ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 15/4 ገጽ 32
  • እተቘርጸ ኦም መሊሱ ኺጥጥዕ ይኽእልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እተቘርጸ ኦም መሊሱ ኺጥጥዕ ይኽእልዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዮብ ኣብ ትንሳኤ ምትእምማን ነበሮ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ሓንቲ ጽቡቕ ፍረ እትህብ ኦም ኣውሊዕ ኣብ ቤት ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ‘ወዳጄ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 15/4 ገጽ 32
እተቘርጸ ኦም ኪጥጥዕ ከሎ

እተቘርጸ ኦም መሊሱ ኺጥጥዕ ይኽእልዶ፧

እቲ እተጠዋወየን ሓባጥ ጎባጥ ጕንዲ ዘለዎን ኦም ኣውልዕ፡ ምስቲ ግርማ ዝመልኦ ጽሕዲ ሊባኖስ ኪወዳደር ከሎ፡ ማራኺ ኣይመስልን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኦም ኣውልዕ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣየር ኪጻወር ይኽእል እዩ። ዕድመ ገሊኡ ኦም ኣውልዕ፡ 1,000 ዓመት ከም ዝዀነ እዩ ዚግመት። እዚ ኦም እዚ፡ ሰራውሩ ኣስፊሑ ስለ ዚሰድድ፡ ዋላ እኳ ጕንዱ እንተ ተቘርጸ፡ እንደገና ኺበቍል ይኽእል እዩ። እቲ ሱር ክሳዕ ዘይተቘርጸ፡ እንደገና ኺጥጥዕ ይኽእል እዩ።

እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበዋት ዝነበረ እዮብ፡ ዋላ እውን እንተ ሞተ፡ እንደገና ኸም ዚትንስእ ይኣምን ነበረ። (እዮ. 14:13-15) ነቲ ኣምላኽ ንዕኡ ኻብ ሞት ንምትንሳእ ዘለዎ ኽእለት ብምትእምማን ኪገልጽ ከሎ፡—ምናልባት ንኦም ኣውልዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ—ከም ኣብነት ተጠቕመ። “ኦምሲ ተስፋ አለዎ፡ እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ” ድማ በለ። እዋን ደርቂ ሓሊፉ ዝናም ኪዘንም ምስ ጀመረ፡ ነቒጹ ዝነበረ ጕርማጽ ኦም ኣውልዕ ካብ ሱሩ ኺጭብጭብ ይጅምር እዩ፣ እወ፡ “ከም ሓድሽ ተኽሊ ዀይኑ፡ ጨናፍር ይገብር” እዩ።—እዮ. 14:7-9።

ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓረስታይ፡ እቲ እተቘርጸ ኦም ኣውልዕ እንደገና ኺጥጥዕ ከሎ ንኺርኢ ዚህንጠ፡ የሆዋ ኣምላኽ እውን ነቶም ዝሞቱ ኣገልገልቱን ንኻልኦት ሰባትን ናብ ህይወት ኪመልሶም ይናፍቕ እዩ። (ማቴ. 22:31, 32፣ ዮሃ. 5:28, 29፣ ግብ. 24:15) ንምዉታት ምቕባልን እንደገና ዜሐጕስ ህይወት ኪነብሩ ኸለዉ ምርኣይን፡ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ