ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/7 ገጽ 5-6
  • 2. ብኽፉት ኣእምሮ ኣንብቦ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 2. ብኽፉት ኣእምሮ ኣንብቦ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ብዅሉ ፍቓድካ’ ብፍልጠት እናዓበኻ ኺድ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ቃል ኣምላኽ ኣንብብ ብሓቂ ድማ ኣገልግሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ክርስትያናት ክብሪ የሆዋ የንጸባርቑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ተጠቐም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/7 ገጽ 5-6

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእለሉ መገድታት

2. ብኽፉት ኣእምሮ ኣንብቦ

ዓርክኻ ብዛዕባ ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ኣሉታዊ ነገራት ነጊሩካዶ ይፈልጥ፧ ነቲ ዘይትፈልጦ ሰብ ምስ ረኸብካዮ፡ እቲ ዓርክኻ ዝነገረካ ኣሉታዊ ነገራት ንተውህቦን ጽቡቕ ባህርያትን እቲ ሰብ ንኸይትርኢ ጽልዋ ኣሕዲሩልካዶ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚምልከት እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ኬጋጥም ይኽእል እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኽፉት ኣእምሮ ዘይምንባብ ብዛዕባ ዜስዕቦ ጸገም ኣጠንቀቐ። ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ ብዚምልከት፡ “ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 10:2።

ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ መንነት እቲ መሲሕ ዚገልጽ ሓቂ ንምቕባል ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። የሱስ ብዓል ናዝሬት ንነፍሲ ወከፍ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ መግለጺታትን ትንቢታትን ዜማልእ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ መብዛሕትኦም ደቂ ዓዱ ብሰንኪ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮም ድርቕ ዝበለ ኣረኣእያ ንቓል ኣምላኽ ኪርድእዎ ኣይከኣሉን።

ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኽፉት ኣእምሮ ምንባብ ኣገዳሲ እዩ። ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድን ድርቕ ዝበለ ኣረኣእያን ንሓደ ኣንባቢ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ንኸይርዳእ ኪዓግቶ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ኖርዝ ካሮላይና፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብር ፕሮፌሰር ሃይማኖታዊ መጽናዕትታት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብኣዊ ኣረኣእያ ዝሓዘ፡ ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ፡ ከምኡውን ንመገዲ ህይወትና ዚኸውን ዜተኣማምን መምርሒ ዘይብሉ መጽሓፍ እዩ” ኢሉ ገለጾ። ሓደ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም “ሰብኣዊ ኣረኣእያ ዝሓዘ” መጽሓፍ ገይሩ ዜንብቦ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዘይሰማምዓሉ መምርሒ ወይ ስርዓት ንኺነጽጎ ደይኰነን ዚድረኽ፧

ብኣንጻሩ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንቓል ኣምላኽ ብትግሃት ከነጽንዕ የተባብዓና እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ሰብ ቤርያ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ንስኻ እውን ልክዕ ከምዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ምርዳእ ንዚሽፍን ዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ወይ ነቐፌታ ኸተወግድ የድልየካ ይኸውን። ስለዚ እምበኣር፡ ናይቲ ደራሲኡ ዜደንቕ መልእኽቲ ኽትፈልጥ ብምህንጣይ ንቓል ኣምላኽ ብኽፉት ኣእምሮ ኣንብቦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ