የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዝደልየና፧
“እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” —ሚክያስ 6:8
1, 2. ገሊኣቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ተስፋ ክቘርጹ ዝኽእሉ ስለምንታይ እዮም: እንታይ ግን ክሕግዞም ይኽእል፧
ቬራ ጓል 75 ዓመት ኣቢላ እትኸውን ብዙሕ ጥዕና ዘይብላ እምንቲ ክርስትያን እያ። ከምዚ ድማ በለት:- “ሓድሓደ ግዜ ብመስኮት ኣማዕድየ ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኩ እርኢ። ምሳታቶም ከገልግል እኳ እንተ ደለኹ: ብሰንኪ ሕማም ግን ንየሆዋ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ድሩት ብምዃኑ: ኣዒንተይ ቅጽርጽር ይብላ።”
2 ከምዚ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ርግጽ እዩ: ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎ ዘበሉ ብስሙ ኽመላለሱን ከማልእዎ ዝደልዮም ብቕዓታት ከማልኡን ይደልዩ እዮም። እንተዀነ ግን: ጥዕና እንተ ዘይብልና: ብዕድመ ዝደፋእና እንተ ዄንና: ወይ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት እንተሎና ነዚ ብኸመይ ከነማልኦ ንኽእል፧ እዚ ጸገማት እዚ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸምቲ ልብና ዝብህጎ ዄንና ንኸይነገልግል ዝዓግተና ብምዃኑ ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተሎና: ንሚክያስ ምዕራፍ 6ን 7ን ምምርማርና ብዙሕ ከተባብዓና እዩ። እዘን ምዕራፋት እዚኣተን የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት ካብ ዓቕምና ንላዕልን ከነማልኦ ዘይንኽእልን ከም ዘይኰነ እየን ዘጕልሓ።
ኣምላኽ ንህዝቡ ዝነበሮ ኣረኣእያ
3. የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን ብኸመይ ይርእዮም ነበረ፧
3 ብመጀመርታ ኣብ ሚክያስ 6:3-5 የሆዋ ንኣይሁድ ብኸመይ ከም እተዛረቦም ንርአ። ብግዜ ሚክያስ ኣይሁድ ዓለወኛታት ምንባሮም ኣይትረስዕ። ዓለወኛታት ክነሶም ግን የሆዋ “ኣታ ህዝበይ” ብምባል እዩ ጸዊዕዎም። “ኣታ ህዝበይ: . . . ዘክር” ብምባል ድማ ተማሕጸኖም። ብዘይ ንሕስያ ኣይኰነን ከሲስዎም: የግዳስ “እንታይ ገይረካ እየ፧” ብምባል ልቦም ክትንክፎም እዩ ጽዒሩ። አረ ‘ክምስክሩ’ እውን ኣተባቢዕዎም እዩ።
4. ብድንጋጽ ዝመጸ ኣምላኽ ዝገደፈልና ኣብነት ብኸመይ እዩ ኽትንክፈና ዘለዎ፧
4 የሆዋ ኣየ ኸመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን እዩ ዝገደፈልና! ነቶም ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ ዓለወኛታት ኣይሁድ “ህዝበይ” ካብ በሎምን ካብ ተማሕጸኖምን: ንሕና እውን ነቶም ክፍሊ እታ ማሕበር ዝዀኑ ሰባት ብዝያዳ ድንጋጽን ሕያውነትን ከነርኢ ይግብኣና። እወ: ገሊኣቶም ተሳኒኻ ንምንባር ዘጸግሙ ወይ ብመንፈስ ድኹማት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግን: ንየሆዋ ዘፍቅሩ እንተደኣ ዀይኖም: ክንሕግዞምን ድንጋጽ ከነርእዮምን ኣሎና።
5. ኣብ ሚክያስ 6:6, 7 እንታይ ቁም ነገር እዩ ተመሓላሊፉ ዘሎ፧
5 ሕጂ ሚክያስ 6:6, 7 እስከ ንርአ። ኣብኡ ሚክያስ ከምዚ ብምባል ተኸታታሊ ሕቶታት ሓተተ:- “ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፧ ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ፧ ዚሐርር መስዋእትን ኣባትይ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመጽእ እየ፧ እግዚኣብሄርዶ በሽሓት ደዓውልን በእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ፧ ስለ በደለይዶ በዅሪ ወደይ: ስለ ሓጢኣት ነፍሰይ ከኣ ፍረ ኸርሰይዶ ኽውፊ እየ፧” ኣይፋልን: ንየሆዋ “በሽሓት ደዓውልን በእላፋት ወሓይዝ ዘይትን” ከተሐጕሶ ኣይከኣልን እዩ። እንተዀነ ግን: ካልእ ዘሐጕሶ ነገር ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧
ቅንዕና ኽንገብር ኣሎና
6. ኣብ ሚክያስ 6:8 እንታይ ሰለስተ ብቕዓታት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧
6 ኣብ ሚክያስ 6:8 የሆዋ እንታይ ክንገብር ከም ዝደልየና ተገሊጹ ኣሎ። ሚክያስ ከምዚ ብምባል ይሓትት:- “እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” እዘን ሰለስተ ኸነማልአን እንሕተት ብቕዓታት እዚኣተን ንስምዒትናን ሓሳባትናን ተግባራትናን ዘጠቓልላ እየን። ነዘን ባህርያት እዚኣተን ንኸነርኢ ዝንባለ ኽህልወና: ብኸመይ ከም እነንጸባርቐን ክንሓስብ: ከምኡውን ንኽንለብሰን ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ነዘን ሰለስተ ኸነማልአን ዝግባእ ብቕዓታት እዚኣተን በብሓደ እስከ ንርኣየን።
7, 8. (ሀ) “ቅንዕና ኽትገብር” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ብግዜ ሚክያስ እንታይ ዘይቅኑዕ ተግባራት እዩ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ፧
7 “ቅንዕና ኽትገብር” ማለት ብፍትሒ ኽትመላለስ ማለት እዩ። የሆዋ ዝገብሮ ነገራት ዘበለ ዅሉ መዐቀኒ ቕንዕና እዩ። ብግዜ ሚክያስ ዝነበሩ ሰባት ግን ቅኑዕ ዘይኰነስ ዘይቅኑዕ እዮም ዝገብሩ ነይሮም። ብኸመይ፧ ሚክያስ 6:10 እሞ ንርአ። ኣብ መወዳእታ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነጋዶ “ጐደሎ ኤፋ” ማለት ኣዝዩ ንእሽቶ መስፈሪ ይጥቀሙ ነበሩ። ኣብ ቍጽሪ 11 እውን ‘ጠባሪ መምዘኒ’ ኸም ዝጥቀሙ ተገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት ቍጽሪ 12 ኸኣ ‘ልሳኖምውን መታለሊት እያ።’ ስለዚ: ኣብቲ ብግዜ ሚክያስ ዝነበረ ናይ ንግዲ ዓለም ናይ ሓሶት መስፈሪ: ናይ ሓሶት መምዘኒ: ከምኡውን ዘረባ ሓሶት ኣስፋሕፊሑ ነይሩ እዩ።
8 እዚ ዘይቅኑዕ ተግባራት ኣብ ዕዳጋ ጥራይ ኣይኰነን ዝግበር ነይሩ። ኣብ ቤት ፍርዲ እውን ልሙድ እዩ ነይሩ። ሚክያስ 7:3 “መስፍን: ሀቡኒ: ይብል: ፈራዲ ኸኣ ብረብሓ ይፈርድ” ብምባል ትገልጸልና። ንፈረድቲ ጉቦ ዝወሃቦም ኣብ ንጹሃት ሰባት ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ምእንቲ ኽፈርዱ እዩ። እቲ “ዓብዪ” ማለት ጽልዋ ዘለዎ ዜጋ ኣብቲ ዓመጽ ይሓብር ነበረ። አረ: ከምቲ ሚክያስ ገሊጽዎ ዘሎስ እቲ መስፍን: እቲ ፈራዲ: ከምኡውን እቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ሰባት “ኽፍኣት ይጕንጕኑ” ማለት ኣብ እከይ ተግባራት ይሓብሩ እዮም ነይሮም።
9. ይሁዳን እስራኤልን በቲ እኩያት ዝገብርዎ ዘይቅኑዕ ተግባራት እተተንከፋ ብኸመይ እየን፧
9 እቶም እኩያት መራሕቲ ዝገብርዎ ዘይቅኑዕ ተግባራት ንብምሉኡ ምድሪ ይሁዳ ዀነ እስራኤል ዝትንክፍ እዩ ነይሩ። ኣብ ሚክያስ 7:5, 6 ተገሊጹ ኸም ዘሎ ምጕዳል ፍትሒ ስለ ዝሰፈነ: ኣብ መንጎ ብጾት: ፈተውቲ: አረ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር እውን ከይተረፈ ምትእምማን ጠፍአ። ብተወሳኺ: ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣደን ጓልን ዝኣመሰሉ ኣባላት ስድራቤት እውን ምንዕዓቕ ስለ እተፈጥረ ማሕበራዊ ስርዓተ-ኣልቦነት ከም ዝሰፈነ ተገሊጹ ኣሎ።
10. ኣብዚ ዘይቅኑዕ ተግባራት ኣስፋሕፊሑሉ ዘሎ እዋን: ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ዝመላለሱ፧
10 ሕጂኸ ኸመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ዘሎ፧ ተመሳሳሊ ዅነታት ደይኰናን ንርኢ ዘሎና፧ ልክዕ ከም ሚክያስ ኣብ ፈቐዶኡ ምጕዳል ፍትሒ: ንሓድሕድካ ዘይምትእምማን: ከምኡውን ማሕበራዊ ውድቀትን ናይ ስድራቤት ምብትታንን ኢና ንርኢ ዘሎና። እንተዀነ ግን: ኣብ መንጎ እዛ ጽድቂ ዘይብላ ዓለም እንነብር ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን: መንፈስ ናይዛ ዘይቅንዕቲ ዓለም ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽልሕዅ ኸነፍቅደሉ የብልናን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ናይ ቅንዕናን ንጽህናን ስርዓታት ክብ ኣቢልና ኢና እንርእዮ: ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኸኣ ነንጸባርቖ ኢና። እወ: “ኣብ ኵሉ ጽቡቕ ንምግባርውን ድላይ ኣሎና።” (እብራውያን 13:18 ትርጕም 1990) ቅንዕና ምስ እንገብር ኣብ ምትእምማን እተመስረተ ሕውነት ስለ ዝህልወና: ብዙሕ በረኸት ከም እንረክብሲ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧
ሰባት “ደሃይ” የሆዋ ዝሰምዑ ብኸመይ እዮም፧
11. ሚክያስ 7:12 ብኸመይ ፍጻመኣ ትረክብ ኣላ፧
11 ዘይቅኑዕ ተግባራት እኳ እንተ ኣስፋሕፍሐ: ኵሎም ሰባት ፍትሒ ኸም ዝረኽቡ ግን ሚክያስ ተነብዩ እዩ። ብዙሓት ህዝቢ ንየሆዋ ንምምላኽ “ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ: ካብ ከረንውን ክሳዕ ከረን” ክመጹ ምዃኖም ተነብዩ እዩ። (ሚክያስ 7:12) ሎሚ እዚ ትንቢት እዚ ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ኣብ ዝረኽበሉ ዘሎ እዋን: ደቂ ሓንቲ ሃገር ዘይኰኑስ ኣብ ኵለን ሃገራት ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት እዮም ካብዚ ኣድልዎ ዘይብሉ ፍትሒ ኣምላኽ ዝጥቀሙ ዘለዉ። (ኢሳይያስ 42:1) ብኸመይ፧
12. ኣብዚ ግዜና “ደሃይ” የሆዋ ዝስማዕ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧
12 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ ነቲ ሚክያስ ኣቐዲሙ ዝበሎ እስከ ንርአ። ሚክያስ 6:9 “ደሃይ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይጽውዓ: ጥበብ ከኣ ንስምካ ኽትርኢ እያ” ትብል። ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ሰባት “ደሃይ” የሆዋ ዝሰምዑ ብኸመይ እዮም: እዚኸ ምስ ቅንዕና ምግባር ዝተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ ልክዕ እዩ: ሎሚ ሰባት ቃል ብቓሉ ደሃይ ኣምላኽ ኣይሰምዑን እዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ኵሉ ዓሌታት ኰነ ኣብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራ ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት በቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከትና ኣቢሎም ደሃይ የሆዋ ይሰምዑ ኣለዉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቶም ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ‘ንስም ኣምላኽ ክርእዩ [“ክፈርሁ:” NW]’ ወይ ከኽብሩ እዮም። እወ: ከም ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ብዘይ ኣፈላላይ ንዅሉ ሰብ ስም ኣምላኽ እናኣፍለጥና ኸነገልግል ከለና ‘ቕንዕና ኢና እንገብር’ ዘለና።
ምሕረት ክንፈቱ ኣሎና
13. ኣብ መንጎ ሳህልን ፍቕርን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧
13 ቀጺልና: እቲ ኣብ ሚክያስ 6:8 እተጠቕሰ “ምሕረት ከኣ ክትፈቱ” ዝብል ካልኣይ ከነማልኦ ዝግባእ ብቕዓት እስከ ንርአ። እታ ኣብዚ “ምሕረት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል “ሳህሊ” ተባሂላ እውን ትትርጐም እያ። እታ “ሳህሊ” እትብል ቃል ንኻልኦት ካብ ልቢ ኸም እትሓልየሎም ወይ ከም እትግደሰሎም ብግብሪ ምርኣይ ተመልክት እያ። ሳህሊ ካብ ፍቕሪ እተፈልየት እያ። ብኸመይ፧ ፍቕሪ ብዙሕ ነገራት እተጠቓልል ቃል እያ። ኣብ ነገራትን ኣምራትን እውን ክትውዕል ትኽእል እያ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ “ወይንን ዘይትን ዚፈቱ [ወይ ዘፍቅር]” ከምኡውን “ጥበብ ዚፈቱ [ወይ ዘፍቅር]” ሰብ ከም ዘሎ ይዛረብ እዩ። (ምሳሌ 21:17፣ 29:3) ሳህሊ ግን ንሰባት ብፍላይ ከኣ ነቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ኣመልኪታ እያ እትጥቀስ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሚክያስ 7:20 ነቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ‘ኣብርሃም ምሕረት [“ሳህሊ:” NW]’ ከም እተገብረሉ ትገልጽ።
14, 15. ሳህሊ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና: ነዚ መርኣያ ዝኸውንከ እንታይ ኣብነት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧
14 ኣብ ሚክያስ 7:18 እቲ ነብዪ ብዛዕባ የሆዋ “ምሕረት እዩ ዚፈቱ” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ሚክያስ 6:8 ምሕረት ወይ ሳህሊ ከነርኢ ጥራይ ዘይኰነስ ክንፈቱ እውን እዩ ተነጊሩና። ካብዚ ጥቕስታት እዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧ ሳህሊ ኸነርኢ እንኽእል ካብ ድላይና ተበጊስና ብፍታውን ብዘይ ገለ ጸቕጥን ምስ ዝኸውን እዩ። ልክዕ ከም የሆዋ: ነቶም እተሸገሩ ሰባት ሳህሊ ከነርእዮም ንፈቱ ኢና።
15 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብሳህሎም ይልለዩ እዮም። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ:- ኣብ ሰነ 2001 ኣብ ትሮፒክ እተፈጥረ ሃጽፊ እተሓወሶ ህቦብላ: ንቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ.: ኣጥቅዓ እሞ ኣብ ልዕሊ በሽሓት ዝቝጽር ኣባይቲ ጕድኣት ኣውረደ። ካብዚ ድማ በማእታት ዝቝጸር ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ 10,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዞም እተጸገሙ ክርስትያናት ኣሕዋቶም ንምሕጋዝ ግዜኦምን ጕልበቶምን ወፈዩ። እዞም ወለንተኛታት እዚኣቶም ንልዕሊ መንፈቕ ኣቢሉ ዝኸውን ብዘይምቍራጽ ለይትን መዓልትን ኰነ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ እናዓየዩ: 8 ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከምኡውን 700 ኣቢሉ ዝኸውን ናይ ክርስትያን ኣሕዋቶም ኣባይቲ ጸገኑ። እቶም ከምዚ ኽገብሩ ዘይከኣሉ ኸኣ መግብን ገንዘብን ካልእ ዘድሊ ነገራትን ወፈዩ። እዞም በሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነሕዋቶም ዝሓገዝዎም ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ ሳህሊ ወይ ‘ምሕረት ስለ ዝፈትዉ’ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣሕዋትና ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ሕያውነት ከንጸባርቑ ኽንርእስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን እዩ! እወ: ነታ ሳህሊ ወይ “ምሕረት ክትፈቱ” እትብል ብቕዓት ምምላእ ጾር ዘይኰነስ ሓጐስ እዩ ዘምጽእ።
ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ተመላለስ
16. ዓቕምና ፈሊጥና ብትሕትና ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ከም ዘሎና ዘጕልሓልና እንታይ መረድኢ ኽትጠቅስ ትኽእል፧
16 እታ ኣብ ሚክያስ 6:8 እትርከብ ሳልሰይቲ ብቕዓት “ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ” እትብል እያ። ኣብ በዅሪ ጽሑፋት እብራይስጢ እዛ ኣብዚ ትሕትና ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል ዓቕምኻ ምፍላጥን ኣብ ኣምላኽ ምምርኳስን ዝብል ሓሳብ እውን ተስምዕ እያ። ነዚ ንምብራህ: ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ኣብ ብርቱዕ ህቦብላ ምስ ኣቦኣ ኽትጐዓዝ ከላ እሞ ኣብ ኣእምሮኹም ሰኣሉ። እዛ ቘልዓ እዚኣ ንኢድ ኣቦኣ ኣጽኒዓ እያ ሒዛቶ ዘላ። ዓቕማ ውሱን ምዃኑ ኣጸቢቓ ትፈልጥ እያ: ኣብ ኣቦኣ ግን ምትእምማን ኣለዋ። ንሕናውን ልክዕ ከምታ ንእሽቶ ጓል: ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኽንፈልጥን ኣብ ሰማያዊ ኣቦና እምንቶ ኸነሕድርን ኣሎና። ነዚ ምትእምማን እዚ ብኸመይ ክንዕቅቦ ንኽእል፧ ብቐዳምነት: ምስ የሆዋ ምጽጋዕ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ወትሩ ኽንዝክር ኣሎና። ሚክያስ ሰለስተ ምኽንያታት ጠቒሱልና ኣሎ። እዚ ኸኣ የሆዋ መድሓንን መራሕን መዕቈብን ስለ ዝዀነ እዩ።
17. የሆዋ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ ዘድሓኖምን ዝመርሖምን ዘዕቈቦምን ብኸመይ እዩ፧
17 ብመሰረት ሚክያስ 6:4, 5 ኣምላኽ “ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ኣውጺኤካ” በለ። እወ: የሆዋ ንእስራኤል መድሓኒኡ እዩ ነይሩ። ቀጺሉውን “ንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከኣ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም” በለ። ብርግጽ ሙሴን ኣሮንን ነቲ ህዝቢ ብምምራሕ ኣገልጊሎም: ሚርያም ከኣ ናይ ዓወት መዝሙር ክዝመር ከሎ ነንስቲ መሪሓ እያ። (ዘጸኣት 7:1, 2፣ 15:1, 19-21፣ ዘዳግም 34:10) ስለዚ: የሆዋ በገልገልቱ ኣቢሉ መምርሒ ሂብዎም እዩ። ኣብ ቍጽሪ 5 ድማ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ተጻረርቶም ማለት ካብ ባላቕን በላዓምን ከም ዘዕቈቦም: ኣብቲ ናይ መወዳእታ ጕዕዞኦም ድማ ካብቲ ኣብ ሞኣብ ዝርከብ ሺጢም ክሳዕ እቲ ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝርከብ ጊልጋል ዕቝባ ኸም ዝዀኖም ኣዘኻኸሮም።
18. የሆዋ ኣብዚ ግዜና መድሓንን መራሕን መዕቈብን ዝኸውን ዘሎ ብኸመይ እዩ፧
18 ንሕናውን ብተመሳሳሊ ምስ የሆዋ ኽንመላለስ ከሎና: ካብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም የድሕነና: ብማሕበሩ ኣቢሉ ይመርሓና: ካብ መጥቃዕቲ ተጻረርትና ኸኣ ብደረጃ ጕጅለ የዕቍበና። ስለዚ ኣብዚ: ህቦብላ ዝበዝሖ ናይ መወዳእታ ጕዕዞና: ኢድ ናይቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣጽኒዕና ንኽንሕዝ እኹል ምኽንያት ኣሎና። ኣብ መወዳእታ እቲ ጕዕዞ እውን ናብታ ኻብ ጥንታዊት ምድሪ ተስፋ ኣጸቢቓ እትዓቢ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ኢና ኽንበጽሕ።
19. ትሕትና ምስ ድሩትነት ዓቕምና እትተሓሓዝ ብኸመይ እያ፧
19 ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ምምልላስና ብዛዕባ ዅነታትና ኣብ ክዉንነት እተመርኰሰ ኣረኣእያ ንኽህልወና እውን ይሕግዝ እዩ። ከመይሲ ትሕትና ዓቕምኻ ምፍላጥ እውን ተጠቓልል እያ። ጥዕና ምስኣን ወይ ብዕድመ ምድፋእ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ይድርቶ ይኸውን። እዚ ግን ተስፋ ኣብ ክንዲ ዘቝርጸና እቲ እንገብሮ ጻዕርን መስዋእትን ‘በቲ ዘሎና መጠን [ኣብ ኣምላኽ] ቅቡል እዩ እምበር: ብዘይብልና ኸም ዘይኰነ’ ክንዝክር ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 8:12) እወ: የሆዋ ዅነታትና ብዝፈቕደልና መጠን ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎ እዩ ዝደሊ። (ቈሎሴ 3:23) ኣብ ኣገልግሎት ብትግሃትን ብቕንኣትን ዝከኣለና ዘበለ ኽሳዕ ዝገበርና: ኣምላኽ ኣብዚሑ እዩ ዝባርኸና።—ምሳሌ 10:22
ብዓቕሊ ምጽባይ በረኸት የምጽእ
20. እንታይ ምፍላጥና እዩ ኸምቲ ናይ ሚክያስ ዝኣመሰለ ብዓቕሊ ናይ ምጽባይ ባህሪ ንኽህልወና ኽሕግዘና ዝኽእል፧
20 በረኸት የሆዋ ምስ ረኸብና: ከም ናይ ሚክያስ ዓይነት ኣረኣእያ ንኸነሕድር ይድርኸና እዩ። ሚክያስ “ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ” በለ። (ሚክያስ 7:7) እዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ንኽንመላለስ ዝሕግዛና ብኸመይ እየን፧ ተስፋ ምስ እንገብር ወይ ዓቕሊ ምስ ዝህልወና መዓልቲ የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ብዘይምምጻኣ ተስፋ ንኸይንቘርጽ ይሕግዘና። (ምሳሌ 13:12) ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ኵላትና መወዳእታ ናይዛ እክይቲ ዓለም ክመጽእ ሃረር ኢና እንብል። ይኹን እምበር: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን በሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ ኣምላኽ ክመላለሱ ኸም ዝጅምሩ ምፍላጥና ብዓቕሊ ንኽንጽበ ብቑዕ ምኽንያት ይዀነና እዩ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓደ ንነዊሕ እዋን ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ዝጸንሐ ሓው ከምዚ በለ:- “ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዘሕለፍክዎ ኻብ 55 ዝዛይድ ዓመታት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ: ንየሆዋ ብምጽባየይ ምንም ነገር ከም ዘይጐደለኒ እተኣማመን እየ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ካብ ብዙሕ ጓሂ ልቢ እየ ድሒነ።” ንስኻኸ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ድዩ ዘሎካ፧
21, 22. ኣብዚ ግዜና ሚክያስ 7:14 ብኸመይ ፍጻመኣ ትረክብ ኣላ፧
21 ምስ የሆዋ ብምምልላስና ብዙሕ ኢና እንጥቀም። ከምቲ ኣብ ሚክያስ 7:14 ተገሊጹ ዘሎ: ሚክያስ ንህዝቢ ኣምላኽ ምስተን ምስ ጓስአን ሃዲአን እተቐመጣ መጓሰ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ሎሚ እዚ ትንቢት እዚ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ኣብ ዝረኽበሉ ዘሎ እዋን: እቶም ተረፍ ናይ መንፈሳውያን እስራኤል ኰኑ እቶም “ኻልኦት ኣባጊዕ” ኣብ ትሕቲ እቲ ትውክልቲ ዝግበሮ ጓሳኦም የሆዋ ብርግጽ ዕቝባ ረኺቦም እዮም። ካብዛ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ጭንቂ እናበዝሓ እትኸይድ ዘላ ዓለም ብመንፈሳዊ መዳይ ተፈልዮም “ኣብ ዱር: ኣብ ማእከል ቀርሜሎስ” ይነብሩ ኣለዉ።—ዮሃንስ 10:16፣ ዘዳግም 33:28፣ ኤርምያስ 49:31፣ ገላትያ 6:16
22 ብተወሳኺውን: ኣብ ሚክያስ 7:14 ተገሊጹ ኸም ዘሎ ህዝቢ ኣምላኽ ይብልጽጉ እዮም ዘለዉ። ሚክያስ ብዛዕባ መጓሰ ወይ ህዝቢ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ “ኣብ ባሳንን ኣብ ጊልዓድን ጓስዮ” በለ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ባሳንን ጊልዓድን ዝነበራ መጓሰ ነቲ ልሙዕ መገሃጫ በሊዐን ዝሃጥራ ዝነበራ: ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ኸኣ ምስ ኣምላኾም ብትሕትና ብምምልላሶም ብመንፈስ በልጺጎም እዮም።—ዘሁልቍ 32:1፣ ዘዳግም 32:14
23. ካብ ሚክያስ 7:18, 19 እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧
23 ኣብ ሚክያስ 7:18, 19 የሆዋ ነቶም ዝንስሑ ይቕረ ንምባል ድሌት ከም ዘለዎ እቲ ነብዪ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ቍጽሪ 18 የሆዋ “ኣበሳ ዝሓድግ” ከምኡውን ‘በደል ዝሓልፍ’ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ቍጽሪ 19 ኸኣ “ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ትድርብዮ” ትብል። ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና ኽንወሰድ እንኽእል፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ንየሆዋ ንመስሎ እንተ ዄንና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ካልኦት ምስ ዝብዱሉና በደሎም ንሓድገሎም ዲና፧ ይቕረታ ሓቲቶም ነቲ ነገር ከዐርይዎ ምስ ዝደልዩ: ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ይቕረ ብምባል ንየሆዋ ኽንመስሎ ንደሊ ኢና።
24. ካብ ትንቢት ሚክያስ እንታይ ተጠቒምካ፧
24 ካብዚ ብዛዕባ ትንቢት ሚክያስ ዝገበርናዮ ምይይጥ እንታይ ተጠቒምና፧ የሆዋ ነቶም ናብኡ ዝቐርቡ ናይ ሓቂ ተስፋ ዝግበሮ ኣምላኽ ምዃኑ ተዘኻኺርና። (ሚክያስ 2:1-13) ንዘለኣለም ብስም ኣምላኽ ምእንቲ ኽንመላለስ: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምድንፋዕ ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ተተባቢዕና። (ሚክያስ 4:1-4) ኵነታትና ብዘየገድስ ነቲ የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት ከነማልእ ከም እንኽእል እውን መረጋገጺ ተዋሂቡና። እወ: ትንቢት ሚክያስ ብስም የሆዋ ንኽንመላለስ የበራትዓና እዩ!
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ብመሰረት ሚክያስ 6:8 ኣምላኽ እንታይ ክንገብር እዩ ዝደልየና፧
• ‘ቅንዕና ኽንገብር’ እንተ ዄንና እንታይ እዩ ዘድልየና፧
• ሳህሊ ወይ ‘ምሕረት ከም እንፈቱ’ ብኸመይ ነርኢ፧
• ‘ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ምምልላስ’ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ሚክያስ ብግዜኡ እከይ ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተ ነበረ: በቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ ብቕዓታት ይመላለስ ነበረ። ንስኻውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራ ንዝርከቡ ሰባት ብምምስካር ቅንዕና ግበር
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ንኻልኦት ዘድልዮም ነገራት ብምምላእ ምሕረት ወይ ሳህሊ ኸም እትፈቱ ኣርኢ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ዓቕምኻ ድሩት ምዃኑ ብትሕትና ኣፍልጦ እናሃብካ ዝከኣለካ ዅሉ ግበር