ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/5 ገጽ 10
  • ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚህሉ ዝሓሸ ግዜ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚህሉ ዝሓሸ ግዜ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • እታ ስርሓት ኣምላኽ ዝዀነት ግርማዊት ሓዳስ ዓለም
    ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንበር
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/5 ገጽ 10

ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚህሉ ዝሓሸ ግዜ!

“ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” —መዝሙር 37:10, 11።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ትንቢት ኪፍጸም ከሎ ኽትርኢ ትደሊዶ፧ ክትርኢ ኸም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ትንቢት እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚፍጸም ንኽትተኣማመን ዜኽእለካ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ።

ኣብተን ቀዳሞት ዓንቀጻት፡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ኣነጺሩ ዚሕብር እተወሰነ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ርኢና ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣምላኽ፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ቅዱሱ ተደሪኾም ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት ከም ዚንበዩ ዝገበረ፡ ተስፋ ምእንቲ ኺህልወና ኢሉ እዩ። (ሮሜ 15:4) እዚ ትንቢታት እዚ ፍጻሜኡ ምርካቡ ኸኣ፡ ኵሉ ጸገማትና ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚውገድ የረጋግጸልና።

ድሕሪ እተን ዳሕሮት መዓልትታትከ እንታይ እዩ ኺህሉ፧ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ደቂ ሰብ ክትገዝእ እያ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኵነታት ምድሪ እንታይ ከም ዚመስል መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መግለጺ እስከ ርአ፦

● ጥሜት ኣይኪህሉን እዩ። “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር [“ምድሪ፡” ትርጕም 1990]፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [እዩ]።”—መዝሙር 72:16።

● ሕማም ኣይኪህሉን እዩ። “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24፡ ትርጕም 1990።

● ምድሪ ኽትሕደስ እያ። “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ፡ ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል፡ ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1።

እዚ ኻብቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚፍጸም ዜተባብዕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ጥራይ እዩ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዝሓሸ ግዜ ኸም ዚህሉ ርግጸኛታት ዝዀኑሉ ምኽንያት ንኺነግሩኻ ሕተቶም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ