ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rj ክፋል 1 ገጽ 4-5
  • ‘ዝጠፍአት ከናዲ እየ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ዝጠፍአት ከናዲ እየ’
  • ናብ የሆዋ ተመለስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣቱም ዝኣልዮም ኣባጊዐይ”
  • “ንመዓልትታትና ኸምተን ናይ ቀደም ሓድሰን”
  • ምጽንናዕ ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ ንኣባጊዑ ይሓልየለን
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ‘ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየን እየ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • እቲ ሕያዋይ ጓሳን ደምበታት ኣባጊዕን
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
ናብ የሆዋ ተመለስ
rj ክፋል 1 ገጽ 4-5

1ይ ክፋል

‘ዝጠፍአት ከናዲ እየ’

ዝጠፍአት በጊዕ ኪደሊ ብጸድፊ ዚኸይድ ጓሳ

እዛ በጊዕ ብራርያ እያ። ሳዕሪ ኽትበልዕ ከላ፡ ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ተፈልያ እያ ጠፊኣ። ጓሳኣ ዀነ መጓሰኣ ኻብ ዓይና ኽሳዕ ዚጠፍኡ እያ ርሒቓ ዘላ። ኪጽልምት እውን ኢሉ ኣሎ። ኣራዊት ኣብ ዚርከቡሉ ስንጭሮ ስለ ዘላ፡ ንሓደጋ ተቓሊዓ ኣላ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ እተለልዮ ደሃይ ጓሳኣ ሰምዐት፣ ንሱ ኸኣ ናብኣ ጐይዩ ኸይዱ ኣልዓላ እሞ፡ ኣብ ሕቝፉ ኣእትዩ ኣማሚቑ ናብ ቤቱ ወሰዳ።

የሆዋ ንርእሱ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጓሳ ብተደጋጋሚ የመሳስላ እዩ። ኣብ ቃሉ እውን፡ “ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየንን ክኣልየንን እየ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።—ህዝቅኤል 34:11, 12።

“ኣቱም ዝኣልዮም ኣባጊዐይ”

ኣባጊዕ የሆዋ መን እዮም፧ ኣባጊዕ የሆዋ ዚብሃሉ፡ እቶም ዜፍቅርዎን ዜምልኽዎን ሰባት እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዑ፡ ነምልኮ፡ ንስገደሉ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ገባሪና ንምበርከኽ። ንሱስ ኣምላኽና እዩ፣ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሰኡ፡ ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ ዘለና ኣባጊዕ ኢና” ይብል። (መዝሙር 95:6, 7) ከምቲ ኣባጊዕ ንጓሳአን ዚስዕባ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ እውን ተሃንጥዮም ንጓሳኦም ይስዕብዎ እዮም። እሞኸ ኣበር ዘይብሎም ድዮም፧ ኣይፋልን። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ‘ፋሕ ዝበላ ኣባጊዕ፡’ “ጥፉኣት ኣባጊዕ፡” ወይ “ብራርያ ኣባጊዕ” ኰይኖም እዮም። (ህዝቅኤል 34:12፣ ማቴዎስ 15:24፣ 1 ጴጥሮስ 2:25) ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ካብ የሆዋ ምስ ዚርሕቕ፡ የሆዋ ንዕኡ ተስፋ ኸም ዘይብሉ ገይሩ ኣይርእዮን እዩ።

ሕጂ እውን የሆዋ ንዓኻ ጓሳኻ ኸም ዝዀነ ይስምዓካ ድዩ፧ ሎሚ የሆዋ ጓሳ ዝዀነልና ዘሎ ኸመይ ገይሩ እዩ፧ ነዚ ሰለስተ መገድታት እስከ ርአ፦

ብመንፈሳዊ መዳይ ይምግበና። የሆዋ፡ “ካብ ጽቡቕ መጓሰዪ ኸብልዐን እየ፣ . . . ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ መገሃጫ በጥ ኪብላ፡ ኣብ ሕሩይ መጓሰዪ . . . ከኣ ኪበልዓ እየን” ኢሉ እዩ። (ህዝቅኤል 34:14) መንፈሳዊ ምግቢ ብግዜኡ ኻብ ምሃብ እውን ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ። ኪረድኣካ ንዝጸለኻዮ ጸሎት ምላሽ ዝዀነልካ ዓንቀጽ፡ መደረ፡ ወይ ቪድዮ ትዝክርዶ፧ የሆዋ ንዓኻ ብውልቂ ኸም ዚሓልየልካ ኣየእመነካንዶ፧

የዕቍበናን ይድግፈናን። የሆዋ፡ “እተባረረት ክመልስ፡ ዝቘሰለት ክዝንን፡ ዝደኸመት ድማ ከበርትዕ እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩ እዩ። (ህዝቅኤል 34:16) እወ፡ ነቶም ብጭንቀት ዝደኸሙ ወይ እተዋሕጡ የበርትዖም እዩ። ኣማኒ ብዝዀነ ብጻዮም ተጐዲኦም ወይ ቅር ኢልዎም ከም ዝቘሰለት በጊዕ ንዝዀኑ ኸኣ ይዝንን እዩ። ንዝጠፍኡን ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ንዚቃለሱን እውን ይመልሶም እዩ።

ይሓልየልና። የሆዋ፡ ‘ካብ ኵሉ እቲ ፋሕ ኢለናሉ ዝነበራ ቦታታት ከናግፈን እየ። ዝጠፍአት ከናዲ እየ’ ኢሉ እዩ። (ህዝቅኤል 34:12, 16) የሆዋ ንዝጠፍአት በጊዕ፡ ተስፋ ኸም ዘይብላ ገይሩ ኣይርእያን እዩ። ሓንቲ በጊዕ ምስ እትጠፍእ፡ የስተብህለላን የናድያን፡ ምስ ረኸባ ኸኣ ይሕጐስን እዩ። (ማቴዎስ 18:12-14) ወረግ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቱስ፡ “ኣቱም ኣባጊዐይ፡ ኣቱም ዝኣልዮም ኣባጊዐይ” ኢሉ ጸዊዕዎም እዩ። (ህዝቅኤል 34:31) ንስኻ ድማ ሓደ ኻብቶም ኣባጊዑ ኢኻ።

የሆዋ ንዝጠፍአት በጊዕ፡ ተስፋ ኸም ዘይብላ ገይሩ ኣይርእያን እዩ። እታ በጊዕ ምስ ተመልሰት ድማ ይሕጐስ እዩ

“ንመዓልትታትና ኸምተን ናይ ቀደም ሓድሰን”

የሆዋ ዜናድየካን ናብኡ ኽትምለስ ጻውዒት ዜቕርበልካን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ክትሕጐስ ስለ ዚደልየካ እዩ። “በረኸት ከም ዝናም ኪዘንም እዩ” ኢሉ ንኣባጊዑ ኣተስፍይዎም እዩ። (ህዝቅኤል 34:26) እዚ ኸኣ ከንቱ ተስፋ ኣይኰነን። ንስኻ እውን ነዚ ብዓይንኻ ርኢኻዮ ኢኻ።

ነቲ ንየሆዋ ዝፈለጥካሉ እዋን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ስም ኣምላኽን ንደቂ ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማን ንፈለማ እዋን ምስ ተምሃርካ፡ ከመይ ተሰሚዑካ፧ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ክትእከብ ከለኻ ባህ ዜብል ከም ዝነበረ ትዝክርዶ፧ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ብስራት ምስ ኣበሰርካዮ፡ ተሓጒስካ ናብ ቤትካዶ ኣይተመለስካን፧

ሕጂ እውን እዚ ሓጐስ እዚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ “ኦ የሆዋ፡ ናባኻ ምለሰና፡ ንሕና እውን ብቐሊሉ ናባኻ ኽንምለስ ኢና። ንመዓልትታትና ኸምተን ናይ ቀደም ሓድሰን” ኢሎም ጸልዮም እዮም። (ድጕዓ 5:21) የሆዋ ንጸሎቶም ስለ ዝመለሶ ኸኣ፡ እቶም ህዝቡ ኸም ብሓድሽ ተሓጒሶም ምእንቲ ኼገልግልዎ ተመሊሶም እዮም። (ነህምያ 8:17) የሆዋ ንዓኻ እውን ኪመልሰካ እዩ።

ኰይኑ ግና፡ ናብ የሆዋ ምምላስ ከምቲ ዚዝረበሉ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ከይትምለስ ዕንቅፋት ዝዀነካ ነገራትን ከመይ ጌርካ ኽትዋጽኣሉ ኸም እትኽእልን እስከ ርአ።

ገበር እታ ኣዋር ሆል ኣሶሴሽን ኦቭ ብራዘርስ ዘርእስታ ቪድዮ

ነቲ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ከለኻ ዝነበረካ ሓጐስ ምእንቲ ኽትዝክሮ፡ ነታ ኣዋር ሆል ኣሶሴሽን ኦቭ ብራዘርስ ዘርእስታ ኣብ jw.org እትርከብ ቪድዮ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ