ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 134 ገጽ 304-ገጽ 305 ሕ.ጽ. 5
  • እቲ መቓብር ጥራዩ ጸንሐ—የሱስ ህያው ኰነ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ መቓብር ጥራዩ ጸንሐ—የሱስ ህያው ኰነ!
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ህያው ኰነ!
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ህያው ኢዩ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ንጐይታ ርእየዮ!”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • የሱስ ተንስአ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 134 ገጽ 304-ገጽ 305 ሕ.ጽ. 5
መቓብር የሱስ ጥራዩ ዝጸንሐን ኣንስቲ ይስምብዳ

ምዕራፍ 134

እቲ መቓብር ጥራዩ ጸንሐ—የሱስ ህያው ኰነ!

ማቴዎስ 28:3-15 ማርቆስ 16:5-8 ሉቃስ 24:4-12 ዮሃንስ 20:2-18

  • የሱስ ተንስአ

  • ኣብ መቓብር የሱስ ዘጋጠመ ነገራት

  • ንእተፈላለያ ኣንስቲ ተራእየን

እተን ኣንስቲ መቓብር የሱስ ጥራዩ ምስ ጸንሐን፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሰምቢደን ኪዀና ኣለወን! ማርያም መግደላዊት ከኣ፡ “ጐይያ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዚፈትዎ ኻልእ ወደ መዝሙርን፡” ማለት ናብ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ከደት። (ዮሃንስ 20:2) ነተን ኣብቲ መቓብር ዝተረፋ ኻልኦት ኣንስቲ ግና፡ ሓደ መልኣኽ ተራእየን። ኣብቲ ውሽጢ እቲ መቓብር ድማ “ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ” ኻልእ መልኣኽ ረኣያ።—ማርቆስ 16:5።

ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ ኸኣ፡ “ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያኦ ኸም ዘለኽን እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ። ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ተነቢሩላ ዝነበረ ቦታ ንዕነ ርኣያኣ። ቀልጢፍክን ኬድክን ከኣ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም፣ እንሆ ድማ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ” በለን። (ማቴዎስ 28:5-7) ንሳተን ከኣ ንደቀ መዛሙርቱ ምእንቲ ኺነግራ፡ “ደንጽይወን ራዕራዕ እናበላ” ጐየያ።—ማርቆስ 16:8።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ማርያም ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ረኸበቶም። እናላህልሀት ከኣ፡ “ንጐይታና ኻብቲ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ድማ ኣይንፈልጥን ኢና” በለቶም። (ዮሃንስ 20:2) ጴጥሮስን ዮሃንስን እናጐየዩ ኸዱ። ዮሃንስ ካብ ጴጥሮስ ዚፈጥን ብምንባሩ፡ ቀዲምዎ ናብቲ መቓብር በጽሐ። ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መቓብር ኰይኑ ርእሱ ኣእትዩ ኸኣ ነቲ መግነዝ ረኣዮ፣ ግናኸ፡ ኣብ ወጻኢ ጸንሐ።

ጴጥሮስ ኣብኡ ምስ በጽሐ ግና፡ ብኡብኡ ኣተወ። ነቲ በፍታን ነቲ ርእሲ የሱስ ተሸፊኑሉ ዝነበረ ጨርቅን ረኣዮ። ሽዑ፡ ዮሃንስ እውን ናብቲ መቓብር ኣተወ፡ ነቲ ማርያም ዝበለቶ ድማ ኣመኖ። የሱስ ኪትንስእ ምዃኑ ኣቐዲሙ ነጊርዎም እኳ እንተ ነበረ፡ ዋላ ሓዲኦም ከም ዝተንስአ ኣይተረድኦምን። (ማቴዎስ 16:21) ተገሪሞም ከኣ ናብ ቤቶም ተመልሱ። ማርያም ግና ተመሊሳ መጺኣ ኣብ ጥቓ እቲ መቓብር ጸንሐት።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ እተን ካልኦት ኣንስቲ ንደቀ መዛሙርቲ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ኪነግራ ይኸዳ ነበራ። እናጐየያ ኸለዋ ድማ፡ የሱስ ተጓነፈን፡ “ሰላም!” ከኣ በለን። ኣብ እግሩ ተደፊአን ድማ “ሰገዳሉ።” ሽዑ፡ የሱስ፡ “ኣይትፍርሃ! ኪዳ፡ ንኣሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፣ ኣብኡ ኸኣ ኪርእዩኒ እዮም” በለን።—ማቴዎስ 28:9, 10።

ኣቐድም ኣቢሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኰነን መላእኽቲ ምስ ተራእዩን፡ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ መቓብር ዝነበሩ ወተሃደራት፡ “ራዕራዕ በሉ፡ ከም ምዉታት እውን ኰኑ” ይብል። ናብ ልቦም ምስ ተመልሱ ኸኣ፡ ናብ ከተማ ኣትዮም፡ “እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም።” እቶም ካህናት ድማ ምስ ዓበይቲ ኣይሁድ ተማኸሩ። ነቶም ወተሃደራት ድማ፡ “ደቂስና ኸለና፡ ብለይቲ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ” በሉ ኢሎም ጉቦ ሂቦም ነቲ ጕዳይ ሓብእዎ።—ማቴዎስ 28:4, 11, 13።

ወተሃደራት ሮሜ ኣብ ሓለዋ ኸለዉ እንተ ደቂሶም ብሞት ስለ ዚቕጽዑ፡ እቶም ካህናት፡ “እዚ [ብዛዕባ ድቃሶም ዚሕስውዎ ሓሶት] ናብ እዝኒ እቲ ሹም እንተ በጺሑ ኸኣ፡ ንሕና ኸነረድኦ ኢና እሞ፡ በዚ ኣይትጨነቑ” በልዎም። (ማቴዎስ 28:14) እቶም ወተሃደራት ድማ ነቲ ጉቦ ወሲዶም ከምቲ ዝበልዎም ገበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ሬሳ የሱስ ተሰሪቑ ዚብል ናይ ሓሶት ወረ ኣብ ኣይሁድ ብሰፊሑ ተዘርግሐ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ማርያም መግደላዊት ኣብ ጥቓ እቲ መቓብር ኰይና ትበኪ ነበረት። ናብቲ መቓብር ድንን ምስ በለት፡ ጻዕዳ እተኸድኑ ኽልተ መላእኽቲ ረኣየት! ኣብቲ ሬሳ የሱስ ዝነበሮ ድማ ሓዲኦም ብትርኣስ፡ ሓዲኦም ከኣ ብትርጋጽ ተቐሚጦም ረኣየት። “ንሳቶም ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ስለምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ፧” በልዋ። ማርያም ድማ፡ “ንጐይታይ ወሲዶምዎ፣ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን እየ” በለቶም። ንድሕሪኣ ግልጽ ምስ በለት ከኣ፡ ካልእ ደው ኢሉ ረኣየት። ንሱ ኸኣ ከምቲ እቶም መላእኽቲ ዝበልዋ ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ወሲኹ፡ “ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ፧” በላ። ንሳ ድማ ኣታኽልተኛ መሲልዋ፡ “ጐይታይ፡ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” በለቶ።—ዮሃንስ 20:13-15።

ከም ሓቂ ግና፡ ማርያም ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ እያ እተዘራርቦ ዝነበረት፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ኣየለለየቶን። ኰይኑ ግና፡ “ማርያም!” ምስ በላ፡ በቲ ኣዘራርባኡ ስለ ዘለለየቶ፡ የሱስ ምዃኑ ፈለጠት። ብታሕጓስ ድማ፡ “ረቡኒ!” (“መምህር!” ማለት እዩ) በለቶ። ናብ ሰማይ ከይዓርግ ስለ ዝፈርሀት ከኣ፡ ኣጽኒዓ ሓዘቶ። ስለዚ፡ የሱስ፡ “ገና ናብ ኣቦ ኣይዓረግኩን እሞ፡ ኣይትሓዝኒ። ግናኸ፡ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ‘ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን፡ ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እዓርግ ኣለኹ’ በልዮም” በላ።—ዮሃንስ 20:16, 17።

ሽዑ፡ ማርያም ናብታ እቶም ሃዋርያትን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን እተኣከቡላ ቦታ ጐይያ ኸይዳ፡ “ንጐይታ ርእየዮ!” በለቶም። (ዮሃንስ 20:18) እቲ ዘረባ ግና፡ “ሃተውቀጠው ኰይኑ ተራእዮም።”—ሉቃስ 24:11።

  • ማርያም መግደላዊት ነቲ መቓብር ጥራዩ ምስ ረኸበቶ፡ ንሳን ካልኦት ኣንስትን እንታይ እዩ ኣጋጢምወን፧

  • ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቲ መቓብር ጥራዩ ምስ ረኸብዎ እንታይ ተሰምዖም፧

  • እተን ካልኦት ኣንስቲ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኪኸዳ ኸለዋ መን ተጓነፈን፧ ማርያም መግደላዊት ናብቲ መቓብር ምስ ተመልሰትከ እንታይ ኣጋጠማ፧

  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ዘረባ ምስ ሰምዑ ኸመይ ተሰምዖም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ