ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/4 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ንሰምዖ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ኣቕሊልካ ዚርአ ግጉይ ምርዳእ ጥራይ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ካብ ኣምላኽ ክትመሃር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣካ ይኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/4 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንርድኦ ንኽእል ዲና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ እዩ። ካብ ፈቃር ኣቦና ኸም እተላእከልና ደብዳበ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኸመይ ንዕኡ ኸነሐጕሶ ኸም እንኽእልን እከይ ኪቕጽል ስለምንታይ ከም ዝፈቐደን ኣብ መጻኢ ንደቂ ሰብ እንታይ ከም ዚገብረሎምን ገሊጹልና ኣሎ። መምህራን ሃይማኖት ግና ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠውይዎ እዮም፣ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከቶ ኺርድእዎ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30።

የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኽንፈልጥ ይደልየና እዩ። ስለዚ ድማ፡ ክንርድኦ እንኽእል መጽሓፍ ሂቡና ኣሎ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4 ኣንብብ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይኰነን ሂቡና፣ ነቲ መጽሓፍ እቲ ንኽንርድኦ እውን ሓገዝ ሂቡና እዩ። ምእንቲ ኺምህረና ኢሉ፡ ንየሱስ ልኢኽዎ እዩ። (ሉቃስ 4:16-21) የሱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እናጠቐሰ ብምምሃር፡ ንሰማዕቱ ኣረድኦም።—ሉቃስ 24:27, 32, 45 ኣንብብ።

የሱስ እቲ ዝጀመሮ ዕዮ ምእንቲ ኪቕጽል፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቘመ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ሎሚ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚምህር ንሰባት የረድኡ እዮም። ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 8:30, 31 ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ