ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 2 ገጽ 8-9
  • ውሉድካ ንዕድመ ብጽሕና ኺዋጽኣሉ ምሕጋዝ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውሉድካ ንዕድመ ብጽሕና ኺዋጽኣሉ ምሕጋዝ
  • ንቕሑ!—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ሰብነተይ እንታይ እዩ ዚኸውን ዘሎ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ምስ ኣባጽሕ ምዝርራብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2016
  • ዝባጽሐ ውሉድካ ነቲ ዝመሃርካዮ ሃይማኖት ኣብ ሕቶ ኼእትዎ ኸሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 2 ገጽ 8-9
ሓደ ኣቦ ንወዱ ይዛረቦ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ውሉድካ ንዕድመ ብጽሕና ኺዋጽኣሉ ምሕጋዝ

ኣቦን ወድን፡ ብጽሕና ኻብ ግዜ ቝልዕነት ናብ እኹል ሰብ ዚወስድ መገዲ ምዃኑ ናብ ዜርኢ መሐበሪ ምልክት ይጥምቱ

ጸገም

ነቲ ህጻን ዝነበረ ውሉድካ ኣብ ሕቕፎኻ ሒዝካሉ ዝነበርካ እዋን ከምዛ ትማሊ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ሕጂ ግና ናብ ብጽሕና እዩ ዚኸይድ ዘሎ።

ውሉድካ ነዚ ናብ እኹል ሰብ ዚሰጋገረሉ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ዜጨንቕን ዜሰንብድን ኪኸውን ዚኽእል እዋን ኪዋጽኣሉ ኽትሕግዞ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ብጽሕና ዚጅምረሉ ዕድመ እተፈላለየ እዩ። ካብ ሸሞንተ ዓመት ክሳዕ 17 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድመ ኺጅምር ይኽእል እዩ። ለቲንግ ጎ ዊዝ ላቭ ኤንድ ኮንፊደንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ “ብጽሕና ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ እዩ ዚጅምር።”

ብጽሕና ርእሰ ምትእምማንካ ኼጥፍኣልካ ይኽእል። እቶም ኣብ ዕድመ ብጽሕና ዘለዉ ውሉዳት ምስ ካልኦት ኪነጻጸሩ ኸለዉ ዝያዳ ተነቀፍቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጃሬድ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ብዛዕባ ትርኢተይን ተግባራተይን ዝያዳ ኽግደስ ጀሚረ። ምስ ካልኦት ክኸውን ከለኹ፡ ከም ስግንጢር ገይሮም ይርእዩኒ እንተ ዀይኖም የተሓሳስበኒ ነይሩ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ።a ብፍላይ ፈጸጋ ኺወጾም ከሎ ርእሰ ምትእምማን ኬጥፍኡ ይኽእሉ እዮም። ጓል 17 ዓመት ዝዀነት ኬሊ፡ “ገጸይ እተበላሸወን ክፍእቲ ዝዀንኩን ኰይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ እበኪ ነይረ” ብምባል ተዘክሮኣ ገለጸት።

እቶም ቀልጢፎም ኣብ ዝባጽሑ ዝያዳ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም። ብፍላይ እተን ቀልጢፈን ኣጥባት ዜውጽኣ ወይ ቅርጺ ሰበይቲ ዚሕዛ ኣዋልድ ኣደዳ ላግጺ ኪዀና ይኽእላ እየን። ኤ ፓረንትስ ጋይድ ቱ ዘ ቲን ይርስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣቓልቦ እቶም ብጾታዊ መገዲ ዝያዳ ተመክሮ ኼጥርዩ ዚደልዩ ብዕድመ ዚዓብዩወን ኣወዳት እየን ዚስሕባ” በለት።

ብጽሕና ኻብ ብስለት እተፈልየ እዩ። ምሳሌ 22:15፡ “ንልቢ ቘልዓ [“መንእሰይ፡” NW እግረ ጽሑፍ] ዕሽነት ተቘራንይዎ ኣሎ” ትብል። ብጽሕና ኸኣ ነዚ ኣይቅይሮን እዩ። ሓደ መንእሰይ እኹል ሰብ ዝዀነ ኺመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ዩ ኤንድ ዮር ኣዶለሰንት ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ “ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብር፡ ብሓላፍነት ኪመላለስ፡ ርእሰ ግትኣትን ብስለትን ኬርኢ ይኽእል እዩ ማለት ኣይኰነን።”

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንውሉድካ ኣብ ዕድመ ብጽሕና ኸይበጽሐ ኸሎ ብዛዕባኡ ኣዘራርቦ። ንውሉድካ ኸም ጽግያትን (ንኣዋልድ) ብለይቲ ዚፈስስ ዘርእን (ንኣወዳት) ዝኣመሰለ ነገራት፡ ኬጋጥሞ ምዃኑ ንገሮ። እዚ ተርእዮ እዚ፡ ከምቲ ቐስ እናበለ ዚርአ ናይ ብጽሕና ለውጥታት ዘይኰነስ፡ ሃንደበት ዜጋጥምን ዜጨንቕን ሕሉፍ ሓሊፉ ዜፍርህን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኽትዛራረብ ከለኻ፡ ብጽሕና፡ እኹል ሰብ ክትከውን መገዲ ዚጸርግ ጠቓሚ ለውጢ ምዃኑ ብኣወንታዊ መገዲ ግለጽ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዝሙር 139:14።

ብግልጺ ተዛረብ። ጆን ዝስሙ መንእሰይ፡ “ወለደይ ብዛዕባ ብጽሕና ኺዛረቡኒ ኸለዉ ላዕለ ላዕሉ ጥራይ እዮም ዜዕልሉኒ ነይሮም” ብምባል ተዘክሮኡ ገለጸ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ብግልጺ እንተ ዚዛረቡኒ ምሓሸ ነይሩ” በለ። ኣላን ዝስማ ጓል 17 ዓመት መንእሰይ እውን ብተመሳሳሊ፡ “ኣደይ ነቲ ኣብ ኣካላተይ ዚርአ ዝነበረ ለውጥታት ክርድኦ ሓጊዛትኒ እያ፣ ብዝያዳ ግና ብስምዒታዊ መዳይ እንተ ትሕግዘኒ ምሓሸ ነይሩ” በለት። ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ እዚ ምስ ውሉድካ ምዝርራብ ኬሰክፈካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ዅሉ መዳያት ብጽሕና ብግልጺ ኻብ ምዝራብ ድሕር ኣይትበል።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ግብሪ ሃዋርያት 20:20።

ኬመያይጠኩም ዚኽእል ሕቶታት ሕተት። ውሉድካ ፍዅስ ኢልዎ ምእንቲ ኼዘራርበካ፡ ብሰንኪ ብጽሕና ንኻልኦት እንታይ የጋጥሞም ከም ዘሎ ሕተቶ። ንኣብነት፡ ንጓልካ፡ “ካብ መማህርትኺ ጽግያት ከም ዝጀመረን ዚዛረባ ኣለዋዶ፧ እቶም ኣወዳትከ ነተን ቀልጢፈን ዝጐርዘዋ ኣዋልድ የላግጹለንዶ፧” ኢልካ ኽትሓትታ ትኽእል ኢኻ። ንወድኻ ድማ፡ “መማህርትኻ ነቶም ኣካላዊ ዕቤት ዘይገበሩ መንእሰያት የባጭውሎምዶ፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። እቶም ኣብ ዕድመ ብጽሕና ዘለዉ ውሉዳት፡ ብጽሕና ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዝጸለዎም ኪነግሩኻ ምስ ዚጅምሩ፡ ብዛዕባ ስምዒታቶምን ዜጋጥሞም ነገራትን ናጻ ዀይኖም ኬዕልሉኻ ኺፈዅሶም ይኽእል እዩ። ኪዛረቡኻ ኸለዉ ድማ፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ” ኹን።—ያእቆብ 1:19።

ውሉድካ ‘ግብራዊ ጥበብን ምምዝዛንን’ ኬማዕብል ሓግዞ። (ምሳሌ 3:21፡ NW) ብጽሕና ኣካላውን ስምዒታውን ለውጥታት ዚረኣየሉ ግዜ ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ግዜ እዚ፡ እቲ ኣብ ዕድመ ብጽሕና ዘሎ ውሉድካ፡ እኹል ሰብ ምስ ኰነ ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብር ዚሕግዞ ናይ ምሕሳብ ክእለት ዜማዕብለሉ እዋን እዩ። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ኣብ ውሉድካ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ንምስራጽ ተጠቐመሉ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እብራውያን 5:14።

ኣይትተሓለል። ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ ብጽሕና ምስ ወለዶም ኪዛራረቡ ዚደልዩ ኣይመስሉን እዮም፣ በዚ ግና ኣይትተዓሾ። እታ ዩ ኤንድ ዮር ኣዶለሰንት ዘርእስታ መጽሓፍ፡ እቲ “ፈጺሙ ዘይግደስ፡ ብዛዕባኡ ንምዝራብ ባህ ዘይብሎን ዜሰልክዮን፡ ወይ ጸማም እዝኒ ዚህብ ዚመስል ውሉድ እውን ከይተረፈ፡ ንዅሉ ዝበልካዮ ኺዝክሮ ይኽእል እዩ” በለት።

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ።”—መዝሙር 139:14።

  • ‘ዚጠቕመኩም ካብ ምንጋር ኣየድሓርሓርኩን።’—ግብሪ ሃዋርያት 20:20።

  • ‘እቶም ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘላመዱ ብሱላት እዮም።’—እብራውያን 5:14።

“ወለደይ ኣብ እዋን ጕርዝናይ ብዙሕ እዮም ደጊፎምኒ። ብፍላይ ድማ ኣደይ ግዜ ወሲዳ ብዛዕባ ዅሉ ነገራት ገሊጻትለይ እያ። እንታይ ከም ዜጋጥመኒ ድሮ ፈሊጠ ስለ ዝጸናሕኩ፡ ኣብ ጕርዝውና ምስ ኣተኹ ኣይሰንበድኩን። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣደይ ፍዅስ ኢሉኒ ኸም ዝዛረባ ትገብር ነይራ። ወለደይ ንዅነታተይ ኣቕሊለ ኽርእዮ ሓጊዞምኒ እዮም።”—ማሪ፡ 16።

“ወለደይ ኵሉ ግዜ ኣብ ጐድነይ እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ እቲ ለውጥታት የሕፍረኒ ኸም ዝነበረ ስለ ዘስተውዓሉ፡ ንብሑትነተይ ኬኽብሩለይ ይጽዕሩ ነይሮም። ንኻልኦት ብዛዕባ እዚ ዘይምንጋሮም እውን ሓጊዙኒ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እንታይ ከም ዜጋጥመኒ ኣቐዲሞም ነጊሮምኒ ነይሮም እዮም።”—ጆኣን፡ 18።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ