ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሃልየ መሃልይ 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሃልየ መሃልይ—ትሕዝቶ

    • እታ ሹላማዊት ኣብ የሩሳሌም (3:6–8:4)

መሃልየ መሃልይ 6:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 1:7፣ 2:16

መሃልየ መሃልይ 6:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 7:10
  • +መሃ 2:16

መሃልየ መሃልይ 6:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ባህ እተብል ከተማ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:17፣ 15:33
  • +መሃ 1:9
  • +መዝ 48:2
  • +መሃ 6:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2006፡ ገጽ 20

መሃልየ መሃልይ 6:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 1:15፣ 4:9፣ 7:4
  • +መሃ 4:1-3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2006፡ ገጽ 19

መሃልየ መሃልይ 6:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መታልሕኪ።”

መሃልየ መሃልይ 6:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2011፡ ገጽ 11

መሃልየ መሃልይ 6:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንጽህቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 2:14

መሃልየ መሃልይ 6:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣንቈልቊላ እትጥምት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 6:4

መሃልየ መሃልይ 6:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

  • *

    ወይ፡ “ኣጒሙ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መክ 2:5

መሃልየ መሃልይ 6:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ።”

  • *

    ወይ፡ “ፍቓደኛታት።”

መሃልየ መሃልይ 6:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሳዕስዒት ማሓናዪም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሃ 1:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2006፡ ገጽ 20

ሓፈሻዊ

መሃ. 6:2መሃ 1:7፣ 2:16
መሃ. 6:3መሃ 7:10
መሃ. 6:3መሃ 2:16
መሃ. 6:41ነገ 14:17፣ 15:33
መሃ. 6:4መሃ 1:9
መሃ. 6:4መዝ 48:2
መሃ. 6:4መሃ 6:10
መሃ. 6:5መሃ 1:15፣ 4:9፣ 7:4
መሃ. 6:5መሃ 4:1-3
መሃ. 6:81ነገ 11:1
መሃ. 6:9መሃ 2:14
መሃ. 6:10መሃ 6:4
መሃ. 6:11መክ 2:5
መሃ. 6:13መሃ 1:6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሃልየ መሃልይ 6:1-13

መሃልየ መሃልይ

6 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡

ፍቱውኪ ናበይ ከይዱ፧

ምሳኺ ኽንደልዮስ፡

ፍቱውኪ ናበይ ኣቢሉ፧”

 2 “ፍቱወይሲ ናብ ስፍራ ኣታኽልቱ፡

ናብ መደባት ኣትክልቲ ሽቱ፡

ኣብ መንጎ ስፍራ ኣታኽልቲ ኺጓስን

ዕምባባታት ሹሻን ኪቕንጥስን ከይዱ።+

 3 ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣

ፍቱወይ ድማ ናተይ እዩ።+

ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።”+

 4 “ፍቕርተየ፡ ከም ቲርጻ*+ ጽብቕቲ፡+

ከም የሩሳሌም ምጭውቲ፡+

ኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ኢኺ።+

 5 ኣዒንትኺ+ ኣይከኣልክወንን እሞ፡

ካባይ ንንየው ኣብልየን።

ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ጎቦታት ጊልዓድ ዚወርዳ፡

መጓሰ ኣጣል እዩ።+

 6 ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡

ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታ

ተሓጺበን ዚድይባ

መጓሰ ኣባጊዕ እየን።

 7 መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺ

ኸም ምቃል ሮማን እየን።

 8 ንግስትታት 60፡

ኣንስቲ ወሰን 80፡

ኣዋልድ ከኣ ቍጽሪ ዘይብለን ኣለዋ።+

 9 ግናኸ፡ ርግበይ፡+ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ።

ንኣዲኣ ሓንቲ እያ።

ንወላዲታ ምርጽቲ* እያ።

ኣዋልድ ርእየን፡ ሕጕስቲ ይብላኣ፣

ንግስትታትን ኣንስቲ ወሰንን ድማ ይውድሳኣ።

10 ‘ከም ወጋሕታ እትበርህ፡*

ከም ምልእቲ ወርሒ ጽብቕቲ፡

ከም ብርሃን ጸሓይ ንጽህቲ

ኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ዝዀነት እዚኣ መን እያ፧’”+

11 “ኣብ ስንጭሮ* ሓድሽ ብቋል ክርኢ፡

ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ* ኽርኢ፡

ሮማን እንተ ዓምቢቡ ኽርኢ፡

ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣእዋም ካዕካዕ ወሪደ።+

12 ከይፈለጥኩስ፡

ትምኒተይ* ናብ ሰረገላታት

ክቡር* ህዝበይ ወሲዱኒ።”

13 “ተመለሲ፡ ተመለሲ፡ ኣቲ ሹላማዊት!

ክንርእየክስ

ተመለሲ፡ ተመለሲ!”

“ስለምንታይ ኢኹም ነታ ሹላማዊት እትጥምትዋ፧”+

“ንሳስ ከም ሳዕስዒት ክልተ ጕጅለ* እያ!”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ