ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rj ክፋል 5 ገጽ 12-15
  • ናብቲ “ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም” ተመለሱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብቲ “ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም” ተመለሱ
  • ናብ የሆዋ ተመለስ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ናባይ ተመለሱ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ኬበርትዓካ እዩ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ከይተደናጐዩ ኺምለሱ ሓግዞም!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ናብ የሆዋ ተመለስ
rj ክፋል 5 ገጽ 12-15

5ይ ክፋል

ናብቲ “ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም” ተመለሱ

ካብቲ ኣብዛ ብሮሹር ዝረኣናዮ ጸገማት ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ እዚ ንዓኻ ጥራይ ኣይኰነን ኣጋጢሙካ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩን ብግዜና ዘለዉን እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ጸገማት ኣጋጢምዎም እዩ። ከምቲ ንሳቶም ካብ የሆዋ ሓገዝ ዝረኸቡ፡ ንስኻ እውን ሓገዙ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ የሆዋ ኽትምለስ ከለኻ፡ ንሱ ኺርከበልካ እዩ

ናብ የሆዋ ኽትምለስ ከለኻ፡ ንሱ ኸም ዚርከበልካ ኣይትጠራጠር። ንዚስምዓካ ጭንቀትን ቅሬታን ክትዋጽኣሉ፡ ነቲ ኻብ ንጹህ ሕልና ዚርከብ ናይ ኣእምሮን ናይ ልብን ሰላም ከኣ ክትረክብ ኪሕግዘካ እዩ። ከም ብሓድሽ ንየሆዋ ምስ ኣምለኽቱ ዄንካ ንምግልጋል ድማ ክትለዓዓል ኢኻ። ኵነታትካ ምስ ኵነታት እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ከም ብራርያ ኣባጊዕ ኢኹም ዝነበርኩም፣ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም ተመሊስኩም ኣለኹም” ኢሉ ዝጸሓፈሎም ገሊኦም ክርስትያናት ዚመሳሰል ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:25።

ናብ የሆዋ ኽትምለስ ምውሳንካ፡ ጽቡቕ ውሳነ እዩ። ስለምንታይ፧ ንልቢ የሆዋ ስለ እተሐጕሶ እዩ። (ምሳሌ 27:11) የሆዋ ስምዒት ከም ዘለዎ ትፈልጥ ትኸውን፣ ተግባርና ኸኣ ይጸልዎ እዩ። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ኸነፍቅሮን ከነገልግሎን ኣይግድደናን እዩ። (ዘዳግም 30:19, 20) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ማዕጾ ልቢ ወዲ ሰብ፡ ብግዳም መኽፈቲ የብሉን። ካብ ውሽጢ እዩ ኪኽፈት ዘለዎ” በለ። ፍቕሪ ብዝመልአ ልቢ ተለዓዒልና ንየሆዋ ምስ እነገልግሎ፡ ነቲ ማዕጾ ኽንከፍቶ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ክቡር ህያብ ንህቦ፡ ማለት ብንጽህና ኽንመላለስ ንኽእል፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንልቡ ኣዚና ነሐጕሶ። ንየሆዋ ዚግብኦ ኣምልኾ ብምሃብ ካብ ዚርከብ ሓጐስ ዚዓቢ ነገር የልቦን።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ ራእይ 4:11።

ኣባላት ጉባኤ ንዘይንጥፍቲ ሓብቲ ሓቚፎም ኪቕበልዋ ኸለዉ

ብዘይካዚ፡ ከም ብሓድሽ ክርስትያናዊ ኣምልኾ ምስ ጀመርካ፡ እትሃርፎ መንፈሳዊ ነገራት ኪማልኣልካ እዩ። (ማቴዎስ 5:3) ብኸመይ፧ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ “ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ዘለና፧” ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ንዚለዓሎም ሕቶታት መልሲ ኺረኽቡ እውን ሃረር ይብሉ እዮም። የሆዋ ኸምኡ ገይሩ ስለ ዝፈጠሮም እዩ እዚ ሃንቀውታ እዚ ዘለዎም። ንዕኡ ብምግልጋል ዕግበት ከም እንረክብ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ንዕኡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኸም እነገልግሎ ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዕግበት ኬምጽኣልና ዚኽእል ነገር ድማ የልቦን።—መዝሙር 63:1-5።

የሆዋ ናብኡ ኽትምለስ ከም ዚደልየካ ኣይትረስዕ። ከመይ ጌርካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ እስከ ሕሰበሉ፦ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ብብዙሕ ጸሎት ብጥንቃቐ እያ ተዳልያ። ምናልባት ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ወይ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ድማ ንዓኻ ሂቡካ። ንስኻ ኸኣ ምስ ኣንበብካያ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ መልእኽቲ ምላሽ ክትህበሉ ተለዓዒልካ። እዚ ዅሉ፡ የሆዋ ኸም ዘይረስዓካ ዜረጋግጽ እዩ። እኳ ደኣስ፡ ብልእመት መሊሱ ናብኡ ይስሕበካ እዩ ዘሎ።—ዮሃንስ 6:44።

የሆዋ ነቶም ዚጠፍኡ ኣገልገልቱ ፈጺሙ ኸም ዘይርስዖም ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። ዶና እትብሃል ሓብቲ ኸምኡ እዩ ተሰሚዕዋ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “በብቝሩብ ካብ ሓቂ እኳ እንተ ረሓቕኩ፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 139:23, 24 ዘሎ፡ ‘ኦ ኣምላኽ፡ ውሽጠይ ፈትሽ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ። መርምረኒ፡ ዜጨንቐኒ ሓሳባተይ ድማ ፍለጥ። ጐዳኢ መገዲ እንተ ኣልዩኒ ርአ፣ ብመገዲ ዘለኣለም ከኣ ምርሓኒ’ ዚብል ሓሳባት ብዙሕ ሳዕ አስተንትነሉ ነይረ። ናይ ዓለም ከም ዘይኰንኩ፡ ማለት ምስ ዓለም ክሕወስ ከም ዘይክእል እፈልጥ ነይረ እየ፣ ምስ ውድብ የሆዋ ክኸውን ከም ዘሎኒ እውን እፈልጥ ነይረ እየ። የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዘይሓደገኒ ኸኣ ክርኢ ጀሚረ፣ ናብኡ ኽምለስ ዝኽእለሉ መገዲ ኸናዲ ጥራይ እዩ ነይሩኒ። ከምኡ ብምግባረይ ድማ ሕጒስቲ እየ!”

“የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዘይሓደገኒ ኸኣ ክርኢ ጀሚረ፣ ናብኡ ኽምለስ ዝኽእለሉ መገዲ ኸናዲ ጥራይ እዩ ነይሩኒ”

ንስኻ እውን ከም ብሓድሽ “ሓጐስ የሆዋ” ኽትረክብ ልባዊ ጸሎትና እዩ። (ነህምያ 8:10) ናብ የሆዋ ብምምላስካ ፈጺምካ ኣይክትጠዓስን ኢኻ።

ናብ የሆዋ ብዛዕባ ምምላስ ንዚለዓል ሕቶታት ዚኸውን መልስታት

ፈለማ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ኣባላት ጉባኤ ንዘይንጥፍቲ ሓብቲ ሓቚፎም ኪቕበልዋ ኸለዉ

ሓሚሙ ዝነበረ ሰብ ብሓንሳእ ዘይኰነስ በብቝሩብ እዩ ናብቲ ናይ ቀደም ንጥፈታቱ ዚምለስ። ንስኻ እውን፡ መዓልቲ መዓልቲ ቝሩብ መንፈሳዊ ምግቢ ብምምጋብ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታትካ እናደልደልካ ኽትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኵሉ ብሓንሳእ ክትገብሮ ኸም ዘሎካ ዀይኑ ኺስምዓካ የብሉን። ንሒደት ደቓይቕ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ወይ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ክትሰምዕ፡ ጽሑፋትና ኸተጽንዕ፡ ወብ ሳይት jw.org ክትርኢ፡ ወይ ከኣ ገለ ኻብቲ ብjw.org ዚፍኖ መደባት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ቀልጢፍካ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽትእከብ እውን ጽዓር። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ናብ የሆዋ ጸልን ኪሕግዘካ ሕተቶን። ‘ንሱ ይሓልየልካ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትካ ናብኡ ደርብዮ።’—1 ጴጥሮስ 5:7።

“ኣብ ኣምልኾይ ዘይንጥፍቲ ምስ ኰንኩ፡ ምጽላይ እኳ የሕፍረኒ ነይሩ። ተቢዐ ኽጽሊ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ሓደ ሽማግለ ረኺቡኒ። የሆዋ ብኣይ ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ኸኣ ኣረዲኡኒ። መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ እውን ሓሳብ ሂቡኒ። ከምኡ ምስ ገበርኩ ድማ፡ ኣብ ኣኼባታት ክእከብ ብርታዐ ረኺበ። ጸኒሐ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ክካፈል ጀሚረ። የሆዋ ብኣይ ተስፋ ስለ ዘይቈረጸ ሕጕስቲ እየ።”—ኢቫ።

ጉባኤ ብኸመይ ክትቅበለኒ እያ፧

ኣባላት ጉባኤ ባህ ኢልዎም ከም ዚቕበሉኻ ኣይትጠራጠር። ኪነቕፉኻ ዘይኰነስ፡ ከም ዜፍቅሩኻ ኼርእዩኻን ኬተባብዑኻን ዚከኣሎም ኪገብሩ እዮም።—እብራውያን 10:24, 25።

“ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምምላስ ኣሕፊሩኒ ነይሩ። ኣሕዋት ከመይ ኰን ይቕበሉኒ ይዀኑ ኢለ እሓስብ ነይረ። 30 ዓመት ኣብኡ ዝነበረት ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኸኣ፡ ‘ዝወደይ፡ ናብ ቤትካ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ!’ ኢላትኒ። እዚ ድማ ንልበይ ኣዝዩ ተንኪፍዎ። ብሓቂ ናብ ቤተይ እየ ተመሊሰ።”—ኻቭየር።

“ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ከድኩ፡ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸየስተብህለለይ ኣብ ጸግዒ ዀፍ ኢለ። ብግዜ ቝልዕነተይ ኣብኡ ኽእከብ ከለኹ ዚፈልጡኒ ብዙሓት ግና ኣለልዮምኒ። ብታሕጓስ ተቐቢሎም ምስ ሓቘፉኒ፡ ብዙሕ ሰላም ተሰሚዑኒ። ናብ ቤተይ እተመለስኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።—ማርኮ።

ሽማግለታት ብኸመይ ኪሕግዙኒ እዮም፧

ሽማግለታት ብለውሃት ኪሕዙኻ እዮም። “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ” ኽትውልዓ ባህጊ ስለ ዘሕደርካ፡ ኪንእዱኻ እዮም። (ራእይ 2:4) ብምሕረት ተለዓዒሎም፡ ዝገበርካዮ ጌጋታት ክትእርም “ብልኡም መንፈስ” ኪሕግዙኻ እዮም። (ገላትያ 6:1፣ ምሳሌ 28:13) ሓደ ሓው ብኸም እኒ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!ን ንየሆዋ ቕረቦን ዘርእስተን መጻሕፍቲ ገይሩ ምሳኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ምድላዋት ኪገብሩልካ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኵሉ ስጕምትኻ ኸም ዜጸናንዑኻን ከም ዚድግፉኻን ኣይትጠራጠር።—ኢሳይያስ 32:1, 2።

“ዘይንጡፍ ኰይነ ኣብ ዝነበርኩለን ሸሞንተ ዓመታት፡ ሽማግለታት ተበግሶ ወሲዶም ብቐጻሊ ይበጽሑኒ ነይሮም እዮም። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ሽማግለ ዝሰኣለና ስእልታት ኣርእዩኒ። እዚ ኸኣ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ስለ ዘምጽኣለይ፡ ነቲ ንየሆዋ ኸገልግሎ ኸለኹ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ሓጐስ ሃረር ከም ዝብሎ ገይሩኒ። ሽማግለታት መንፈሳዊ ንጥፈታተይ ክጅምር ብፍቕሪ ሓጊዞምኒ እዮም።”—ቪክቶር።

“ኬበርትዓካ እዩ”

ኣብ ኣኼባ ጉባኤ፡ ክልተ ኣሓት ሓንቲ መጽሓፍ መዝሙር ሒዘን ብሓንሳእ ኪዝምራ ኸለዋ

እታ ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’ ዘርእስታ ናይ መዝሙር መጽሓፍና፡ መሊስካ ብመንፈሳዊ ንጡፍ ኣብ እትዀነሉ እዋን ኬጸናዓካን ኬተባብዓካን ዚኽእል መዝሙራት ሒዛ ኣላ። ንኣብነት፡ ግጥሚ መዝሙር 38 እስከ ርአ። እታ መዝሙር፡ ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:10 እተመስረተት ኰይና፡ “ኬበርትዓካ እዩ” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዋ።

  1. ብምኽንያት’ዩ ኣምላኽ ናብኡ ስሒቡካ፣

    ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣውጺኡካ።

    ኣብ ልብኻ ርእዩ ዅሉ ሃረርታኻ፡

    ፈታው ጽድቅን ቅንዕናን ምዃንካ፣

    ቃል ኣቲኻ ኽትገብር ፍቓዱ፣

    ኪረድኣካስ ጽናዕ ኣብ መገዱ።

  2. ኣምላኽ ሂቡ ወዱ፡ እወ፡ ምእንታኻ፣

    ድሌቱ’ዩ ዅሉ ኺሰልጠካ።

    ብልግሲ ኻብ ሃበ ነቲ ሓደ ወዱ፡

    የበርትዕ’ዩ በታ ሓያል ኢዱ።

    ኣይርስዖን እምነትካ፡ ፍቕርኻ፣

    ኪሕብሕበካ’ዩ፡ ኪሓልየልካ።

    (ኣዝማች)

    ብደም የሱስ ዓዲጉ፡ ገይሩካ ጥሪቱ፣

    ኬበርትዓካ’ዩ ብምዃንካ ናቱ።

    ከውሕኻ’ዩ ዕቝባኻ ኣብ ምሉእ ህይወትካ፡

    ኬበርትዓካ’ዩ፡ እወ ኼጽንዓካ።

ሲንግ ቱ ጂሆቫ—ቮካል ረንዲሽንስ

ነዛ መዝሙር እዚኣን ብድምጺ ንእተቐድሐ ኻልእ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽን ብእተፈላለየ ቛንቋታት ክትሰምዕ እንተ ደሊኻ፡ ናብ jw.org እቶ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ