ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 1/14 ገጽ 16
  • ምስጢር ዓለባ ሳሬት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስጢር ዓለባ ሳሬት
  • ንቕሑ!—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብቲ ዓለባ ሳሬት ቈጽሊ ኣላ!
    ንቕሑ!—2002
  • ጽልግልግ ዝበለ ርእየት ዘላሊት ሳሬት
    ንቕሑ!—2013
  • ፍልቀት ርትዓዊዶ ኢዩ፧
    ንቕሑ!—2001
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2014
ንቕሑ!—2014
g 1/14 ገጽ 16
ሳሬታ ዓለባ ኽትኣልም ከላ

ተነዲፉ ድዩ፧

ምስጢር ዓለባ ሳሬት

ኣብ ኣባይቲ ኣመሪካውያን እትርከብ ሳሬት (ፓራስቲኣቶዳ ተፒዳርዮረም)፡ ኣብ መንደቕ ኣዝዩ ዚጣበቕ፡ ኣብ መሬት ግና ብቐሊሉ ኺብጠስን ንዚኸይድ ዘሎ ግዳይ ልክዕ ከም ሞላ ተፈንጢሩ ኺሕዝ ዚኽእልን ዓለባ ኽትኣልም ትኽእል እያ። እዛ ሳሬት እዚኣ፡ ሓደ ዓይነት መጣበቒ እትጥቀም ክነሳ፡ ሓዲኡ ኣዝዩ ዚጣበቕ፡ ሓዲኡ ኸኣ ብቐሊሉ ዚብጠስ ዓለባ ኽትኣልም እትኽእል ብኸመይ እያ፧

ስካፎልዲንግ ዲስክ ሳሬት

ስካፎልዲንግ ሲልክ

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እታ ሳሬት ኣብ መንደቕ፡ ኣብ ናሕሲ፡ ወይ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ በሪኽ ቦታታት እትኣልሞ ዓለባ፡ ስካፎልዲንግ ሲልክ ዚብሃል ኣዝዩ ዚጣበቕ ዓለባ እዩ፣ እዚ ዓለባ እዚ፡ ንዚነፍር ዘሎ ግዳይ ደው ናይ ምባል ዓቕሚ ኣለዎ። ብኣንጻሩ ግና፡ ኣብቲ ኣብ ኦሃዮ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሮን ዘለዉ ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ፡ እቲ እታ ሳሬት ኣብ መሬት እትኣልሞ ጋምፉት ሲልክ ዚብሃል ዓለባ፡ እተፈልየ ኣሰራርሓ ወይ ኣተኣላልማ እዩ ዘለዎ። እዚ ዓለባ እዚ፡ ካብቲ ስካፎልዲንግ ሲልክ ዚብሃል ብእተፈልየ መገዲ፡ ብቐሊሉ ዚብጠስን ነቲ ብእኡ ዚሓልፍ ግዳይ ተፈንጢሩ ብምዕባጥ ንላዕሊ ዜንጠልጥሎን እዩ።

ጋምፉት ዲስክ ሳሬት

ጋምፉት ሲልክ

ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሮን ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኸም ዝሓበሮ፡ እቶም ነዚ ዜገርም ተፈጥሮኣዊ ርኽበት ዝረኸቡ ተመራመርቲ፡ “ነቲ እታ ሳሬት እትጥቀመሉ ኣዝዩ ዜደንቕ ንድፊ ብምቕዳሕ፡ ኣርተፊሻል መጣበቒ ኺሰርሑ ይጽዕሩ ኣለዉ።” ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ንፕላስተር ቍስሊ ዚኸውንን እተሰንጠቐ ዓጽሚ ንምሕካም ዚውዕልን መጣበቒ ኺሰርሑ ኸም ዚኽእሉ ተስፋ ይገብሩ እዮም።

እንታይ ይመስለካ፧ ሓዲኡ ኣዝዩ ዚጣበቕ፡ ሓዲኡ ኸኣ ብቐሊሉ ዚብጠስ ዓለባ ሳሬት፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ