ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/7 ገጽ 13-14
  • ንመርከብ ኖህ ረኺቦምዋ ድዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርከብ ኖህ ረኺቦምዋ ድዮም፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሓቂ መሰረት እምነት ክትከውን ትኽእል ድያ፧
  • ሸሞንተ ሰባት ደሓኑ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • መርከብ ኖህ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኖህ መርከብ ይሰርሕ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ማይ ኣይሂ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/7 ገጽ 13-14

ንመርከብ ኖህ ረኺቦምዋ ድዮም፧

ንመርከብ ኖህ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ወትሩ ኣቓልቦ ሰባት ዚስሕብ እዩ ዚመስል። ሰባት ብዛዕባ እዚ እንተ ተሃንጠዩ ኸኣ ርዱእ እዩ። ከመይሲ፡ ነታ ብ2370-2369 ቅ.ክ. ዝነበረት ኖህን ስድራ ቤቱን ዝደሓኑላ ዓባይ መርከብ ምርካብ፡ ሓደ ኻብቲ ዜደንቕ ስነ-ጥንታዊ ርኽበት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንመርከብ ኖህ ንምርካብ ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ፣ እቲ ምንዳይ ግን ገና ይቕጽል ኣሎ። ብዙሕ ግምትን መግለጽን እኳ እንተ ተዋህበ፡ ብዛዕባ እዛ መርከብ ዚፍለጥ ግን እንታይ ኣሎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መርከብ ኖህ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዐረፈት” ይብል። (ዘፍጥረት 8:4) እቲ ኣራራት ዝነበሮ ኸባቢ፡ ነዚ ሕጂ ኣብ ምብራቓዊ ቱርኪ ኣብ ጥቓ ዶብ ኣርመንያን ኢራንን ዚርከብ ከረን ኣራራት ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዓብዪ ጎቦ ዜጠቓልል እዩ።

ኣብዚ ኸባቢ እዚ ንመርከብ ኖህ ንምርካብ እተገብረ ተደጋጋሚ ዳህሳስ፡ ኣቓልቦ ናብ ዚስሕብ ርእይቶታት እኳ እንተ መርሐ፡ እተረጋገጸ መርትዖ ግን ኣይተረኽበን። ካብ ነፋሪት እተሳእለ ዜደንቕ ስእልታት፡ ብቕጥራን እተለበጠ ቍርጽራጽ ዕንጨይቲ፡ ከምኡውን ነታ መርከብ ከም ዝረኣይዋ ዚገልጹ ሰባት ዚህብዎ ጸብጻባት፡ ብዙሓት ሰባት ናይ ሓቂ መርትዖ ንኼናድዩ ዝያዳ ደሪኽዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዚግበር ጻዕሪ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ሓደ ኻብቲ እዛ መርከብ ነይራትሉ ተባሂሉ ዚሕሰብ ብተደጋጋሚ ዚጥቀስ ቦታ፡ እቲ ዳርጋ 4,600 ሜተር ዝምብራኹ ኣብ ከረን ኣራራት ዚርከብ ኣጻድፍ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት፡ ሓድሓደ ግዜ ሰባት ካብ ካልእ ዓዲ መጺኦም ናብቲ ኣኽራን ከይዶም ዳህሳስ ኬካይዱ ሕጋዊ ፍቓድ ኣይወሃቦምን እዩ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ እቶም ብዛዕባ እዛ መርከብ ኪፈልጡ ሃንቀው ዚብሉ ሰባት፡ ኣብቲ ኸባቢ ብዝያዳ ዳህሳስ ኪግበር ይህንጠዩ እዮም። ከመይሲ፡ ገሊኡ ኽፋል እታ መርከብ ኣብቲ ብበረድ እተሸፈነ ኸረን ኣራራት ዋላ ሓንቲ ኸይተተንከፈ ብበረድን ውርጭን ተቐቢሩ ኸም ዘሎ እዮም ዚኣምኑ። እቲ ዅነታት ኣየር ምዉቝ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ እታ መርከብ ክትርአ ትኽእል ትኸውን እያ ኢሎም ይሓስቡ እዮም።

ብዙሕ ጸብጻባት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ መመሊሱ ኣጐሃሂርዎ እዩ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ጆሰፈስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ እታ መርከብ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ከባቢ ኣራራት ከም እትርአ ንዚገልጹ ብዙሓት ኣቐዲሞም ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ጠቒሱ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉስ፡ ሰባት ካብቲ ብቕጥራን እተለበጠ ዕንጨይቲ ንመዘከርታ ኢሎም ይወስዱ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚንገር። ሓደ ኻብቶም ጆሰፈስ ዝጠቐሶም ሰባት፡ እቲ በሮሰስ ዝስሙ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ባቢሎናዊ ጸሓፍ ታሪኽ እዩ።

ሓደ ኻብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዚግለጽ ዝነበረ ዜደንቕ ጸብጻብ፡ እቲ ጆርጅ ሃጎፒያን ዚበሃል ኣርመናዊ ሰብኣይ እተዛረቦ እዩ። ሃጎፒያን ኣብ መጀመርታ 1900ታት ምስ ሓደ ዘመዱ ነታ መርከብ ርእዮምዋን ናብኣ ደይቦምን ከም ዝነበሩ ተዛረበ። ብ1972 እኳ እንተ ሞተ፡ እቲ ዝሃቦ ምስክርነት ግን ብዙሓት ሰባት ክሳዕ ሎሚ ብዛዕባ እታ መርከብ ከም ዚሓስቡን ዚድነቑን ገይሩ እዩ።

ናይ ሓቂ መሰረት እምነት ክትከውን ትኽእል ድያ፧

ዳህሰስቲ ንመርከብ ኖህ ረኺቦምዋ ወይ ከኣ ኣብ መጻኢ ኺረኽብዋ እዮም ኢልና ኽንኣምን ዜኽእለና ናይ ሓቂ መሰረት ኣለናዶ፧ ምናልባት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን፣ ኰይኑ ግን፡ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ማይ ኣይሂ ምስ ነከየ መርከብ ኖህ ኣበይ ከም ዝዓረፈት ብትኽክል ኣይነግረናን እዩ። “ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዐረፈት” ጥራይ እዩ ዚብለና።

ዳህሰስትን ግምታዊ ሓሳባት ዚህቡ ሰባትን ኣብቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ጫፍ እቲ ኸባቢ ትዅረት ምግባሮም ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽ ነታ መርከብ ኣብቲ ኻብ ጽፍሒ ባሕሪ ዳርጋ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ልዕል ዝበለን ኣዝዩ ቘራርን ዝዀነ ጫፍ ከረን ኣራራት ከም እትዓርፍ ገይሩ እንተ ዀይኑ ብዝርዝር ኣይገልጽን እዩ።a ኖህን ስድራ ቤቱን፡ እታ መርከብ ድሕሪ ምዕራፋ ኣብ ውሽጣ ንሓያሎ ኣዋርሕ ከም ዝጸንሑ ዘክር። (ዘፍጥረት 8:4, 5) ንሳቶምን እቶም እንስሳታትን ካብታ መርከብ ድሕሪ ምውጽኦም ልክዕ ከም ኣኽራን ዚሓዅሩ ሰባት ንታሕቲ ኺወርዱ ዘይመስል እዩ። ምናልባት እቲ መርከብ ዝዓረፈትሉ ቦታ ኻብቲ ዘመናውያን ዳህሰስቲ ዚሓስብዎ ንላዕሊ ዝያዳ ምሹእ ቦታ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ምስቲ ኣብ ዘፍጥረት 8:4, 5 ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ኪሰማማዕ ብዚኽእል መገዲ ግን ልዕል ዝበለ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ እታ መርከብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ትዕረፍ ብዘየገድስ፡ ቅድሚ ዘመናት መሽሚሻ ጠፊኣ ኽትከውንዶ ኣይትኽእልን፧

ሓድሓደ እዋን ጋዜጠኛታት፡ እቲ ዚግበር ዳህሳስ ሃይማኖታዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገይሮም ምሕሳቦም እውን ዜተሓታትት እዩ። ነታ መርከብ ንምንዳይ ኪግበር ንእተሓስበ ሓደ ወፍሪ ዘተሓባበረ ሰብ፡ እታ መርከብ እንተ ተረኺባ፡ “እምነት ሚልዮናት ሰባት ኪድልድል . . . ብዙሓት ከኣ ኪኣምኑ እዮም” ኢሉ ሓሰበ። ብ2004 ኣብ እተገብረ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ነታ መርከብ ምርካብ “ድሕሪ ትንሳኤ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ፍጻመ” ኸም ዚኸውን ገለጸ። ጸኒሑ ግን እቲ ኺግበር እተሓስበ ዳህሳስ ተሰረዘ።

ንመርከብ ኖህ ምርካብ ብሓቂ እምነት ዜደልድል ወይ ሓድሽ እምነት ዚፈጥር ድዩ፧ ናይ ሓቂ እምነት ኣብ እንርእዮን እንጭብጦን ነገራት እተመስረተት ከም ዘይኰነት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:7) ገሊኦም ሰባት ኣዝዮም ተጠራጠርቲ ስለ ዝዀኑ፡ ንገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺኣምንዎ ብዓይኒ ዚርአ መርትዖ ኺረኽቡ ኸም ዘለዎም ኣትሪሮም ይዛረቡ እዮም። ከም ሓቂ ግን፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብዙሕ መርትዖ እውን እንተ ቐረበሎም፡ ኣየእምኖምን እዩ። ገሊኦም ሰባት ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስአ እውን ንመንፈሳዊ ሓቅታት ከም ዘይኣምኑሉ የሱስ ገሊጹ ኣሎ።—ሉቃስ 16:31።

እምነት ምስ ብዓይኒ ዕሙተይ ምእማን እተተሓሓዘት ኣይኰነትን፣ ኣብ ሓደ ድልዱል ዝዀነ መርትዖ እተመርኰሰት እያ። (እብራውያን 11:1) መስተውዓልቲ ሰባት ነቲ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺኣምንዎ ዚሕግዞም ድልዱል መርትዖ ኣሎዶ፧ እወ። የሱስ ክርስቶስ፡ ‘ኖህ ናብ መርከብ ኣተወ፡ ማይ ኣይሂ ድማ መጸ’ ኢሉ ብንጹር ገለጸ። (ሉቃስ 17:26, 27) ካብዚ ዚበልጽ መርትዖ የለን። ስለምንታይ፧

የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ሰማይ ይነብር ነበረ። (ዮሃንስ 8:58) እታ መርከብ ክትስራሕ ከላን ማይ ኣይሂ ኺወርድ ከሎን ርእዩ እዩ። ኣየናይ መርትዖ ደኣሉ እሞ ብዝያዳ ዜእምነካ፧ እቲ ምሉእ ብምሉእ ክትውከሎ እትኽእልን ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋገጸን ናይ ዓይኒ ምስክር ዝሃቦ ምስክርነት፡ ወይስ እቲ ገሊኦም ዳህሰስቲ ኣብ ብበረድ እተሸፈነ ኸረን ረኺብናዮ ዝበልዎ ቝርጽራጽ ዕንጨይቲ፧ በዚ ሸነኽ እዚ ኽትርእዮ ኸለኻ፡ መርከብ ኖህ ብሓቂ ኸም ዝነበረት ዚሕብር መርትዖ ኣሉ ዘይበሃል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ሎሚ ኸረን ኣራራት ዚበሃል ከረን፡ ካብ 1840 ኣትሒዙ ዘይንጡፍ ዝዀነ እሳተ-ጎመራ እዩ። ክሳዕ 5,165 ሜተር ዚበጽሕ ብራኸ ዘለዎ ዀይኑ፡ ዓመት ምሉእ ብበረድ እተሸፈነ እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዚህቦ ጸብጻብ ዜረጋግጽ ድልዱል መርትዖ ኣሎዶ፧

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሱስ ክርስቶስ፡ ‘ኖህ ናብ መርከብ ኣተወ፡ ማይ ኣይሂ ድማ መጸ’ ኢሉ ብንጹር ገለጸ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ