ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሁልቍ 28:3-8
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
    • 3 “ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ንየሆዋ እተቕርብዎ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዚ እዩ፦ ነቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ነንመዓልቲ ጥዑያት ክልተ ገንሸል* ዓመት።+ 4 ነቲ ሓደ ገንሸል ንግሆ ሰውኣዮ፣ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ጽልግልግ ምስ በለ* ሰውኣዮ፣+ 5 ምስኡ ኸኣ ንመስዋእቲ እኽሊ ብርብዒ ሂን* ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ ኣቕርብ።+ 6 እዚ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ኣብ ከረን ሲና ዝቘመ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ፣ 7 ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ መስተ፡ ማለት ነንሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይቕረብ።+ እቲ ኣልኮላዊ መስተ ንየሆዋ መስዋእቲ መስተ ኪኸውን ኣብቲ መቕደስ ኣፍስሶ። 8 ጽልግልግ ምስ በለ* ኸኣ፡ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ንግሆ ድማ ምስ መስዋእቲ እኽልን ምስ መስዋእቲ መስተን፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርብ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ