ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 34
  • ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • የሆዋ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ ደስ ይብሎ—ንስኻኸ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 34
ትምህርቲ 34. ሓደ ኣብ ከተማ ዘሎ ሰብኣይ ናብ ሰማይ እናጠመተ የስተንትን።

ትምህርቲ 34

ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እትጅምር ንነጀው ንኣምላኽ ብዝያዳ ዝቐረብካዮ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ፧ ምስኡ ዘሎካ ዕርክነት ብቐጻሊ ኸተደልድል ትደሊዶ፧ ከምኡ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ ብዝረኣየ መጠን፡ ብዝያዳ ኼፍቅረካን ኪሓልየልካን እዩ። እሞ ደኣ ኸም እተፍቅሮ ብኸመይ ከተርእዮ ትኽእል፧

1. ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርእዮ ንኽእል፧

ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ንዕኡ እዙዛት ብምዃን ኢና እነርኢ። (1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።) ንሱ ኽንእዘዞ ኣይግድደናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንነፍሲ ወከፍና ኽንእዘዞ ወይ ከይንእዘዞ ናይ ምምራጽ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። ስለምንታይ፧ የሆዋ ‘ኻብ ልቢ ኽንእዘዞ’ እዩ ዚደሊ። (ሮሜ 6:17) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ግዴታ ዀይኑካ ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ኽትእዘዞ እዩ ዚደልየካ። 3ይን 4ይን ክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ነገር ብምግባርን ባህ ካብ ዘየብሎ ነገር ብምርሓቕን፡ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኸተርኢ ንምሕጋዝ እዩ ተዳልዩ።

2. ንየሆዋ ፍቕርና ኸነርእዮ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

“ሽግር ጻድቕ ብዙሕ እዩ።” (መዝሙር 34:19) ኵላትና ምስ ዘይፍጽምናና ንቃለስ ኢና። ቍጠባዊ ጸገማትን ዘይፍትሓውነትን ካልእ ጸገማትን እውን የጓንፈና እዩ። ሽግራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ዚደልዮ ምግባር ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ ግጉይ መገዲ ዝቐለለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ዝበለካ ብተኣማንነት ምስ እትገብር፡ ንዕኡ ኻብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ኸም እተፍቅሮ ተርኢ ኢኻ። ንዕኡ እሙን ምዃንካ እውን ተርኢ ኢኻ። ንሱ እውን ብተራኡ ንዓኻ እሙን ኪዀነልካ እዩ። ከቶ እውን ኣይኪሓድገካን እዩ።—መዝሙር 4:3 ኣንብብ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ንየሆዋ ዘሎካ ተኣዛዝነት ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ መርምር፣ ንዕኡ እሙን ኴንካ ንምምላስ እንታይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ከኣ ተምሃር።

3. ንዓኻ ዚምልከተካ ጕዳይ

ብመሰረት መጽሓፍ እዮብ፡ ሰይጣን ንእዮብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት እዩ ኸሲስዎም። እዮብ 1:1, 6–2:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ከምቲ ሰይጣን ዝበሎ እንተ ዚኸውን፡ እዮብ ንየሆዋ እተኣዘዞ ስለምንታይ ምዀነ፧—እዮብ 1:9-11 ርአ።

  • ኵሎም ሰባት እንታይ ከም ዚገብሩ እዩ ሰይጣን እተዛረበ፧—እዮብ 2:4 ርአ።

እዮብ 27:5ለ ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እዮብ ንየሆዋ ብሓቂ ኸም ዜፍቅሮ ብኸመይ ኣርእዩ፧

ሰይጣን ንየሆዋ ብድሆ የቕርበሉ። ንንጽህና እቲ ብምጕልንጭዋ እተወቕዐ እዮብን ንንጽህና ሎሚ ንየሆዋ እተገልግል ዘላ ሓብትን እዩ ኣብ ሕቶ ዜእትዎ ዘሎ።

እዮብ ንየሆዋ እሙን ብምዃን፡ ፍቕሩ ኣርእዩ

ንየሆዋ እሙናት ኴንና ብምምልላስ፡ ፍቕርና ኸነርኢ ንኽእል

4. ንልቢ የሆዋ ኣሐጕሶ

ምሳሌ 27:11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ንስኻ ጥበበኛ ዄንካ ንየሆዋ ኽትእዘዞ ኸለኻ፡ ንሱ እንታይ ይስምዖ፧ ስለምንታይ፧

5. ንየሆዋ እሙን ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ብዛዕባኡ ንሰባት ክንነግር ትድርኸና እያ። ንዕኡ ዘሎና ተኣማንነት ከኣ፡ ብዛዕባኡ ንሰባት ምንጋር ቀሊል ኣብ ዘይኰነሉ ኣጋጣሚታት እኳ ኽንነግር ይድርኸና እዩ። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ተቓውሞ እናኣጋጠመካ ኽነሱ ንእምነትካ ተጣበቐላ (5:09)

  • ብዛዕባ የሆዋ ንሰባት ምንጋር ኣጸጋሚዶ ይዀነካ፧

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ግረይሰን ንፍርሁ ኼሰንፎ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

የሆዋ ዚፈትዎ ነገራት ንፈቱ፡ ዚጸልኦ ነገራት ከኣ ንጸልእ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ እሙናት ምዃን ይቐልለና እዩ። መዝሙር 97:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተምሃርካዮ፡ ገለ ኻብቲ የሆዋ ዚፈትዎ ነገራት እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ዚጸልኦ ነገራትከ እንታይ እዩ፧

  • ሰናይ ክትፈቱ፡ ክፍኣት ከኣ ክትጸልእ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

6. ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝናዮ ንጥቀም ኢና

ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ወትሩ ንጥቀም ኢና። ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ወትሩ ንዓና ዝሓሸ ነገር ከም ዚፈልጥሲ ኽንኣምኖ ንኽእል ዲና፧ ስለምንታይ፧

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ዝገበርካዮ መጽናዕቲ፡ ክሳዕ ሕጂ ብኸመይ ጠቒሙካ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ተግባራተይ ንኣምላኽ ክሳዕ ክንድቲ ዜገድሶ ኣይኰነን።”

  • ተግባራትና ንስምዒታት የሆዋ ኸም ዚጸልዎ ምእንቲ ኸተረድእ፡ እንታይ ጥቕስታት ምተጠቐምካ፧

ጽማቝ

ንየሆዋ እዙዝ ብምዃንን ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ ንዕኡ እሙን ብምዃንን፡ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።

ክለሳ

  • ካብ እዮብ እንታይ ተማሂርካ፧

  • ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ብኸመይ ከተርኢ ኢኻ፧

  • ንየሆዋ እሙን ኴንካ ንምምልላስ እንታይ ኪሕግዝካ እዩ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ንየሆዋን ንጉባኤኡን ብኸመይ እሙን ክትከውን ከም እትኽእል ርአ።

“ምስ እሙን፡ እሙን ትኸውን” (16:49)

ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ንሰባት ዝኸሰሶም ክስታት ብዝያዳ ፍለጥ።

“እዮብ ንጽህናኡ ሓለወ” (መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧ ክፋል 6)

ንኣሽቱ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ብኸመይ ኬርእዩ ኸም ዚኽእሉ ርአ።

ንየሆዋ ኣሐጕሶ (8:16)

ካብ መዛኑኦም ጸቕጢ ዚወርዶ መንእሰያት ከመይ ገይሮም ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ኪመላለሱ ይኽእሉ፧

ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኣሉ! (3:59)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ