ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/9 ገጽ 24
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ጴጥሮስ ንየሱስ ከሓዶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/9 ገጽ 24

ንመንእሰያትና

የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ

መምርሒታት፡- ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ሉቃስ 2:41-47 ኣንብብ።

ኣብቲ ኣብ ቍጽሪ 46 ተገሊጹ ዘሎ ዝርርብ፡ ብዛዕባ እንታይ ይዘራረቡ ዝነበሩ ይመስለካ፧

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።

የሱስ ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ምስቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኪዘራረብ ዝኸኣለ ስለምንታይ ይመስለካ፧ ፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ ጥራይ ድዩ ወይስ ካልእ ምኽንያት ነይርዎ፧

․․․․․

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ሉቃስ 2:48-52 ኣንብብ።

የሱስ፡ “ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧” ኢሉ ኺሓትት ከሎ እንታይ ዓይነት ጠባይ ዘርኣየ ይመስለካ፧

․․․․․

የሱስ ንወለዱ ብሕጫጨ ወይ ኣኽብሮት ብዘይብሉ መገዲ ኸም ዘይተዛረቦም ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።

ዮሴፍን ማርያምን ተጨኒቖም ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

․․․․․

የሱስ ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ንወለዱ ብቐጻሊ ኺእዘዞም ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

․․․․․

የሱስ ኣብ ቅድሚ ሰባት መአረምታ ስለ እተዋህቦ፡ ሓፊሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ትሓስብዶ፧

․․․․․

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፡-

ተኣዛዝነት።

․․․․․

ኣብ ግዜ ንእስነትካ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምጥራይ ዘለዎ ጥቕሚ።

_______

ካብዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ