ኣብ ናሚብያ ህያዋን ክቡራት ኣእማን ኣለዉ!
ናሚብያ ብወገን ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ኣፍሪቃ እትርከብ 1,500 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ንውሓት ዘለዋ ሃገር ኢያ። ኣብ ብምሉኡ ገማግም እታ ሃገር እተዀመረ ሑጻ: ኣኻውሕ ዘለዎ ኵርባታት: ከምኡውን ጸጸር ዝመልኦ ጐላጕል ይርከብ። ኣብቲ ጸጸር ዝመልኦ ገማግም ናሚብያ እተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ክቡራት ኣእማን ፋሕ ኢሎም ይርከቡ። ኣልማዝ እውን ከይተረፈ ሳሕቲ ይርከብ ኢዩ። እታ ሃገር ግን ካብዚ ኣእማን እዚ ዝኸብር ነገር ኣለዋ። ናሚብያ ህያዋን ዝዀኑ ክቡራት ኣእማን ማለት ካብ እተፈላለየ ብሄራት እተኣኻኸቡ ህዝቢ ኣለዋ።
እቶም ቀዳሞት ተቐማጦ ናሚብያ ኮይሳን ተባሂሎም ዝፍለጡ እተፈላለዩ ቋንቋታት ይዛረቡ ነበሩ። ኣዘራርባኦም በቲ ቅጥን ዝበለ ኣደማምጻ ኢዩ ዝፍለጥ። ካብቶም ሎሚ ቋንቋ ኮይሳን ዝዛረቡ ዓሌታት እቶም ጸለምቲ ዳማራ: እቶም ቅይሕ ዝበሉን ሓጸርትን ናማ: ከምኡውን እቶም ውሩያት ናይ ቡሽማን ሃደንቲ ይርከብዎም። ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዘበናት እውን ብዙሓት ጸለምቲ ዓሌታት ናብ ናሚብያ መጺኦም ኢዮም። እዚኣቶም ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ብሄራት ይምቀሉ:- ኦቫንቦ (ኣብ ናሚብያ እቲ ዝዓበየ ቀቢላ): ሄሬሮ: ከምኡውን ክቫንጎ ይበሃሉ። ካብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ኣትሒዙ ኣውሮጳውያን ኣብ ናሚብያ ክቕመጡ ጀመሩ። ኣብቲ ሑጻ ዝመልኦ ምድረ በዳ ኣልማዝ ምስ ተረኽበ ብዙሓት ስደተኛታት ናብኡ ከይዶም ኢዮም።
ተቐማጦ ናሚብያ ክፍሊ ናይቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ ኢሉ ኣምላኽ ወዱ ዝሃቦም ደቅሰብ ስለ ዝዀኑ ክቡራት ኢዮም። (ዮሃንስ 3:16) ክሳዕ ሕጂ ካብ እተፈላለዩ ዓሌታት ብኣማእታት ዝቝጸሩ ናሚብያውያን ነዚ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ተቐቢሎሞ ኣለዉ። ነዚኣቶም ህያዋን ክቡራት ኣእማን ክንብሎም ንኽእል ኢና: ከመይሲ ካብቶም ኣብ ኣምልኾ ቤት የሆዋ እተኣከቡ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ኢዮም።—ሃጌ 2:7
መንፈሳዊ ዕደና ይጅምር
ብ1928 እቲ ኣብ ናሚብያ ዘሎ መንፈሳዊ ክቡር ኣእማን ክዕደን ጀመረ። እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብታ ዓመት እቲኣ 50,000 ዝኸውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ናብቶም ኣብታ ሃገር ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ለኣኸ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት ሓንቲ ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝዀነት ሊኒ ተሮን እትበሃል ደቡብ ኣፍሪቃዊት ነቶም ተገዳስነት ዝነበሮም ትሕግዞም ነበረት። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ነዛ ሰፋሕ ሃገር በይና ኰለለታ: ብቛንቋ ኣፍሪካንስ: እንግሊዝኛ: ከምኡውን ጀርመንኛ ልዕሊ 6,000 መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ጽሑፋት ዓደለት። እዚ ዅሉ ከንቱ ከም ዘይኰነ ርግጽ ኢዩ።
እቲ በርንሃርት ባደ ዝበሃል ኣብ ዕደና ዝሰርሕ ዝነበረ: መበቈሉ ኸኣ ጀርመናዊ ዝዀነ ሰብኣይ ነዚ ኣብነት ክዀነና ይኽእል ኢዩ። ብ1929 ሓደ ሓረስታይ እንቋቝሖ ይሸጠሉ ነበረ: እዚ ሓረስታይ እዚ ነቲ እንቋቝሖ ብናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ገይሩ ይጥቕልሎ ነበረ። በርንሃርት ንነፍሲ ወከፍ ገጽ ብህንጥዮት እናንበቦ መን ኰን ጽሒፍዎ ይኸውን ኢሉ ይሓስብ ነበረ። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ግን ሓንቲ ናይ መወዳእታ ገጽ ረኸበ: ኣብዛ ገጽ እዚኣ ኸኣ ኣድራሻ ናይቲ ኣብ ጀርመን ዘሎ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ረኸበ። ብዙሕ ጽሑፋት ክስደደሉ ሓተተ: ሓቂ እተማህረ ናይ መጀመርታ ናሚብያዊ እውን ኰነ።
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ይኸዱ
ካብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቑ ኣርባዕተ ሚስዮናውያን ብ1950 ናብ ናሚብያ ኸዱ። ብ1953 ቍጽሪ እቶም ሚስያናውያን ናብ ሸሞንተ ደየበ። ካብዚኣቶም ዲክን ካራሊን ዝበሃሉ ክሳዕ ሕጂውን ኣብዚ ቦታ እዚ ብተኣማንነት ዘገልግሉ ዘለዉ ደቂ ኣውስትራልያ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ይርከብዎም። ብዙሓት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካብ ወጻኢ ሃገራትን ዝኸዱ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እውን ነቶም ኣብ ናሚብያ ዘለዉ መንፈሳዊ ክቡራት ኣእማን ኣብ ምዕዳን ተዋፊሮም ኢዮም። ካልኦት ሚስዮናውያንን ካብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ እተመረቑ ኣሕዋትን ናብ ናሚብያ ከይዶም ኢዮም።
ኣብ ናሚብያ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽህሉ ዝሓገዘ ካልእ ረቛሒ ኸኣ እቲ ናብ ከም ሄሬሮ: ክዋንጋሊ: ክዋንያማ: ናማ/ዳማራ: ከምኡውን ንዶንጋ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ናይታ ሃገር ቋንቋታት እተገብረ ምትርጓምን ምሕታምን ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ካብ 1990 ኣትሒዙ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ቪንትሁክ ሓደ ጽቡቕ ንዕዮ ትርጕም ዘገልግል ቤት ጽሕፈትን ነቶም ኣብኡ ዝዓዩ ናይ ምሉእ ግዜ ወለንተኛታት ዝኸውን መንበርን ኣብ ኣገልግሎት ውዒሉ ኢዩ። እታ ምስ ሰብኣያ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ናሚብያ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ዝዓየየት ካረን ደፒሽ ከምዚ በለት:- “ብዙሓት ብቛንቋኦም ጽሑፋት ክንህቦም ከሎና: ብፍላይ ከኣ በቲ ቛንቋ እቲ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዘይርከብ ምስ ዝኸውን ይግረሙ ኢዮም።”
ነቶም ክቡራት ኣእማን ምዅላዕ
ኣብ ናሚብያ ዝርከቡ ገለ ክቡራት ኣእማን በቲ ማዕበልን ሑጻን ንኣሽሓት ዓመታት ዝገበሮ ምንቅስቓስ ቃል ብቓሉ ተዀሊዖም ኢዮም። ይኹን እምበር: ከምዚ ዓይነት ናይ ተፈጥሮ መስርሕ ህያዋን ዝዀኑ ክቡራት ኣእማን ኣየፍርን ኢዩ። ዘይፍጹማት ሰባት ነቲ ‘ኣረጊት ሰብ ቀንጢጦም’ ከም ናይ ክርስቶስ ዝመስል ሓድሽ ሰብነት ንኽለብሱ ጻዕሪ ክገብሩ የድልዮም ኢዩ። (ኤፌሶን 4:20-24) ንኣብነት: ኣብ ብዙሓት ዓሌታት ናሚብያ ንዝሞቱ ኣባሓጐታት ምምላኽ ኣጸቢቑ ዝእመነሉ ባህሊ ኢዩ። እቶም ኣምልኾ ኣቦታት ዘይስዕቡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብኣባላት ስድራቤቶምን ብጾቶምን መስጐጕቲ ይበጽሖም ኢዩ። ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢዮም ከም ዝብል ምስ ተረድኡ: ፈተና የጋጥሞም ኢዩ። (መክብብ 9:5) ብኸመይ ኢዩ ፈተና ዘጋጥሞም፧
ሓደ ካብ ብሄረ ሄሬሮ ዝዀነ ሓው ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ንሓቂ እዙዝ ምዃን ከቢድ ብድሆ ኢዩ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ተሰማማዕኩ: እንተዀነ ግን ነቲ እተማሃርክዎ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ግዜ ወሲዱለይ ኢዩ። መጀመርታ: ልምዳዊ እምነታት ገዲፈ ብደሓን ክነብር ዝኽእል ወይ ዘይክእል ምዃነይ ከረጋግጽ ነይሩኒ። ንኣብነት: ኣብ ናሚብያ ናብ ዝርከቡ እተፈላለዩ ቦታታት ክኸይድ ከለኹ ኣብ መቓብር ደው ኢለ እምኒ ከየውደቕኩ ወይ ቆብዐይ ኣውጺአ ንምዉታት ሰላምታ ከይሃብኩ ክሓልፍ ጀመርኩ። ቀስ ብቐስ: ዝሞቱ ኣባሓጎታት ብዘይ ምምላኸይ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘየጋጥመኒ ኣመንኩ። ስድራቤተይን ካልኦት ተገደስቲ ሰባትን ሓቂ ምእንቲ ክፈልጡ ንኽሕግዞም ዝገበርክዎ ጻዕሪ የሆዋ ስለ ዝባረኾ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሰኒ!”
መንፈሳዊ ዓደንቲ ይድለዩ
እቶም ሚስዮናውያን ብ1950 ናብ ናሚብያ ቅድሚ ምኻዶም ኣብታ ዓዲ ሓደ ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ጥራይ ነበረ። እቲ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ብቐጻሊ ዕቤት ብምርኣይ ናብ ዝለዓለ ቍጽሪ ማለት 995 በጽሐ። ይኹን እምበር: ብዙሕ ክዕየ ዘለዎ ነገር ነበረ። አረ ገለ ዞባታትስ ዳርጋ ኣይተተንከፈን። ዝያዳ ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣብ ዝድለይሉ ቦታ ኬድካ ከተገልግልዶ ትኽእል ኢኻ፧ ትኽእል እንተ ዄንካ በጃኻ ናብ ናሚብያ መጺእካ ህያዋን ዝዀኑ ክቡራት ኣእማን ብዝያዳ ኣብ ምርካብን ምዅላዕን ሓግዘና።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 16:9 ኣረኣእዮ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ኣፍሪቃ
ናሚብያ
[ስእልታት]
ናሚብያ ክቡር ኣእማን ዝርከባ ሃገር ኢያ
[ምንጪ ስእሊ]
ካርታ:- Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.; ኣልማዝ:- Courtesy Namdek Diamond Corporation
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእልታት]
እቲ ብስራት ኣብ ኵለን ቀቢላታት ናሚብያ ይስበኽ ኣሎ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ናብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ዝድለይሉ ቦታ ኬድካ ከተገልግልዶ ትኽእል ኢኻ፧