ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 34
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ንጼዴቅያስ እተነግሮ መልእኽቲ ፍርዲ (1-7)

      • ንባሮት ሓራ ንምግባር እተኣትወ ኺዳን ፈረሰ (8-22)

ኤርምያስ 34:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:1፣ ኤር 32:2፣ 39:1፣ 52:4

ኤርምያስ 34:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:11፣ ኤር 37:1
  • +ኤር 21:10፣ 32:28, 29፣ 39:8

ኤርምያስ 34:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:17፣ 39:5
  • +2ነገ 25:6, 7፣ ህዝ 12:13

ኤርምያስ 34:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 17:16

ኤርምያስ 34:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:5
  • +ሚክ 1:13
  • +እያ 15:20, 35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2007፡ ገጽ 14

ኤርምያስ 34:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 21:2

ኤርምያስ 34:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 13:3
  • +ዘጸ 24:7

ኤርምያስ 34:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 21:2፣ ዘሌ 25:10, 39-42፣ ዘዳ 15:12

ኤርምያስ 34:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሎሚ።”

ኤርምያስ 34:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:12

ኤርምያስ 34:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሕማምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 21:2፣ ዘሌ 25:10
  • +2ነገ 25:3፣ ኤር 21:7
  • +ኤር 15:2, 4፣ 29:18

ኤርምያስ 34:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:10, 17

ኤርምያስ 34:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:26፣ መዝ 79:2፣ ኤር 16:4

ኤርምያስ 34:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:5
  • +2ነገ 25:6, 7፣ ድጕ 4:20

ኤርምያስ 34:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:9, 10፣ ኤር 32:29፣ 39:8
  • +ዘሌ 26:33፣ ኤር 44:2

ሓፈሻዊ

ኤር. 34:12ነገ 25:1፣ ኤር 32:2፣ 39:1፣ 52:4
ኤር. 34:22ዜና 36:11፣ ኤር 37:1
ኤር. 34:2ኤር 21:10፣ 32:28, 29፣ 39:8
ኤር. 34:3ኤር 37:17፣ 39:5
ኤር. 34:32ነገ 25:6, 7፣ ህዝ 12:13
ኤር. 34:5ህዝ 17:16
ኤር. 34:7ኤር 4:5
ኤር. 34:7ሚክ 1:13
ኤር. 34:7እያ 15:20, 35
ኤር. 34:8ዘጸ 21:2
ኤር. 34:13ዘጸ 13:3
ኤር. 34:13ዘጸ 24:7
ኤር. 34:14ዘጸ 21:2፣ ዘሌ 25:10, 39-42፣ ዘዳ 15:12
ኤር. 34:16ዘሌ 19:12
ኤር. 34:17ዘጸ 21:2፣ ዘሌ 25:10
ኤር. 34:172ነገ 25:3፣ ኤር 21:7
ኤር. 34:17ኤር 15:2, 4፣ 29:18
ኤር. 34:18ዘፍ 15:10, 17
ኤር. 34:20ዘዳ 28:26፣ መዝ 79:2፣ ኤር 16:4
ኤር. 34:21ኤር 37:5
ኤር. 34:212ነገ 25:6, 7፣ ድጕ 4:20
ኤር. 34:222ነገ 25:9, 10፣ ኤር 32:29፣ 39:8
ኤር. 34:22ዘሌ 26:33፣ ኤር 44:2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 34:1-22

ኤርምያስ

34 ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ኵሉ ሰራዊቱን ኵሎም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዘለዉ መንግስትታት ምድርን ኵሎም ህዝብታትን ምስ የሩሳሌምን ምስ ኵለን ከተማታታን ኪዋግኡ ኸለዉ፡ ካብ የሆዋ ኸምዚ ዚብል ቃል ናብ ኤርምያስ መጸ፦+

2 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኬድካ ንጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ተዛረቦ፡ ከምዚ እውን በሎ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ እህባ ኣለኹ፣ ንሱ እውን ብሓዊ ኼንድዳ እዩ።+ 3 ንስኻ ድማ ብርግጽ ተታሒዝካ ኣብ ኢዱ ኽትውሃብ ኢኻ እሞ፡ ካብ ኢዱ ኣይከተምልጥን ኢኻ።+ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ዓይኒ ንዓይኒ ኽትርእዮ፡ ኣፍ ንኣፍ ድማ ክትዛረቦ፡ ናብ ባቢሎን እውን ክትከይድ ኢኻ።’+ 4 ግናኸ፡ ኦ ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ቃል የሆዋ ስማዕ፦ ‘የሆዋ ብዛዕባኻ ኸምዚ ይብል፦ “ብሰይፊ ኣይክትመውትን ኢኻ። 5 ‘ኣነ ነዚ ቓል ተዛሪበዮ እየ እሞ፡’ ይብል የሆዋ፡ ብሰላም ክትመውት ኢኻ፣+ ከምቲ ንኣቦታትካ፡ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት ዝገበሩሎም ከኣ፡ ስነ ስርዓት ምንዳድ ኪገብሩልካ፡ ‘ዋይ፡ ጐይታይ!’ ኢሎም ኪሓዝኑልካ እዮም።”’”’”

6 ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ንጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ የሩሳሌም ኵለን እዘን ቃላት እዚአን ነገሮ፣ 7 ሽዑ፡ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ምስ የሩሳሌምን ምስ ኵለን እተን ዝተረፋ ኸተማታት ይሁዳን፡+ ምስ ላኪሽን+ ዓዜቃን+ ይዋግኡ ነበሩ፣ ካብ ከተማታት ይሁዳ ተሪፈን ዝነበራ እተዓርዳ ኸተማታትሲ ንሳተን ጥራይ ነበራ።

8 ንጉስ ጼዴቅያስ ሓርነት ኪእውጅ ኢሉ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ህዝቢ ኺዳን ምስ ኣተወ፡ ካብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ፣+ 9 እቲ ኺዳን ከኣ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይሁዳዊ ባርያ ኸይገብርሲ፡ ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ እብራዊ ባርያኡን ንኣንስተይቲ እብራዊት ባርያኡን ሓራ ኼውጽእ እዩ ዝነበረ። 10 ስለዚ፡ ኵሎም እቶም መሳፍንትን ኵሎም እቶም ህዝብን ተኣዘዙ። ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ ባርያኡን ንኣንስተይቲ ባርያኡን ሓራ ኼውጽእ፡ ድሕሪ ደጊም እውን ባሮት ገይሩ ኸይሕዝ ኪዳን ኣተዉ። ተኣዚዞም ከኣ ይኺዱ ሓደግዎም። 11 ደሓር ግና መሊሶም ነቶም ሓራ ኣውጺኦምዎም ዝነበሩ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት መለስዎም፣ ከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ባርነት ኪምለሱ ገደድዎም። 12 ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ኸምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦

13 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ በታ ንኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡+ ምሳታቶም ከምዚ ኢለ ኺዳን ኣቶኹ፦+ 14 “ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ ዓመት፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ናባኻትኩም እተሸጠን ሽዱሽተ ዓመት እተገዝኣኩምን እብራዊ ሓውኩም ሓራ ኣውጽእዎ፣ እወ፡ ሓራ ኣውጽኣዮ።”+ ኣቦታትኩም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖም እውን ኣየድነኑን። 15 ኣብዚ ቐረባ እዋን* ድማ፡ ንስኻትኩም ተመሊስኩም፡ ንብጾትኩም ሓርነት ብምእዋጅ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ጌርኩም፣ ኣብታ ብስመይ እትጽዋዕ ቤት ከኣ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣቲኹም። 16 ግናኸ፡ ድሕሪኡ ተመሊስኩም ነቶም ከም ትምኒቶም* ሓራ ኣውጺእኩምዎም ዝነበርኩም ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ብምምላስ፡ ንስመይ ኣርከስኩምዎ፣+ ናብ ባርነት ኪምለሱ ኸኣ ገደድኩምዎም።’

17 “ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይተኣዘዝኩምንን።+ ስለዚ፡ ንሰይፍን ንለበዳን* ንጥሜትን+ ሓርነት ክእውጀልኩም እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ንዅሎም መንግስትታት ምድሪ ኸኣ መሰክሒ ኽገብረኩም እየ።+ 18 እቶም ምራኽ ኣብ ክልተ ኪቘርጹን ብመንጎ እቲ ምቃላት ኪሓልፉን ከለዉ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ኺዳን ብዘይምፍጻም ንቓላት እቲ ኺዳነይ ዝጠሓሱ፡+ 19 ማለት፡ መሳፍንቲ ይሁዳን መሳፍንቲ የሩሳሌምን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን ካህናትን ኵሎም እቶም በቲ ምቃላት ምራኽ ዝሓለፉ ህዝቢ እታ ምድርን ከምዚ ኪዀኑ እዮም፦ 20 ኣብ ኢድ ጸላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፣ ሬሳታቶም ከኣ ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንእንስሳታት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ።+ 21 ንጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ኣብ ኢድ ጸላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ኣብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዜንሳሕብ ዘሎ+ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን+ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።’

22 “‘እንሆ፡ ኣነ ኽእዝዝ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ናብዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ክመልሶም እየ፣ ንሳቶም ከኣ ኪዋግእዋን ኪሕዝዋን ብሓዊ ኼንድድዋን እዮም፣+ ንኸተማታት ይሁዳ ድማ ነባሪ ዘይብለን ባድም ክገብረን እየ።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ