ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ሙዚቀኛታትን መሳርያታቶምን
“ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፡ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ። ብኸበሮን ብሳዕሳዒትን አመስግንዎ፡ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፡ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ።”—መዝሙር 150:3-5።
ሙዚቃን ሙዚቀኛታትን ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ኣምላኽ ኣገዳሲ ግደ ኣበርኪቶም እዮም። ንኣብነት፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ብተኣምራዊ መገዲ ምስ ኣድሓኖም፡ ሚርያም ሓብቲ ሙሴ ነተን ሽዑ ዝነበራ ኣንስቲ መሪሓተን ሳዕስዐት። እተን ኣንስቲ፡ ከበሮ ሒዘን እየን ዚስዕስዓ ነይረን። እዚ ፍጻመ እዚ፡ ሙዚቃ ንእስራኤላውያን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ፣ ከመይሲ፡ ካብ ሰራዊት ግብጺ ኻብ ዚሃድሙ ነዊሕ እኳ እንተ ዘይገበሩ፡ ብዙሓት ኣንስቲ፡ እቲ ናይ ሙዚቃ መሳርያአን ኣብ ቀረባ ስለ ዝነበረ፡ ኪስዕስዓ ድሉዋት እየን ነይረን። (ዘጸኣት 15:20) ጸኒሑ ንጉስ ዳዊት፡ ኣብ ማሕደር ናይ ሙዚቃ መሳርያኦም ዚጻወቱ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሙዚቀኛታት ወደበ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ኽፋል እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ዚቐርብ ዝነበረ ኣምልኾ ኰይኑ ቐጸለ።—1 ዜና መዋእል 23:5።
እቲ መሳርያታት ሙዚቃ ኻብ ምንታይ እዩ ዚስራሕ ነይሩ፧ እንታይ እዩ ዚመስል ነይሩ፧ እንታይ ዓይነት ድምጺ እዩ ነይርዎ፧ ኣብ ምንታይ እዋናትከ እዩ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ነይሩ፧
እተፈላለየ መሳርያታት ሙዚቃ
እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መሳርያታት ሙዚቃ፡ ካብ ክቡር ዕንጨይትን ካብ እተወጠረ ቘርበት እንስሳን ካብ ሓጺንን ካብ ቀርንን እዩ ዚስራሕ ነይሩ። ገሊኡ መሳርያ ሙዚቃ ኸኣ፡ ብስኒ ሓርማዝ ይልበጥ ነበረ። ናይቲ መሳርያ ሙዚቃ ገመድ፡ ካብ ጽሕጊ ተኽሊ ወይ ካብ መዓንጣ እንስሳታት ይስራሕ ነበረ። ኣብዚ ግዜና፡ ጥንታዊ መሳርያታት ሙዚቃ ዘይርከብ እኳ እንተ ዀነ፡ ስእልታቱ ግና ኣሎ።
እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ መሳርያታት ሙዚቃ፡ ኣብ ሰለስተ ኺምደብ ይኽእል እዩ፦ ከም መሰንቆን ሊራን (1) ዑድን (2) ዝኣመሰለ ኣውታር ዘለዎ መሳርያ ሙዚቃ፣ ከም ቀርኒ መለኸት ወይ ሾፋር (3) ከምኡውን ከም መለኸትን (4) ከምታ ኣዝያ እትፍቶ ሻምብቆን ወይ ከኣ ከም እምብልታ (5) ዝኣመሰለ ብትንፋስ ዚዓዪ መሳርያ ሙዚቃ፣ ከም ከበሮን (6) ጸናጽልን (7) ጸናጽል ሸሓኒን (8) ቃጭልን (9) ዝኣመሰለ ዚህረም መሳርያ ሙዚቃ። ሙዚቀኛታት ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መሳርያታት፡ ንሳዕስዒትን ንደርፍን ኣሰንዮም እዮም ዚጻወትዎ ነይሮም። (1 ሳሙኤል 18:6, 7) ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ነቲ ውህበት ሙዚቃ ብምሃብ ዝባረኾም ኣምላኽ ኣብ ዜቕርብዎ ኣምልኾ እዮም ዚጥቀሙሉ ነይሮም። (1 ዜና መዋእል 15:16) ንነፍሲ ወከፍ መሳርያ ሙዚቃ እስከ በብሓደ ንመርምሮ።
ኣውታር ዘለዎ መሳርያ ሙዚቃ፦ መሰንቆን ሊራን፡ ብዕንጨይቲ ኣብ እተሰርሐ መቓን እተወጠረ ኣውታር ዘለዎ ዀይኑ፡ ፈኲስን ብቐሊሉ ሒዝካዮ ኽትጐዓዝ እትኽእልን መሳርያ ሙዚቃ እዩ ነይሩ። ዳዊት ነቲ ኣዝዩ ዚጭነቕ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ብበገና ገይሩ ንመንፈሱ የሐድሶ ነበረ። (1 ሳሙኤል 16:23) እቲ መሳርያታት ሙዚቃ፡ እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ኪውፈ ኸሎ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ነበረ፣ ኣብ ከም በዓላት ዝኣመሰለ ዜሐጕስ ኣጋጣሚታት እውን ይውቃዕ ነበረ።—2 ዜና መዋእል 5:12፣ 9:11።
ዑድ ምስ መሰንቆ ይመሳሰል እኳ እንተ ዀነ፡ ቅርጹ ግና ይፈላለ እዩ። ብዕንጨይቲ ኣብ እተሰርሐ መቓን እተወጠረ ሒደት ኣውታር ኣለዎ። እቲ ዚንግብገብ ኣውታራት፡ ጥዑም ሙዚቃ እዩ ዜውጽእ፣ ቃናኡ ድማ ከምቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ ጊታር ዜውጽኦ ዓይነት ድምጺ እዩ ነይሩ። እቲ ኣውታር፡ ካብ እተፋሕሰ ጽሕጊ ኣትክልቲ ወይ ካብ መዓንጣ እንስሳታት እዩ ዚስራሕ ነይሩ።
ብትንፋስ ዚዓዪ መሳርያ ሙዚቃ፦ እዚ መሳርያ ሙዚቃ እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። ሓደ ኻብቲ ጥንቲ ዝነበረ መሳርያታት፡ እቲ ኣይሁዳውያን ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ሾፋር ዚብሃል ቀርኒ መለኸት እዩ። እዚ ኻብ ቀርኒ ድዑል ዚስራሕ ዝነበረ መሳርያ ሙዚቃ፡ ዓው ዝበለ ድምጺ እዩ ዜውጽእ ነይሩ። እስራኤላውያን ናብ ውግእ ኪኸትቱ ኸለዉን ብሓባር ኰይኖም ገለ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸለዉን፡ ነቲ መሳርያ ይጥቀሙሉ ነበሩ።—መሳፍንቲ 3:27፣ 7:22።
ካልእ ብትንፋስ ዚሰርሕ መሳርያ ሙዚቃ ኸኣ፡ እቲ ብሓጺን ዚስራሕ ዝነበረ መለኸት እዩ ነይሩ። ምስ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ሰነድ ከም ዚሕብሮ፡ ሙዚቀኛታት ነቲ መሳርያ ሙዚቃ ተጠቒሞም፡ እተፈላለየ ዓይነት ድምጺ ኼውጽኡ ይኽእሉ ነበሩ። የሆዋ እውን ንሙሴ፡ ኣብ ማሕደር ዚጥቀመሉ ኽልተ መለኸት ብሩር ኪሰርሕ ኣዚዝዎ ነይሩ እዩ። (ዘሁልቍ 10:2-7) ጸኒሑ ኸኣ፡ እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ኪውፈ ኸሎ፡ 120 ነፋሕቲ መለኸት ነቲ ጽምብል ድምቀት ወሰኹሉ። (2 ዜና መዋእል 5:12, 13) ሰኣልቲ ንመለኸት፡ ብእተፈላለየ ንውሓት እዮም ዚስእልዎ። ገሊኡ መለኸት ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ፡ 91 ሰንቲ ሜተር ንውሓት ነበሮ።
እስራኤላውያን ዚፈትዉዋ ዝነበሩ ብትንፋስ እትሰርሕ መሳርያ ሙዚቃ፡ ሻምብቆ ወይ እምብልታ እያ ነይራ። እቲ ባህ ዜብል ድምጻ፡ ንመንፈስ እቶም ብስድራ ቤት ኰነ ኣብ በዓልን ኣብ መርዓን እተኣኻኸቡ ሰባት እተሐድስ እያ ነይራ። (1 ነገስት 1:40፣ ኢሳይያስ 30:29) ብዘይካዚ፡ እቲ ኣዝዩ ዚምስጥ ድምጺ ሻምብቆ ወይ እምብልታ፡ ኣብ ቀብሪ እውን ይስማዕ ነበረ፣ ሙዚቀኛታት ከኣ ኣብ እንዳ ሓዘን እምብልታ ወይ ሻምብቆ ይወቕዑ ነበሩ (ገጽ 14 ርአ)።—ማቴዎስ 9:23።
ዚህረም መሳርያ ሙዚቃ፦ እስራኤላውያን በዓል ኬብዕሉ ኸለዉ፡ እተፈላለየ ዚህረም መሳርያ ሙዚቃ ይጥቀሙ ነበሩ። እቲ ኻብቲ መሳርያ ሙዚቃ ብተኸታታሊ ዚወጽእ ስሩዕ ህርመት፡ ስምዒት ዜለዓዕል እዩ ነይሩ። እቲ ኻብ ቈርበት እንስሳ ዚስራሕን ኣብ ከቢብ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ መቓን ዚውጠርን ዝነበረ ኸበሮ፡ እቲ ሙዚቀኛ ወይ እቲ ሳዕሳዒ ብኢዱ ኺሃርሞ ኸሎ እዩ ድምጺ ዜውጽእ ነይሩ። እቲ ሙዚቀኛ ነቲ መቓን ኬንቀሳቕሶ ኸሎ፡ እቲ ምስቲ መቓን እተተሓሓዘ ቓጭል ጭልጭል ይብል ነበረ።
ካልእ ዚህረም መሳርያ ሙዚቃ፡ ጸናጽል እዩ ነይሩ። ናይ እንቋቝሖ ቕርጺ ዘለዎ ሓጺን ኰይኑ፡ መትሓዚ ኣለዎ፣ ኣብ ቀጠንቲ ዘንጊ እተሰዅዐ ረቂቕ ሓጻዊን እውን ኣለዎ። እዚ መሳርያ ሙዚቃ እዚ ብኢድ ኪወዛወዝ ከሎ፡ ተንጨልጫሊ ድምጺ እዩ ዜውጽእ።
ብብሮንዞ እተሰርሐ ጸናጽል ሸሓኒ፡ ካብ ጸናጽል ንላዕሊ ዚቐጥን ድምጺ እዩ ዜውጽእ ነይሩ። ክልተ ዓይነት ጸናጽል ሸሓኒ እዩ ነይሩ። እቲ ዓብዪ ጸናጽል ሸሓኒ፡ ንሓድሕዱ ብሓይሊ ብምግጫው እዩ ዚጽወት ነይሩ። እቲ ንኣሽቱ ጸናጽል ሸሓኒ ግና፡ ኣብ ክልተ ኣጻብዕ ኣእቲኻ ብምግጫው እዩ ዚጽወት ነይሩ። ክልቲኡ ናይ ጨርባሕታ ድምጺ እኳ እንተ ነበሮ፡ ብርታዐ ድምጹ ግና እተፈላለየ እዩ ነይሩ።—መዝሙር 150:5።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነቶም ይስዕቡ
እቲ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምልኾ ኢሎም ዚገብርዎ ኣኼባታት፡ ብሙዚቃን ብመዝሙርን ጀሚሩ፡ ብእኡ ኸኣ እዩ ዚዛዘም። እቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታቶም ዚስማዕ ኦርኬስትራዊ ሙዚቃ፡ ኣውታር ብዘለዎን ብትንፋስ ብዚዓዪን ብዚህረምን ዘመናዊ መሳርያታት እተዳለወ ሙዚቃ እውን የጠቓልል እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም ሙዚቃን መዝሙርን ዚጥቀሙ ምዃኖም፡ ኣብነት እቶም ጥንታውያን እስራኤላውያንን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ከም ዚስዕቡ ዜርኢ እዩ። (ኤፌሶን 5:19) ልክዕ ከምቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድማ፡ ብግጥምን ብሙዚቃን ንየሆዋ የመስግንዎ እዮም።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
(ልክዕ መጠን ኣይኰነን)
(ኣብ ጽሑፍ ርአ)