ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 1/14 ገጽ 7
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ
  • ኢጣልያ
  • ጃፓን
  • ብራዚል
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
  • ብዙሓት መንእሰያት ዘይግደስሉ መጽሓፍ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ቀጻሊ ጻዕሪ
    ንቕሑ!—2001
ንቕሑ!—2014
g 1/14 ገጽ 7

ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ

ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ እትነብር ኣፍሪቃዊት ኣደ ምስ ውሉዳ

ኣብተን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዩኒሴፍ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ “ካብቶም ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ፡ እቶም 38 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ምስክር ወረቐት ልደት ዘለዎም።” ኰይኑ ግና፡ ኣብ ዩኒሴፍ፡ ምክትል ሓላፊት ምብራቓውን ደቡባውን ዞባ ኣፍሪቃ ዝዀነት ኤልካ ቪሽ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብ ገሊኡ እቲ ኸባቢ፡ “ቈልዑ ኽንክን ጥዕናን ትምህርትን ኪረኽቡ እንተ ዀይኖም፡ ዘኽታማት ቈልዑ ኸኣ ንብረት ወለዶም ኪወርሱ እንተ ዀይኖም፡ ምስክር ወረቐት ልደት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።”

ኢጣልያ

ብኢንተርነት ዚግበር መጥቃዕቲ ዜጋጥማ ዘሎ ኢጣልያዊት መንእሰይ

ንኢጣልያውያን መንእሰያት ብቐንዱ ዜፍርሆም፡ ብኢንተርነት ዚግበር መጥቃዕቲ ምዃኑ፡ ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ካብቶም ካብ 12 ኽሳዕ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ 72 ሚእታዊት ዚዀኑ ብኢንተርነት ዚግበር መጥቃዕቲ ኣመና እዩ ዜፍርሆም። እዚ ኣሃዝ እዚ ኸኣ ካብቶም ሓሽሽ (55 ሚእታዊት)፡ ጾታዊ ዓመጽ (44 ሚእታዊት)፡ ወይ ከኣ ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማም (24 ሚእታዊት) ዜፍርሆም ሰባት ንላዕሊ እዩ።

ጃፓን

ጃፓናዊ መንእሰይ

ዘ ጃፓን ታይምስ ከም ዝሓበረቶ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ቦታ ስራሖም ዝያዳ ሽመት ኪውሃቦም ዘይደልዩ መንእሰያት ጃፓናውያን ይውስኽ ኣሎ። ካባታቶም እቶም 40 ሚእታዊት፡ እቲ ዚርእይዎ ጕድለት ስነ ምግባርን ቀጠፍጠፍን ስለ ዜጕህዮም እዮም ዝያዳ ሽመት ዘይደልዩ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት፡ ርእይቶኦም ኪገልጹ ወይ ከኣ ምስ ሓለፍቶም ናይ ልቦም ኣውጺኦም ኪዛረቡ ዘይክእሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። እቶም ዓበይቲ ሰራሕተኛታት ምስ ኣስራሕቶም ንነዊሕ እዋን ዚጸንሑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብቶም መንእሰያት ሰራሕተኛታት ግና እቶም 60 ሚእታዊት፡ ካልእ ዝሓሸ ስራሕ ክሳዕ ዚረኽቡ እዮም ዚሰርሑ።

ብራዚል

ሽጉጥ

ካብ 1980 ክሳዕ 2010፡ ኣስታት 800,000 ዚዀኑ ተቐማጦ ብራዚል ብኣጽዋር ተቐቲሎም እዮም። ካብቶም ግዳያት እቶም ልዕሊ 450,000 ዚዀኑ፡ ካብ 15 ኽሳዕ 29 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም ነይሮም። ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እተፈጸመ ገበናት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ መብዛሕትኡ ቕትለት ዚፍጸም፡ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጻ፡ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ብዜጋጥም ባእሲ፡ ብቕንኢ፡ ወይ ከኣ ኣብ መንጎ መራሕቲ ማካይን ብዚለዓል ቈየቛ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ