ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 24
  • ዮሴፍ ነሕዋቱ ይፍትኖም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዮሴፍ ነሕዋቱ ይፍትኖም
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንዮሴፍ ፈጺሙ ኣይረስዖን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ዮሴፍ ኣሕዋቱ ይጸልእዎ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 24

ዛንታ 24

ዮሴፍ ነሕዋቱ ይፍትኖም

ዮሴፍ እቶም 10 ዓበይቲ ኣሕዋቱ ገና ሕሱማትን ዘይሕያዎትን ምዃኖም ወይ ዘይምዃኖም ክፈልጥ ደለየ። ስለዚ ‘ሰለይቲ ኢኹም። ድኹም ወገን ናይ ሃገርና ክትርእዩ ኢኹም መጺእኩም’ በሎም።

ንሳቶም ከኣ ‘ኣይፋልናን። ንሕና ቅኑዓት ሰባት ኢና። ኵላትና ኣሕዋት ኢና። 12 ነበርና። እቲ ሓደ የሎን: እቲ ዝነኣሰ ኸኣ ኣብ ገዛ ምስ ኣቦና ኣሎ’ በልዎ።

ዮሴፍ ከም ዘይኣመኖም ኣምሰለ። ነቲ ስምኦን እተባህለ ሓዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ: ነቶም ካልኦት ከኣ መግቢ ወሲዶም ናብ ቤቶም ክኸዱ ሓደጎም። እንተዀነ ግን: ከምዚ ኢሉ ነገሮም:⁠-‘ክትምለሱ ከለኹም ነቲ ንእሽቶ ሓዉኹም ሒዝኩም ክትመጹ ኣለኩም።’

ናብ ቤቶም ናብ ከነኣን ምስ ተመልሱ: እቶም ኣሕዋት ኵሉ እቲ ዝዀነ ነቡኦም ያእቆብ ነገርዎ። ያእቆብ ኣዝዩ ሓዘነ። እናበኸየ ኸኣ ‘ዮሴፍ የሎን: ሕጂ ኸኣ ስምኦን የሎን። ወደይ ብንያም ምሳኻትኩም ኣይሰዶን ኢየ’ በሎም። እኽሎም ክውዳእ ምስ ጀመረ ግን እኽሊ ምእንቲ ኸምጽኡ ያእቆብ ንብንያም ምስኦም ናብ ግብጺ ሰደዶ።

ዮሴፍ ኣሕዋቱ ክመጹ ረኣዮም። እቲ ንእሽቶ ሓዉ ብንያም ክመጽእ ምስ ረኣዮ ኸኣ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ርግጽ ኢዩ: ዋላ ሓደ ካብኣቶም እዚ ክቡር ሰብኣይ እዚ ዮሴፍ ምዃኑ ዝፈለጠ ኣይነበረን። ሕጂ ዮሴፍ ነቶም 10 በቦ ኣሕዋቱ ንምፍታን ሓደ ነገር ይገብር።

ነቲ ከረጺቶም እኽሊ ንኽመልኡሎም ንገላውኡ ነገሮም። ኣሕዋቱ ከይፈለጡ ግን: እታ ጽዋእ ብሩር ኣብ ናይ ብንያም ከረጺት ክገብርዋ ነገሮም። ኵሎም ምስ ወጹ ኣብቲ መገዲ ከይረሓቑ ኸለዉ: ዮሴፍ ደድሕሪኦም ግዙኣቱ ለኣኸ። ምስ ኣርከብዎም ከኣ ‘ስለምንታይ ናይ ጐይታና ጽዋእ ሰሪቕኩም፧’ ኢሎም ሓተትዎም።

ኵሎም እቶም ኣሕዋቱ ኸኣ ‘ኣይሰረቕናን። እታ ጽዋእ ምስኡ እተረኽበቶ ሰብ ይሙት’ በሉ።

ስለዚ እቶም ግዙኣት ንዅሉ እቲ ኸረጺታት ጐርጐርዎ: ኣብዚ ስእሊ ከም እትርእዮ ኸኣ እታ ጽዋእ ኣብ ናይ ብንያም ከረጺት ተረኽበት። እቶም ግዙኣት ከኣ ‘እቶም ካልኦት ኪዱ: ብንያም ግን ምሳና ይመለስ’ በልዎም። ሕጂ እዞም 10 በቦ ኣሕዋቱ እንታይ ይገብሩ ይዀኑ፧

ኵሎም ምስ ብንያም ናብ ቤት ዮሴፍ ተመልሱ። ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ ከምዚ በሎም:⁠-‘ኵሉኹም ናብ ቤትኩም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም: ብንያም ግን ኣብዚ ባርያይ ክኸውን ኢዩ።’

ይሁዳ ኸኣ ‘ንቤተይ ብዘይ እዚ ወዲ እንተድኣ ከይደ ኣቦይ ክመውት ኢዩ: ምኽንያቱ ኣዝዩ ኢዩ ዝፈትዎ። ስለዚ በጃኻ ኣነ ኣብዚ ባርያኻ ክኸውን: እዚ ወዲ ግን ናብ ቤቱ ክኸይድ ሕደጎ’ በሎ።

ዮሴፍ ኣሕዋቱ ከም እተለወጡ ረኣየ። ሕጂ ከምቲ ቐደም ዝነበርዎ ሕሱማትን ዘይሕያዎትን ኣይኰኑን። ዮሴፍ እንታይ ከም ዝገብር እስከ ንርአ።

ዘፍጥረት 42:⁠9⁠-​38፣ 43:⁠1⁠-​34፣ 44:⁠1⁠-​34

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ