ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 15/12 ገጽ 11-15
  • እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ይገለጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ይገለጽ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኪንጸባረቕ ዚግብኦ መንፈሳዊ ባህርያት
  • ብኣዘራርባ ኣርኣያ ኹን
  • ብኣካይዳን ብንጽህናን ኣብነት ኩን
  • ፍቕርን እምነትን ኣገደስቲ እየን
  • እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ንኺግለጽ ጻዕሪ ግበር
  • ኣቱም መንእሰያት፡ እናወሰኽኩም ትኸዱ ኸም ዘለኹም ይገለጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ጢሞቴዎስ ‘ብእምነት ናይ ሓቂ ውሉድ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ይገለጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 15/12 ገጽ 11-15

እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ይገለጽ

“እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ።”—1 ጢሞ. 4:15።

1, 2. ብዛዕባ እቲ ጢሞቴዎስ ዘሕለፎ ግዜ ንእስነትን ዳርጋ ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ለውጥን እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

ጢሞቴዎስ ኣብዛ ሕጂ ቱርኪ እትበሃል ዘላ ናይ ሮሜ ኣውራጃ ገላትያ እዩ ዚነብር ነይሩ። የሱስ ካብ ዚመውት ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብዚ ቦታ እዚ ሓያሎ ጉባኤታት ተመስሪተን ነበራ። ሓደ ግዜ፡ ጢሞቴዎስን ኣዲኡን ዓባዩን ንክርስትና ብምቕባል ኣብ ሓንቲ ኻብተን ጉባኤታት ኪካፈሉ ጀመሩ። (2 ጢሞ. 1:5፣ 3:14, 15) ጢሞቴዎስ ነቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ክርስትያን ኰይኑ ዘሕለፎ ንእስነቱ ኣዝዩ ይፈትዎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ነገራት ግን ብሃንደበት ኪቀያየር ጀመረ።

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ጢሞቴዎስ ዚነብረሉ ዝነበረ ኸባቢ ንኻልኣይ ሳዕ ኪበጽሖ ኸሎ እዩ እቲ ለውጥታት ኣጋጢሙ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጢሞቴዎስ ኣብ መወዳእታ ዅትትና ወይ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ኣብ ልስጥራ ኺበጽሕ ከሎ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ ‘እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዝነበሩ ኣሕዋት ንጢሞቴዎስ ጽቡቕ ከም ዝመስከሩሉ’ ሰምዐ። (ግብ. 16:2) እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ዜደንቕ ብስለት ኣርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ፡ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ፡ ጳውሎስን እቶም ኣካል ሽማግለታትን ንጢሞቴዎስ ኢዶም ኣንበሩሉ፣ ኣብታ ጉባኤ ፍሉይ ዕዮ ኺዓዪ ኸኣ መዘዝዎ።—1 ጢሞ. 4:14፣ 2 ጢሞ. 1:6።

3. ጢሞቴዎስ ከመይ ዝበለ ሳሕቲ ዚወሃብ ዕድመ እዩ ቐሪቡሉ፧

3 ጢሞቴዎስ ሳሕቲ ዚወሃብ ዕድመ፡ ማለት መጋይሽቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናይ ምዃን ዕድመ ቐረበሉ። (ግብ. 16:3) ክሳዕ ክንደይ ተገሪሙን ተሓጒሱን ከም ዝነበረ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። ንነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ ክንዲ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኰይኑ እተፈላለየ ተልእኾ ንምፍጻም ምስ ጳውሎስን ምስ ካልኦትን ተጓዕዘ። ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ንኣሕዋት ብመንፈሳዊ መገዲ ንምህናጽ ኣብ ዕዮ መገሻ ይካፈሉ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5 ኣንብብ።) ስለዚ፡ እቲ ጢሞቴዎስ ዚገብሮ ዝነበረ መንፈሳዊ ወሰኽ ብብዙሓት ክርስትያናት ይርአ ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ጢሞቴዎስ ንዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ምስ ኣገልገለ፡ ንሰብ ፊልጲ፡ “[ከም ጢሞቴዎስ] ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን . . . ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል፡ ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈሎም።—ፊል. 2:20-22።

4. (ሀ) ጢሞቴዎስ ከመይ ዝበለ ረዚን ሓላፍነት እዩ ብሓደራ ተዋሂብዎ፧ (ለ) እቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 4:15 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ እንታይ ኢልና ኸም እንሓትት እዩ ዚገብረና፧

4 ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጲ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ንጢሞቴዎስ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ናይ ምሻም ረዚን ሓላፍነት ብሓደራ ሃቦ። (1 ጢሞ. 3:1፣ 5:22) ብንጹር እምበኣር፡ ጢሞቴዎስ ትውክልቲ ዚግበሮን እሙንን ክርስትያን ሓላዊ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ‘እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ኣብ ኵሉ ይገለጽ’ ኢሉ መዓዶ። (1 ጢሞ. 4:15) ጢሞቴዎስ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዝነበረ ብዜደንቕ መገዲ ደይኰነን ኣርእዩ፧ ጳውሎስ ደኣ እሞ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ንሕናኸ ኻብቲ ምኽሩ ጥቕሚ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኪንጸባረቕ ዚግብኦ መንፈሳዊ ባህርያት

5, 6. መንፈሳዊ ንጽህና እታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ብኸመይ እዩ፧ ጢሞቴዎስ ነታ ጉባኤ ኺሕልዋ ዝነበሮኸ ብኸመይ እዩ፧

5 ነቲ ኣብ ከባቢ 1 ጢሞቴዎስ 4:15 ዚርከብ ሓሳባት እስከ ንመርምሮ። (1 ጢሞቴዎስ 4:11-16 ኣንብብ።) ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ቅድሚ ምጽሓፉ፡ ንጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ኪጸንሕ ብምንጋር ናብ መቄዶንያ ኸደ። ስለምንታይ እዩ ግን ኣብ ኤፌሶን ኪጸንሕ ነጊርዎ፧ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ናይ ሓሶት ትምህርቲ ብምምሃር ነታ ጉባኤ ይኸፋፍልዋ ነበሩ። ስለዚ፡ ጢሞቴዎስ ንመንፈሳዊ ንጽህና እታ ጉባኤ ኺሕሉ ነበሮ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኺገብር ዚኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ንኻልኦት ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን እዩ።

6 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም” ኢሉ ጸሓፈሉ። ወሲኹ ድማ፡ “እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” በሎ። (1 ጢሞ. 4:12, 15) እዚ ወሰኽ እዚ፡ ምስ ስልጣን ዘይኰነስ፡ ምስ ናይ ጢሞቴዎስ መንፈሳዊ ባህርያት እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ድማ ከምዚ ዓይነት ወሰኽ ኬርኢ ኣለዎ።

7. ኣብ ጉባኤ ዚርከብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

7 ሎሚ እውን ልክዕ ከምቲ ብግዜ ጢሞቴዎስ ዝነበረ፡ ኣብ ጉባኤታት እተፈላለየ ሓላፍነታት ኣሎ። ገሊኦም፡ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም የገልግሉ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ይካፈሉ። ኣብ ዕዮ መገሻ፡ ኣብ ቤትኤል፡ ወይ ሚስዮናውያን ኰይኖም ዜገልግሉ እውን ኣለዉ። ሽማግለታት ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ዚግበር እተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ይካፈሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ፡ ከምኡውን መንእሰያት ይኹኑ ብዘየገድስ፡ ኵሎም ክርስትያናት እናወሰኹ ይኸዱ ኸም ዘለዉ ናይ ምርኣይ ተኽእሎ ኣለዎም። (ማቴ. 5:16) ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም እውን እንተ ዀኑ፡ መንፈሳዊ ባህርያት ኬርእዩ ኣለዎም።

ብኣዘራርባ ኣርኣያ ኹን

8. ኣዘራርባና ኣብ ኣምልኾና ጽልዋ ኼሕድር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ሓደ ኻብቲ ጢሞቴዎስ ኣብነት ኪዀነሉ ዚኽእል ዝነበረ መገዲ፡ ብኣዘራርባኡ እዩ ነይሩ። ኣብዚ መዳይ እዚ እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘለና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣዘራርባና እንታይነትና ኺሕብር ይኽእል እዩ። የሱስ፡ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ” በለ። (ማቴ. 12:34) እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብ እውን ኣዘራርባና ኣብ ኣምልኾና ጽልዋ ኸም ዘለዎ ተረዲኡ ስለ ዝነበረ፡ “ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእ. 1:26።

9. ኣዘራርባና ኣብነታዊ ኪኸውን ዘለዎ በየናይ መገድታት እዩ፧

9 ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ሰባት፡ ክሳዕ ክንደይ መንፈሳዊ ዕቤት ከም ዝገበርና፡ ብኣዘራርባና ኺፈልጡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ብሱላት ክርስትያናት፡ ኣኽብሮት ዝጐደሎ፡ ኣሉታዊ፡ ነቓፊ፡ ወይ ጐዳኢ ዘረባ ዘይኰነስ፡ ዚሃንጽ፡ ዜጸናንዕ፡ ከምኡውን ዜተባብዕ ዘረባ ኺዛረቡ እዮም ዚጽዕሩ። (ምሳ. 12:18፣ ኤፌ. 4:29፣ 1 ጢሞ. 6:3-5, 20) በቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ክንመላለስ ባህጊ ኸም ዘሎና ብምግላጽ ንስርዓታት ኣምላኽ ንጣበቐሉ እንተ ዄንና፡ ንኣምላኽ ውፉያት ከም ዝዀንና እዩ ዜርኢ። (ሮሜ 1:15, 16) ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ ናይ ምዝራብ ክእለትና ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ብምዕዛብ ኣብነትና ኺስዕቡ እዮም።—ፊል. 4:8, 9።

ብኣካይዳን ብንጽህናን ኣብነት ኩን

10. ልግሚ ዘይብላ እምነት ንመንፈሳዊ ወሰኽ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

10 ሓደ ክርስትያን ጽቡቕ ኣብነት ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ካብ ዚሃንጽ ዘረባ ንላዕሊ ኺገብር ኣለዎ። ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ቅኑዕ ዝዀነ ነገራት እኳ እንተ ተዛረበ፡ ዘይገብሮ እንተ ዀይኑ ኸም ግብዝ እዩ ዚቝጸር። ጳውሎስ ነቲ ፈሪሳውያን ዜርእይዎ ዝነበሩ ግብዝናን ጐዳኢ ሳዕቤኑን ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነበረ። ንጢሞቴዎስ ድማ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምሰሉነት ንኺሕሎ ብተደጋጋሚ ኣጠንቀቖ። (1 ጢሞ. 1:5፣ 4:1, 2) ኰይኑ ግን፡ ጢሞቴዎስ ግብዝ ኣይነበረን። ጳውሎስ ኣብታ ናብኡ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ “እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ . . . እምነት እናዘከርኩ” በለ። (2 ጢሞ. 1:5) ይኹን እምበር፡ ጢሞቴዎስ ከም ክርስትያን መጠን ግብዝ ዘይምዃኑ ንኻልኦት ኬርኢ ነበሮ። እወ፡ ብኣካይዳ ኣብነት ኪኸውን ነበሮ።

11. ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ኢሉ እዩ ጽሒፉሉ፧

11 ጳውሎስ ኣብተን ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፈን ክልተ መልእኽትታት፡ ንኣካይዳ ዚምልከት ሓያሎ ምሕጽንታ ሂቡ ኣሎ። ንኣብነት፡ ጢሞቴዎስ ደድሕሪ ሃብቲ ኺጐዪ ኣይነበሮን። ጳውሎስ፡ “እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞ. 6:10) ፍቕሪ ገንዘብ፡ ምልክት መንፈሳዊ ድኽመት እዩ። ብኣንጻሩ ግን፡ እቶም ቀሊል ናብራ ብምንባር ‘ብቐለብን ክዳንን’ ጥራይ ዚዓግቡ ክርስትያናት፡ መንፈሳዊ ወሰኽ የርእዩ እዮም።—1 ጢሞ. 6:6-8፣ ፊል. 4:11-13።

12. እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘለና ኣብ ናብራ ህይወትና ኸም ዚግለጽ ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ክርስትያን ኣንስቲ “ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን . . . ኺስለማ” ኣገዳሲ ምዃኑ ነገሮ። (1 ጢሞ. 2:9, 10) እተን ኣብ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኰነ ኣብ ካልእ መዳያት ህይወተን ትሕትናን ጥንቃቐን ዘርእያ ኣንስቲ፡ ጽቡቕ ኣብነት እየን ዝዀና። (1 ጢሞ. 3:11) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ክርስትያን ሰብኡት እውን ይውዕል እዩ። ጳውሎስ፡ ሓደ ሓላዊ፡ “ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ” ኪኸውን ከም ዘለዎ ምዒዱ እዩ። (1 ጢሞ. 3:2) ነዚ ባህርያት እዚ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ምስ እነርኢ፡ እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘለና ኺግለጽ እዩ።

13. ብንጽህና ዝመጸ ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ ኣብነት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ጢሞቴዎስ ብንጽህና ዝመጸ እውን ኣብነት ኪኸውን ነበሮ። ጳውሎስ ‘ንጽህና’ እትብል ቃል ኪጥቀም ከሎ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ጾታዊ ስነ-ምግባር እዩ ዚእምት ነይሩ። ጢሞቴዎስ ብፍላይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ዜንቅፎ ነገራት ኪገብር ኣይነበሮን። የግዳስ፡ “ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት” ገይሩ “ብዅሉ ንጽህና” ኪቐርበን ነበሮ። (1 ጢሞ. 4:12፣ 5:2) ኣምላኽ ነቲ እተሓብአ ኺመስል ዚኽእል ርኹስ ተግባራት እኳ ኸይተረፈ ይፈልጦ እዩ፣ ሰባት እውን ውዒሎም ሓዲሮም ኪፈልጥዎ እዮም። ሓደ ክርስትያን ዚገብሮ ሰናይ ግብሪ እውን እንተ ዀነ፡ ኪስወር ኣይክእልን እዩ። (1 ጢሞ. 5:24, 25) ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብኣካይዳን ብንጽህናን ዚገብርዎ ወሰኽ ከም ዚግለጽ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ፍቕርን እምነትን ኣገደስቲ እየን

14. ኣብ ንሓድሕድና ፍቕሪ ኺህልወና ኣገዳሲ ምዃኑ ቕዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ የጕልሕ፧

14 ፍቕሪ ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ ኣለዋ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃ. 13:35) ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ብኸመይ ኢና ኸነርእያ እንኽእል፧ ቃል ኣምላኽ፡ “ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡” “ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ፡” ከምኡውን “ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ብምባል ይምዕደና። (ኤፌ. 4:2, 32፣ እብ. 13:1, 2) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 12:10

15. ኵሎም ክርስትያናት፡ ብፍላይ ከኣ ክርስትያን ሓለውቲ ፍቕሪ ኼርእዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

15 ጢሞቴዎስ ምስ ክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ተሪር እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እቲ ኸም መምህርን ሓላውን መጠን ዚገብሮ ዝነበረ ሰናይ ተግባር ምተዓብለለ። (1 ቈረንቶስ 13:1-3 ኣንብብ።) ብኣንጻሩ ግን፡ ልባዊ መግለጺ ፍቕሩ ምስቲ ንኣሕዋቱ ዚገብሮ ዝነበረ ሰናይ ተግባራት ተደሚሩ፡ መንፈሳዊ ወሰኽ ይገብር ከም ዝነበረ ዜጕልሕ እዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ካብተን ጢሞቴዎስ ኣብነት ብምዃን ኬርእየን ዝነበሮ ባህርያት ብፍላይ ንፍቕሪ ኣጒሊሑ ኺጠቕሳ ሓቁ እዩ።

16. ጢሞቴዎስ ድልድልቲ እምነት ተድልዮ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧

16 ጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ እምነቱ ተፈቲና እያ። ገሊኦም ሰባት ምስ ክርስትያናዊ ሓቂ ዘይሰማማዕ ሰረተ-ትምህርቲ ይምህሩ ነበሩ። ገሊኦም ከኣ “ጽውጽዋያት” ይነዝሑ፡ ወይ ንመንፈሳውነት እታ ጉባኤ ዘይጠቅም ሓሳባት ይምርምሩ ነበሩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:3, 4 ኣንብብ።) ጳውሎስ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ዘለዎ ሰብ ኪዛረብ ከሎ፡ “ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ” በለ። (1 ጢሞ. 6:3, 4) ጢሞቴዎስ ነቲ ኣብታ ጉባኤ ዚናዛሕ ዝነበረ ጐዳኢ ሓሳባት ግዜ ኼጥፍኣሉ ይግባእዶ ነይሩ፧ ኣይፋሉን፣ ከመይሲ፡ ጳውሎስ፡ “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል” ከምኡውን ካብቲ “ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ” ኢሉ ምዒድዎ እዩ። (1 ጢሞ. 6:12, 20, 21) ጢሞቴዎስ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ጥበባዊ ምኽሪ ኸም ዝሰዓቦ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—1 ቈረ. 10:12።

17. ሎሚ እምነትና ኽትፍተን እትኽእል ብኸመይ እያ፧

17 “በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ” ንጢሞቴዎስ ተነጊርዎ ነበረ። (1 ጢሞ. 4:1) ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም እውን ሓዊስካ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ ድልድልትን ዘይትነቓነቕን እምነት ኬርእዩ ኣለዎም። ንኽሕደት ምሉእ ብምሉእ ብምንጻግ፡ እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘለና ኸነርኢ፡ እምነት ብምርኣይ ዝመጸ ኸኣ ኣብነት ክንከውን ንኽእል ኢና።

እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ንኺግለጽ ጻዕሪ ግበር

18, 19. (ሀ) እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ኣብ ኵሉ ኸም ዚግለጽ ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ክንመያየጥ ኢና፧

18 ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ዚገብሮ መንፈሳዊ ወሰኽ፡ ምስ መልክዑ፡ ተፈጥሮኣዊ ኽእለቱ፡ ወይ ምስ ተፈላጥነቱ ዚተሓሓዝ ከም ዘይኰነ ንጹር እዩ። በቲ ኣብ ጉባኤ ዘሕለፎ ናይ ኣገልግሎት ዓመታት እውን ኣይውሰንን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ወሰኽ ዚርአ፡ ብሓሳብን ብኣዘራርባን ብኣካይዳን ንየሆዋ እዙዝ ብምዃን እዩ። (ሮሜ 16:19) ነቲ ንሓድሕድና ኽንፋቐርን ድልድልቲ እምነት ክንሃንጽን እተዋህበና ትእዛዝ ከነቕልበሉ ኣሎና። እወ፡ ነቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝነገሮ ቓላት ኣጸቢቕና ንሕሰበሉ፣ እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘለና ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽ ከኣ ነስተንትነሉ።

19 ኣብቲ እንገብሮ መንፈሳዊ ወሰኽን ክርስትያናዊ ብስለትን እትንጸባረቕ ካልእ ባህርይ ድማ፡ እታ ኽፍሊ ፍረ መንፈስ ዝዀነት ሓጐስ እያ። (ገላ. 5:22, 23) እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ኣብ ግዜ ጸገም ብኸመይ ሓጐስ ክንረክብን ክንዕቅቦን ከም እንኽእል ክትገልጽ እያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣዘራርባና ብዛዕባና እንታይ ኪሕብር ይኽእል፧

• እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘለና ኣብ ኣካይዳናን ንጽህናናን ዚግለጽ ብኸመይ እዩ፧

• ክርስትያናት ፍቕርን እምነትን ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነታውያን ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ዜደንቕ ብስለት ኣርኣየ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ኣብ ኵሉ ይግለጽዶ ኣሎ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ