ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 14 ገጽ 40-ገጽ 41 ሕ.ጽ. 1
  • ንኣምላኽ እተኣዘዘ ባርያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ እተኣዘዘ ባርያ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር እኽእል፧’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ዮሴፍ ኣሕዋቱ ይጸልእዎ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሆዋ የቕንዓልካ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኣቱ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 14 ገጽ 40-ገጽ 41 ሕ.ጽ. 1
ዮሴፍ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ይሃድም

ትምህርቲ 14

ንኣምላኽ እተኣዘዘ ባርያ

ዮሴፍ ሓደ ኻብቶም ንኣሽቱ ደቂ ያእቆብ እዩ ነይሩ። ዓበይቲ ኣሕዋቱ፡ ኣቦኦም ንዮሴፍ ብዝያዳ ኸም ዝፈትዎ ረኣዩ። ብዛዕባ እዚ እሞ ኸመይ እተሰምዖም ይመስለካ፧ ንዮሴፍ ቀንኡሉ፡ ጸልእዎ እውን። ዮሴፍ ፍልይ ዝበለ ሕልምታት ምስ ሓለመ፡ ንኣሕዋቱ ብዛዕባኡ ነገሮም። እቲ ሕልምታት፡ ሓደ መዓልቲ ንዕኡ ኸም ዚሰግዱሉ ዜመልክት መሰሎም። ድሕርዚ ኸኣ፡ ብዝያዳ ጸልእዎ።

ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ጕድጓድ ይድርብይዎ

ሓደ መዓልቲ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ ኣብ ጥቓ ኸተማ ሴኬም ኣባጊዕ ይጓስዩ ነበሩ። ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ፡ ኣሕዋቱ ኸመይ ከም ዘለዉ ኺርኢ ሰደዶ። ንሳቶም ከኣ ዮሴፍ ኪመጽእ ከሎ ኻብ ርሑቕ ረኣይዎ እሞ፡ ‘እቲ ሓላሚ ይመጽእ ኣሎ። ንቕተሎ!’ ተባሃሃሉ። ሒዞም ከኣ ኣብ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ። ሓደ ኻብቶም ኣሕዋቱ ዝዀነ ይሁዳ ግና፡ ‘ኣይንቕተሎ። ባርያ ኪኸውን ንሽጦ’ በሎም። ስለዚ፡ ንዮሴፍ ብ20 ብሩር ናብ ግብጺ ንዚኸዱ ዝነበሩ ሚድያናውያን ነጋዶ ሸጥዎ።

ድሕሪኡ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ ነቲ ኽዳኑ ኣብ ደም ወጠጦ ኣለኽዎ እሞ፡ ናብ ኣቦኦም ሰዲዶም፡ ‘እዝስ ክዳን ወድኻ ደይኰነን፧’ በልዎ። ያእቆብ ከኣ፡ ዮሴፍ ብኣራዊት እተበልዐ ስለ ዝመሰሎ፡ ብዙሕ ሓዘነ። ዋላ ሓደ ኼጸናንዖ ኣይከኣለን።

ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ

ኣብ ግብጺ ድማ፡ ዮሴፍ ንሓደ ጶጢፋር ዚብሃል ልዑል ብዓል ስልጣን ባርያኡ ኪኸውን ተሸጠ። የሆዋ ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ። ጶጢፋር ከኣ፡ ዮሴፍ ንፉዕ ሰራሕተኛን እሙንን ምዃኑ ረኣየ። ስለዚ፡ ጶጢፋር ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ሓላፍነት ሃቦ።

ሰበይቲ ጶጢፋር ድማ፡ ዮሴፍ መልክዐኛን ድልዱልን ምዃኑ ረኣየት። መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ንዮሴፍ ምስኣ ኺድቅስ ትሓትቶ ነበረት። እሞኸ ዮሴፍ እንታይ ገበረ፧ ‘ከምኡ ምግባር ጌጋ እዩ። ጐይታይ ይኣምነኒ እዩ፣ ንስኺ ድማ ሰበይቱ ኢኺ። ምሳኺ እንተ ደቂሰ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት ክገብር እየ’ ኢሉ ኣበያ።

ሓደ መዓልቲ፡ ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ምስኣ ኺድቅስ ክትግድዶ ፈተነት። ክዳኑ እውን ኣጽኒዓ ሓዘት፣ ንሱ ግና ሃደመ። ጶጢፋር ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡ ዮሴፍ ከም ዘጥቀዓ ገይራ ነገረቶ። ሓስያ እያ ኸምኡ ኢላ። ጶጢፋር ከኣ ኣዝዩ ተቘጥዐ፣ ንዮሴፍ እውን ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበዮ። የሆዋ ግና ንዮሴፍ ፈጺሙ ኣይረስዖን።

“ብግዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።”—1 ጴጥሮስ 5:6

ሕቶታት፦ ኣሕዋት ዮሴፍ ንሓዎም እንታይ እዮም ገይሮምዎ፧ ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወ ስለምንታይ እዩ፧

ዘፍጥረት 37:1-36፣ 39:1-23፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ