ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ነብያቱ ንምሃር
ቀደም፡ ኣምላኽ ብነብያቱ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ ኣገዳሲ መልእኽቲ ሂብዎም እዩ። እዚ መልእኽታት እዚ፡ በረኸት ኣምላኽ ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእል ዘርኢ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ። እምበኣር፡ ካብዞም ሰለስተ እሙናት ነብያት እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።
ኣብርሃም
ኣምላኽ ብዘይ ኣድልዎ ንዅሎም ሰባት ኪባርኾም ይደሊ እዩ።
ኣምላኽ ንነብዪ ኣብርሃም “ኵሎም ዓሌታት ምድሪ . . . ብኣኻ ብርግጽ ኪባረኹ እዮም” ኢሉ ኣተስፍይዎ እዩ።—ዘፍጥረት 12:3።
እንታይ ንምሃር፧ ኣምላኽ የፍቅረናን ነቶም እንእዘዞ ዘበልና—ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን—ኪባርኸና ይደልን እዩ።
ሙሴ
ኣምላኽ መሓሪ እዩ፡ ነቶም ንዕኡ ኺፈልጡ ዚጽዕሩ ድማ ይባርኾም እዩ።
እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነብዪ ሙሴ፡ ዓበይቲ ተኣምራት ኪገብር ሓይሊ ሂብዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሙሴ ናብ ኣምላኽ፡ “ምእንቲ ኽፈልጠካን ብሕጂ እውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብን፡ በጃኻ መገድታትካ ኣፍልጠኒ” ኢሉ ጸልዩ እዩ። (ዘጸኣት 33:13) ኣምላኽ ብጸሎት ሙሴ ባህ ኢልዎ፡ ብዛዕባ መገድታቱን ባህርያቱን ዝያዳ ፍልጠትን ምርዳእን ብምሃብ ድማ ባሪኽዎ እዩ። ንኣብነት፡ ፈጣሪ “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ” ምዃኑ ሙሴ ፈሊጡ እዩ።—ዘጸኣት 34:6, 7።
እንታይ ንምሃር፧ ንኣምላኽ ብዝበለጸ ኽንፈልጦ እንተ ጽዒርና፡ ንዅላትና—ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን—ኪባርኸና ይደሊ እዩ። ብኸመይ ከም እነምልኾ፡ ሞገሱን በረኸቱን ኪህበና ባህጊ ኸም ዘለዎ እውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ገሊጹልና ኣሎ።
የሱስ
የሱስ ብርሕራሐ ተደሪኹ ንዅሉ ዓይነት ሕማማት ኣሕወየ
ብዛዕባ የሱስን ብዛዕባ ትምህርትታቱን ተግባራቱን እንተ ተማሂርና፡ ዘለኣለማዊ በረኸት ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና።
ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት የሱስን ትምህርትታቱን ሓያሎ ዝርዝር ዝሓዘ እዩ። ኣምላኽ ንየሱስ ከም ምሕዋይ ዕዉራትን ጸማማትን ሓንካሳትን ዝኣመሰለ ብዙሕ ዜደንቕ ተኣምራት ኪገብር ሓይሊ ሂብዎ እዩ። ምዉታት እውን ከይተረፈ ኣተንሲኡ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ የሱስ እቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዜምጽኣሎም በረኸት ኣርእዩ እዩ። ንሱ ንነፍሲ ወከፍና ብኸመይ በረኸት ክንረክብ ከም እንኽእል ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ገሊጹ ኣሎ፦ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”—ዮሃንስ 17:3።
የሱስ ርሕሩሕን ሓላዪን ለዋህን እዩ። ሰብኡትን ኣንስትን፡ ንኣሽቱን ዓበይትን፡ “ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ . . . ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንርእስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ንዚብል ምዉቕ ዕድመ ተቐቢሎም ናብኡ ውሒዞም እዮም። (ማቴዎስ 11:29) የሱስ ዘይከም እቶም ብግዜኡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝገፍዑ ዝነበሩ ሰባት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ይልውሃለንን የኽብረንን ነይሩ እዩ።
እንታይ ንምሃር፧ የሱስ ንሰባት ኣዝዩ ኸም ዜፍቅሮም ኣርእዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎና ኺህሉ ዘለዎ ርክብ፡ ሰናይ ኣብነት ይዀነና እዩ።
የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣይኰነን
ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ንዓና “ሓደ ኣምላኽ” ከም ዘሎናን የሱስ ክርስቶስ ትሑት ልኡኽ ኣምላኽ ከም ዝነበረን ይምህር እዩ። (1 ቈረንቶስ 8:6) የሱስ፡ ኣምላኽ ካብኡ ኸም ዚዓብን ናብ ምድሪ ድማ ከም ዝለኣኾን ብንጹር ተዛሪቡ እዩ።—ዮሃንስ 11:41, 42፣ 14:28።a
a ብዛዕባ የሱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ www.pr418.com እትርከብ፡ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 4 ርአ።