ጽርግያታት ሰራውር ደም ምዕባለ
ሰባት ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዞም መገዲ ባቡራትን ጽርግያታትን ዓበይቲ ጐደናታትን ተጠቒቖም ንሓድሕዶም ክራኸቡ ጸኒሖም ኢዮም። እዚ ኸኣ ደቅሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐሱን ክነግዱን ከምኡውን ንኽዋግኡን ሃጸያዊ ግዝኣታት ንኽምስርቱን ዘለዎም ድሌት ዘርኢ ኢዩ። እወ: ጽርግያታት ብዛዕባ እቲ ሰባት ዘለዎም ሕማቕ ባህርይ እውን ዝገልጽ ኢዩ።
ብእግሪ ዝጓዓዙ ሰባትን እንስሳታትን ናይ መጀመርታ ኣሰር መገድታት ክገድፉ ካብ ዝጅምሩ ኣትሒዙ ክሳዕ እዚ ናይ ሕጂ ብዙሕ ሕንጻጻት ዘለዎ ዘመናዊ ዓበይቲ ጐደናታት ዝስራሕ ዘሎ ታሪኽ ጽርግያታት: ካብቲ ብዛዕብኡ ንምፍላጥ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንገብሮ ናይ ሓሳብ ጕዕዞ ንላዕሊ ኢዩ። ብዛዕብኡ ምጽናዕ: ባህርይ ሰባት ምጽናዕ ማለት ኢዩ።
ናይ ጥንቲ ጽርግያታት
“ንመጀመርታ ግዜ ብዕቱብ ጽርግያ ክሰርሑ ዝጀመሩ እቶም ኣብ መሰጶታምያ ዝነበሩ ሰባት ክዀኑ ኣለዎም” ብምባል እቲ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ይገልጽ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ሩባታት ጢግረስን ኤፍራጥስን ዝርከቦ ቦታ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምንጪ ቀጺሉ ነቲ ብዑደት ዝገብርዎ ዝነበሩ በዓላት ንምኽባር ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጽርግያታት “ብሓዊ ዝበሰለ ሕጡብን እምንን ምስ ጸብሪ ተሓዊሱ እተነጸፎ ኢዩ ነይሩ” ይብል። እዚ መግለጺ እዚ ኸኣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ቀደም ናይ ህንጻ መሳርሒታት ኣመልኪቱ “ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ: ጸብሪ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ዀነሎም” ብምባል ዝገለጾ ዘዘኻኽረና ኢዩ።—ዘፍጥረት 11:3
ጥንታዎት እስራኤላውያን ነቲ ዝነበሮም ሃይማኖታዊ ግዴታ ንምፍጻም ጽርግያታት ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ቅድሚ ምውላዱ ዳርጋ 1,500 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር እስራኤላውያን እዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ:- “ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት: . . . [መንፈሳዊ በዓል ንምኽባር] ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይርኤ።” (ዘዳግም 16:16) እዛ ኣምላኽ ዝሓረያ ቦታ እዚኣ የሩሳሌም ኰነት: መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ኣብዚ ናይ ሓጐስ ኣጋጣሚ እዚ ምልእቲ ስድራቤት ትካፈል ነበረት። ስለዚ ጽቡቕ ጽርግያታት ኣድላዪ ነበረ!
እቲ ቀንዲ ጽርግያታት ብግቡእ እተሃንጸ ምንባሩ ርግጽ ኢዩ። እቲ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ከይተወልደ ኸሎ ሓደ ሽሕ ዓመት ኣቐዲሙ ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን ከምዚ በለ:- “ነቲ ጽርግያታት ናይ ምጽጋን ስራሕ ሸለል ኣይበሎን: ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ናብ የሩሳሌም ዝወስድ ጽርግያታት ሓደ ካብ ጸሊም እምኒ እተሰርሐ ዓቢ ጽርግያ ሰርሐ።”
እስራኤል እቶም ብዘይ ፍላጥ ሰብ ዝቐተሉ ዝዕቈቡለን ሽዱሽተ ከተማታት ዑቝባ ነበርኣ። እቲ ናብዘን ከተማታት እዚኣተን ዝወስድ ጽርግያታት እውን ብጽቡቕ እተሰርሐ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ያታ ከም ዝሕብሮ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀራና መገዲ ናብታ ዝቐረበት ከተማ ዕቝባ ዝሕብር ብግቡእ እተገብረ ምልክታት ነይሩ ኢዩ።—ዘሁልቍ 35:6, 11-34
ጽርግያታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ንግዲ እውን ኣገደስቲ ኢዮም: ሓደ ካብቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝነበረ ኣቕሓ ኸኣ ሃሪ ኢዩ። እስራኤላውያን ከም ሃገር ቅድሚ ምቛሞም ነዊሕ ይገብር: ቻይናውያን ካብቲ ሓሰኻ ሃሪ ዘዳልዎ ፈትሊ ብኸመይ ሃሪ ከም ዝስራሕ ፈሊጦም እኳ እንተ ነበሩ ክሳዕ እቲ ድሕሪ ልደተ-ክርስቶስ ዝነበረ ግዜ ነቲ ኣሰራርሓ ከም ምስጢር ገይሮም ሒዞምዎ ምንባሮም ይንገር። ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ እውን ከይተረፈ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ሃሪ ኣዝዩ ፍሉጥ ኰይኑ ነበረ: ስለዚ ኸኣ ኢያ እታ ጀፍሪ ሂንድሊ ዘዳለዋ አ ሂስትሪ ኦቭ ሮድስ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ እዚ ስራሕ እዚ “ከም ናይ ኣንስቲ” ይቝጸር ስለ ዝነበረ “ሰብኡት ነዚ ከይጥቀምሉ ዝኽልክል” ሕግታት ምውጽኡ እትገልጽ።
እቲ ሃሪ ካብ ቻይና ዝለኣኸሉ ዝነበረ ናይ ንግዲ መገዲ: ጽርግያ ሃሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ማርኮ ፖሎ ኣብ መወዳእታ ናይ መበል 13 ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ንቻይና ክጓዓዝ ከሎ እቲ መገዲ ካብ ዝስራሕ 1,400 ዓመታት ገይሩ ነበረ። ንልዕሊ 2,000 ዓመታት እቲ ጽርግያ ሃሪ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ መገዲ ነበረ። እቲ 12,800 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ንውሓቱ ካብታ ቀንዲ ማእከል ሃሪ ዝነበረት ሻንጋይ: ቻይና: ክሳዕ ጋደስ (ዘመናዊት ካዚት): ስጳኛ እተዘርግሐ ነበረ።
ወተሃደራዊ ኣገዳስነት
ጽርግያታት ኣብ ምስራሕ ቀንዲ ደራኺ ሓይሊ ነቲ ናይ ዓለም ሃጸይ ንምዃን ዝነበረ ባህጊ ንምርዋይ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ግዜ ቄሳራት ሮሜ ዝነበረ ጽርግያታት ክሳዕ ምሉእ ኣውሮጳ: ሰሜን ኣፍሪቃ: ከምኡውን ማእከላይ ምብራቕ ዝበጽሕ ብግምት 80,000 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ዝርጋሐ ነበሮ። ወተሃደራት ሮሜ ካብ ውግእ ዕረፍቲ ኣብ ዝረኽብሉ ዝነበሩ እዋን ሓድሓደ ግዜ ኣብ ምስራሕን ምጽጋንን ጽርግያታት ይዋፈሩ ነበሩ።
ኣብ ኵናት ንኽትስዕር ጽርግያታት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ በዚ ኣብ ቀረባ እዋናት እተገብረ ነገር ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። እቲ ኣዶልፍ ሂትለር ንኻልኦት ህዝብታት ንምዕብላል ዝነበሮ ጽምኢ በቲ ብ1934 ዝጀመሮ ኣውቶባን ዝበሃል ምስራሕ ዓቢ ጽርግያ ኢዩ ተቐላጢፉ። ብመሰረት እቲ ሂንድለይ እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ዝበሎ: እዚ መደብ እዚ ንጀርመን “ተሽከርከርቲ ዝመላለሳሉ ዓበይቲ ጽርግያታት ብምስራሕ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ” ከም እትኸውን ገይርዋ ኢዩ።
ምስራሕ ጽርግያ—ስነ-ፍልጠት ኢዩ
ሮማውያን ቀየስቲ ግሮማ ዝበሃል መሳርሒ ብምጥቃም ልክዕ ከም ዘንጊ ቀጥ ዝበለ ጽርግያታት ሰርሑ። ነዳቖ ኣዝዩ ውቁብ ዝዀነ ኣእማን ጸረቡ: መሃንድሳት ከኣ ናይ ጽዕነት ገደብ ኣውጽኡ። እቲ ጽርግያታት ብጽቡቕ እተሰረተን ዘይፈሓርን ነበረ። ይኹን እምበር: ነዊሕ ከም ዝጸንሕ ዝገበሮ ቀንዲ ነገር እቲ ጽርግያ ኣብ ኣሰራርሕኡ ጉብጥ ዝበለ ብምዃኑን ማይ ስለ ዘይዓቝሮን ካብቲ ከባቢኡ ኸኣ ቁሩብ ልዕል ዝበለ ብምዃኑን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እታ ብርኽ ዝበለ መገዲ ዝትርጕማ “ሃይወይ ” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ወጸት። ድኳናት ናይ ጽርግያ መሐበሪታት እውን ከይተረፈ ክሸጣ ጀመራ።
ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ በለ:- “ሮማውያን ኣብ ምስራሕ ጽርግያታት ኣዝዮም ንፉዓት ብምንባሮም ሓደ ጸሓፊ ብዛዕብኡ ክጽሕፍ ከሎ ኣዝዩ ዘጋንን ዘሎ ምእንቲ ከይመስል ኣበርቲዑ ክጥንቀቕ ነበሮ። ካብቲ ናይ ኢጣልያ ጽርግያታት ንላዕሊ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ ካልእ ቅርሲ ምርካብ ዘጠራጥር ኢዩ።”
ብመሰረት እታ ኤ ሂስትሪ ኦቭ ሮድስ እትበሃል መጽሓፍ ዝበለቶ: እቲ ካብ ሮሜ ናብ ደቡብ ገጹ ተዘርጊሑ ዘሎ ኣጵያን ዝበሃል ጽርግያ “ኣብ ታሪኽ ምዕራባውያን ሰባት ንውሓቱ ብዘየገድስ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መገዲ እቲ ናይ መጀመርታ ኣእማን እተነጽፎ ጽርግያ ኢዩ።” እዚ ፍሉጥ ዝዀነ ዓቢ ጐደና እዚ ጐድኑ ሽዱሽተ ሜትሮ ኰይኑ ገፋሕቲ ናይ እሳተ ጐመራ ትፋእ ኣእማን እተነጽፎ ኢዩ። ጳውሎስ ከም እሱር ኰይኑ ናብ ሮሜ ክኸይድ ከሎ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ኢዩ ሓሊፉ: ገለ ክፋሉ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ የገልግል ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 28:15, 16
እቶም ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝርከቡ ህንዳውያን ዘለዎም ጽርግያ ናይ ምስራሕ ክእለት እውን ከምቲ ናይ ሮማውያን ንብዙሓት ሰባት ዘገርሞም ኢዩ። ኣብቲ ካብ 1200ታት ክሳዕ 1500ታት ዝነበረ እዋን እቶም ኢንካውያን 16,000 ኪሎ ሜትር ዝምንውሑ: ዳርጋ 10,-000,000 ንዝዀኑ ህዝብታት ዘራኽብ ጽርግያታት ሰርሑ። እዚ ጽርግያታት እዚ በቲ ኣሎ ዝበሃል ዘይምቹእን ሕማቕን ቦታታት: ምድረ በዳን ጫካን: አረ ነቲ ፔሩቭያን ኣንደስ ዝበሃል ኣጻድፍ እውን ከይተረፈ ሰንጢቑ ዝሓልፍ ነበረ።
ብዛዕባ ሓደ ጽርግያ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ይህብ:- “እቲ ኣብ ኣንደስ ዝነበረ ጽርግያ ፍሉይ ኢዩ። እቲ ጽርግያ ግፍሑ 25 ጫማ (7.5 ሜትሮ) ክኸውን ከሎ: ብበረኽቲ ቦታታት ዝሓልፍ ጥውይዋይ ዝበዝሖ ኢዩ። ተረርቲ ኣኻውሕ ሰንጢቑ ዝሓልፍ ጋለርያታትን ነቲ ጽርግያ ንምድጋፍ እተሰርሐ ኣማእታት ሜትሮ ዝንውሓቱ መናድቕን ዝሓዘ ኢዩ። ኣብ መንጎ እቲ እምባታት ዘሎ ስንጭሮታትን ሃጓፍ ቦታታትን ብመናድቕን ካብ ገመድ ብእተሰርሐ ሳስፐንሽን ዝበሃል ድንድላትን እተተሓሓዘ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ልዕሊኡ እምኒ እተነጽፎ ክኸውን ከሎ ካርታመ እውን ብብዝሒ ነይርዎ ኢዩ።”
ኢንካውያን ፈረስ ዘይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ: ኣብቲ ዝሰርሕዎ ጽርግያታት ግን እቶም ካብ “ቤተ-መንግስቲ ዝለኣኹ ብጕያ ዝሓልፉሉ መስመር” ነይርዎም ኢዩ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ብምልኡ እቲ መገዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኪሎ ሜተር ርሕቀት ናይ መዕረፊ ቦታታት ነበሮ። ነፍሲ ወከፍ መዕረፊ ቦታ ኸኣ ንእሽቶ ናይ ወተሃደራት ገዛን መበገሲ ናይቶም ጐየይትን ኣለዎ። ኣብ መንጎ ነፍሲ ወከፍ መዕረፊ ቦታ ዝነበረ ንውሓት ሓጺር ብምንባሩ እቶም ጐየይቲ ቀልጢፎም ነቲ መልእኽቲ ይቀባበሉ ነበሩ። ለይትን መዓልትን ስለ ዝሰርሕ መልእኽቲ ካብቲ ኣብ ኩዞ ዝነበረ ርእሲ ኸተማ ናብቲ 2,000 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ኲቶ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ይበጽሕ ነበረ። እዚ ማለት ከኣ ኣብቲ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 4,000 ሜትሮ ዝንውሓቱ መገዲ ብገምጋም ኣብ ሰዓት 15 ኪሎ ሜትር ምጕያይ ማለት ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ግዝኣት ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ ናይ ጶስጣ ኣገልግሎት እውን ከይተረፈ ከምዚ ፍጥነት ኣይነበሮን ማለት ኢዩ!”
ማእከል ሓደጋታት
ኣብ ኣካላት ሰብ ዘሎ ሰራውር ደም ክዕበስ ይኽእል ኢዩ: እዚ ኸኣ ሕማቕ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል። ልክዕ ከምኡ እቲ ንናብራ ሰብ ንምምሕያሽ ተባሂሉ እተገብረ ጽርግያታት እውን ክዕጾን ናብራ ኸኣ ከበላሹን ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ ጫካታትን ምድረ በዳን ቦታ ኣግራብን ሃገራዊ ፓርክታትን ዝስራሕ ጽርግያታት ንህይወት እንስሳ ዘገዳም ሓደገኛ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ደቀባት ይሽገሩ እቲ መንበሪኦም ዝዀነ ቦታ ኸኣ ይዓኑ ኢዩ። እታ ሃው ዊ ብዩልድ ሮድስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “እቲ ብኣማዞን ኣቢሉ ዝሓልፍ ዓቢ ጽርግያ ንምዕባለ ተባሂሉ እተገብረ እኳ እንተዀነ ሰፊሕ ጫካ ኣብሪሱ: ንብዙሓት ኣብቲ ጫካ ዝነብሩ ሰባት ከኣ ዕንወት ኣምጺኡ ኢዩ: ከመይሲ ምሉእ ህይወቶም ኢዩ ኣበላሽይዎ።”
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝውሰኻ ተሽከርከርቲ ነቲ ጽርግያታት ስለ ዝመልእኦ ንነኣሽቱ ከተማታት እውን እንተዀነ ሕማቕ ነገራት የጋጥመን ኣሎ። ቀስ እናበለ ገንዘብ እንተድኣ ኣሎ ዓበይቲ ጐደናታት ይስራሕ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ድሕሪ ገለ ግዜ እዚ ዓበይቲ ጐደናታት እውን ዝያዳ ተሽከርከርቲ ክህልዋ ስለ ዘተባብዕ ነቲ ንሚልዮናት ሰባት ዘሕምም ዘሎ ብከላ ከም ዝገድድ ዝገብሮ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ገለ 500,000 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ጽርግያ ብዘጋጥም ሓደጋታት ይሞቱ: ካልኦት 15 ሚልዮን ከኣ ይቘስሉ: ገለ ካብዚኣቶም ከኣ ብርቱዕ ማህሰይቲ ይወርዶም። ምስ እዚ ክነጻጸር ከሎ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ትሽዓተ ሚልዮን ወተሃደራት ጥራይ ኢዩ ቀቲሉ። እቲ ውግእ እቲ ግን ጸኒሑ ተወዲኡ ኢዩ። እቲ ኣብ ጽርግያታት ዘጋጥም ሞት ግን ቀጻሊ ኢዩ። ብዘይ ምቍራጽ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 1,000 ሰባት ይሞቱ!
እወ: ብብዙሕ መገዲ ጽርግያታት ብዛዕባ ሰባት ዝገልጽ ኢዩ። መሐበሪ መንነት: ብርታዐን ድኽመትን ሰባት ዝገልጽ ኢዩ። ብዛዕባ እዛ ድንቂ ዝዀነት ሕድሪ እተዋህበትና ፕላኔት ዘሎና ኣረኣእያ እውን ዝገልጽ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ጳውሎስ እተጓዕዘሉ መገዲ ኣጵያን ገና ሕጂ እውን የገልግል ኣሎ
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ጽርግያታት ብዘጋጥም ሓደጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም 500,000 ሰባት ይሞቱ