ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lffi ትምህርቲ 2
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ኣብ 2023 ትስፉዋት እንዀነሉ ምኽንያታት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ኣብ 2024 ብኸመይ ተስፋ ትረክብ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lffi ትምህርቲ 2
ትምህርቲ 2. ስግር እቲ ሰፊሕ ግራት ስርናይ ጸሓይ ትበርቕ።

ትምህርቲ 02

መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ጓሂ፡ ጭንቀት፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ስቓይ ዜስዕብ ጸገማት የጓንፎም ኣሎ። ንስኻኸ ኸምኡ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ምናልባት ብሰንኪ ሕማም ወይ ሞት እትፈትዎ ሰብካ መከራ ረኺብካ ትኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ‘ህይወትና ኺመሓየሽ ድዩ፧’ ኢልካ ሓቲትካ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶ እዚ ዚኸውን፡ ዜጸናንዕ መልሲ ይህብ እዩ።

1. መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ተስፋ ዚህብ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓለም ብጸገማት መሊኣትሉ ዘላ ምኽንያት ጥራይ ኣይኰነን ዚገልጽ። የግዳስ፡ እዚ ጸገማት እዚ ግዜያዊ ኸም ዝዀነን ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ዚውገድን እውን የበስር እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋታት፡ “ብሩህ መጻእን ተስፋን” ኪህበካ ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 29:11, 12 ኣንብብ።) እዚ ተስፋታት እዚ ኸኣ ንጸገማትና ኽንጻወሮ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልወና፡ ከምኡ እውን ነባሪ ሓጐስ ክንረክብ ይሕግዘና እዩ።

2. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት መጻኢ እዩ ዜተስፉ፧

ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ መጻኢ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4 ኣንብብ።) እቲ ሎሚ ንህይወት ተስፋ ኣልቦ ዚገብራ ኸም ድኽነት፡ ዘይፍትሓውነት፡ ሕማም፡ ሞት ዝኣመሰለ ጸገማት ኣይኪህሉን እዩ። ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ።

3. ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ብኸመይ ክትኣምኖ ትኽእል፧

ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ኪኸውን ተስፋ ይገብሩ እዮም። ተስፋኦም ከም ዚፍጸም ግና ርግጸኛታት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተስፍዎ ግና፡ ካብዚ እተፈልየ እዩ። “ቅዱሳት ጽሑፋት [ብምምርማር፡]” ኣብቲ ዚብሎ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዚብሎ ኽትኣምኖ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ባዕልኻ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተስፍዎ ተስፋታት መርምር። መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ሎሚ ንሰባት ብኸመይ ይሕግዞም ከም ዘሎ እውን ርአ።

ስእልታት፦ ሎሚ ዘሎ ዅነታት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተስፍዎ ዅነታት ይነጻጸር። እቲ ንጽጽር ኣብ ታሕቲ እውን ይድገም።

4. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፍጹም ኵነታት ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእል የተስፉ

ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋታት ርአ። ካብዚ ምናዳ ንዓኻ ዚስሕበካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

ነቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ተስፋታት ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፡ ነዚ ሕቶታት እውን ተመያየጡሉ፦

  • እዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተስፋ ዚህብዶ ይመስለካ፧ ንስድራ ቤትካን ንፈተውትኻንከ ተስፋ ኺህቦም ይኽእልዶ፧

ሕስብ እሞ ኣብሎ

ሓደ እኳ . . .

ኵሉ ሰብ . . .

  • ኣይኪሳቐን፡ ኣይኪኣርግን፡ ወይ ኣይኪመውትን እዩ።—ኢሳይያስ 25:8።

  • ንዚፈትዎ ሰቡ ኣብ ምድሪ ብትንሳኤ ኺረክብ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29።

  • ኣይኪሓምምን ወይ ምስ ስንክልናኡ ኣይኪነብርን እዩ።—ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6።

  • ጽቡቕ ጥዕናን ንእስነትን ኪረክብ እዩ።—እዮብ 33:25።

  • ኣደዳ ዘይፍትሓውነት ኣይኪኸውንን እዩ።—ኢሳይያስ 32:16, 17።

  • እኹል ምግብን ምሹእ መንበርን ዜዕግብ ስራሕን ኪረክብ እዩ።—መዝሙር 72:16፣ ኢሳይያስ 65:21, 22።

  • ግዳይ ውግእ ኣይኪኸውንን እዩ።—መዝሙር 46:9።

  • ምሉእ ሰላም ኪረክብ እዩ።—መዝሙር 37:11።

  • ብዚርብሽ ሓሳባት ወይ ተዘክሮታት ኣይኪሳቐን እዩ።—ኢሳይያስ 65:17።

  • ኣብ ብሉጽ ኵነታት ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።—መዝሙር 37:29።

ሓሚሙ ዝነበረ ቘልዓ ጥዕዩ ንኣዲኡ ይሓቝፋ። ኣሪጉ ዝነበረ ሰብኣይ ናብ ንእስነቱ ተመሊሱ ኣሕምልቲ ዝሓዘ ዓረብያ ይደፍእ። ግዳያት ብርቱዕ ጥሜትን ግዱድ ሽቕለትን ዝነበሩ ቘልዑ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ይተኽሉን ኵዕሶ እግሪ ይጻወቱን። ተዀርምያ ብሕዱር ጭንቀት እትሳቐ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ፡ ቅንዕ ኢላ ፍሽኽ ትብል።

5. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ንህይወትና ኼመሓይሾ ይኽእል

ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ ከባቢኦም ዚርእይዎ ጸገማት ይጕህዩ ወይ ይቝጥዑ እዮም። ገሊኦም ከኣ ለውጢ ኼምጽኡ ኢሎም ይቃለሱ እዮም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኵነታት ከም ዚመሓየሽ ዜተስፍዎ ተስፋ ሕጂ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚሕግዞም ርአ። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ምስ ዘይፍትሓውነት ክቃለስ እደሊ ነይረ (4:07)

ስእልታት፦ ኣብታ ‘ምስ ዘይፍትሓውነት ክቃለስ እደሊ ነይረ’ ዘርእስታ ቪድዮ ዚርከብ ትርኢታት። 1. ራፊካ ብንእስነታ ኸምኣ ምስ ዝዓሌቶም ሰባት ጡጥ ትኣሪ። 2. ራፊካ ንፈለማ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚገብርዎ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ተኣከበት፡ ካብ በበይኑ ዓሌታት ዝመጹ ሰባት ተሳንዮም ብምርኣያ ትሕጐስ።
  • ኣብታ ቪድዮ፡ እንታይ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዩ ንራፊካ ረቢሽዋ፧

  • እቲ ዘይፍትሓዊ ተግባር እቲ እኳ እንተ ዘይተወገደ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ሓጊዝዋ፧

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚህቦ ተስፋ፡ ምስ ምቝራጽ ተስፋ ኽንቃለስን ንጸገማትና ኽንጻወርን ይሕግዘና። ምሳሌ 17:22ን ሮሜ 12:12ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ተስፋ ሕጂ ንህይወትካ ኼመሓይሻ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይከ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተስፍዎ ተስፋታት ዘይእመን እዩ።”

  • ብዛዕባ እዚ ዘሎ መርትዖ ኽትምርምር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ጽማቝ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዜሐጕስ መጻኢ የተስፉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ተስፋ ይህበና፡ ንጸገማትና ኽንጻወሮ እውን የኽእለና።

ክለሳ

  • ሰብ ተስፋ ዜድልዮ ስለምንታይ እዩ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ይብል፧

  • ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ምህላው፡ ሕጂ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ሸቶ

ዳህስስ

ተስፋ ብዛዕባ ዘለዋ ሓይሊ ፍለጥ።

“ተስፋ ኣበይ ትርከብ፧” (ንቕሑ!፡ 22 ሚያዝያ 2004)

ተስፋ ነቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ብኸመይ ከም እትሕግዞም ርአ።

“ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ነዛ ሙዚቃዊት ቪድዮ እዚኣ ኽትርእያ ኸለኻ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተስፈዋ ገነት ትነብሩ ኸም ዘለኹም ጌርካ ብኣእምሮኻ ስኣል።

Imagine the Time (3:37)

ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዚቃለስ ዝነበረ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተስፍዎ ተስፋ ንህይወቱ ብኸመይ ከም ዝቐየረሉ ኣንብብ።

“ሕጂ፡ ንዓለም ክቕይራ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሓምለ 2013)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ