ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 6 ገጽ 7
  • ዓለባ ማስል ባሕሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓለባ ማስል ባሕሪ
  • ንቕሑ!—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2016
  • ገዛእ ርእሱ ዜጽሪ ቘርበት ዓሳ ኣንበሪ
    ተነዲፉ ድዩ፧
  • መጣበቒ ባርናክል
    ተነዲፉ ድዩ፧
  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሕብርን ዓለባን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 6 ገጽ 7
ማስል ባሕሪ

ተነዲፉ ድዩ፧

ዓለባ ማስል ባሕሪ

ማስል ባሕሪ ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ዕንጨይትን ኣብ ኣካል መርከብን ዚጣበቑ ኻብ ዘርኢ ሞሉስካ ዝዀኑ ዓይነት እንስሳ ባሕሪ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ከምቶም ምስ ዝባን ሓደ ነገር ልሕግ ኢሎም ዚጣበቑ ገሊኦም እንስሳታት ባሕሪ ዘይኰኑስ፡ ዓለባ ቢሰስ ብዚብሃል መርበብ ተጣቢቖም እዮም ጠልጠል ዚብሉ። እዚ ሜላ እዚ ነቶም ማስል ባሕሪ ኣብ ኣመጋግባን ኣብ ጕዕዞን ኪተዓጻጸፉ ዚሕግዞም እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዓለባ ኣዝዩ ረቂቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ማዕበላት ውቅያኖስ ኪጻወር ዚኽእል ኣይመስልን እዩ። እሞ ደኣ እቲ ዓለባ ነቶም ማስል ብማያት ባሕሪ ኸይተፈንቀሉ ምስቲ እተጣበቑሉ ኺለግቡ ዜኽእሎም ብኸመይ እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ዓለባ ቢሰስ፡ እቲ ሓደ ጫፉ ተሪር፡ እቲ ኻልእ ጫፉ ድማ ልስሉስን ተመጣጥን እዩ። ካብቲ ማስል ዚጥቀመሉ ዓለባ ቢሰስ፡ እቲ 80 ሚእታዊት ተሪር ኪኸውን ከሎ፡ እቲ 20 ሚእታዊት ድማ ልስሉስ እዩ። እዚ መጠነ ዝምድና እዚ ኸኣ፡ ንሓደ ነገር ምስ ካልእ ብጽኑዕ ንምጥባቕ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ፡ ተመራመርቲ ፈሊጦም ኣለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዓለባ ቢሰስ ንሃንደበታዊ ስሕበትን ድፍኢትን ማያት ባሕሪ ኺጻወር ይኽእል እዩ።

ፕሮፌሰር ጋይ ጀኒን፡ ውጽኢት እዚ መጽናዕቲ “ዜደንቕ” ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ “ኣብ መንጎ እቲ ልስሉስን ተሪርን ክፋል እዚ ህይወታዊ ዘሎ ምውህሃድ፡ ኣዝዩ ዚምስጥ እዩ” ይብል። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ንድፊ ዓለባ ቢሰስ ንገለ መሳርሒታት ምስ ህንጻታትን ምስ ትሕተ ማያዊ መራኽብን ኣብ ምጥባቕ፡ ንጅማት ምስ ዓጽሚ ኣብ ምልጋብ፡ ከምኡ ድማ መጥባሕቲ ኣብ ምዕባስ ኪጠቅም ከም ዚኽእል እዮም ዚኣምኑ። ኣብ ሳንታ ባርባራ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ዚዓዪ ፕሮፌሰር ሀርበርት ወይት፡ “መጣበቒ ንምስራሕ፡ ካብቲ ኣብ ፍጥረት ዚርከብ ማእለያ ዘይብሉ ዜደንቕ ነገራት ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና” ይብል።

እንታይ ይመስለካ፧ ዓለባ እቲ ማስል ዚብሃል እንስሳ ባሕሪ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ