ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 36
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ኣኽራን እስራኤል እተዘርበ ትንቢት (1-15)

      • ምምላስ እስራኤል (16-38)

        • ‘ነቲ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ’ (23)

        • “ከም ስፍራ ኣታኽልቲ ኤደን” (35)

ህዝቅኤል 36:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:1፣ ህዝ 35:10

ህዝቅኤል 36:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:37፣ 1ነገ 9:7፣ ድጕ 2:15፣ ዳን 9:16

ህዝቅኤል 36:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:9
  • +መዝ 79:4፣ ህዝ 34:28

ህዝቅኤል 36:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብነፍሶም ንዒቖምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 3:8
  • +ኦብ 12
  • +ህዝ 25:12, 13፣ 35:10, 11፣ ኣሞ 1:11

ህዝቅኤል 36:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 74:10፣ 123:4

ህዝቅኤል 36:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:9፣ 49:17

ህዝቅኤል 36:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 44:23፣ 51:3፣ ህዝ 36:30

ህዝቅኤል 36:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 8:4
  • +ኢሳ 51:3፣ ኤር 30:18, 19፣ ኣሞ 9:14

ህዝቅኤል 36:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 31:27
  • +ኢሳ 54:7፣ ኤር 30:18
  • +ሃጌ 2:9
  • +ሆሴ 2:20፣ ዮኤ 3:17

ህዝቅኤል 36:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:44፣ ኦብ 17
  • +ኢሳ 65:23

ህዝቅኤል 36:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 54:4፣ 60:14፣ ሚክ 7:8፣ ጸፎ 2:8፣ 3:19

ህዝቅኤል 36:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 106:38፣ ኢሳ 24:5፣ ኤር 2:7፣ 16:18
  • +ዘሌ 12:2፣ ኢሳ 64:6

ህዝቅኤል 36:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 23:37
  • +ኢሳ 42:24, 25

ህዝቅኤል 36:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:38፣ ህዝ 22:15

ህዝቅኤል 36:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 52:5፣ ሮሜ 2:24

ህዝቅኤል 36:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 74:18፣ ኢሳ 48:9፣ ህዝ 20:9

ህዝቅኤል 36:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 106:7, 8

ህዝቅኤል 36:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:16፣ ህዝ 20:41
  • +መዝ 102:13-15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2007፡ ገጽ 11

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 8

ህዝቅኤል 36:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:3፣ ኢሳ 43:5፣ ኤር 23:3፣ ህዝ 34:13፣ ሆሴ 1:11

ህዝቅኤል 36:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 19:13፣ መዝ 51:7
  • +ህዝ 6:4
  • +ኢሳ 4:4፣ ኤር 33:8

ህዝቅኤል 36:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንመምርሒ ኣምላኽ ቅልጡፍ ምላሽ ዚህብ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:39
  • +መዝ 51:10፣ ህዝ 11:19, 20
  • +ዘካ 7:12

ህዝቅኤል 36:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 31:33

ህዝቅኤል 36:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 30:22፣ ህዝ 37:25, 27

ህዝቅኤል 36:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 34:29

ህዝቅኤል 36:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 34:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 101

ህዝቅኤል 36:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 9:6፣ ነህ 9:26፣ ኤር 31:18፣ ህዝ 6:9

ህዝቅኤል 36:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 9:5፣ ዳን 9:19

ህዝቅኤል 36:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 8:8
  • +ኢሳ 58:12፣ ኤር 33:10, 11፣ ኣሞ 9:14

ህዝቅኤል 36:35

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 2:8
  • +ኢሳ 51:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 109

ህዝቅኤል 36:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 28:26፣ 37:14

ህዝቅኤል 36:38

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከምተን ኣብ የሩሳሌም መስዋእቲ ዚዀና መጓሰ ኣባጊዕ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:17
  • +ኤር 30:18, 19

ሓፈሻዊ

ህዝ. 36:2ኤር 49:1፣ ህዝ 35:10
ህዝ. 36:3ዘዳ 28:37፣ 1ነገ 9:7፣ ድጕ 2:15፣ ዳን 9:16
ህዝ. 36:4ኤር 25:9
ህዝ. 36:4መዝ 79:4፣ ህዝ 34:28
ህዝ. 36:5ጸፎ 3:8
ህዝ. 36:5ኦብ 12
ህዝ. 36:5ህዝ 25:12, 13፣ 35:10, 11፣ ኣሞ 1:11
ህዝ. 36:6መዝ 74:10፣ 123:4
ህዝ. 36:7ኤር 25:9፣ 49:17
ህዝ. 36:8ኢሳ 44:23፣ 51:3፣ ህዝ 36:30
ህዝ. 36:10ዘካ 8:4
ህዝ. 36:10ኢሳ 51:3፣ ኤር 30:18, 19፣ ኣሞ 9:14
ህዝ. 36:11ኤር 31:27
ህዝ. 36:11ኢሳ 54:7፣ ኤር 30:18
ህዝ. 36:11ሃጌ 2:9
ህዝ. 36:11ሆሴ 2:20፣ ዮኤ 3:17
ህዝ. 36:12ኤር 32:44፣ ኦብ 17
ህዝ. 36:12ኢሳ 65:23
ህዝ. 36:15ኢሳ 54:4፣ 60:14፣ ሚክ 7:8፣ ጸፎ 2:8፣ 3:19
ህዝ. 36:17መዝ 106:38፣ ኢሳ 24:5፣ ኤር 2:7፣ 16:18
ህዝ. 36:17ዘሌ 12:2፣ ኢሳ 64:6
ህዝ. 36:18ህዝ 23:37
ህዝ. 36:18ኢሳ 42:24, 25
ህዝ. 36:19ዘሌ 26:38፣ ህዝ 22:15
ህዝ. 36:20ኢሳ 52:5፣ ሮሜ 2:24
ህዝ. 36:21መዝ 74:18፣ ኢሳ 48:9፣ ህዝ 20:9
ህዝ. 36:22መዝ 106:7, 8
ህዝ. 36:23ኢሳ 5:16፣ ህዝ 20:41
ህዝ. 36:23መዝ 102:13-15
ህዝ. 36:24ዘዳ 30:3፣ ኢሳ 43:5፣ ኤር 23:3፣ ህዝ 34:13፣ ሆሴ 1:11
ህዝ. 36:25ዘሁ 19:13፣ መዝ 51:7
ህዝ. 36:25ህዝ 6:4
ህዝ. 36:25ኢሳ 4:4፣ ኤር 33:8
ህዝ. 36:26ኤር 32:39
ህዝ. 36:26መዝ 51:10፣ ህዝ 11:19, 20
ህዝ. 36:26ዘካ 7:12
ህዝ. 36:27ኤር 31:33
ህዝ. 36:28ኤር 30:22፣ ህዝ 37:25, 27
ህዝ. 36:29ህዝ 34:29
ህዝ. 36:30ህዝ 34:27
ህዝ. 36:31እዝ 9:6፣ ነህ 9:26፣ ኤር 31:18፣ ህዝ 6:9
ህዝ. 36:32ዘዳ 9:5፣ ዳን 9:19
ህዝ. 36:33ዘካ 8:8
ህዝ. 36:33ኢሳ 58:12፣ ኤር 33:10, 11፣ ኣሞ 9:14
ህዝ. 36:35ዘፍ 2:8
ህዝ. 36:35ኢሳ 51:3
ህዝ. 36:36ህዝ 28:26፣ 37:14
ህዝ. 36:38ዘጸ 23:17
ህዝ. 36:38ኤር 30:18, 19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 36:1-38

ህዝቅኤል

36 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብዛዕባ ኣኽራን እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተነበ፦ ‘ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 2 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ጸላኢ ብዛዕባኹም፡ ‘ኣሰይ! እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ እኳ ርስትና ዀይኑ!’ ኢሉ ኣሎ።”’+

3 “ስለዚ፡ ከምዚ ኢልካ ተነበ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ርስቲ እቶም ካብ መንጎ ኣህዛብ ዝተረፉ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ መዛረብን መሕመይን ህዝቢ ድማ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ስለ ዘባደሙኹምን ካብ ኵሉ ሸነኽ ስለ ዘጥቅዑኹምን፡+ 4 ስለዚ፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስምዑ! እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንኣኽራንን ንዅርባታትን ንወሓይዝን ንስንጭሮታትን ንዝባደመ ዑናታትን+ ነተን እተዘምታን በቶም ኣብ ዙርያአን ዘለዉ ዝተረፉ ኣህዛብ መላገጺ ዝዀናን+ እተሓድጋ ኸተማታትን ከምዚ ይብል፣ 5 ነዚኣቶም እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብሓዊ ቕንኣተይ+ ኣንጻር እቶም ዝተረፉ ኣህዛብን ኣንጻር ኵሉ ኤዶምን ክዛረብ እየ፣ ንሳቶምሲ ብዓብዪ ታሕጓስን ብፍጹም ንዕቀትን*+ መጓሰዪታታ ምእንቲ ኺወስዱን ምእንቲ ኺዘምትዋን ኢሎም ንምድረይ ርስቶም ገይሮም ወሲዶምዋ እዮም።’”’+

6 “ስለዚ፡ ብዛዕባ ምድሪ እስራኤል ተነበ፡ ንኣኽራንን ንዅርባታትን ንወሓይዝን ንስንጭሮታትን ድማ ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ካብ ኣህዛብ ውርደት ስለ ዝጾርኩም፡ ብቕንኣተይን ብነድረይን ክዛረብ እየ።”’+

7 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዞም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ሕፍረቶም ከም ዚጾሩ፡ ኣነ ኢደይ ብማሕላ ኣልዒለ እየ።+ 8 ኣቱም ኣኽራን እስራኤል ግና፡ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍር ከተውጽኡን ፍረ ኸተፍርዩን ኢኹም፣+ ንሳቶምሲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺምለሱ እዮም። 9 ኣነስ ምሳኻትኩም እየ፣ ናባኻትኩም ከኣ ክምለስ እየ፣ ንስኻትኩም እውን ክትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም። 10 ንህዝብኹም፡—ንብዘሎ ቤት እስራኤል ብዅሉ፡—ከብዝሖ እየ፣ እተን ከተማታት ድማ ነባሪ ኺህልወን፡+ እቲ ዑናታት እውን ዳግም ኪህነጽ እዩ።+ 11 እወ፡ ንህዝብኹምን ንማልኩምን ከብዝሕ እየ፣+ ንሳቶም ድማ ኪበዝሑን ኪፈርዩን እዮም። ከም ቀደምኩም ከኣ ነባሪ ኸም ዚህልወኩም ክገብር እየ፣+ ካብ ሕሉፍ ብዝበለጸ ድማ ጽቡቕ ክገብረልኩም እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 12 ህዝቢ፡—ህዝበይ እስራኤል፡—ኣባኻትኩም ከመላልስ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኪርስተዩኹም እዮም።+ ርስቶም ክትኰኑ ኢኹም፣ ደጊም እውን ውሉድ ዘይብሎም ኣይክትገብርዎምን ኢኹም።’”+

13 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ሰብ እትውሕጥን ንኣህዛብኪ ውሉድ እተስእንን ምድሪ ኢኺ” ይብሉኺ ስለ ዘለዉ፡’ 14 ‘ስለዚ፡ ደጊም ሰብ ኣይክትውሕጥን፡ ንኣህዛብኪ ድማ ውሉድ ዘይብሎም ኣይክትገብርን ኢኺ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 15 ‘ደጊም ጸርፊ ኣህዛብ ኣይከስምዓክን፡ ባጫ ህዝቢ ኸኣ ኣይከጹረክን እየ፣+ ደጊም እውን ንኣህዛብኪ ኣይከተዕንቅፍዮምን ኢኺ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

16 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 17 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ኣብ ምድሮም ይቕመጡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ብመገድታቶምን ብግብርታቶምን ኣርኪሶምዋ ነይሮም።+ መገድታቶም ንዓይ ከም ርኽሰት ጻግነ እዩ።+ 18 ስለዚ፡ ብሰሪ እቲ ኣብታ ምድሪ ዘፍሰስዎ ደምን ነታ ምድሪ ብጽዩፋት ጣኦታቶም* ስለ ዘርከስዋን፡+ ነድረይ ኣባታቶም ኣፍሲሰ።+ 19 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከኣ ፋሕ ኣቢለዮም፡ ኣብ መንጎ ሃገራት እውን በቲነዮም።+ ከም መገዶምን ከም ግብሮምን ፈሪደዮም። 20 ናብዞም ኣህዛብ ምስ መጹ ግና፡ ሰባት ብዛዕባኦም፡ ‘እዚኣቶምሲ ህዝቢ የሆዋ እዮም፣ ግናኸ፡ ካብ ምድሮም ወጺኦም’ ኢሎም ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርኪሶምዎ።+ 21 ስለዚ፡ ነቲ ቤት እስራኤል ኣብ መንጎ እቶም ዝኸድዎም ኣህዛብ ዘርከስዎ ቕዱስ ስመይ ክሓስበሉ እየ።”+

22 “ስለዚ፡ ንቤት እስራኤል ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ነዚ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ዝኸድኩምዎም ኣህዛብ ዘርከስኩምዎ ቕዱስ ስመይ እምበር፡ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።”’+ 23 ‘ነቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝረኸሰ፡ ኣብ መንጎኦም ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ብርግጽ ክቕድሶ እየ፣+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣብ መንጎኹም ምስ ተቐደስኩ ኸኣ፡ ኣህዛብ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 24 ‘ካብ ኣህዛብ ክወስደኩም፡ ካብ ኵለን ሃገራት ድማ ክእክበኩም፡ ናብ ምድርኹም እውን ከምጽኣኩም እየ።+ 25 ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ፡ ክትጸርዩ ድማ ኢኹም፣+ ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጽዩፋት ጣኦታትኩምን+ ከጽርየኩም እየ።+ 26 ሓድሽ ልቢ ኽህበኩም፡+ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጥኹም ከንብር እየ።+ ካብ ሰብነትኩም ልቢ እምኒ ኸርሕቕ፡+ ልቢ ስጋ* እውን ክህበኩም እየ። 27 መንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከንብር፡ ብስርዓታተይ ድማ ከመላልሰኩም እየ፣+ ፍርድታተይ ከኣ ክትሕልዉን ክትፍጽሙን ኢኹም። 28 ሽዑ፡ ኣብታ ንኣቦታትኩም ዝሃብክዎም ምድሪ ኽትቅመጡ ኢኹም፣ ህዝበይ ድማ ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣነ እውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።’+

29 “‘ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከድሕነኩም፡ ንእኽሊ ድማ ክጽውዖን ከብዝሖን፡ ጥሜት እውን ኣይከምጽኣልኩምን እየ።+ 30 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ደጊም ውርደት ጥሜት ምእንቲ ኸይትጾሩስ፡ ፍረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሕ እየ።+ 31 ሽዑ፡ ነቲ እኩይ መገድታትኩምን ነቲ ጽቡቕ ዘይኰነ ግብርታትኩምን ክትዝክሩ፡ ብሰሪ በደልኩምን ፍንፉን ተግባራትኩምን ከኣ ርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም።+ 32 ግናኸ እዚ ፍለጡ፦ ነዚ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘የግዳስ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ብመገድታትኩም ሕፈሩን ተዋረዱን።’

33 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘በታ ንዓኻትኩም ካብ ኵሉ በደልኩም ዘጽርየላ መዓልቲ፡ ነተን ከተማታት ነባሪ ኸም ዚህልወን፡+ ነቲ ዑናታት ድማ ዳግም ከም ዚህነጽ ክገብር እየ።+ 34 እታ ዅሉ ሓላፍ መገዲ ባድም ምዃና ምእንቲ ኺርእያ ዝባደመት ምድሪ ኽትሕረስ እያ። 35 “እታ ዝባደመት ምድሪ ኸም ገነት* ኤደን ኰይና ኣላ፣+ እተን ዓንየንን ባዲመንን ፈሪሰንን ዝነበራ ኸተማታት ከኣ ሕጂ እተዓርዳን ሰብ ዚነብረንን ኰይነን ኣለዋ”+ ድማ ኪብሉ እዮም። 36 እቶም ኣብ ዙርያኹም ዝተረፉ ኣህዛብ ከኣ፡ ኣነ የሆዋ ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሃነጽክዎ፡ ነቲ ዝበረሰ እውን ከም ዝተኸልክዎ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ፣ ገይረዮ እውን ኣለኹ።’+

37 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ቤት እስራኤል እዚ ምእንቲ ኽገብረሎም ኪልምኑኒ እውን ክሓድጎም እየ፦ ንሰቦም ከም መጓሰ ኸብዝሕ እየ። 38 እተን ዑናታት ዝነበራ ኸተማታት፡ ከም መጓሰ ቕዱሳት፡ ከም መጓሰ የሩሳሌም* ብግዜ በዓላታ፡+ ብመጓሰ ሰብ ኪመልኣ እየን፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ