ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ናይ ግሪንላንድ ርሑቃት ሰፈራት ምብጻሕ
ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት: ብስራት ኣብ ምስባኽ ተጠቒሞምሎም ኢዮም። እዞም መጽሔታት እዚኦም ከምቲ ኣብ ቃሉ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ተገሊጹ ዘሎ ንጥበብ የሆዋ ዘዕብዩ ኢዮም። ነቲ ምስ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዛመድ ኵነታት ዓለም ነቒሖም ይከታተልዎ: ከምኡውን ንህልዊ ግድላት ኣብ ምፍታሕ ነቲ ምኽንያታዊ ምኽሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ።—ያእቆብ 3:17
ብ1994: ኣብ ግሪንላንድ ዘለዉ መሰኻኽር ንግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቅሑ! መጽሔታት ብዝተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰብ ኽዕድልዎም ፍሉይ ጻዕሪ ገበሩ። ኣብ ግዜ ክረምቲ ድማ ንገለ ካብተን ዝረሓቓ ሰፈራት ናይ ግሪንላንድ ንኽበጽሕወን መደብ ገበሩ። ሓደ ጕጅለ ሰበኽቲ ናይታ መንግስቲ ድማ ኣብተን ኣብ ካርታ ርሑቕ ሰሜን ዝርከባ ኮማት ብምብጻሕ ናብቲ ምዕራብ ገማግም ናብ ግራናርግ (ቱለ) ብጃልባ ልዕሊ 4,000 ኪሎ ሜትር ተጓዕዙ። ጕዕዞኦም ሸውዓተ ሰሙናት ወድአ። ኣብቲ ናይ ምብራቕ ገማግም: ሰብኣይን ሰበይትን መሰኻኽር ነታ ኣብ ኢዶርግሮደርመት ዘላ ሰፈር በጽሕዋ: ንመጀመርያ ግዜ ድማ ብሜላ ነቲ ብስራት ኣብ ኵላ እታ ቦታ ኣብጽሕዎ።
ኣብታ ዓመት ኣቐድም ኣቢሉ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ: 7,513 ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት: ኣብ ግሪንላንድ ንዘለዉ ሰባት ተዓዲሉ ነይሩ ኢዩ። እዚ ድማ: ብገምጋም እቶም 127 ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ ነፍሲ ወከፎም 59 መጽሔታት ዓዲሎም ማለት ኢዩ—1 መጽሔት ንነፍሲ ወከፍ 7 ተቐማጦ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ: ንቕሑ! ኣብ ትሕቲ “ናይ ጡብ ካንሰር—ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ፍርሒ” ዝብል ናይ ገበር ኣርእስቲ: ተኻታታሊ ዓንቀጻት ኣውጽአት። ሓንቲ 140 መጽሔታት ዝዓደለት ምስክር: ቅዳሓት ናይዛ ንቕሑ! እዚኣ: ንሓንቲ ናይ ተለቪዥን ሪፖርተር ገደፈትላ። ገለ መዓልትታት ጸኒሑ: ሓደ ናይ ተለቪዥን ናይ ዜና ፕሮግራም ነተን ብዛዕባ ናይ ጡብ ካንሰር ዝገልጻ ዓንቀጻት ኣቃልሐን። እታ ሪፖርተር: ንጽባቐ ትርጕም ቋንቋ ግሪንላንድ እናመስገነት: እተፈላለየ ገጻት ብምግንጻል ነታ መጽሔት ኣብ ተለቪዥን ኣውጽኣታ። ነቲ ኣብ ንቕሑ! ንናይ ጥዕና ቅድመ-ምክልኻል ጥንቃቐ እተዋህበ ተግባራዊ ሓሳባት ድማ ኣጕላሓቶ።
እታ ብመጀመርያ ነታ ሪፖርተር መጽሔት ዝዓደለታ ምስክር ድማ በዚ ናይ ቲቪ ፕሮግራም እዚ: ቃለ-መጠይቕ ተገብረላ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምልከት ብዙሕ ሕቶታት መለሰት: ከምኡውን ኣብታ ወርሒ እቲኣ እተገብረ ሰፊሕ ምዕዳል ናይተን መጽሔታት ድማ ተዛረበት። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ተግባራዊ ጥበብ እውን ሓሳብ ሃበት: እዚ ከምዚ ዝበለ ምኽንያታዊ ምኽሪ ድማ ነዚ ሎሚ ዘሎ ግድላት ክንጋጠሞ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ሓበረት።
እቲ ፕሮግራም ድማ በቲ ምስታ ናይ ግሪንላንድ ናይ ካንሰር ማሕበር ፕረዚደንት እተገብረ ቃለ-መጠይቕ ተፈጸመ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ብቛንቋኣ ከምዚ ዝበለ ጽቡቕን ሓባርን ዝዀነ ጽሑፍ ርእያ ከም ዘይትፈልጥ ገለጸት። ንዅሎም እቶም ብዛዕባ ናይ ጡብ ካንሰር ዝግደሱ ድማ ናይ ንቕሑ! ዓንቀጻት ከንብቡ ዓደመቶም። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ዘርኣይዎ ተበግሶ ከነመስግኖም ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና ድማ በለት።
ከም ኣብ ግሪንላንድ: ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ምስባኽ ይቕጽሉ ኣለዉ። (ቈሎሴ 1:23፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ንግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሓዊስካ: ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ገይሮም ንዅሎም ዓይነት ሰባት ነዚ ሎሚ ዘሎ ጸገማት ክዋጽእሉ ይሕግዝዎም: ከምኡውን ዝበለጸ መጻኢ ከም ዘሎ ተስፋ ይህብዎም ኣለዉ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ግራናርግ (ቱለ)
ኢዶርግሮደርመት
ኑክ (ጎታብ)