: ምስ ደቁ ኰይኑ ከጽንዕ ዝከኣል ምስ ዝኸውን ድማ ናብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባታት ክወስዶም ዘለዎ መሰል ይጥቀመሉ ኢዩ። ኣብቲ ውሳነ ክገብሩሉ ዝኽእሉ ዕድመ ምስ በጽሑ: በየናይ መገዲ ከም ዝኸዱ ባዕሎም ክውስኑ ኢዮም። (እያሱ 24:15) ብጾቱ ሽማግለታትን ኣባላት እታ ጉባኤን ንደቁ መገዲ ሓቂ ግቡእ ገይሩ ክምህሮም እቲ ሕጊ ዘፍቅደሉ ዘበለ ከም ዝገበረ ክርድኡ እንተድኣ ክኢሎም: ተዓዛቢ ካብ ምዃን ኣይክልከልን ኢዩ።

‘ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር’

10. ስድራቤት ዘለውዎ ሰብኣይ ሽማግለ እንተድኣ ኰይኑ: ቀንዲ ሓላፍነቱ እንታይ ኢዩ፧

10 ኣቦን በዓልቲ ቤቱ ድማ ኣማኒት ክርስትያን ዝዀነትን ሽማግለ እውን ከይተረፈ: ንበዓልቲ ቤቱ: ደቁ: ከምኡውን ንናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ዝኸውን ግዜን ቈላሕታን ብግቡእ ከማቓርሕ ቀሊል ዕዮ ኣይኰነን። ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ክርስትያን ኣቦ ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ክኣሊ ግዴታ ከም ዘለዎ ብንጹር ኢዩ ዝገልጽ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ: ድሮ ብቑዓት ሰብኡትን ኣቦታትን ምዃኖም ዘርኣዩ ምርዑዋት ሰባት ጥራይ ከም ተዓዘብቲ ኰይኖም ከገልግሉ ክሽየሙ ኣለዎም ብምባል ገጺሉ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:​1⁠-​5

11. (ሀ) በየናይ መገድታት ኢዩ ሓደ ሽማግለ ‘ነቶም ናቱ ክሓሊ’ ዘለዎ፧ (ለ) እዚ ንሓደ ሽማግለ ነቲ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታቱ ክዋጽኣሉ ክሕግዞ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

11 ሓደ ሽማግለ ነቶም ናቱ ዘበሉ ብስጋ ጥራይ ዘይኰነስ ብመንፈስን ስምዒትን እውን ኢዩ ‘ክሓልየሎም’ ዘለዎ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ: ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ: ደሓር ቤትካ ስራሕ [“ህነጽ:” NW ]።” (ምሳሌ 24:27) ስለዚ ሓደ ተዓዛቢ ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ዝኸውን ስጋዊ: ስምዒታዊ: ከምኡውን ናይ ምዝንጋዕ ድሌታት ዝሓሊ እኳ እንተዀነ: ብመንፈስ እውን ክሃንጾም ኣለዎ። እዚ: ንናይ ጉባኤ ነገራት ክውፈ ዘይከኣል ግዜ ዝሓትት ኢዩ። ይኹን እምበር እዚ ግዜ እዚ ነቲ ኣብ ስድራቤት ዘምጽኦ ሓጐስን መንፈሳውነትን ርኢኻ ብዙሕ ዓስቢ ዝርከቦ ኢዩ። ስድራቤቱ ብመንፈስ ብርትዕቲ እንተድኣ ኰይና: ኣብ መወዳእታ እቲ ሽማግለ ናይ ስድራቤት ግድ⁠ላት ክኣሊ ብዙሕ ግዜ ከየድልዮ ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ናይ ጉባኤ ነገራት ንኽ​­ገብር ዝያዳ ኣጋጣሚ ክህቦ ኢዩ። ከም ብቑዕ በዓል ቤትን ኣቦን መጠን ዘርእዮ ኣብ​­ነት ነታ ጉባኤ መንፈሳዊ ጥቕሚ ከምጽኣላ ኢዩ።​—⁠1 ጴጥ​­ሮስ 5:​1⁠-​3

12. ሽማግለታት ዝዀኑ ኣቦታት ኣብ ከመይ ዝበለ ናይ ስድራቤት ጕዳያት ኢዮም ሰናይ ኣብነት ክዀኑ ዘለዎም፧

12 ቤትካ ጽቡቕ ገይርካ ምስትንባር ክበሃል ከሎ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንምክያድ ግዜ ምምዳብ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። በዚ ዝመጸ ሽማግለታት ሰናይ ኣብነት ክዀኑ ብፍላይ ኣገዳሲ ኢዩ: ከመ​­ይሲ ጽኑዓት ስድራቤታት: ጽኑዓት ጉባኤታት ኢየን ዘቝማ። ሓደ ተዓዛቢ ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ምጽናዕ ክሳዕ ዝስእን ግዜኡ ወትሩ ብኻልእ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ኣዝዩ ክተሓዝ የብሉን። ግዜ ዝስእን እንተድኣ ኰይኑ: ንመደቡ ከም ብሓድሽ ክምርምሮ ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ገለ ገለ መሰላት እውን ከይተረፈ ብምጕዳል: ንኻልእ ነገራት ዝውፍዮ ዝነበረ ግዜ ከም ብሓድሽ ክምድቦ ወይ ከውሕዶ ይኽእል ኢዩ።

ሚዛኑ ዝሓወለ ትዕዝብቲ

13, 14. እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ነቶም ስድራቤት ዘለዎም ሽማግለታት እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም፧

13 ናይ ስድራቤትን ጉባኤን ሓላፍነታት ብሚዛን ንምክያድ ምኽሪ ምሃብ ሕጂ እተጀመረ ኣይኰነን። ንዓመታት ዝኣክል እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንሽማግለታት ምኽሪ ክህብ ጸኒሑ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45 NW ) ልዕሊ 37 ዓመታት ይገብር: ናይ 15 መስከረም 1959 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 553 ከምኡውን 554 ከምዚ ዝስዕብ ምኽሪ ሂባ ነበረት:⁠- “ብርግጽ: እዝስ ነቲ ግዜና ዝሓትት ነገራት ብሓቂ ናይ ምምዝዛን ጕዳይዶ ኸይኰነ፧ ኣብዚ ሚዛን እዚ ንረብሓ ስድራቤትካ ግቡእ ኣተኵሮ ክትገብረሉ ኣሎካ። የሆዋ ኣምላኽ ሓደ ሰብኣይ ንድሕነት ስድራቤቱ ሸለል ብምባል: ንኣሕዋቱን ጐረባብቱን ድሕነት ክረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ ምሉእ ግዜኡ ነቲ ናይ ጉባኤ ዕዮታት ክጥቀመሉ ከም ዘይጽበዮ እተረጋገጸ ኢዩ። ሓደ ሰብኣይ ቀዳማይ ሓላፍነቱ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኢዮም።”

14 ናይ 1 ሕዳር 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 22 ከምዚ ኢላ ትመክር:⁠- “ከም ስድራቤት ኴንካ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስታፍ የቀራርበኩም ኢዩ: እንተዀነ ግን ናይ ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ድሌት ብሕታዊ ግዜኻን ስምዒታዊ ሓይልኻን ምውፋይ ዝሓትት ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ‘ነቶም ናትካ’ ዝዀኑ ብመንፈስ: ብስምዒት: ከምኡውን ብስጋ እናኣለኻ ከሎኻ: ነቲ . . . ናይ ጉባኤ ሓለፍነታት ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክትጥቀም ከም እትኽእል ንምውሳን ሚዛን የድሊ ኢዩ። [ሓደ ክርስትያን] ‘ቅድም ንስድራቤቱ ፍርሃት እግዚኣብሄር ምርኣይ ክማሃር’ ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:​4, 8)”

15. በዓልቲ ቤትን ቈልዑን ዘለውዎ ሽማግለ: ጥበብን ምስትውዓልን ዘድልዮ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ሓደ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምስላ ከምዚ ይብል:⁠- “ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ: ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።” (ምሳሌ 24:⁠3) እወ: ሓደ ተዓዛቢ ቲኦክራሲያዊ ሓላፍነታቱ ንኽፍጽምን ማዕረ ማዕረ እዚ ድማ ቤቱ ንኽሃንጽን: ብርግጽ ጥበብን ምስትውዓልን የድልዮ ኢዩ። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝዀነ ዓውድታት ኣለዎ። ስድራቤቱን ናይ ጉባኤ ሓላፍነታትን እውን ኣብዚ እቱዋት ኢዮም። ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ዓውድታት እዚ ሚዛኑ ምእንቲ ክሕሉ ምስትውዓል የድልዮ ኢዩ። (ፊልጲ 1:​9, 10) ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ነገራት ኣብ ምስራዕ ድማ ጥበብ የድልዮ ኢዩ። (ምሳሌ 2:​10, 11) ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎ መሰላት ንምሕላይ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ዝስምዖ እኳ እንተዀነ: ከም በዓል ቤትን ኣቦን መጠን ኣምላኽ ብቐዳምነት ዝሃቦ ሓላፍነት ናይ ስድራቤቱ ሓልዮትን ድሕነትን ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ።

ብቑዓት ኣቦታት ከምኡውን ብቑዓት ሽማግለታት

16. ሓደ ሽማግለ: ኣቦ እንተድኣ ኰይኑ እንታይ ጥቕሚ ኢዩ ዘለዎ፧

16 እዱባት ቈልዑ ዘለዉዎ ሽማግለ ነታ ጉባኤ ናይ ሓቂ ክቡር ጥሪት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንስድራቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ምሕላይ እንተድኣ ተማሂሩ: ነተን ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ካልኦት ስድራቤታት ንምሕጋዝ ክእለት የጥሪ ኢዩ። ግድላተን ብዝሓሸ ክርድኣለንን ንተመክሮኡ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ምኽሪ ክህበንን ይኽእል ኢዩ። ዘሐጕስ ከኣ: ኣብ ምልእቲ ዓለም ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሽማግለታት ከም ሰብኡት: ኣቦታት: ከምኡውን ተዓዘብቲ መጠን ሰናይ ዕዮ ይዓዩ ኣለዉ።

17. (ሀ) ኣቦን ሽማግለን ዝዀነ ሰብኣይ ፈጺሙ ክርስዖ ዘይብሉ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካልኦት ኣባላት ጉባኤ ድንጋጽ ከርእዩ ዘለዎም ብኸመይ ኢዮም፧

17 ስድራቤት ዘለውዎ ሰብኣይ ሽማግለ ንክኸውን: ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን እናሓለየ: ግዜኡን ቈላሕታኡን ንኻልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ክውፊ ምእንቲ ክኽእል ጕዳያቱ ከመሓድር ዝኽእል ብሱል ክርስትያን ክኸውን ይግባእ። እቲ ናይ ጕስነት ዕዮኡ ኣብ ቤት ከም ዝጅምር ፈጺሙ ክርስዕ የብሉን። ኣባላት ጉባኤ: ኣንስትን ቈልዑን ዘለዉዎም ሽማግለታት ክልቲኡ ማለት ናይ ስድራቤቶምን ናይ ጉባኤ ዕዮታትን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ብምፍላጥ: ንግዜኦም ዝሻሞ ዘየድሊ ሕቶታት ከየቕርቡ ይፍትኑ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብታ ቐጺላ ዘላ መዓልቲ ንቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ቈልዑ ዘለዉዎ ሽማግለ: ኵሉ ግዜ ድሕሪ እቲ ኣብ ምሸት ዝግበር ኣኼባታት ከምሲ ኣይክእልን ይኸውን። ካልኦት ኣባላት ጉባኤ ነዚ ኵነታት እዚ ክርድእዎን ድንጋጽ ከርእዩን ኣለዎም።​—⁠ፊልጲ 4:⁠5

ሽማግለታትና ክቡራት ገይርና ክንርእዮም ኣሎና

18, 19. (ሀ) ን1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 7 ምምርማርና: እንታይ ንኽንግንዘብ ኢዩ ኣኽኢሉና፧ (ለ) ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክርስትያን ሰብኡት ብኸመይ ኢና ክንርእዮም ዘሎና፧

18 ንምዕራፍ 7 ናይታ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ ምምርማርና: ነቲ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ብምስዓብ ንዘለዎም ናጽነት ንረብሓታት እታ መንግስቲ ንምግልጋል ዝጥቀምሉ ዘለዉ ብዙሓት ንጽል ሰባት ከም ዘለዉ ክንርዳእ ኣኽኢሉና ኢዩ። ንኣንስቶም ዝግባእ ቈላሕታ እናሃቡ: በቲ ዝንኣድ ምትሕብባር ኣንስቶም ተደጊፎም ከም ናይ ኣውራጃታት: ወረዳታት: ጉባኤታት: ከምኡውን ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ተዓዘብቲ ብምዃን ዘገልግሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቈልዑ ዘይብሎም ምርዑዋት ኣሕዋት እውን ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ድማ: ኣብተን ዳርጋ 80,000 ኣቢለን ዝዀና ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ: ንኣንስቶምን ደቆምን ፍቕራዊ ሓልዮት ዝህቡ ጥራይ ዘይኰኑስ ከም ሓለይቲ ጓሶት መጠን ንኣሕዋቶም ከገልግሉ ግዜ ዘጥፍኡ ብዙሓት ኣቦታት እውን ኣለዉ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:28

19 ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት: ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ: ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:17) እወ: ነቶም ኣብ ኣባይቶምን ኣብ ጉባኤን ጽቡቕ ዘገልግሉ ሽማግለታት ፍቕርን ክብርን ከነርእዮም ዝግባእ ኢዩ። ብርግጽ ‘ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ከነኽብሮም’ ኣሎና።​—⁠ፊልጲ 2:⁠29

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1 ለካቲት 1978 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 31⁠-⁠2 ርአ።

b ናይ 1 ታሕሳስ 1960 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 735⁠-​6 ርአ።

ብመልክዕ ድግማ

◻ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ብዙሓት ሽማግለታት ስድራቤት ዘለዎም ሰብኡት ከም ዝነበሩ ብኸመይ ንፈልጥ፧

◻ ካብቶም ቈልዑ ዘለውዎም ምርዑዋት ሽማግለታት ዝድለ እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

◻ “ኣመንቲ ውሉድ” ዘለውዎ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ: ይኹን እምበር ናይ ሓደ ሽማግለ ውሉድ ንየሆዋ ከገልግል ምስ ዘይመርጽከ እንታይ ይኹን፧

◻ በየናይ መዳያት ኢዩ ሓደ ሽማግለ ‘ነቶም ናቱ ክሓሊ’ ዘለዎ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ጽኑዓት ስድራቤታት: ጽኑዓት ጉባኤታት ኢየን ዘቝማ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ