ትሕዝቶ
1ይ ክፋል፦ ናብ የሆዋ ኽትምለስ ዜድልየካ ስለምንታይ እዩ፧
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ኸም ናትና ዝበለ ጸገማት የጋጥሞም ነይሩ እዩ። የሆዋ ኸኣ ተበግሶ ወሲዱ ሓጊዝዎም እዩ፣ ንዓና እውን ከምቲ ዘተስፈዎ ኺሕግዘና እዩ። የሆዋ ሓላይን ፈቃርን ጓሳ ስለ ዝዀነ፡ ንዝጠፍኣ ኣባጊዑ የናድየንን ናብኡ ኺምለሳ ጻውዒት የቕርበለንን እዩ።
2ይ-4ይ ክፋል፦ ክትምለስ ምስ በልካ፡ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥመካ፧
እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ እውን ሓድሓደ እዋን ይጭነቑን ቅር ይብሎምን በደለኛነት ይስምዖምን እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ንጥፈታቶም ጽልዋ የሕድር እዩ። ተመሊሶም ምስ ህዝቢ የሆዋ ምእንቲ ኺሓብሩን ኪሕጐሱን፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝሓገዞም እስከ መርምር።
3ይ ክፋል፦ ቅሬታ—“ቅር ዜብል ነገር” ምስ ዚህልወና
4ይ ክፋል፦ ስምዒት በደለኛነት—‘ካብ ሓጢኣተይ ኣጽርየኒ’
5ይ ክፋል፦ ከመይ ጌርካ ናብ የሆዋ ኽትምለስ ትኽእል፧
የሆዋ ኽትምለሶ ኸም ዚደሊ ዜርኢ መርትዖ መርምር። ገሊኦም ክርስትያናት ናብ የሆዋ ኸመይ ገይሮም ከም እተመልሱን ጉባኤ ኸመይ ከም እተቐበለቶምን ከም ብሓድሽ ብቕንኣት ምእንቲ ኼገልግሉ ሽማግለታት ኸመይ ገይሮም ከም ዝሓገዝዎምን ተምሃር።