ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp20 ቍ. 3 ገጽ 12
  • ንብጻይና ፍቕሪ እነርእየሉ መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንብጻይና ፍቕሪ እነርእየሉ መገዲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ ይብል፧
  • ንብጻይካ ምፍቃር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
  • “ብፍቕሪ ተመላለሱ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ፍቕሪ—ኣገዳሲት ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ነታ ኣብ ንሓድሕድና ዘላ ፍቕሪ ብኸመይ ወትሩ ኸነሐይላ ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ነቲ ዜፍቅረካ ኣምላኽ ኣፍቅሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
wp20 ቍ. 3 ገጽ 12
እቲ ኣብ ምስላ የሱስ ዘሎ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ንሓደ ኣብ ወሰን መገዲ ዝረኸቦ እተኸትከተ ሰብኣይ ኣብ ቍስሉ ዘይቲ ይገብረሉ።

ፍቕሪ ኻብ ጥቕምና ንላዕሊ ጥቕሚ ኻልኦት ከነቐድም ትድርኸና

ንብጻይና ፍቕሪ እነርእየሉ መገዲ

ዘርኢ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ኣዳም ከም ምዃንና መጠን፡ ኵላትና ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኢና። ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪከባበሩን ትጽቢት ዚግበረሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ሎሚ ኸምዚ ዓይነት ፍቕሪ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ግና፡ ድሌት እቲ ፈቃር ኣምላኽና ኣይኰነን።

ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ ይብል፧

“ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።”—ዘሌዋውያን 19:18።

“ጸላእትኹም ኣፍቅሩ።”—ማቴዎስ 5:44።

ንብጻይካ ምፍቃር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ኣምላኽ ኣብ ቃሉ፡ ማለት ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4-7 ንፍቕሪ ብኸመይ ከም ዝገለጻ ኣስተብህል፦

“ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ።”

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሰባት ብዓቕልን ብለውሃትን ምስ ዚሕዙኻን ክትጋገ ኸለኻ ምስ ዘይቍጡዑኻን ከመይ ምተሰምዓካ፧

“ፍቕሪ ኣይትቐንእን።”

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሰባት እምብዛ ምስ ዚጥርጥሩኻ ወይ ብኣኻ ምስ ዚቐንኡ ኸመይ ምተሰምዓካ፧

ፍቕሪ “ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን።”

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሰባት ንኣረኣእያኻ ምስ ዜኽብሩልካ፡ ወትሩ ንኣረኣእያኦም ክትቅበል ጸቕጢ ምስ ዘይገብሩልካ ኸመይ ምተሰምዓካ፧

ፍቕሪ “ኣይትቕየምን።”

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣምላኽ ነቶም ሓጢኣት ፈጺሞም እተነስሑ ሰባት ይቕረ ኺብለሎም ፍቓደኛ እዩ። “ወትሩ ጕድለት ኣይኣርን፡ ንዘለኣለም እውን ኣይቅየምን እዩ።” (መዝሙር 103:9) ሓደ ዘጕሃናዮ ሰብ ይቕረ ምስ ዚብለልና ባህ ይብለና እዩ። ንሕና እውን ሰባት ምስ ዜጕህዮና ንይቕረታ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና።—መዝሙር 86:5።

ፍቕሪ “ብዓመጻ ኣይትሕጐስን።”

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሕማቕ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ካልኦት ብመከራና ኺሕጐሱ ኣይንደልን ኢና። ሰባት ዋላ እውን እንተ ገፍዑና መከራ ኺወርዶም ከሎ ባህ ኣይብለናን እዩ።

በረኸት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ንዅሎም ሰባት መንነቶም ብዘየገድስ፡ በዚ መገድታት እዚ ኸነፍቅሮም ኣሎና። ከምዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ሓደ ግብራዊ መገዲ ድማ ንእተሸገሩ ብምሕጋዝ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ