ኣብ ትሕቲ ፈተና እውን ከይተረፈ፡ ንየሆዋ ብምግልጋለይ አመስግን እየ
ማርቸ ደ ዮንግ-ቫን ደን ሆቨል ዘዘንተወቶ
ሕጂ ጓል 98 ዓመት እየ። ን70 ዓመት ዚኣክል ድማ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል እየ ኣሕሊፈዮ፣ ኰይኑ ግን፡ እምነተይ ተፈቲና እያ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ናብ መዳጐኒ ደምበ ተወሰድኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ተስፋ ብምቝራጸይ፡ ደሓር ዘጠዓሰኒ ውሳነ ገበርኩ። እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ፡ ካልእ ኣጸጋሚ ፈተና ኣጋጠመኒ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ኣብ ትሕቲ ፈተና እውን እንተ ዀነ ኸገልግሎ ብምኽኣለይ አመስግኖ እየ።
ኣብ ጥቅምቲ 1940 ህይወተይ ተቐየረ። ኣብ ነዘርላንድስ፡ ካብ ኣምስተርዳም ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 24 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሂልቨርሰም እየ ዝነብር ነይረ። እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ናዚ እያ ነይራ። ምስቲ ያፕ ደ ዮንግ ዝስሙ ሓላዪ ሰብኣየይ ኻብ እንምርዖ፡ ሓሙሽተ ዓመት ኢና ጌርና ኔርና፣ ቪሊ ዝስማ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ድማ ነበረትና። ኣብ ጐረቤትና፡ ሓንቲ ሸሞንተ ውሉዳት ዝነበርዋ ድኻ ስድራ ቤት ትነብር ነበረት። ኰይኑ ግን፡ እታ ስድራ ቤት እቲኣ፡ ንሓደ ዅሉ ግዜ ዚመጽእ መንእሰይ ጋሻ ዚኸውን መሕደርን ምግብን ተዳሉ ነበረት። ‘ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። እተወሰነ ምግቢ ሒዘሎም ክኸይድ ከለኹ፡ እቲ መንእሰይ፡ ፈላሚ ምዃኑ ፈለጥኩ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንሳ እተምጽኦ በረኸትን ድማ ነገረኒ። በቲ ዝበለኒ ኣዝየ ስለ እተተንከፍኩ፡ ቀልጢፈ ሓቂ ተቐበልኩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ ርእሰይ ንየሆዋ ወፍየ ተጠመቕኩ። ንዓመታኡ፡ ሰብኣየይ እውን ሓቂ ተቐበለ።
እተወሰነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠት ጥራይ እኳ እንተ ነበረኒ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከለኹ፡ ኣባል እተኣገደ ውድብ እኸውን ከም ዝነበርኩ ኣጸቢቐ እፈልጥ ነበርኩ። ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኾም ከም እተኣስሩ እውን እፈልጥ ነበርኩ። ኰይኑ ግን፡ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸድኩ ኽሰብኽ ጀመርኩ፣ ኣነን ሰብኣየይን ከኣ ፈለምትን ገየሽቲ ሓለውትን ኪመጹ ኸለዉ፡ ኣብ ቤትና ንቕበሎም ነበርና። ብዘይካዚ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ኣምስተርዳም ዜምጽእዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣብ ቤትና ይቕመጥ ነበረ። ኣብተን ብዙሕ ጽዕነት ኪጸዓነለን ዚኽእላ ብሽክለታታት መጻሕፍቲ ጽዒኖም፡ ብቴንዳ ሸፊኖምዎ ይመጹ ነበሩ። እዞም መልእኽተኛታት እዚኣቶም ዝነበሮም ፍቕርን ትብዓትን ፍሉይ እዩ ነይሩ። ንጥቕሚ ኣሕዋቶም ኢሎም፡ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ ነበሩ።—1 ዮሃ. 3:16።
“ማማ፡ ቀልጢፍኪ ኽትምለሲ ዲኺ፧”
ካብ ዝጥመቕ ዳርጋ ሽዱሽተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ናብ ቤትና መጹ። ንቤትና ድማ ፈተሽዎ። ነቲ ብጽሑፋት መሊኡ ዝነበረ ኸብሒ እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡ ኣብ ትሕቲ ዓራትና እተሓብአ እተወሰነ መጻሕፍቲ ግን ረኸቡ። ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ኣብ ሂልቨርሰም ዚርከብ መደብር ፖሊስ ምስኦም ክኸይድ ኣዘዙኒ። ንቪሊ ጓለይ ክሰናበታ ኸለኹ፡ “ማማ፡ ቀልጢፍኪ ኽትምለሲ ዲኺ፧” ኢላ ሓተተትኒ። ኣነ ድማ፡ “እወ እዛ ጓለይ፡ ቀልጢፈ ኽምለስ እየ” በልክዋ። ይኹን እምበር፡ እንደገና ኸይተራኸብና ዓመትን መንፈቕን ሓለፈ።
ሓደ ኣባል ፖሊስ ንምርመራ ኢሉ ብባቡር ናብ ኣምስተርዳም ወሰደኒ። እቶም መርመርቲ፡ ኣብ ሂልቨርሰም ዚነብሩ ሰለስተ ኣሕዋት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዀይኖም ሓተቱኒ። ኣነ ድማ፡ “ንሓደ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይፈልጦምን እየ። ንሱ ኸኣ ጸባ እዩ ዜምጽኣልና” በልክዎም። ሓቀይ ድማ እየ ነይረ፣ እቲ ሓው ጸባ የምጽኣልና ነይሩ እዩ። ወሲኸ እውን፡ “ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ግን ንዓይ ዘይኰነስ ንዕኡ ሕተትዎ” በልክዎም። ካልእ ነገር ምንጋር ምስ ኣበኽዎም፡ ኣብ ገጸይ ጸፍዑኒ፣ ንኽልተ ወርሒ ድማ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ኣሰሩኒ። ሰብኣየይ ኣበይ ከም ዘለኹ ምስ ፈለጠ፡ ክዳንን ምግብን ሒዙለይ መጸ። ኣብ ነሓሰ 1941 ናብቲ ራቨንስብሩክ ዚበሃል ካብ በርሊን፡ ጀርመን ብሸነኽ ሰሜን ኣስታት 80 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ኣንስቲ ዚእሰራሉ መዳጐኒ ደምበ ተወሰድኩ።
“ኣጆኺ!”
ኣብኡ ምስ በጻሕኩ፡ ንእምነትና ዚኽሕድ ሰነድ እንተ ፈሪምና ናጻ ኽንወጽእ ከም እንኽእል ተነግረና። ኣነ ግን ኣይፈረምኩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንብረተይ ኣረከብኩ፡ ኣብ መሕጸቢ ሰብነት ድማ ኵሉ ኽዳውንተይ ተወስደ፣ ኣብኡ እውን ካብ ነዘርላንድስ ምስ ዝመጻ ክርስትያን ኣሓት ተራኸብኩ። ጁኽ ዚሕብሩ ስሉስ ኵርናዕ እተሰፍዮ ኽዳንን ሸሓንን ኩባያን ማንካን ተዋህበና። ኣብታ ናይ መጀመርታ ምሸት፡ እሱራት ንግዜኡ ኣብ ዚጸንሑሉ ባራካታት ሓደርና። ካብ ዝእሰር ንፈለማ እዋን በኸኹ። “እንታይ እየ ክኸውን፧ ክሳዕ መዓስ እየ ኣብዚ ኽጸንሕ፧” ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ሓቂ ይሓይሽ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓቂ ኻብ ዝፈልጥ እተወሰነ ኣዋርሕ ጥራይ ገይረ ስለ ዝነበርኩ፡ ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ርክብ ድልዱል ኣይነበረን። ብዙሕ ክመሃሮ ዚግብኣኒ ነገራት ነበረ። ንጽብሒቱ ተሰሪዕና ስምና ኺጽዋዕ ከሎ፡ ሓንቲ ኻብ ነዘርላንድስ ዝመጸት ሓብቲ፡ ጕህየ ኸም ዝነበርኩ ስለ ዘስተብሃለት፡ “ኣጆኺ! እንታይ ከይንኸውን ኢኺ፧” በለትኒ።
ስምና ተጸዊዑ ምስ ወዳእና፡ ናብ ካልእ ባራካታት ተወሰድና፣ ኣብኡ ኸኣ ካብ ጀርመንን ነዘርላንድስን ምስ ዝመጻ ብኣማእታት ዚቝጸራ ክርስትያን ኣሓት ተራኸብና። ገሊአን ጀርመናውያን ኣሓት ኣብቲ ባራካታት ኪነብራ ኻብ ዚጅምራ፡ ልዕሊ ዓመት ሓሊፉ ነበረ። ምስአን ምዃነይ ኣበራቲዑንን ኣጸናኒዑንን እዩ። እተን ኣሓትና ዝነበራሉ ባራካታት ካብቲ ኻልእ ኣዝዩ ዝጸረየ ምንባሩ እውን መሲጡኒ እዩ። ጽሩይ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ዚሰርቕ፡ ዚጻረፍ፡ ወይ ዚበኣስ እውን ኣይነበረን። ኣብቲ መዳጐኒ ደምበ ዝነበረ ዅነታትና ሕማቕ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ እንነብረሉ ዝነበርና ባራካ ግን፡ ብረሳሕ ባሕሪ ኸም እተኸበበት ጽርይቲ ደሴት እዩ ነይሩ።
ህይወት መዳጐኒ ደምበ
ኣብቲ መዳጐኒ ደምበ፡ ብዙሕ ንሰርሕ እኳ እንተ ነበርና፡ ዚወሃበና ምግቢ ግን ኣመና ሒደት እዩ ነይሩ። ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ምስ ተንሳእና፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ተሰሪዕና ስምና ይጽዋዕ። ኣብ እዋን ዝናም ይኹን ጸሓይ፡ እቶም ሓለውቲ ንሓደ ሰዓት ዚኸውን ኣብ ደገ ደው የብሉና ነበሩ። ምሉእ መዓልቲ ኽንሰርሕ ውዒልና ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኰነ፡ እንደገና ተሰሪዕና ስምና ይጽዋዕ። ድሕሪኡ፡ እተወሰነ ሾርባ ምስ ባኒ በሊዕና፡ ሓይልና ተጸንቂቑ ንድቅስ።
ብዘይካ ሰንበት፡ ኵሉ መዓልቲ ናብ ቦታ ሕርሻ ኸይደ ብዓብዪ ማዕጺድ ስርናይ እዓጽድ፡ ካናለ እጸርግ፡ ከምኡውን ደምበ ሓሰማ አጽሪ ነበርኩ። እቲ ስራሕ ከቢድን ረሳሕን እኳ እንተ ነበረ፡ መንእሰይን ድልድልትን ስለ ዝነበርኩ፡ መዓልታዊ እሰርሖ ነበርኩ። ክሰርሕ ከለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልእኽቲ ዘለዎ መዝሙር ምዝማረይ የበራትዓኒ ነበረ። ይኹን እምበር፡ መዓልታዊ ንሰብኣየይን ንጓለይን እናፍቖም ነበርኩ።
እቲ ዚወሃበና ምግቢ ሒደት እኳ እንተ ነበረ፡ ኵላትና ኣብኡ ዝነበርና ኣሓት፡ ነቲ ኣብ ሰንበት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ክንገብር ከለና ዚዀነና ቝራስ እንጌራ መዓልታዊ ነቐምጥ ነበርና። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፍ እኳ እንተ ዘይነበረና፡ እተን ካባይ ዚዓብያ እሙናት ጀርመናውያን ኣሓት ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ኪዛረባ ኸለዋ ብሃንቀውታ እሰምዐን ነበርኩ። በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እውን ኣብዓልና።
ጭንቅን ጣዕሳን መተባብዕን
ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ እቶም ናዚ ዚገብርዎ ዝነበሩ ውግእ ብቐጥታ ዚድግፍ ዕዮ ኽንዓዪ ትእዛዝ ይወሃበና ነበረ። ኵላተን ኣብኡ ዝነበራ ኣሓት ገለልተኛታት ብምንባረን ኣብቲ ዕዮ ምዕያይ ኣበያ፣ ኣነ እውን ነቲ ብትብዓት ዝገበራኦ ውሳነ ሰዓብኩ። ብሰንኪ እዚ፡ ንሓያሎ መዓልትታት ምግቢ ኣይተዋህበናን፣ ኣብ መስርዕ ድማ ንነዊሕ ሰዓታት ደው ኣበሉና። ሓደ እዋን፡ ኣብ ቈራሪ ወቕቲ ን40 መዓልቲ ኣብ ባራካታትና ብዘይ መሞቒ ዓጸዉና።
ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና፡ እምነትና ኸም ዝኸሓድና ዚገልጽ ሰነድ እንተ ፈሪምና፡ ናጻ ኽንወጽእ ከም እንኽእል ብተደጋጋሚ ይንገረና ነበረ። ኣብ ራቨንስብሩክ ልዕሊ ዓመት ምስ ገበርኩ፡ ኣመና ተስፋ ቘረጽኩ። ናፍቖት ሰብኣየይን ጓለይን ኣዝዩ ስለ ዝኸበደኒ፡ ናብቶም ሓለውቲ ኸይደ፡ ድሕሪ ሕጂ ተመሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኰንኩ ኣብ ዚገልጽ ሰነድ ፈረምኩ።
እተን ኣሓት እንታይ ከም ዝገበርኩ ምስ ፈለጣ፡ ገሊኣተን ካባይ ኪርሕቃ ጀመራ። ሄትቪኽን ገርትሩትን ዚበሃላ ኽልተ ብዕድመ ዝደፍኣ ጀርመናውያን ኣሓት ግን፡ ደልየን ረኸባኒ፡ ፍቕረን ከኣ ገለጻለይ። ኣብ ደምበ ሓሰማ ብሓደ ኽንሰርሕ ከለና፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎና ንጽህና ኽንሕሉ ኣገዳሲ ምዃኑን ካብ መትከልና ብዘይምልምላም ብኸመይ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ኸም እንኽእልን ገለጻለይ። እቲ ኸም ናይ ኣደ ዝኣመሰለ ሓልዮተንን ፍቕረንን ንልበይ ተንከፎ።a እቲ ዝገበርክዎ ውሳነ ጌጋ ምንባሩ ስለ እተረድኣኒ፡ እቲ ዝፈረምኩሉ ቓለ-መግለጺ ኺስረዝ ደለኹ። ሓደ ምሸት ንሓንቲ ሓብቲ፡ ነቶም ሰበ-ስልጣን ውሳነይ ከፍልጦም ከም ዝቘረጽኩ ነገርክዋ። ሓደ ብዓል ስልጣን ንዝርርብና ስለ ዝሰምዖ እዩ ኪኸውን ዚኽእል ኣብታ ምሸት እቲኣ ኻብቲ መዳጐኒ ደምበ ብባቡር ናብ ነዘርላንድስ ተወሰድኩ። ሓንቲ ኽሳዕ ሕጂ መልክዓ ዝዝከረኒ ተቘጻጻሪት፡ “ሕጂ እውን ቢበልፎርሸር (ተመሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ) ኢኺ፡ ንሓዋሩ እውን ከምኡ ኢኺ” በለትኒ። ኣነ ኸኣ፡ “ፍቓድ የሆዋ እንተ ዀይኑ፡ እወ እየ” በልክዋ። ኰይኑ ግን፡ ‘ከመይ ገይረ እየ ነቲ ቓለ-መግለጺ ኽስርዞ ዝኽእል፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ።
ኣብቲ ቓለ-መግለጺ፡ “ንጡፍ ኣባል ማሕበር ኣህጉራውያን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኰንኩ አረጋግጽ” ዚብል ሓሳብ ነበረ። እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነበርኩ። ኣብ ጥሪ 1943 ኣብ ዓደይ ካብ ዝበጽሕ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ እንደገና ኣብ ዕዮ ስብከት ክካፈል ጀመርኩ። መቸም ሰበ-ስልጣን ናዚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኽ ከለኹ ንኻልኣይ ሳዕ እንተ ዚሕዙኒ ነይሮም፡ ዝኸፍአ መቕጻዕቲ መስዓበለይ ነይሩ።
እምንቲ ኣገልጋሊት ክኸውን ልባዊ ድሌት ከም ዘሎኒ ንየሆዋ ኸርእዮ ስለ ዝደለኹ፡ ኣነን ሰብኣየይን፡ ጽሑፋት ንዜበጻጽሑን ንገየሽቲ ሓለውትን ኣብ ቤትና ኽንቅበሎም ጀመርና። ንየሆዋን ንሰባትን ዘላትኒ ፍቕሪ ኸርእየሉ ዝኽእል ካልእ ኣጋጣሚ ብምርካበይ፡ ብዙሕ እየ ዘመስግነሉ።
መሪር ሓዘን
ካብቲ እቲ ውግእ እተዛዘመሉ ሒደት ኣዋርሕ ኣቐዲሙ፡ ንዓይን ንሰብኣየይን መሪር ሓዘን ኣጋጠመና። ኣብ ጥቅምቲ 1944፡ ጓልና ቪሊ ብሃንደበት ሓመመት። ብሕማም ዲፍተራ ተታሕዘት። ኵነታታ እናኸፍአ ብምኻዱ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሞተት። ክትመዉት ከላ፡ ገና ጓል ሸሞንተ ዓመት እያ ነይራ።
እታ ሓንቲ ጓልና ብሙማታ፡ ኣዚና ኢና ተጐዲእና። እቲ ኣብ ራቨንስብሩክ ዘሕለፍክዎ ፈተናታት ምስቲ ጓልና ብሙማታ እተሰምዓኒ ሓዘን ዚወዳደር ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ብሓዘን ኣብ እንድቈሰሉ እዋን፡ ኵሉ ግዜ ኻብተን ኣብ መዝሙር 16:8 ዚርከባ፡ “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፡ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ኣይክናወጽን እየ” ዚብላ ቓላት መጸናንዒ ንረክብ ነበርና። ኣነን ሰብኣየይን ኣብቲ የሆዋ እተመባጽዖ ተስፋ ትንሳኤ፡ ጽኑዕ እምነት ነበረና። ኣብ ሓቂ ጸኒዕና ተመላለስና፡ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብቕንኣት ካብ ምክፋል ኣየቋረጽናን። ሰብኣየይ ብ1969 ክሳዕ ዚመውት፡ ንየሆዋ ብሞሳ ንኸገልግሎ ሓጊዙኒ እዩ።
በረኸትን ሓጐስን
ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ምስ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝነበረኒ ርክብ፡ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ። ከምቲ ብግዜ ውግእ እንገብሮ ዝነበርና፡ ገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምን ንጉባኤና ኺበጽሑ ኺመጹ ኸለዉ፡ ኣብ ቤትና ነአንግዶም ነበርና። ማርተን ካፕተይንን ነል ካፕተይንን ዚበሃሉ ኣብ ዕዮ መገሻ ዜገልግሉ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ቤትና ን13 ዓመት ተቐመጡ። ነል ዘይምሕር ሕማም ምስ ሓዛ፡ ክሳዕ እትመውት ኣብ ቤትና ንሰለስተ ወርሒ ተኸናኸንክዋ። ምስቶም ሰብ ሓዳርን ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነበረኒ ምሕዝነት፡ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና መንፈሳዊ ገነት ተሓጒሰ ንኽነብር ሓጊዙኒ እዩ።
ብ1995 ኣብ ራቨንስብሩክ ኣብ እተገብረ ዝኽሪ ኽካፈል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብኡ ድማ ምስተን ኣብ መዳጐኒ ደምበ ምሳይ ዝነበራ ንልዕሊ 50 ዓመት ዘይረኣኽወን ኣሓት ተራኸብኩ። ምስተን ኣሓት እቲኣተን ምርኻበይ፡ ዘይርሳዕን ልቢ ዚትንክፍን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ፣ ነታ ሞይቶም ንዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት እንደገና እንረኽበላ መዓልቲ ብሃንቀውታ ንኽንጽበያ ንሓድሕድና እተተባባዕናሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ ነይሩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 15:4፡ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። የሆዋ፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና እውን ከይተረፈ ንዕኡ ኸገልግሎ ዜኽእለኒ ተስፋ ስለ ዝሃበኒ፡ አመስግኖ እየ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምስ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ርክብ ስለ ዘይነበረ፡ ኣሕዋት ምስ ገለልትነት ንዚተሓሓዝ ጕዳያት ከከም እተረድኦም ገይሮም እዮም ዚሕዝዎ ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣብተን ኣሓት እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህሉ ዝኸኣለ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
◂ ብ1930 ምስ ያፕ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ጓልና ቪሊ፡ ኣብ ሸሞንተ ዓመት ዕድሚኣ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ብ1995 ምስተን ቀደም ዝፈልጠን ኣሓት እንደገና ተራኸብኩ። ካብቶም ኮፍ ዝበሉ፡ ካብ ጸጋም ካልአይቲ ኣለኹ