መሃልየ መሃልይ
6 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡
ፍቱውኪ ናበይ ከይዱ፧
ምሳኺ ኽንደልዮስ፡
ፍቱውኪ ናበይ ኣቢሉ፧”
3 ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣
ፍቱወይ ድማ ናተይ እዩ።+
ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።”+
ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ጎቦታት ጊልዓድ ዚወርዳ፡
መጓሰ ኣጣል እዩ።+
6 ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡
ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታ
ተሓጺበን ዚድይባ
መጓሰ ኣባጊዕ እየን።
7 መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺ
ኸም ምቃል ሮማን እየን።
9 ግናኸ፡ ርግበይ፡+ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ።
ንኣዲኣ ሓንቲ እያ።
ንወላዲታ ምርጽቲ* እያ።
ኣዋልድ ርእየን፡ ሕጕስቲ ይብላኣ፣
ንግስትታትን ኣንስቲ ወሰንን ድማ ይውድሳኣ።
10 ‘ከም ወጋሕታ እትበርህ፡*
ከም ምልእቲ ወርሒ ጽብቕቲ፡
ከም ብርሃን ጸሓይ ንጽህቲ
ኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ዝዀነት እዚኣ መን እያ፧’”+
13 “ተመለሲ፡ ተመለሲ፡ ኣቲ ሹላማዊት!
ክንርእየክስ
ተመለሲ፡ ተመለሲ!”
“ስለምንታይ ኢኹም ነታ ሹላማዊት እትጥምትዋ፧”+
“ንሳስ ከም ሳዕስዒት ክልተ ጕጅለ* እያ!”