ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwwd ዓንቀጽ 8
  • መጣበቒ ባርናክል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጣበቒ ባርናክል
  • ተነዲፉ ድዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገዛእ ርእሱ ዜጽሪ ቘርበት ዓሳ ኣንበሪ
    ተነዲፉ ድዩ፧
  • ዓለባ ማስል ባሕሪ
    ንቕሑ!—2016
  • ምስጢር ዓለባ ሳሬት
    ንቕሑ!—2014
ተነዲፉ ድዩ፧
ijwwd ዓንቀጽ 8
ባርናክላት

ተነዲፉ ድዩ፧

መጣበቒ ባርናክል

ተመራመርቲ ስነ እንስሳ ነቶም ባርናክላት ዚብሃሉ ኣብ ባሕሪ ዚርከቡ ህይወታውያን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ወደባትን ኣብ መራኽብን ተላሒጎም ንምልጋብ ዘለዎም ክእለት ካብ ቀደም ኣትሒዞም ይፈልጥዎ እዮም። መጣበቒ ባርናክል፡ ሰብ ካብ ዝሰርሖ መጣበቒ ኣጸቢቑ ኸም ዚበልጽ ይንገረሉ እዩ። ባርናክላት ምስ ዝጠልቀየ ጽፍሒ ብኸመይ ከም ዚጣበቑ ግና ክሳዕ እዚ ቐረባ ግዜ ምስጢር ኰይኑ እዩ ጸኒሑ ነይሩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሓደ ኣብ ባሕሪ ኺሕምብስ ዚኽእል ዕጭ (ላርቫ) ባርናክል ምስ ሓደ ነገር ቅድሚ ምጥባቑ፡ ንዕኡ ዚጥዕሞ ቦታ ንምምራጽ እተፈላለየ ጽፍሕታት ይምርምር እዩ። ነታ ዚደልያ ቦታ ምስ ሓረየ፡ ካብ ኣካሉ ኽልተ ነገራት ይነዝዕ እዩ። እቲ ቐዳማይ ከም ቅብኢ ዝኣመሰለ ነገር ኰይኑ፡ ነቲ ማይ ካብቲ እተሓርየ ጽፍሒ የልግሶ። ብዘይካዚ ድማ፡ ነቲ ፎስፎፕሮቲን ዚብሃል ካልኣይ ዚነዝዕ ነገር ዚምሽእ ኵነታት ይፈጥረሉ።

እዚ ኽልቲኡ ኻብ ባርናክል ዚነዝዕ ነገራት ከኣ፡ ብባክተርያ እውን ዘይበላሾ ብርቱዕ መጣበቒ ይሰርሕ እዩ። እቲ ባርናክል ዝተረፈ ምሉእ ህይወቱ ኣብታ ቦታ እቲኣ ተጣቢቑ ስለ ዚነብር፡ ከምዚ ዝበለ ብርቱዕ መጣበቒ ምስራሑ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ባርናክላትን ብመጕልሒ ዚርአ ጽሕግታት መጣበቒ ባርናክልን

ባርናክላትን ብመጕልሒ ዚርአ ጽሕግታት መጣበቒ ባርናክልን

እቲ ባርናክል መጣበቒ ዜዳልወሉ መስርሕ፡ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዚሕሰብ ዝነበረ ኣጸቢቑ እተሓላለኸ እዩ። ሓደ ኣባል እቲ ነዚ መስርሕ እዚ ዝፈለጥዎ ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ብማይ ኣብ ዝጠልቀየ ጽፍሒ ኸተጣብቕ ኣብ እትደልየሉ እዋን፡ “ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዜኽእል ኣዝዩ ዜደንቕ ተፈጥሮኣዊ ፍታሕ እዩ” ኢሉ ሓሳቡ ሂቡ ኣሎ። እዚ ርኽበታት እዚ ንተመራመርቲ፡ ኣብ ኤለክትሮኒክን ኣብ ሕክምናዊ ተኸላን ኣብ ውሽጢ ማይ ኪዓዪ ዚኽእል መጣበቒ ንምድላው ኪሕግዞም ይኽእል እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ መጣበቒ ባርናክል ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ