ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 39
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • ክፋላት ደምን ኣገባባት መጥባሕትን
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • በቲ ህያው ኣምላኽ ተመራሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 39
ትምህርቲ 39. ብማይክሮስኮፕ ዚርአ ዋሕዚ ደም።

ትምህርቲ 39

ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

ደም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብዘይ ደም፡ ዋላ ሓዴና ብህይወት ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ንደም ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም ዘሎና ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎ። እሞ ደኣ ብዛዕባ ደም እንታይ እዩ ኢሉና፧ ደም ክንበልዕ ወይ ክንወስድ ንኽእል ዲና፧ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኸመይ ጌርካ ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር ትኽእል፧

1. የሆዋ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧

የሆዋ ነቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣምለኽቱ፡ “ህይወት ኵሉ ስጋ፡ ደሙ እዩ” ኢልዎም እዩ። (ዘሌዋውያን 17:14) ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ደም ንህይወት እዩ ዚውክል። ህይወት ቅዱስ ስለ ዝዀነ፡ ወይ ካብ ኣምላኽ ዚውሃብ ስለ ዝዀነ፡ ደም እውን ቅዱስ እዩ።

2. ኣምላኽ ብዛዕባ ደም እንታይ እዩ ኸልኪሉ፧

የሆዋ ነቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣምለኽቱ፡ ደም ከይበልዑ ኸልኪልዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 9:4ን ዘሌዋውያን 17:10ን ኣንብብ።) ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ንክርስትያናት፡ “ካብ ደም . . . ርሓቑ” ብምባል ነቲ ዝቐደመ ትእዛዝ መረጋገጺ ሂቡ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29 ኣንብብ።

ካብ ደም ምርሓቕ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓኪም ካብ ኣልኮላዊ መስተ ኽትርሕቕ እንተ ኣዚዙካ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትሰትን ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ምግቢ ምበላዕካዶ፡ ወይ ኣብ ሰራውር ደምካ ብመርፍእ ምወሰድካዮዶ፧ ኣይፋልን። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ካብ ደም ክንርሕቕ ዝሃበና ትእዛዝ፡ ደም ክንሰቲ ወይ ደሙ ዘይፈሰሰ ስጋ ኽንበልዕ ከም ዘይብልና የመልክት እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ደም እተሓወሶ ምግቢ ኽንበልዕ የብልናን።

ግናኸ፡ ደም ኣብ ሕክምና ኽንጥቀም ንኽእልዶ፧ ገሊኡ መስርሓት ሕክምና ብንጹር ሕጊ ኣምላኽ ይጥሕስ እዩ። ገለ ኻብዚ ምምሕልላፍ ምሉእ ደም ወይ ምምሕልላፍ ቀንዲ ተዋጽኦታቱ፡ ማለት ቀያሕቲ ዋህዮታት፡ ጸዓዱ ዋህዮታት፡ ፕላትለት፡ ፕላዝማ ኺጥቀስ ይከኣል። ገሊኡ መስርሓት ሕክምና ግና ንሕጊ ኣምላኽ ብንጹር ዘይጥሕስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ሕክምና፡ ክፋላት እቲ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ይጥቀሙ ይዀኑ። ኣብ ገሊኡ ድማ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ደም ይጥቀሙ ይዀኑ። ነዚ ኣማራጺታት እዚ ኽንግምግም ከለና፡ ነፍሲ ወከፍና ብሕታዊ ውሳነ ኽንገብር ኣሎና።a—ገላትያ 6:5።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ብዛዕባ ደም ከመይ ጌርካ ሕክምናዊ ውሳነታት ከም እትገብር መርምር።

3. ንየሆዋ ባህ ዜብል ሕክምናዊ ውሳነታት ግበር

ከመይ ጌርካ ኢኻ ምስ ኣረኣእያ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ሕክምናዊ ውሳነታት ክትገብር እትኽእል፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ስጕምትታት ናይ ምውሳድ ኣገዳስነት ተመያየጡሉ፦

ቪድዮ፦ ምስ ደም እተተሓሓዘ ሕክምናዊ ውሳነታት ብኸመይ ንገብር፧ (5:47)

  • ጥበብ ንምርካብ ጸሊ።—ያእቆብ 1:5።

  • ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ኣተገባብራኡን ምርምር ግበር።—ምሳሌ 13:16።

  • እንታይ ኣማራጺታት ከም ዘሎካ ፍለጥ።

  • ኣየናይ ኣማራጺታት ብንጹር ከም እትቕበሎ ኣለሊ።

  • ብውሳነኻ ንጹህ ሕልና ኸም ዚህልወካ ኣረጋግጽ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:16።b

  • ኣብዚ ንሕልና ዚምልከት ጕዳይ ዋላ ሓደ ሰብ፡ ዋላ እውን መጻምድቲ፡ ሽማግለ፡ ወይ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ከም እትውስን ኪነግረካ ኸም ዘይክእል ፍለጥ።—ሮሜ 14:12።

  • ውሳነኻ ብጽሑፍ ኣስፍር።

ስእልታት፦ ሓደ ሰብኣይ ሕክምናዊ ውሳነ ይገብር። 1. ይጽሊ። 2. ብመጽሓፍ ቅዱስን ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ብታብለትን ገይሩ ምርምር ይገብር። 3. ምስ ሓኪሙ ይዛራረብ።

4. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሉጽ ሕክምና ይደልዩ

ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ ሕጊ እናሓሎኻ፡ ብዘይ ደም ብሉጽ ሕክምና ኺርከብ ይከኣል እዩ። ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ ቃለ መጠይቕ ምስ ፕሮፌሰር ማሲሞ ፍራንኪ (1:36)

ቲቶስ 3:2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ምስ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ናይ ምትሕብባርን ናይ ልእመትን መንፈስ ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ናይ መርመራ ቱቦ ዚርከብ ደም ናብ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ተኸፋፊሉን “ሀ” “ለ” “ሐ” “መ” ዚብል ስም ተዋሂብዎን ይርአ።

ዘይቅቡል

ክርስትያን ዚውስኖ

ሀ. ፕላዝማ ደም

ክፋላት ፕላዝማ

ለ. ጸዓዱ ዋህዮታት

ክፋላት ጸዓዱ ዋህዮታት

ሐ. ፕላትለት

ክፋላት ፕላትለት

መ. ቀያሕቲ ዋህዮታት

ክፋላት ቀያሕቲ ዋህዮታት

5. ምስ ክፋላት ደም እተተሓሓዘ

ደም ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ቀያሕቲ ዋህዮታት፡ ጸዓዱ ዋህዮታት፡ ፕላትለት፡ ፕላዝማ ይብሃል። እቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ድማ ናብ ዝነኣሰ ኽፋላት ይከፋፈል እዩ፣ እዚ ኸኣ ክፋላት ደም ተባሂሉ ይፍለጥ።c ገሊኡ ኽፋላት፡ ምስ ሕማማት ንምቅላስ ወይ ምድማይ ደው ንምባል ከም መድሃኒት ኰይኑ የገልግል እዩ።

ምስ ክፋላት ደም ብዚተሓሓዝ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተመርኲሱ ውሳነኡ ኺገብር ኣለዎ። ገሊኦም ምስ ክፋላት ደም እተተሓሓዘ ሕክምና ይኣብዩ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ንኽፋላት ደም ኪቕበሉ ሕልናኦም ይፈቕደሎም ይኸውን።

ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶ ሕሰበሉ፦

  • ንገሊኡ ኽፋላት ደም ዘይቅበለሉ ወይ ዝቕበለሉ ምኽንያት ንሓኪም ከመይ ገይረ ኽገልጸሉ እኽእል፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ደም ምውሳድ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧”

  • እንታይ ይመስለካ፧

ጽማቝ

የሆዋ ንደም ከም ቅዱስ ጌርና ኽንርእዮ ይደልየና።

ክለሳ

  • የሆዋ ንደም ከም ቅዱስ ገይሩ ዚርእዮ ስለምንታይ እዩ፧

  • እቲ ኣምላኽ ካብ ደም ክንርሕቕ ዝሃበና ትእዛዝ ንምምሕልላፍ ደም እውን ከም ዚምልከት ብኸመይ ንፈልጥ፧

  • ደም ኣብ ሕክምና ብዛዕባ ምጥቃም ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ብደምካ ብዛዕባ ዚግበር ሕክምና ኽትውስን ከለኻ፡ እንታይ ረቛሒታት ኪጸልወካ ይግባእ፧

“ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ጥቅምቲ 2000)

ደቀቕቲ ኽፋላት ደም ብዛዕባ ምውሳድ ክትውስን ከለኻ፡ እንታይ ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ፧

“ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ሰነ 2004)

ሓደ ሓኪም ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ኺኣምነሉ ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧

“ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ተቐቢለዮ” (ንቕሑ!፡ 8 ታሕሳስ 2003)

ምስ ሆስፒታል ኣብ ዜረዳድእ ኮሚተታት ዜገልግሉ ሽማግለታት ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ብኸመይ ከም ዚድግፍዎም ፍለጥ።

የሆዋ ንዝሓመሙ ይድግፎም (10:23)

a “ጽቡቕ ውሳነታት ብኸመይ ትገብር፧” ዘርእስቱ ትምህርቲ 35 ርአ።

b “ምስ ክፋላት ደም እተተሓሓዘ” ኣብ ዘርእስቱ ነጥቢ 5ን ኣብ ተወሳኺ ሓበሬታ 3 ዚርከብ “ምስ ደም እተተሓሓዘ መስርሓት ሕክምና” ዚብል ኣርእስትን ርአ።

c ገሊኦም ሓካይም ነቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ከም ክፋላት ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ምሉእ ደም ወይ ቀያሕቲ ዋህዮታትን ጸዓዱ ዋህዮታትን ፕላትለትን ፕላዝማን ከም ዘይትቕበል ዝገበርካዮ ብሕታዊ ውሳነ ኽትገልጽ የድልየካ ይኸውን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ