ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/1 ገጽ 26
  • ፍልቀት ርትዓዊዶ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍልቀት ርትዓዊዶ ኢዩ፧
  • ንቕሑ!—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጽልግልግ ዝበለ ርእየት ዘላሊት ሳሬት
    ንቕሑ!—2013
  • ምስጢር ዓለባ ሳሬት
    ንቕሑ!—2014
  • ኣብቲ ዓለባ ሳሬት ቈጽሊ ኣላ!
    ንቕሑ!—2002
ንቕሑ!—2001
g01 8/1 ገጽ 26

ፍልቀት ርትዓዊዶ ኢዩ፧

ሎሚ ናይ ፍልቀት ክልሰ⁠-​ሓሳብ በቶም ከም ዘስፋሕፍሕ ዝገብርዎ ሰባት እተረጋገጸ ነገር ከም ዝዀነ ገይርካ ኢዩ ዝንገረሉ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ብተደጋጋሚ ዝህብዎ መግለጺታት ክሳዕ ክንደይ ርትዓዊ ኢዩ፧ ነዚ ዝስዕብ እስከ ርአ።

ዓለባ ሳሬት ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጽኑዓት ዝበሃሉ ነገራት ኢዩ። ብመሰረት ኒው ሳይንቲስት (እንግሊዝኛ) “ነፍሲ ወከፍ ጽሕጊ ዓለባ ሳሬት ካብ ንውሓቱ 40 ሚእታዊት ክምጠጥ: ካብቲ ኣቻዮ ክጻወሮ ዝኽእል ድማ ብሚእቲ ዕጽፊ ዝበዝሕ ሓይሊ ከይተበጠሰ ክጻወር ይኽእል ኢዩ።” እዚ ሓለፍ ዝበለ ነገር እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝስራሕ፧ ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) መለግለግ ዝብል ፕሮቲን በቲ ኣብ ሳሬት ዝርከብ ጸቢብ ትቦ ይሓልፍ እሞ: እቲ ኣሰራርዓ ሞለክዩላት ፕሮቲን ስለ ዝልወጥ ናብ ተሪር ፈትሊ ዝመስል ነገር ይቕየር።

ኒው ሳይንቲስት “ሳሬት እቶም ኣዝዮም ክኢላታት ቀመምቲ ፈጺሞም ዘይበጽሕዎ ኣገባባት ኣማዕቢላ ኢያ” ብምባል ትድምድም። ሳሬት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብምምሕያሽ ወድሰብ ገና ዘይተረድኦ ኣዝዩ እተሓላለኸ ኣገባባት ኣማዕቢላ ምባልስ ክትቅበሎ ዝከኣል ድዩ፧

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ናይ ሕጊ ፕሮፌሰር ዝዀነ ፊሊፕ ኢ. ጆንሰን: ንናይ ፍልቀት ክልሰ⁠-​ሓሳብ ዝድግፍ መርትዖ ከም ዘየለ: እንተ​ዀነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ነዚ ክልሰ⁠-​ሓሳብ እዚ ዝጣበቕሉ ሰባት ነቶም ንሓቅነት ፍልቀት ኣብ ሕቶ ዘእትዉ ከም ዘላግጹሎም ኣብ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል (እንግሊዝኛ) ኣብ ዝወጸት ዓንቀጽ ገሊጹ ኣሎ። እታ ዓንቀጽ ከምዚ ትብል:- “ናይ ፍልቀት ክልሰ⁠-​ሓሳብ መርትዖታት ኣብ ምቕራብ ከቢድ ጸገም ኣለዎ: እቶም ዝጣበቑሉ ግን ነቲ ኣረኣእያኦም ከፍርስ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ብቕንዕና ዝግበር መጎተ ኣይቅበሉን ኢዮም።”

ካልእ ኣብ ናይ ፍልቀት ክልሰ⁠-​ሓሳብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዘይረኣየሉ መዳይ: ምስ ኣታኽልቲ ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳይ ኢዩ። ኣብ ሞሮኮ ምርምር ዘካይዱ ዝነበሩ ሊቃውንቲ 150 ኣሰረ⁠-​ህይወት ናይቲ ኣርቺዮፕተሪስ ብዅዕታ ኣውጺኦም፣ እዚ ኣሰረ⁠-​ህይወት እዚ “ካብቲ ክሳዕ ሕጂ እተረኽበ ምስቲ ናይ መጀመርታ ዘርኢ ዘለዎ ኣታኽልቲ ኣጸቢቑ ዝቀራረብን ንመብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ ኣእዋም መሰረት ምዃኑን” እታ ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ደይሊ ቴለግራፍ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ጋዜጣ ገሊጻ። ኣዳላዊ ናይቲ ኣብዛ ጋዜጣ እዚኣ ዝወጽእ ናይ ስነ⁠-​ፍልጠት ዓምዲ: እዚ ተኽሊ እዚ “ኣቝጽልትን ጨናፍርን ብምምሃዝ እዛ ዘመናዊት ዓለምና ሕጂ ሒዛቶ ዘላ መልክዕ ንኽህልዋ ሓገዘ” ኢሉ ጸሓፈ። “ምምሃዝ” ክበሃል ከሎ “ሓሲብካ ምብልሓት” ማለት ኢዩ። ተኽሊ ናይ ምሕሳብን ምምሃዝን ክእለት ኣለዎ ምባልስ ርትዓዊዶ ኢዩ፧

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጥበበኛታት ዝዀነ ሰሎሞን ‘ናይ ምሕሳብ ክእለትና ክንሕልዎን’ ሰባት ብዝበሉና ንኸይንምራሕን ኣጠንቂቑና ኢዩ። ከምዚ ምግባር: ከም ሎሚ ገይሩ ኣድላዪ ኰይኑ ኣይፈልጥን።​—⁠ምሳሌ 5:⁠2 NW

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ