ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • kr ምዕ. 2 ገጽ 13-29
  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሊዳ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሊዳ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ልኡኸይ . . . ቀቅድመይ መገዲ ኺጸርግ እዩ”
  • ብሓቂ ምምላኽ
  • “ኣቱም ህዝበይ፡ . . . ካብኣ ውጹ”
  • ንኣምልኾ ምእካብ
  • ብቕንኣት ምስባኽ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ተወሊዳ!
  • እዋን ፈተና
  • እዋን ትንሳኤ
  • የሆዋ ንህዝቡ ይእክቦም ንዕዮ ኸኣ የዕጥቖም
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ
  • ናይ ክርስትያን እምነት ክትፍተን ኢያ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቑሓት ኾይኖም ዝመላለስሉ ምኽንያት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • እቲ ንጉስ ኣብታ መንግስቲ ብርሃን የብርህ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
kr ምዕ. 2 ገጽ 13-29

ምዕራፍ 2

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሊዳ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተወልደትሉ ግዜ ኸመይ ገይሮም ከም እተዳለዉ

ኣብ ዓብዪ ነጥበ መቐይሮ ታሪኽ ምንባር ከመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ብዙሓት ይሓስቡ እዮም። ግናኸ፡ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገዳሲ ግዜ እንተ ትነብር ኔርካ፡ ነቲ ለውጢ ዜምጽእ ወሳኒ ፍጻመታት ብኣካል ምረኣኻዮዶ፧ ምናልባት ኣይምረኣኻዮን። እቲ ንኣረጊት ስርዓታት ዜፍርስ፡ ንገጻት መጻሕፍቲ ታሪኽ ከኣ ዚመልእ ፍጻመታት፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተሰዊሩ እዩ ዚፍጸም። ብኻልእ ኣባሃህላ፡ መብዛሕትኡ ታሪኽ ብድሕሪ ዕጹው መዓጹ፡—ንኣብነት፡ ዝፋን ኣብ ዚንበሮ ኽፍሊ፡ ኣብ ብሕታዊ ቤት ምኽሪ፡ ወይ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ፡—እዩ ዚፍጸም። ኰይኑ ግና፡ እዚ ለውጥታት እዚ ንህይወት ሚልዮናት ይጸሉ እዩ።

2 እቲ ኣብ ታሪኽ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተፈጸመ ዅሉ ዝዓበየ ፍጻመኸ፧ እቲ ፍጻመ እቲ ንህይወት ሚልዮናት ጸልዩ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ሰባት ከይረኣይዎ እዩ ተፈጺሙ። ኣብዚ ነቲ እታ ንብምሉኡ ስርዓት ዓለም መወዳእታ እትገብረሉ ንነዊሕ ግዜ ተስፋ እተገብረላ መሲሓዊት መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እተወልደትሉ ፍጻመ ኢና እነመልክት ዘለና። (ዳንኤል 2:34, 35, 44, 45 ኣንብብ።) ሰባት ነዚ ኣገዳሲ ውልደት እዚ ስለ ዘይረኣይዎ፡ የሆዋ ነቲ ፍጻመ ኻብ ሰባት ከም ዝሓብኦ ዲና ኽንድምድም ዘሎና፡ ወይስ ንእሙናት ህዝቡ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣቐዲሙ ኸም ዘዳለዎም፧ እስከ ንርአ።

“ልኡኸይ . . . ቀቅድመይ መገዲ ኺጸርግ እዩ”

3 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባ እቲ መሲሓዊት መንግስቲ እተወልደትሉ ፍጻመ ኼዳልዎም ዕላማ ገይሩ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሚልክያስ 3:1 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ አሎኹ፡ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኺጸርግ እዩ። ብኡብኡ ኸኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፡ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቃል ኪዳን እንሆ።”

4 ኣብ ዘመናዊ ፍጻመ፡ እቲ “ጐይታ” ተባሂሉ ዘሎ የሆዋ ነቶም ኣብ ምድራዊ ኣጸድ እቲ መንፈሳዊ ቤተ መቕደሱ ዜገልግሉ ንምምርማር መዓስ እዩ መጺኡ፧ እቲ ትንቢት ከም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ምስ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” ወይ “ልኡኽ እቲ ኺዳን” (NW) እዩ ዚመጽእ። ንሱኸ መን እዩ፧ ብዘይካ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ሉቃ. 1:68-73) ሓድሽ እተሸመ ገዛኢ ብምዃኑ፡ ኣብ ምድሪ ንዚርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ይምርምሮምን የጽርዮምን።—1 ጴጥ. 4:17።

5 እቲ ኣብ ሚልክያስ 3:1 ፈለማ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ካልእ “ልኡኽ” ደኣኸ መን እዩ፧ እዚ ብትንቢት ተጠቒሱ ዘሎ ልኡኽ፡ ካብቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ኣቐዲሙ እዩ ኺመጽእ ዘለዎ። እሞኸ ኣብቲ ቕድሚ 1914 ዝነበረ ዓመታት፡ ቀቅድሚ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ‘መገዲ ዝጸረገ’ ነይሩዶ፧

6 ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብቲ መሳጢ ታሪኽ ዘመናውያን ህዝቢ የሆዋ፡ ንኸምዚ ዝበለ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና። እዚ ታሪኽ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል መበል 19 ዘመን፡ ኣብቲ ሰፊሕ ግራት ኣምሰሉታት፡ ሓደ ንእሽቶ ጕጅለ እሙናት ሰባት ብሓደ እተጠርነፉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኰይኖም ከም እተቐልቀሉ የርኢ። ንሳቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም እዮም ዚፍለጡ ነይሮም። እቶም ንዓታቶም ዚመርሕዎም ዝነበሩ ድማ፡—ማለት ቻርለስ ቴዝ ራስልን ናይ ቀረባ ብጾቱን፡—ንህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳዊ መምርሒ ብምሃብን ንዚመጽእ ፍጻመታት ብምድላውን፡ ብሓቂ እቲ ብትንቢት እተነግረ “ልኡኽ” ኰይኖም እዮም። እቲ “ልኡኽ” ከምኡ ዝገበረሉ ኣርባዕተ መገድታት እስከ ንርአ።

ብሓቂ ምምላኽ

7 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብጸሎት እተሰነየ መጽናዕቲ ይገብሩ፡ ንጹር ሰረተ እምነታዊ ሓቅታት ከኣ ምስ ተሰማምዑሉ ብሓደ ይእክብዎን ይሓትምዎን ነበሩ። ንሓያሎ ዘመናት፡ ናይ ህዝበ ክርስትያን ዓለም ብመንፈሳዊ ጸልማት ተጐልቢባ ነይራ፣ ሓያሎ ትምህርትታታ ኣብ ኣረማውነት ሱር ዝሰደደ እዩ ነይሩ። ሰረተ እምነት ኢመዋትነት ነፍሲ፡ ቀንዲ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ኣብ 1800ታት ግና፡ ሒደት መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ቕኑዓት ተመሃሮ፡ ነቲ ትምህርቲ እቲ ምስ መርመርዎ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ደገፍ ከም ዘይብሉ ኣስተውዓሉ። ሄንሪ ግሪውን ጆርጅ ስተትሰንን ጆርጅ ስቶርስን ብዛዕባ እቲ ሰይጣናዊ ሓሶት ዜቃልዕ ትምህርቲ ብትብዓት ጸሓፉን መደሩን።a ዕዮኦም ከኣ፡ ኣብ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ኣብ ናይ ቀረባ ብጾቱን ዓሚቝ ጽልዋ ኣሕደረ።

8 እታ ንእሽቶ ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ካልእ ምስ ኢመዋትነት ነፍሲ ዚተሓሓዝ ሰረተ እምነታት ዜደናግርን ሓሶትን ምዃኑ ፈለጠት። ገለ ኻብኡ፡ ኵሎም ቅኑዓት ሰባት ናብ ሰማይ ይኸዱ ወይ ኣምላኽ ንዘይሞታ ነፍሳት እኩያት ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም እሳት የሳቕየን ዚብል ትምህርቲ ኺጥቀስ ይከኣል። ራስልን ናይ ቀረባ ብጾቱን ነዚ ሓሶታት እዚ ኣብ ሓያሎ ዓንቀጻትን መጻሕፍትን ፓምፍለታትን ትራክትታትን ብጽሑፍ እተሓትመ ስብከታትን ብትብዓት ኣቃልዕዎ።

9 ብዘይካዚ፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ብብዙሓት ኣኽቢርካ ዚርአ ሰረተ እምነት ስላሴ ሓሶት ምዃኑ ኣቃልዑ። ብ1887፡ ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋን ጐይታና የሱስን ብንጹር በበይኖም ምዃኖምን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ልክዕ ርክብን ኣዝዩ ንጹር እዩ” በለት። እታ ዓንቀጽ ቀጺላ፡ “ስላሴኣዊ ኣምላኽ፡—ማለት ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣብ ሓደ፡ ሓደ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ሰለስተ፡—ዚብልዎ ሓሳብ፡ ተፈላጥነትን ሓፈሻዊ ተቐባልነትን ምርካቡ” ዜገርም ምዃኑ ድሕሪ ምግላጻ፡ “ከምኡ ዀይኑ ምህላዉ ግና፡ ጸላኢ ብሰንሰለት ስሕተት ኪኣስራ ኸሎ፡ ቤተ ክርስትያን ክሳዕ ክንደይ ለጥ ኢላ ኸም ዝደቀሰት እዩ ዜርኢ” በለት።

10 እታ ዛዮንስ ዎች ታወር ኤንድ ሄራልድ ኦቭ ክራይስትስ ፕረዘንስ (ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛን ኣበሳሪት እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን) ዘርእስታ መጽሔት፡ እቲ ኣርእስታ ኸም ዚሕብሮ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ሓያል ተገዳስነት ነበራ። እቶም ነታ መጽሔት ኣበርክቶ ዝገብሩ ዝነበሩ እሙናት ቅቡኣት ጸሓፍቲ፡ እቲ ብዛዕባ እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ዚገልጽ ትንቢት ዳንኤል፡ ነቲ ምስታ መሲሓዊት መንግስቲ እተኣሳሰረ ዕላማ ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ግዜ ዚምልከት ምዃኑ ኣስተውዓሉ። ገና ብ1870ታት፡ እተን ሸውዓተ ግዝያት ዚውድኣሉ ዓመት 1914 ከም ዝዀነት ኣመልከቱ። (ዳን. 4:25፣ ሉቃ. 21:24) በቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣሕዋትና ንኣገዳስነት እታ ፍልይቲ ዓመት ገና ምሉእ ብምሉእ ዘይተገንዘብዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ ዝፈለጥዎ ግና ብስፍሓት ኣፍለጡ፣ እዚ ድማ ነዊሕ ዝቐጸለ ጽልዋ ኣሕደረ።

11 ራስል ኰነ እቶም እሙናት ብጾቱ፡ ነቲ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ሓቅታት ብምቕላዖምን ብምርዳኦምን ምስጋና ኸም ዚግብኦም ኣይተሰምዖምን። ራስል፡ መብዛሕትኡ ምስጋና ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኸም ዚግባእ ይሕብር ነበረ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ንህዝቡ ኣብቲ ኺፈልጥዎ ዜድልዮም ግዜ፡ ኪፈልጥዎ ዜድልዮም ነገር ዚምህር የሆዋ ኣምላኽ ምስጋና ይህቦ ነበረ። እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ ራስልን ብጾቱን ንሓቂ ኻብ ሓሶት ንምምማይ ዝገበርዎ ጻዕርታት ባሪኽዎ እዩ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ካብ ህዝበ ክርስትያን ብዝያዳ እናረሓቑን እናተፈልዩን ከዱ።

ቻርለስ ቴዝ ራስል ምስ ናይ ቀረባ ብጾቱ ይዛራረብ

ሓውና ራስልን ናይ ቀረባ ብጾቱን ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓለቑ

12 እቲ እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም ቅድሚ 1914 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ንሰረተ እምነታዊ ሓቂ ብምሕላቕ ዝዓየይዎ ዕዮ ብሓቂ ዜገርም እዩ ነይሩ! ናይ 1 ሕዳር 1917 ሕታም ዘ ዎች ታወር ኤንድ ሄራልድ ኦቭ ክራይስትስ ፕረዘንስ (ግምቢ ዘብዐኛን ኣበሳሪት እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን) ንድሕሪት ምልስ ኢላ ኸምዚ ዚብል ሓሳብ ሂባ ነይራ፦ “ሎሚ፡ ሚልዮናት ሰባት ካብቲ ትምህርትታት ገሃነም እሳትን ካልእ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነታትን ዝጸዓንዎም ጾር ፍርሂ፡ ሓራ ወጺኦም ኣለዉ . . . እቲ ልዕሊ 40 ዓመት ይገብር ዝጀመረ ማዕበል ሓቂ፡ ብስሩዕ ይውስኽ ኣሎ፣ ንብዘላ ምድሪ ኽሳዕ ዚመልኣ ኸኣ ኪውስኽ እዩ። እቶም ተጻረርቱ ንሓቂ ኣብ ብዘላ ዓለም ከይዝርጋሕ ንምዕጋት ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ከምቲ ብተራ መዀስተር ጌርካ ንማዕበላት ብርቱዕ ውቅያኖስ ንምምላስ ዚግበር ጻዕሪ እዩ።”

13 ነዚ እሞ ሕሰበሉ፦ ሰባት ንየሱስ ካብ ኣቦኡ የሆዋ ኺፈልይዎ ዘይክእሉ እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ንመጀመርታ እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ምተዳለዉዶ፧ ብርግጽ ኣይምተዳለዉን! ብዘይካዚ፡ ኢመዋትነት ኵሉ ኺረኽቦ ዚኽእል እምበር፡ ነቶም ብተዛማዲ ሒደት ዝዀኑ ሰዓብቲ ኣሰር ክርስቶስ ዚውሃብ ክቡር ህያብ ከም ዘይኰነ ገይሮም እንተ ዚሓስቡ ነይሮም፡ ወይ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም ከም ዜቃጽሎም ገይሮም እንተ ዚሓስቡ ነይሮም፡ ኣይምተዳለዉን። እምበኣር፡ እቲ “ልኡኽ” ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ብዘይ ጥርጥር መገዲ ኣዳልዩሉ እዩ።

14 ንሕናኸ ኻብቶም ልዕሊ ሓደ ዘመን ይገብር ዝነበሩ ኣሕዋትና እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ንሕና እውን ትጉሃት ኣንበብትን ተመሃሮን ቃል ኣምላኽ ክንከውን ኣሎና። (ዮሃ. 17:3) እዛ ኣብ ፍቕረ ንዋይ ዘተኰረት ዓለም ብመንፈሳዊ ኣዛራርባ እናማህመነት ብዝኸደት መጠን፡ ንመንፈሳዊ ምግቢ ዘሎና ሸውሃት እናዓበየ ይኺድ!—1 ጢሞቴዎስ 4:15 ኣንብብ።

“ኣቱም ህዝበይ፡ . . . ካብኣ ውጹ”

15 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ካብ ዓለማውያን ኣብያተ ክርስትያን ኪፍለዩ ኸም ዘለዎም ይምህሩ ነበሩ። ብ1879፡ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ “ቤተ ክርስትያን ባቢሎን” ተጻሒፉ ነይሩ። እታ መጽሔት ብዛዕባ ጵጵስና ድያ እትዛረብ ነይራ፧ ወይስ ብዛዕባ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድያ እትዛረብ ነይራ፧ ንዘመናት፡ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ፕሮተስታንት፡ እታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሳ ዘላ ባቢሎን ነዚ ኸምዚ ኸም እተመልክት ይገልጻ ነይረን እየን። እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ኵለን ኣብያተ ክርስትያን ኣብታ ዘመናዊት “ባቢሎን” ከም ዚጠቓለላ በብቝሩብ ኣስተውዓሉ። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ኢሎም፧ ኵላተን ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዝኣመሰለ ሰረተ እምነታዊ ሓሶት ስለ ዚምህራ እዮም ከምኡ ኢሎም።b ድሕሪ ግዜ፡ ጽሑፋትና ብዛዕባ እቲ ቕኑዕ ዝልቦም ኣባላት ኣብያተ ክርስትያን ባቢሎን ኪወስድዎ ዚግባእ ስጕምቲ ብዝያዳ ቐጥታዊ ሓሳብ ኬውጽእ ጀመረ።

16 ንኣብነት፡ ብ1891፡ 3ይ ጥራዝ እታ ሚለንያል ዶውን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ዘመናዊት ባቢሎን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዝሰኣነት ክትገልጽ ከላ፡ “ብዘሎ እቲ ስርዓት፡—ናይ ስርዓታት ስርዓት፡—ተነጺጉ እዩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ ኵሎም እቶም “ምስ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነታታን ተግባራታን ዘይደናገጹ፡ ሕጂ ኻብኣ ኺፍለዩ ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ” በለት።

17 ኣብ ጥሪ 1900፡ ግምቢ ዘብዐኛ ነቶም ገና ስማቶም ኣብ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ኣብያተ ክርስትያን እተመዝገበ እሞ “ምስ ሓቂ እየ ዝዳናገጽ፡ ኣብ ካልእ ኣኼባታት ከኣ ዳርጋ ኣይእከብን እየ” ኢሎም መመኽነይታ ዜቕርቡ ሰባት፡ ምኽሪ ሃበቶም። እታ ዓንቀጽ ከምዚ በለት፦ “እዚ ግና ቅኑዕ ድዩ፧ ፍርቅኻ ወጺእካ፡ ፍርቅኻ ኣብ ውሽጢ ባቢሎን ምዃንሲ ቕኑዕ ድዩ፧ ከምዚ ዓይነት ተኣዛዝነት ድዩ ዚድለ፧ . . . ንኣምላኽ ባህ ዜብሎን ብእኡ ተቐባልነት ዘለዎን ድዩ፧ ብርግጽ ኣይኰነን። ንሱ [እቲ ኣባል ቤተ ክርስትያን] ምስ ሃይማኖታዊት ጕጅለ ኺጽምበር ከሎ፡ ብግህዶ ኺዳን ኣትዩ እዩ፣ . . . ኣባልነቱ ብግህዶ ኽሳዕ ዚስርዞ ወይ ዚድምስሶ ድማ ምስ ኵሉ ቕድመ ዅነት እቲ ኺዳን ብተኣማንነት ተሰማሚዑ ኺነብር ኣለዎ።” ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ እናሓየለ ኸደ።c ኣገልገልቲ የሆዋ ንዅሉ እቲ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘለዎም ርክብ ኪስርዝዎ ኣለዎም።

18 ካብ ዓባይ ባቢሎን ንምውጻእ ዚውሃብ መጠንቀቕታታት ብስሩዕ እንተ ዘይቃላሕ ነይሩ፡ እቲ ሓድሽ እተሸመ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ፡ ሓደ እተዳለወ ጕጅለ ቕቡኣት ኣገልገልቲ ኣብ ምድሪ ምረኸበዶ፧ ብርግጽ ኣይምረኸበን፣ ከመይሲ፡ ካብ ቍጽጽር ባቢሎን ሓራ ዝዀኑ ክርስትያናት ጥራይ እዮም ንየሆዋ “ብመንፈስን ብሓቅን” ኬምልኽዎ ዚኽእሉ። (ዮሃ. 4:24) ንሕናኸ ኻብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ዄንና ንምንባር ቈሪጽናዶ ኣለና፧ ነቲ፡ “ኣቱም ህዝበይ፡ . . . ካብኣ ውጹ” ዚብል ትእዛዝ ንሓልዎ።—ራእይ 18:4 ኣንብብ።

ንኣምልኾ ምእካብ

19 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተ ተኻኢሉ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ንኣምልኾ ብሓባር ኪእከቡ ኸም ዚግባእ ይምህሩ ነበሩ። ንናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምውጻእ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ኣብ ንጹህ ኣምልኾ እውን ኪሳተፉ ኣለዎም። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ ቀዳሞት ሕታማታ ኣትሒዛ ንኣንበብታ፡ ንኣምልኾ ኺእከቡ ተተባብዖም ነበረት። ንኣብነት፡ ኣብ ሓምለ 1880፡ ሓውና ራስል ብዛዕባ እናዞረ ዝሃቦ መደረታት ጸብጻብ ኪጽሕፍ ከሎ፡ እቲ ዝኸዶ ብዙሕ ኣኼባታት ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ምንባሩ ሓሳብ ሃበ። ድሕሪኡ፡ ንኣንበብቲ ብዛዕባ ምዕባለታቶም ዚገልጽ ካርድታት ኪልእኩ፡ ገለ ኻብዚ እውን ኣብታ መጽሔት ከም ዚሕተም፡ ኣተባብዖም። ንምንታይ ዕላማኸ እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧ ብዛዕባ እዚ፡ እታ መጽሔት፡ “ጐይታ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሰስነኩም፡ ከምኡ ድማ ምስቶም ከምዚ ናትኩም ኽብርቲ እምነት ዘላቶም ኣኼባታትኩም ቀጺልኩም እንተ ዄንኩም፡ . . . ኵላትና ንፍለጥ” በለት።

ብ1909 ጕጅለ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኮፐንሃገን ደንማርክ

ብ1909፡ ቻርለስ ራስል ምስ ሓደ ጕጅለ ቐዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኮፐንሃገን፡ ደንማርክ

20 ብ1882፡ “ብሓባር ምእካብ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወጸት። እታ ዓንቀጽ ንክርስትያናት፡ “ንሓባራዊ ምህሮን ምትብባዕን ምብርታዕን” ኣኼባታት ኪገብሩ ኣተባብዓቶም። ከምዚ እውን በለት፦ “ሓደ ምሁር ወይ ክኢላ ኣብ መንጎኹም ይሃሉ ወይ ኣይሃሉ ዜገድስ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ናይ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስን ወረቐትን ርሳስን ሒዙ ይምጻእ እሞ፡ ክትረኽብዎ ብእትኽእሉ ዘበለ ኮንኮርዳንስ . . . ጌርኩም ተጠቐሙ። ሓደ ርእሰ ነገር ሕረዩ፣ ንምርዳኡ ኸኣ መሪሕነት መንፈስ ለምኑ፣ ድሕሪኡ፡ ቅዱስ ጽሑፍ ኣንብቡ፡ ሕሰቡሉ፡ ምስ ካልእ ቅዱስ ጽሑፍ ከኣ ኣነጻጽርዎ፣ ብርግጽ ድማ ናብ ሓቂ ኽትምርሑ ኢኹም።”

21 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣሊጌኒ፡ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ነበሮም። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ኣብ እብራውያን 10:24, 25 ዚርከብ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተዋህበ ምኽሪ ተኣዚዞም ብምእካብ፡ ጽቡቕ ኣብነት ኰኑ። (ኣንብብ።) ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ቻርለስ ኬፐን ዝስሙ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው፡ ብዛዕባ እቲ ንእሽቶ ኸሎ ኣብቲ ኣኼባታት እተኣከበሉ እዋን ዘኪሩ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ሓንቲ ኻብ ጥቕስታት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ መንደቕ እቲ ናይ ማሕበር መአከቢ ኣዳራሽ ተጻሒፋ ትዝ ይብለኒ። ‘መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህር ኣይትበሃሉ’ እትብል ነበረት። ነታ ጥቕሲ እቲኣ፡ ወትሩ እየ ኣብ ኣእምሮይ ዝዝክራ፣—ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ፡ ቀሺ-ምእመናን ኢልካ ፍልልይ የልቦን።” (ማቴ. 23:8) ሓውና ኬፐን ነቲ ዜነቓቕሕ ኣኼባታትን ነቲ ጽቡቕ መተባብዕን ነቲ ሓውና ራስል ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ ብብሕቲ ንምጕሳይ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕርን እውን ይዝክሮ እዩ።

22 እሙናት ሰባት ነዚ ኣብነትን ነቲ እተዋህቦም መምርሕን ስዓቡ። ስለዚ፡ ኣብ ኦሃዮን ሚሺጋንን፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኵሉ ሰሜን ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ጉባኤታት ቈማ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እሙናት ሰባት ነቲ ንኣምልኾ ብሓባር ኪእከቡ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተዋህበ ምኽሪ ብኸመይ ከም ዚእዘዙ እንተ ዘይስልጥኑ ነይሮም፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ብሓቂዶ ምተዳለዉ ነይሮም፧ ብርግጽ ኣይምተዳለዉን! ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ብሓባር ንምምላኽን ንሓድሕድና ንምትህንናጽን እንረኽቦ ዅሉ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብስሩዕ ንምእካብ ክንቈርጽ ኣሎና።

ብቕንኣት ምስባኽ

23 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵሎም ቅቡኣት፡ ሰበኽቲ ሓቂ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ይምህሩ ነበሩ። ብ1885፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጕጅለ ቕቡኣት ኪሰብኽ ከም እተቐብአ (ኢሳ. 61:1)፡ ኬገልግል እውን ከም እተጸውዐ ኽንርስዕ የብልናን” ዚብል ሓሳብ ሃበት። ናይ 1888 ሕታም ከኣ ከምዚ ዚብል ማዕዳ ሒዛ ነበረት፦ “መዝነትና ንጹር እዩ . . . ዕሽሽ እንተ ኢልናዮን እንተ ኣመኽኒናን፡ ብርግጽ ነቲ እተጸዋዕናሉ ልዑል ቦታ ዘይንበቅዕ ሃካያት ኣገልገልቲ ኢና እንኸውን።”

24 ሓውና ራስልን ናይ ቀረባ ብጾቱን፡ ሰባት ኣብ ስብከት ኪሳተፉ ጥራይ ኣይኰነን ዘተባብዑ። የግዳስ፡ ደሓር ኦልድ ቲኦሎጂ ኳርተርሊ ተባሂለን ዚጽውዓ ዝነበራ ባይብል ስቱደትንስ ትራክትስ ዚብሃላ ትራክትታት እውን ኬዳልዉ ጀመሩ። ኣንበብቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ ነዚኣተን ብዘይ ክፍሊት ንህዝቢ ምእንቲ ኺዕድሉ፡ ይውሃባኦም ነበራ።

‘ዕዮ ስብከት ኣገዳሲ ኽፋል ህይወተይ ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና

25 እቶም ምሉእ ግዜኦም ንኣገልግሎት ዝወፈዩ፡ ኮልፖርተር ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቻርለስ ኬፐን፡ ሓደ ኻባታቶም ነበረ። ንሱ ጸኒሑ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ነቲ ኽሊ ፐንስልቨንያ ንምሽፋን ብጂኦሎጅያዊ መጽናዕቲ መንግስቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተዳለወ ካርታታት እጥቀም ነበርኩ። ኣብዚ ካርታታት እዚ፡ ኵሉ መገድታት ተሳኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ብእግሪ ናብ ኵሉ ኽፋል ኣውራጃ ክኸይድ እኽእል ነበርኩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ትእዛዝ እተን ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዚብሃላ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ እናወሰድኩ ኣብ ገጠር ንሰለስተ መዓልቲ ምስ ተጓዓዝኩ፡ ነቲ ዝኣዘዝዎ ምእንቲ ኸብጽሓሎም፡ ፈረስን ካሮሳን እካረ ነበርኩ። ብዙሕ ግዜ፡ ምስ ሓረስቶት አዕርፍን እሓድርን ነበርኩ። እቲ ግዜ እቲ፡ ግዜያት ቅድመ ኣውቶሞቢል ነበረ።”

ደ ኮልፖርተር ምስ ፈረስን ካሮሳን

ሓደ ኮልፖርተር። ኣብ ጐድኒ እታ ሰረገላ፡ “ሰሌዳ መዋእላት” ዚብሃል ዝነበረ ተሳኢሉ ኣሎ

26 ቀደም ኣብ ስብከት እተገብረ ኸምዚ ዝበለ ጻዕርታት ብርግጽ ትብዓትን ቅንኣትን ዚሓትት እዩ ነይሩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕዮ ስብከት እንተ ዘይምሃሩ ነይሮም፡ ንንግስና ክርስቶስ ምተዳለዉዶ፧ ብርግጽ ኣይምተዳለዉን! እቲ ዕዮ እቲ ድማ፡ ጕሉሕ መዳይ እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ኪኸውን ነይርዎ። (ማቴ. 24:14) ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ህይወት ዜድሕን ዕዮ፡ ኣገዳሲ ኽፋል ህይወቶም ንምግባር ኪዳለዉ ነይርዎም። ሎሚ፡ ንሕና እውን፡ ‘ዕዮ ስብከት ኣገዳሲ ኽፋል ህይወተይ ድዩ፧ ኣብቲ ንጥፈት እቲ ምሉእ ብምሉእ ንምስታፍ መስዋእቲ እገብር ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።

መንግስቲ ኣምላኽ ተወሊዳ!

27 ኣብ መወዳእታ፡ እታ ኣገዳሲት ዓመተ 1914 መጸት። ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ደቂ ሰብ ነቲ ኣብ ሰማይ እተፈጸመ ዓብዪ ፍጻመታት ኣይረኣይዎን። ይኹን እምበር፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ነገር እቲ ብምሳልያዊ ቓላት ዚገልጽ ራእይ ረኣየ። ነዚ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ዮሃንስ ኣብ ሰማይ “ዓብዪ ትእምርቲ” ረኣየ። “ሰበይቲ” ኣምላኽ፡—ማለት ኣብ ሰማይ ብዘለዉ መንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ውድቡ፡—ጥንስቲ ነበረት፣ ተባዕታይ ወዲ ኸኣ ወለደት። እዚ ምሳልያዊ ውሉድ እዚ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ “ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ዚጓስዮም” ምዃኑ ድማ ተነግረና። ምስ ተወልደ ግና፡ እቲ ውሉድ “ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንዝዐ።” ኣብ ሰማይ ከኣ፡ “ሕጂ ድሕነትን ሓይልን መንግስትን ናይ ኣምላኽና፡ ስልጣን ከኣ ናይ ክርስቶሱ ዀይኑ እዩ” ዚብል ድምጺ ተሰምዐ።—ራእ. 12:1, 5, 10።

28 ዮሃንስ ነቲ መሲሓዊት መንግስቲ እተወልደትሉ ኣጋጣሚ ብራእይ ከም ዝረኣዮ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ፍጻመ እቲ ብርግጽ ዓብዪ እዩ ነይሩ፣ ንዅሉ ዜሐጕስ ግና ኣይነበረን። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ምስቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሚካኤል፡ ወይ ክርስቶስ፡ ዝነበሩ እሙናት መላእኽቲ ተዋግኡ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ብዛዕባ እዚ፡ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ” ዚብል ነንብብ።—ራእ. 12:7, 9።

ክርስቶስ ከም ንጉስ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ብዘይርአ መገዲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን

ብ1914፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ክርስቶስ ብዘይርአ መገዲ ኣብዚ ንዚህልወሉ እዋን ዚሕብር ምልክት ኬስተውዕልዎ ጀመሩ

29 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ 1914 ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሞም፡ ኣብታ ፍልይቲ ዓመት፡ እዋን ሽግር ከም ዚጅምር ይሕብሩ ነበሩ። እቲ ቕድመ ግምቶም ከመይ ኢሉ ኸም ዚፍጸም ግና፡ ኪግምትዎ ኣይክእሉን ነበሩ። ከምቲ እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም” ብምባል ዝገለጾ፡ ሰይጣን ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝዓበየ ጽልዋ ኼሕድር ጀመረ። (ራእ. 12:12) ብ1914፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተባርዐ፣ ምልክት እቲ ክርስቶስ ብንጉሳዊ ሓይሉ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ከኣ ዓለምለኻዊ ፍጻመኡ ኺረክብ ጀመረ። “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ድማ ጀመረ።—2 ጢሞ. 3:1።

30 ይኹን እምበር፡ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ነበረ። ከመይሲ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ካብኡ ተሰጒጎም ነበሩ። ዮሃንስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ “ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያትን ኣባታቶም እትነብሩን፡ ተሓጐሱ!” ይብል። (ራእ. 12:12) ሰማያት ስለ ዝጸረየን የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ስለ እተቐመጠን፡ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ምእንቲ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ኢላ ስጕምቲ ኽትወስድ ተዳለወት። እንታይ ስጕምቲኸ ወሰደት፧ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ክርስቶስ ከም “ልኡኽ እቲ ኺዳን” መጠን፡ ፈለማ ኣብዛ ምድሪ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣጽረዮም። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

እዋን ፈተና

31 ሚልክያስ እቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ቀሊል ከም ዘይከውን ኪንበ ኸሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ንሱ ኸም ናይ ኰላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ፡ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ፧ ንሱ ኺግለጽ ከሎስ፡ መን ይቐውም፧” (ሚል. 3:2) እዚ ቓላት እዚ ብልክዕ እዩ ተፈጺሙ! ካብ 1914 ኣትሒዙ፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብተኸታታሊ ፈተናታትን ጸገማትን ኣጋጠሞም። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጻዕጺዑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብዙሓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብርቱዕ መስጐጕትን ማእሰርትን የጋጥሞም ነበረ።d

32 ካብ ውሽጢ ድማ፡ ነታ ውድብ ነውጺ ኣጋጠማ። ብ1916፡ ሓውና ራስል ገና ወዲ 64 ዓመት ከሎ ሞተ፣ እዚ ኸኣ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣሰምበዶም። ሞቱ ድማ፡ ገሊኣቶም ኣብ ሓደ ኣብነታዊ ሰብ ኣመና የተኵሩ ምንባሮም ኣቃልዐ። ሓውና ራስል ከምዚ ዓይነት ኣኽብሮት እኳ እንተ ዘይደለየ፡ ምስኡ ብዚተሓሓዝ ንፍጡር ናይ ምምላኽ ዝንባለ ብእተወሰነ ደረጃ ይርአ ነበረ። ብዙሓት ከኣ እቲ እናወሰኸ ዚግለጽ ሓቂ ምስ ሞቱ ኸም ዘብቅዐ ገይሮም ሓሰቡ፣ ገሊኣቶም ድማ ነቲ ንቕድሚት ንምግስጋስ ዚግበር ጻዕርታት ኣምሪሮም ተጻረርዎ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ኸኣ፡ ነቲ ነታ ውድብ ዝኸፋፈላ ኽሕደት ኪልዓል ኣበርክቶ ገበረ።

33 ዘይተፈጸመ ትጽቢታት ድማ ካልእ ፈተና ዀነ። ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1914 ዘመናት ኣህዛብ ዜብቅዓሉ ግዜ ምዃና ብልክዕ እኳ እንተ ኣመልከተት፡ ኣሕዋት ግና በታ ዓመት እቲኣ እንታይ ከም ዚኸውን ኣይተረድኡን ነበሩ። (ሉቃ. 21:24) ክርስቶስ ነቶም መርዓቱ ዝዀኑ ቕቡኣት ምስኡ ምእንቲ ኺገዝኡ፡ ብ1914 ናብ ሰማይ ዚወስዶም ይመስሎም ነበረ። እዚ ተስፋ እዚ ኸይተፈጸመ ተረፈ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1917፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ናይ 40 ዓመት ቀውዒ ኣብ ጽድያ 1918 ከም ዜብቅዕ ኣፍለጠት። እቲ ዕዮ ስብከት ግና ኣየብቅዐን። እቲ እዋን እቲ ምስ ሓለፈ እውን ይውስኽ ነበረ። እታ መጽሔት ከኣ፡ እቲ ቐውዒ ኸም ዘብቅዐ፡ እዋን ቅረማ ኸም ዝተረፈ ሓበረት። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ተስፋ ስለ ዝቘረጹ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ሓደግዎ።

34 ብ1918፡ ኣመና ኸቢድ ፈተና ኣጋጠመ። እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምምራሕ ንቻርለስ ቴዝ ራስል ዝተክኦ ጆሴፍ ፍራንክሊን ራዘርፎርድ ምስ ካልኦት ሸውዓተ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ተኣስረ። ኣብቲ ኣብ ኣትላንታ፡ ጆርጅያ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ፈደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ንነዊሕ ዓመታት ኪእሰሩ ድማ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተፈርዶም። ንእተወሰነ እዋን፡ ዕዮ ህዝቢ ኣምላኽ ዝለመሰ መሲሉ ነበረ። ብዙሓት ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን በዚ ተሓጐሱ። እቶም “መራሕቲ” ስለ እተኣስሩ፡ እቲ ኣብ ብሩክሊን ዝነበረ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ከኣ ስለ እተዓጽወ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣመሪካን ኣብ ኤውሮጳን ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ስብከት ድማ መጥቃዕቲ ይወርድ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ከም “ለበዳ” ዝዀኑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከም “ዝሞቱ፡” ማለት ድሕሪኡ ኸም ዘየስግኡ መሰሎም። (ራእ. 11:3, 7-10) ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተጋግዮም!

እዋን ትንሳኤ

35 ጸላእቲ ሓቂ፡ የሱስ ነቲ ጸገማት እቲ ዝፈቐዶ፡ የሆዋ ሽዑ፡ “ብሩር ኪዅልዕን ኬጽርን” ተቐሚጡ ስለ ዝነበረ ጥራይ ምዃኑ ኣይፈለጡን ነበሩ። (ሚል. 3:3) የሆዋን ወዱን፡ እቶም እሙናት ካብቲ ኸም ሓዊ ብርቱዕ ዝዀነ ፈተና ንኣገልግሎት እቲ ንጉስ ብዝያዳ ተዀሊዖምን ጸርዮምን ከም ዚወጹ ርግጸኛታት ነበሩ። ካብ መጀመርታ 1919 ኣትሒዙ፡ መንፈስ ኣምላኽ ነቲ እቶም ጸላእቲ ህዝቡ ዘይከውን ዝመሰሎም ነገር ከም ዝገበረ ነጸረ። እቶም እሙናት ተንስኡ! (ራእ. 11:11) በታ ግዜ እቲኣ፡ ክርስቶስ ኣገዳሲ መዳይ እቲ ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዚፍጸም ገበረ። እወ፡ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ማለት ነቲ ንህዝቡ በብግዜኡ ምግቢ ብምሃብ ዚመርሖም ንእሽቶ ጕጅለ ቕቡኣት ሸሞ።—ማቴ. 24:45-47።

ገበር እቲ ናይ መጀመርታ ሕታማት እታ ቡለቲን  እትብሃል መጽሔትን እታ ዘ ጎልደን ኤጅ እትብሃል ጽሑፍትን

36 ብ26 መጋቢት 1919፡ ሓውና ራዘርፎርድን ብጾቱን ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሑ። ኣብ ወርሒ መስከረም ከኣ ዓብዪ ኣኼባ ተገብረ። ዘ ጎልደን ኤጅ እትብሃል ካልአይቲ መጽሔት ንምድላው መደባት ኪግበር ተጀመረ። እታ ንግምቢ ዘብዐኛ ብጸይታ ዝዀነት መጽሔት፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸተገልግል ተባሂላ እያ እተዳለወት።e በታ ዓመት እቲኣ፡ ፈላሚት ሕታም እታ ቡለቲን እትብሃል፡ ሕጂ ድማ ደብተር ኣኼባ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ተባሂላ እትጽዋዕ ጽሕፍቲ ወጸት። ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ኸኣ፡ ንኣገልግሎት ወፍሪ እተተባብዕ ነበረት። ካብ 1919 ንደሓር እምበኣር፡ እቲ ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ኣገልግሎት ዝያዳ ቐዳምነት ኪውሃቦ ኸም ዝጀመረ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

37 እቶም ኵሩዓትን ዕቡያትን ንኸምዚ ዝበለ ትሑት ዕዮ ዚኸውን መዓንጣ ስለ ዘይነበሮም፡ እቲ ዕዮ ስብከት ንኣገልገልቲ ክርስቶስ ብዝያዳ ኣጽረዮም። እቶም ምስቲ ዕዮ ማዕረ ማዕረ ዘይሰጐሙ፡ ካብቶም እሙናት ተፈልዩ። ኣብተን ድሕሪ 1919 ዝነበራ ዓመታት፡ ገሊኦም ዘይእሙናት ስለ እተመረሩ፡ ኪሓምዩን ኪጥቅኑን ጀመሩ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ምስቶም ሰጐጕቲ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ወገኑ።

38 ከምዚ ዝበለ መጥቃዕትታት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብመንፈሳዊ መዳይ እናሰሰኑን እናበልጸጉን ከዱ። ኵሉ እቲ ኻብ ሽዑ ንነጀው ዝረኸብዎ ኣሳልጦን ዓወትን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ ዜርእየና ዜእምን መርትዖ እዩ! በቲ ኣምላኽ ብወዱን በታ መሲሓዊት መንግስትን ገይሩ ዚህቦ ንጡፍ ደገፍን በረኸትን ኣምላኽ ጥራይ እዮም ሓደ ጕጅለ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን እዚ እኩይ ስርዓት ዓለምን ዓወት ድሕሪ ዓወት ኬመዝግቡ ዚኽእሉ!—ኢሳይያስ 54:17 ኣንብብ።

ብ1919 ኣብ እተገብረ ኣኼባ ዞባ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ጆሴፍ ፍራንክሊን ራዘርፎርድ መደረ ይህብ

ሓውና ራዘርፎርድ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ዜነቓቕሕ መደረ ኣቕረበ

39 ኣብ ዚስዕባ ምዕራፋት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ካብ እትውለድ ኣትሒዛ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን፡ ኣብ ምድሪ እንታይ ከም ዝዓመመት ክንምርምር ኢና። ኣብ ከክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ሓሓደ መዳይ እቲ ኣብ ምድሪ ዚግበር ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሽፈን እዩ። ኣብ መምዕራፍ ከኣ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ናይ ሓቂ ጌርና ኸም እንርእያ በብውልቅና ንምግምጋም ዚሕግዘና ሳጹን ድግማ ኣሎ። ኣብ ናይ መደምደምታ ምዕራፋት ከኣ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ንእከይ ንምጥፋእን ንምድሪ ገነት ንምግባርን ምስ መጸት፡ እንታይ ክንጽበ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብምጽናዕካ፡ እንታይ ጥቕሚ ኽትረክብ ትኽእል፧

40 ሰይጣን ነቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ኬዳኽሞ እዩ ዚደሊ። የሆዋ ግና፡ ዕቝባን ብርታዐን ምእንቲ ኽትረክብ፡ ንእምነትካ ኼደልድለልካ እዩ ዚደሊ። (ኤፌ. 6:16) ስለዚ፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብጸሎት እተሰነየ መጽናዕቲ ኽትገብረላ ንምሕጸነካ። ንርእስኻ፡ ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ናይ ሓቂ ገይረ ድየ ዝርእያ፧’ ኢልካ ሕተት። ብዝያዳ ኸም ናይ ሓቂ ጌርካ ብዝረኣኻያ መጠን፡ በታ ህያው ዘበለ ዅሉ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምዃናን ትገዝእ ከም ዘላን ዚርእየላ ዕለት፡ ነታ መንግስቲ እቲኣ ብተኣማንነትን ብንጥፈትን ብዝያዳ ኽትድግፍ ክትጸንሕ ኢኻ!

a ብዛዕባ ግሪውን ስተትሰንን ስቶርስን ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 45-46 ርአ።

b እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብተን ምስ ዓለም ዕርክነት ዝነበረን ሃይማኖታውያን ውድባት ኪወጹ ኸም ዘለዎም እኳ እንተ ተገንዘቡ፡ ነቶም ካብ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰኑ ኽነሶም ‘በቲ በጃ ንኣምን ኢና፡ ንኣምላኽ ከኣ ርእስና ዝወፈና ኢና’ ዚብሉ ሰባት፡ ንሓያሎ ዓመታት፡ ከም ክርስትያን ኣሕዋቶም ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ።

c ሓደ ኻብቲ ንርዝነት እቲ ብኣጋኡ እተዋህበ መጠንቀቕታ ዘፍኰሶ ረቛሒ፡ ብቐንዱ ኣብቶም ብ144,000 ዝቘመ ሒደት መጓሰ ክርስቶስ ጥራይ ስለ እተዓይየሉ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 5፡ ቅድሚ 1935፡ እቶም ኣብ ራእይ 7:9, 10 “ብዙሓት ሰብ” (ትርጕም 1956) ተባሂሎም ዘለዉ፡ ነቶም ኣባላት ህዝበ ክርስትያን ዝዀኑ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ከም ዜጠቓልል፡ ንሳቶም ኣብ መወዳእታ ምስ ክርስቶስ ስለ ዚውግኑ ድማ፡ ካልኣይ ደረጃ ዘለዎም ሰማያዊ ጕጅለ ብምዃን ዓስቢ ኸም ዚረኽቡ ጌርካ ይሕሰብ ምንባሩ ኽንርኢ ኢና።

d ኣብ መስከረም 1920፡ ፍልይቲ ሕታም ዘ ጐልደን ኤጅ (ሕጂ ንቕሑ!)፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ዓዲ እንግሊዝን ጀርመንን ብግዜ ውግእ ዘጋጠመ ሓያሎ መስጐጕቲ፡ ገለ ኻብኡ ብጭካነኡ ዜስካሕክሕ ተግባር፡ ብዝርዝር ኣሕተመት። ብኣንጻሩ ግና፡ ቅድሚ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ዓመታት፡ ከምኡ ዓይነት መስጐጕቲ ብብዝሒ ኣይርአን ነበረ።

e ንሓያሎ ዓመታት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብቐንዱ ንኣባላት እቶም ሒደት መጓሰ ብብሕቲ ንምምሃር ተባሂላ እያ እትዳሎ ነይራ።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኸም ናይ ሓቂ ጌርካ እትርእያ፧

  • ነቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ፡ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተወልደትሉ ግዜ ዘዳለውዎም መን እዮም፧

  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እተዳለዉ ብኸመይ እዮም፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንግስቲ ምዃና ዚሕብር እንታይ እዩ፧ (እታ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ—ናይ ሓቂ መንግስቲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

  • ንመንግስቲ ኣምላኽ ክትድግፍ ከለኻ፡ ነቶም ሓደ ዘመን ይገብር ዝነበሩ እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስ ከመይ ጌርካ ኽትመስሎም ትኽእል፧

መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንግስቲ

መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንግስቲ ድያ፧ ገለ መዋቕር መንግስቲ ኣምላኽ እሞ ርአ። ንርእስኻ ድማ፡ ‘ኵሉ መዋቕር መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሎሚ ኣብ ምድሪ ምስ ዘላ ዝዀነት ትኹን ሰብኣዊት መንግስቲ ዚመዓራረ፡ አረ ኣጸቢቑ እውን ዚበልጽ ደይኰነን፧’ ኢልካ ሕተት።

  • ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ ንጉስ

    ገዛኢ

    እቲ ብ1914 ኣብ ዝፋን ዝደየበ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ትሑት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ሓያልን ፍትሓውን ጥበበኛን መሓርን ንጉስ እዩ። (ኢሳ. 9:6, 7፣ 11:1-3) ከም ዘይፍጹማት ሰብኣውያን ገዛእቲ ኣይኰነን፣ ምስ ብልሽውና ኸቶ ኣይተናኸፍን እዩ፣ ብእተኸፋፈሉ ኣባላት ቤት ምኽርን ባይቶን፡ ወይ ጥቕሚ ርእሶም ብዚደልዩ ሰባትን ጕጅለታትን ኣይዕገትን እዩ።

  • ናይ ምሕጋግን ናይ ምፍራድን ስልጣን

    የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘሕለፎ ህይወትን ዝሓደጎ ኣብነትን፡ ነቲ “ሕጊ ክርስቶስ” እተባህለ ፍጹም ሕጊ መሰረት ኰይኑ እዩ።—ገላ. 6:2፣ 1 ጴጥ. 2:21።

    የሆዋ፡ ኵሉ ፍርዲ ንወዱ ሂብዎ ኣሎ፣ የሱስ ከኣ ነዚ ዕዮ እዚ፡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ እዩ ዚፍጽሞ፣ ዋላ ሓደ ሰብኣዊ ፈራዲ ኸምኡ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።—ዮሃ. 5:22።

  • መጋዝእቲ

    ጕጅለ ኣመሓደርቲ

    የሱስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚህልዎ ፍትሓዊ ንግስና ምስኡ ዀይኖም ዜመሓድሩ 144,000 መጋዝእቲ ኣለውዎ። ቀንዲ ሸቶ ግዝኣቱ ንሰባት ምስ ኣምላኽ ምትዕራቕ እዩ፣ ስለዚ፡ እቶም መጋዝእቱ ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ፡ ካህናት ኰይኖም እውን የገልግሉ እዮም።—ራእ. 14:1፣ 20:6።

  • ሰይፊ ዚመልሑ ሓያላት መላእኽቲ

    ሰራዊት

    የሱስ ብሓያላት መላእኽቲ የሆዋ ናይ ዝቘመ ዓብዪ ሰራዊት መራሒ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ኵሉ ዝሓየለ ሰራዊት እዩ ዚእዝዝ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እቲ ሰራዊት እቲ ንዅሉ እከይ ኬጥፍኦ እዩ።—መዝ. 45:1, 3-5፣ ራእ. 19:11, 14-16።

  • መንበረ መንግስቲ

    ዝፋን የሱስ ኣብ ሰማይ፡ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ እዩ። ሰማይ ከኣ ልዑል ‘ማሕደር ቅድስናን ግርማን’ የሆዋ እዩ። (ኢሳ. 63:15) እዝስ ናይ ሓቂ ቦታ ድዩ፧ እወ፡ ሰማያዊ ነገራት ዘይበላሾ ስለ ዝዀነ፡ ካብቲ ብዓይንኻ ኽትርእዮ እትኽእል ርእሰ ኸተማ ወይ ህንጻ መንግስቲ ንላዕሊ ናይ ሓቂ ቦታ እዩ።—ማቴ. 6:20።

  • ምድራዊ ግዝኣት

    ኣብ ምድሪ ዘሎ ግዝኣት

    ሎሚ፡ ተገዛእቲ የሱስ፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ሕጊ ኣኽቢሮም ከም ዚነብሩ ጓኖት እዮም። የሆዋ ግና ንዓታቶም መንፈሳዊ ሃገር፡ ማለት ፍቓድ እቲ ንጉስ ዚፍጽሙሉ ናይ ንጥፈታት ዓለም ኣዳልዩሎም ኣሎ። (ኢሳ. 60:2፣ 66:8) ኣብ ቀረባ ግዜ፡ መንግስቲ የሱስ ንብዘላ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኸተእትዋ እያ።—መዝ. 72:8.

  • መደባት መንግስቲ

    መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ንተስፋታት ኣምላኽ ስለ እትፍጽሞ፡ ኵሉ እዚ በረኸትን ዝያዳኡን ከተማልእ እያ።—መዝ. 72:16፣ ኢሳ. 2:3፣ 33:24፣ 35:6፣ 65:21።

    • ምሉእ ጥዕና ዘለዋ ንእሽቶ ጓል ትጐዪ

      ጥዕና

    • ምዕሩግ ቤት

      ቤት

    • ኣብ ዕዮ ህንጸት ዚሰርሕ ዘሎ ሰብ

      ስራሕ

    • ፍረታትን ኣትክልትን

      ምግቢ

    • ዜጽንዕ ዘሎ ሰብ

      ትምህርቲ

  • እሙናት ተገዛእቲ

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምብዛሕ ህዝቢ ኽብሪ ንጉስ እዩ፡ ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት መስፍን እዩ” ይብል። (ምሳ. 14:28) እሙናት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮንን ፈረቓን በጺሖም ኣለዉ።—መዝ. 72:8፣ ኢሳ. 60:22።

    እተፈላለየ መበቈል ዘለዎም ብዙሓት ሰባት

ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተወልደትሉ ግዜ እተዳለዉ

ቅድሚ 1914 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ዘጋጠመ ታሪኻዊ ፍጻመታት እስከ ርአ። እዚ ምዕባለታት እዚ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ነቲ እታ መሲሓዊት መንግስቲ እተወልደትሉ ግዜ ምእንቲ ኺዳለዉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝሓገዞም ክትርኢ ትኽእልዶ፧

  1. መፋርቕ 1800ታት

    ሄንሪ ግሪውን ጆርጅ ስተንሰንን ጆርጅ ስቶርስን፡ ሰረተ እምነት ኢመዋትነት ነፍሲ ሰብ መርሚሮም፡ ሓሶት ምዃኑ ኣቃልዑ

  2. 1868 ወይ 1869

    ቻርለስ ቴዝ ራስል ንሰረተ እምነት ህዝበ ክርስትያን ብጥንቃቐ ኺምርምሮ ጀመረ፣ ንቕዱሳት ጽሑፋት ግጉይ ትርጕም ከም እተዋህቦ ድማ ፈለጠ። ራስል ነቲ ጆናስ ወንደል ዚብሃል ኣድቨንቲስት ዝዀነ ሰባኺ ኺሰብኽ ምስ ሰምዖ፡ እታ ‘ድኽምቲ እምነቱ’ ደልደለት

  3. 1870

    ሓውና ራስል ሓደ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቘመ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብሜላ ኼጽንዕዎ ጀመሩ

    ብ1870ታት ዝነበረት ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  4. 1870-1875

    ብዛዕባ ነፍስን ብዛዕባ በጃ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዚምለሰሉ መገድን ዚምልከት ሓቅታት ብዝያዳ ነጸረ

  5. 1876

    ኣብ ባይብል ኤግዛማይነር እተሓትመት ቻርለስ ቴዝ ራስል ዝጸሓፋ ዓንቀጽ፡ 1914 ዘመናት ኣህዛብ ዜብቅዓላ ዓመት ምዃና ሓበረት

  6. 1877

    ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ዚገልጽ ሓቅታት ንምንጻር ዘ ኦብጀክት ኤንድ ማነር ኦቭ ኣዋር ሎርድስ ሪተርን (ጐይታና ዚምለሰሉ ዕላማን መገድን) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ተሓትመት

  7. 1879

    ቀዳመይቲ ሕታም መጽሔት ዛዮንስ ዎች ታወር ኤንድ ሄራልድ ኦቭ ክራይስትስ ፕረዘንስ ተሓትመት

    ገበር እቲ ናይ መጀመርታ ሕታም መጽሔት ዛዮንስ ዎች ታወር ኤንድ ሄራልድ ኦቭ ክራይስትስ ፕረዘንስ

    ዓባይ ባቢሎን ምስተን ስም ጥራይ ሒዘን ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያን ህዝበ ክርስትያን ከም እትተሓሓዝ ተፈልጠ

  8. 1880

    ሓውና ራስል ንጕጅለታት መጽናዕቲ ንምብጻሕን ንምብርታዕን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዞረ

  9. 1881

    ብዙሕ ዝገጻተን ትራክትታት (ገሊአን ልዕሊ 100 ገጽ ዝሓዛ) ተሓትማ፣ ንኣንበብቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ፡ ንሰባት ብናጻ ኺዕድልወን ተዋህባኦም

    ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኵሎም ኣንበብቲ፡ ኣብ ኣሊጌኒ፡ ፐንስልቨንያ በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ዕድመ ኣቕረበት

    ዕዮ ኮልፖርተር ተጀመረ

    ከም እኒ፡ “1,000 ሰበኽቲ ይድለዩ ኣለዉ፡” “ኪሰብኩ እተቐብኡ” ዚብል ኣርእስቲ ዝሓዛ ዓንቀጻት፡ ኣገልግሎት ኣተባብዓ

    ብስሩዕ ኣኼባታት ዘይገብሩ ክርስትያናት፡ ብስሩዕ ኪእከቡ ተተባብዑ

  10. 1882

    ሰረተ እምነት ስላሴ ጌጋ ምዃኑ እትገልጽ ዓንቀጽ ተሓትመት

  11. 1885

    ጽሑፋት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ሓሙሽተ ኽፍለ ዓለም ናብ ዝነበሩ ኣንበብቲ በጽሐ

  12. 1886

    ዘ ዲቫይን ፕላን ኦቭ ኤጅስ ወጸት፣ እዚኣ ኸኣ ቀዳመይቲ ጥራዝ እተን ደሓር ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ እተባህላ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ እያ

    ግምቢ ዘብዐኛ ንኣንበብታ፡ ድሕሪ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ፡ ናይ ሰለስተ መዓልቲ “ሓፈሻዊ ኣኼባ” ኺግበር ዕድመ ኣቕረበት፣ በዚ ኸምዚ፡ ዓመታዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ኪግበር ተጀመረ

  13. 1889

    ኣብ ኣሊጌኒ፡ ፐንስልቨንያ “ቤት መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብሃል ተሃንጸ

  14. 1891

    ቻርለስ ቴዝ ራስል፡ “ዝርጋሐ ሓቂ ንቕድሚት ንምስጓም፡” ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ወጻኢ ሰፊሕ ዙረት ጀመረ

  15. 1894

    ከም ገየሽቲ ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ፡ ተወከልቲ ናይ ማሕበር ትራክት ግምቢ ዀይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋት፡ ንጉባኤታት ንምብጻሕን ንምትብባዕን ተላእኩ

    ብ1890ታት ዝነበሩ ገየሽቲ ሓለውቲ
  16. 1895

    ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገሊኦም እሙናት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ፡ “ዶውን ሰርክልስ” ዚብሃል ጕጅለታት ከም ዘቘሙ ሓበረት፣ ኣብ ኵሉ ቦታታት ከምዚ ዝበለ ጕጅለታት ኪቐውም ከኣ ተማሕጸነት

  17. 1896

    ቻርለስ ቴዝ ራስል፡ ዋት ሰይ ዘ ስክሪፕቸርስ ኣባውት ሄል፧ (ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ገሃነም እሳት እንታይ ይብል፧) ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣሕተመ

    ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ ብዓለማዊ ኩባንያ ሕትመት ገይራ ናይ ሮተርሃም ሓድሽ ኪዳን ኣሕተመት

  18. 1900

    ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ቀዳማይ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተመስረተ

    ዕዮ ስብከት ናብ 28 ሃገራት በጽሐ

  19. 1903

    ኣብ ሰናብቲ፡ ኣብ ጥቓ ኣብያተ ክርስትያን ብናጻ ዚግበር ዝነበረ ዕደላ ትራክትታት፡ ኣብ በቤት ናብ ዚግበር ጽዑቕ ወፈራ ተቐየረ

    ስብከት ራስል ብስሩዕ ኣብ ጋዜጣታት ኪሕተም ተጀመረ

  20. 1909

    ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ገዓዘ

    ሰለስተ ክርስትያናት ይዘራረቡ
  21. 1910

    እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኢንተርናሽናል ባይብል ስቱደንትን ኣሶስየሽን (ኣህጉራዊ ማሕበር ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ) ዚብል ስም ኪጥቀሙ ጀመሩ

  22. 1911-1912

    ቻርለስ ቴዝ ራስልን ሽዱሽተ ብጾቱን ኣብ እተፈላለየ ሃገራት፡ እንተላይ ኣብ ቻይናን ህንድን ጃፓንን ፊሊፒንስን፡ “ኵነታትን ተስፋታትን ክርስትና” ንምምርማር፡ ንዓለም ብምዅላል 56,000 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጕዕዞ ገበሩ

  23. 1914

    ነታ ፎቶ ድራማ እትብሃል ፊልም ዜተሓላልፍ ሰብ

    ብ11 ጥሪ፡ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ንፈለማ ግዜ ኣብ ኒው ዮርክ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እታ ቐጺላ ዝነበረት ወርሒ ኣብ ሓሙሽተ ኻልኦት ከተማታት ተራእየት። ክሳዕ መወዳእታ እታ ዓመት ድማ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ዝነበሩ ዳርጋ 9,000,000 ሰባት ብእተፈላለየ መልክዕ ረኣይዋ

    ኣብ ጥቅምቲ፡ ቻርለስ ቴዝ ራስል ንስድራ ቤት-ኤል፡ “ዘመናት ኣህዛብ ኣብቂዑ፣ ነገስታቶም ከኣ መዓልቶም ኣኺሉ” በለ። ሓንቲ ኣብኡ ዝነበረት ሓብቲ ኸም ዝገለጸቶ፡ “ስለዚ፡ እንታይ ከም ዚጽበየና ኣይንፈልጥን ኢና” እውን በለ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ