ሳጹን ትምህርቲ 13ሀ
በበይነን ኣብያተ መቕደስ፡ በበይኑ ትምህርቲ
እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ፦
ህዝቅኤል ነቶም ኣብ ባቢሎን ምሩኻት ዝነበሩ ኣይሁድ ገሊጹሎም
ብዙሕ መስዋእቲ ዚቐርበሉ መሰውኢ ነይርዋ
የሆዋ ንኣምልኾ ዝሰርዖ ቅኑዕ መለክዒታት ተጕልሕ
ኣብቲ ብ1919 እተጀመረ መንፈሳዊ ምምላስ ከነተኵር ትሕግዘና
እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ፦
ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ገሊጹሎም
“ሓንሳእ ንሓዋሩ” መስዋእቲ ዝቐረበሉ መሰውኢ ኣለዋ (እብ. 10:10)
እቲ ማሕደርን እታ ቤተ መቕደስን ካብ ቀደም ንዜመልክቶ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ነገር ትገልጽ፣ እዚ ድማ እቲ የሆዋ ብመስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ኣቢሉ ንንጹህ ኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ እዩ
ንኣቓልቦና ናብቲ ክርስቶስ ካብ 29 ክሳዕ 33 ድ.ክ.፡ ከም ዓብዪ ሊቀ ኻህናት መጠን ዝዓየዮ ዕዮ ኸም ዜተኵር ትገብር