ኣብቲ ዓለባ ሳሬት ቈጽሊ ኣላ!
ብወኪል ንቕሑ! ካብ ኣውስትራልያ
ነዛ ዝነቐጸትን እተዓዅለለትን ቈጽሊ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ኣብ ዓለባ ሳሬት ተንጠልጢላ ምህላዋ እውን ኣስተብህል። መጀመርታ ርእይ ምስ ኣበልካያ: ንፋስ ናብቲ ዓለባ ሳሬት ዘምጽኣ ይመስለካ ይኸውን። እዛ ቘጽሊ እዚኣ ግን ሓደ ዘደንቕ ነገር ዝሓዘት ኢያ።
እዛ እትርእያ ዘሎኻ ቘጽሊ ፍልይ ዝበለት ቤት ናይታ ቘጽሊ እትዕዅልል ሳሬት ኢያ: እዛ ፍጥረት እዚኣ ድማ ብሓቂ እተደንቕ ኢያ። ቈጽሊ ዓዅሊላ ውሽጡ ብዓለባ ሳሬት ብምሽፋን ቤታ እትሰርሕ እንኮ ዓይነት ሳሬት ኢያ። እንተዀነ ግን: ንፋስ ናብቲ ዓለባኣ ዘምጽኣላ ቘጽሊ ጥራይ ድያ እትጥቀም፧ ከምኡ ይመስል ይኸውን። ተጠንቂቕካ ምስ እትምርምር ግን ኰነ ኢልካ ዝግበር ነገር ከም ዘሎ ትርዳእ። መጀመርታ እታ ሳሬት ምናልባት ካብቲ ኣብ ባይታ እትረኽቦ ኣቝጽልቲ ተጠንቂቓ ሓንቲ ቘጽሊ ትመርጽ። ድሕሪኡ ምስ ዓዅለለታ ምእንቲ ኸይትፍታሕ ብዓለባ ሳሬት ገይራ ትኣስራ።
ይኹን እምበር: እዛ ሳሬት እዚኣ ብቘጽሊ ጥራይ ኣይኰነትን ቤታ እትሰርሕ። ኣብ ከባቢ ኸተማታት እንተ መጺኣ ቍራጽ ጋዜጣ: ረቂቕ ካርቶን: ወይ እተጓሕፈ ቲከት ትጥቀም ኢያ። ዛዕጐል ኣረነ እውን ጥራዩ እንተ ረኺባቶ: ቤታ ኻብ ምግባር ንድሕሪት ኣይትምለስን ኢያ። ሓንቲ ሳሬት ነቲ ኻብ ክብደታ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዝበልጽ ዛዕጐል ኣረነ ናብቲ ዓለባኣ ብምውሳድ መንበሪኣ ገይራቶ ኢያ።
ሕጂ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እዚ ቘጽሊ እዚ ሳሬት እንተ ሃልያ ንምርኣይ ትፍትን ከም ዘሎኻ ጌርካ እሞ ብኣእምሮኻ ሕሰብ። ነታ ቘጽሊ ትንክፍ ምስ ኣበልካያ: ሓንቲ ንእሽቶ ምልክዕቲ ሳሬት ቀልጢፋ ትወጽእ እሞ በቲ ዝሰርሓቶ ናይ ዓለባ መስመር ኣቢላ ቀስ ኢላ ናብ ባይታ ትወርድ። እዛ ሳሬት እዚኣ ኣይትጓዳእን ኢያ። ዋላ እውን እንተ ኣሸገርካያ ንእሽቶ ቐጭ ካብ ምባል ሓሊፋ ንሰብ ምንም ጕድኣት ኣይተውርድን ኢያ።
ቀትሪ መብዛሕትኡ ግዜኣ ኣብ ውሽጢ እታ ቘጽላ ኢያ እተዕርፍ። ለይቲ ግን ብዙሓት ሓሸራታት ናብዝን ናብትን ስለ ዝንቀሳቐሱ: ኣብ ኣፍደገ እቲ ቘጽሊ ደው ኢላ ተድቢ። ኣብቲ ‘መስመር ቴለግራፍ’ ማለት ኣብ ሓደ ኻብታ ቘጽሊ ናብ ማእከል እቲ ዓለባ ሳሬት እተዘርግሐ መስመር ሓደ እግራ ብምዕራፍ ከባቢኣ ትቈጻጸር። ሓደ ሓሸራ ምስቲ ዓለባ ሳሬት እንተ ተጋጭዩ: እታ ሳሬት ብቕልጡፍ ናብኡ ገጻ ብምኻድ ሒዛ ትበልዖ።
እዛ እተደንቕ ንእሽቶ ሃናጺት ቤት እዚኣ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ጫካታት ኣውስትራልያ ዝርከባ ዘስተንክራ ፍጥረታት ኢያ።