ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/3 ገጽ 20-23
  • ንክርስትያን ብጾትካ ኸቶ ኣይትራሕርሓዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንክርስትያን ብጾትካ ኸቶ ኣይትራሕርሓዮም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንክርስትያን ብጾትና ዘሎና ግዴታ
  • ሓልዮት ሓዳር ዜምጽኦ ጸቕጢ
  • ብቕንዕና ርእስኻ ገምግም
  • “ኪሰልጠካ እዩ” ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • “ንሓድሕድኩም . . . ተሃናነጹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣብ ጉባኤኻ ኽትሕግዝ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትካ ቕረቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/3 ገጽ 20-23

ንክርስትያን ብጾትካ ኸቶ ኣይትራሕርሓዮም

ያሮስዋቭን ብዓልቲ ቤቱ ቤታን፡a “ንዓሰርተ ዓመት ዚኣክል በቲ ዜህርር ንግዲ ዓለም ተሳሒብና ነበርና፣ ሃብታማት እውን ኢና ኔርና። ኣብ ሓቂ እኳ እንተ ተወለድና፡ ካብ ሓቂ ግን ኣዚና ርሒቕና ስለ ዝነበርና፡ ንኽንምለስ ዜኽእለና መንፈሳዊ ብርታዐ ኣይነበረናን” በሉ።

ማረክ ዚበሃል ካልእ ሓው ድማ ከምዚ በለ፦ “ብሰንኪ እቲ ኣብ ፖላንድ ተፈጢሩ ዝነበረ ማሕበራውን ፖለቲካውን ለውጢ፡ ብዙሕ ሳዕ ስራሐይ ስለ ዝሰኣንኩ፡ ተስፋ ቘሪጸ ነበርኩ። ክእለት ንግዲ ስለ ዘይነበረኒ፡ ናይ ባዕለይ ትካል ምኽፋት ኣፍሪሁኒ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ሓደ ትካል ክኸፍት ፈተንኩ፣ እዚ ኸኣ፡ ንመንፈሳውነተይ ከይጐዳእኩ ንስድራ ቤተይ ዜድልዮም ነገራት ብዝበለጸ መገዲ ንኸማልኣሎም ከም ዚሕግዘኒ ሓሰብኩ። ድሕሪ ግዜ ግን፡ ክሳዕ ክንደይ ተጋግየ ኸም ዝነበርኩ ፈለጥኩ።”

ኣብዛ ናብራ እናኸበደን ስእነት ስራሕ እናኣስፋሕፍሐን ዚኸደላ ዘሎ ዓለም፡ ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ካብ ዓቕሊ ጽበት ተላዒሎም ዘይጥበባዊ ውሳነ ይገብሩ እዮም። ብዙሓት ኣሕዋት፡ ሕላፍ ሰዓት ኪዓዩ፡ ተወሳኺ ስራሕ ኪሰርሑ፡ ወይ ተመክሮ ዘይብሎም ክነሶም ናይ ባዕሎም ስራሕ ኪጅምሩ ወሲኖም እዮም። ተወሳኺ ኣታዊ ምርካቦም፡ ንስድራ ቤቶም ከም ዚሕግዝን ዋላ ሓንቲ መንፈሳዊ ጕድኣት ከም ዘየስዕበሎምን ይሓስቡ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ዘይተሓስበ ዅነታትን ዘይርጉእ ቍጠባን፡ ካብ ጽቡቕ ድራኸ ተላዒልካ ንእተውጽኦ መደብ እውን ከይተረፈ ኺሓናዅሎ ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ገሊኦም ኣብ መጻወድያ ስስዐ ወዲቖም፡ ንስጋዊ ነገራት ቀዳምነት ንኺህቡ ኢሎም ከኣ ንመንፈሳዊ ነገራት መስዋእቲ ገይሮም እዮም።—መክ. 9:11, 12።

ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ደድሕሪ ዓለማዊ ነገራት ስለ ዚስዕቡ፡ ንብሕታዊ መጽናዕቲ፡ ንኣኼባታት፡ ወይ ንኣገልግሎት ዚኸውን ግዜ የብሎምን። ከምዚ ዓይነት ሸለልትነት ንመንፈሳውነቶምን ምስ የሆዋ ንዘለዎም ርክብን ከም ዚጐድኦ ንጹር እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ምስ “ኣመንቲ” ዝዀኑ ብጾቶም ዘለዎም ኣገዳሲ ርክብ እውን ራሕሪሖምዎ እዮም። (ገላ. 6:10) አረ ገሊኦምሲ ኻብ ክርስትያናዊ ሕውነት በብቝሩብ ወጺኦም እዮም። ብዛዕባ እዚ እስከ ኣጸቢቕና ንመርምር።

ንክርስትያን ብጾትና ዘሎና ግዴታ

ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዝዀንና፡ ንሓድሕድና ንኽንፋቐር ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። (ሮሜ 13:8) ኣብ ጉባኤና፡ ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት ርኢና ንኸውን ኢና። (እዮ. 29:12) ገሊኦም መሰረታዊ ስጋዊ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ሓደ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተልና ኣዘኻኺሩና ኣሎ። “ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረአዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧”—1 ዮሃ. 3:17።

ንእተሸገሩን ንኻልኦትን ለጊስካሎም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሕውነትና ዘሎና ተገዳስነት ግን፡ ኣብ ስጋዊ ሓገዝ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ገሊኦም ብጽምዋ ስለ እተበልዑ ወይ ተስፋ ስለ ዝቘረጹ፡ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ ዚስምዖም፡ ብኸቢድ ሕማም ዚሳቐዩ፡ ወይ ብሞት ዚፈትውዎ ሰቦም ዝሓዘኑ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ኻብቲ ንዓታቶም ከነተባብዓሉ እንኽእል መገዲ፡ ብምዝርራብን ብምስማዕን እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መገዲ ኽንሕግዞም ንኽእል። (1 ተሰ. 5:14፡ ትርጕም 1990) እዚ ኸኣ ነታ ምስ ኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ መሊሱ እዩ ዜሐይላ።

ብፍላይ መንፈሳውያን ጓሶት፡ ብድንጋጽ ኪሰምዑን ንስምዒታት ካልኦት ኪርድኡን ፍቕራዊ ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኺህቡን ኣለዎም። (ግብ. 20:28) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ነቶም ብመንፈስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዘበሉ ‘ርሕሩሕ’ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ይመስልዎ።—1 ተሰ. 2:7, 8።

ሓደ ክርስትያን ካብቲ መጓሰ እንተ ርሒቑ ግን፡ ነቲ ብዛዕባ ክርስትያን ብጾቱ ዘለዎ ሓላፍነት ኪዋጽኣሉ ይኽእልዶ፧ ሓለውቲ እውን በቲ ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምጕያይ ዜምጽኦ ፈተና ዘይጽለዉ ኣይኰኑን። ሓደ ክርስትያን በዚ ኸምዚ ዓይነት ፈተና እንተ ወዲቑ፡ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

ሓልዮት ሓዳር ዜምጽኦ ጸቕጢ

ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ንስድራ ቤትና ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ንምምላእ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ዝበዝሕ ግዜ ኼጨንቐናን ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎና ኣረኣእያ ኼዳኽሞን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 13:22) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ማረክ ከምዚ በለ፦ “እቲ ዝጀመርክዎ ስራሕ ምስ ከሰረ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይደ ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ክረክብ ወሰንኩ። ንሰለስተ ወርሒ ጥራይ ኢለ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ተወሳኺ ሰለስተ ወርሒ ጸናሕኩ፡ ከምኡ እናበለ ዝጸንሓሉ ግዜ ተናውሐ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሓጺር እዋን ጥራይ እየ ናብ ዓደይ ዝምለስ ዝነበርኩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ስምዒት እታ ዘይኣማኒት ሰበይተይ ተጐድአ።”

በዚ ምኽንያት እዚ ዚጕድኡ ስድራ ቤትካ ጥራይ ኣይኰኑን። ማረክ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ብርቱዕ ሃሩር ንነዊሕ ሰዓታት እሰርሕን ንሰብ ኪምዝምዙ ምስ ዚጽዕሩ ነውራማት ሰባት እውዕልን ነበርኩ። እቶም ሰባት ከም ዓዋሉ እዮም ነይሮም። በዚ ተደቘስኩ፡ ከም ድላዮም ይቈጻጸሩኒ ኸም ዘለዉ ዀይኑ እውን ተሰምዓኒ። ርእሰይ እኳ ኽኣሊ ብዘይምኽኣለይ፡ ንኻልኦት ከገልግል ዝኽእል እንተ ዀይነ ኽጠራጠር ጀመርኩ።”

እቲ ማረክ ዝዓጸዶ ዜሕዝን ሳዕቤን፡ ሓንሳእ ደው ኢልና ንኽንሓስብ ኪድርኸና ኣለዎ። ናብ ወጻኢ ሃገር ምኻድ ንገንዘባዊ ጸገምና ኺፈትሖ ዚኽእል ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ካልእ ጸገማት ኣይፈጥረልናንዶ፧ ንኣብነት፡ ንስድራ ቤትና፡ መንፈሳውን ስምዒታውን ጕድኣት የጋጥማ ደዀን ይኸውን፧ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንዝነበረና ርክብ ይበትኮ ደዀን ይኸውን፧ ንክርስትያን ብጾትና ንኸይነገልግሎም ይዓናቕፈና ደዀን ይኸውን፧—1 ጢሞ. 3:2-5።

ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ብዓለማዊ ስራሕ ንኺወሓጥ፡ ግድን ናብ ወጻኢ ሃገር ኪኸይድ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ንያሮስዋቭን ንቤታን ዘጋጠሞም እስከ ንርአ። ያሮስዋቭ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ከይተፈለጠና ኢና ጀሚርናዮ። ምስ ተመርዓና፡ ግዕዝም እንሸጠሉ ንእሽቶ ድኳን ኣብ ጽቡቕ ቦታ ኸፈትና። ብዙሕ መኽሰብ ክንረኽበሉ ስለ ዝጀመርና፡ ንንግድና ኸነስፍሖ ሓሰብና። ግዜ ስለ ዘይነበረና ግን፡ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንተርፍ ጀመርና። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ፈላምን ኣገልጋሊ ጉባኤን ኰይነ ክቕጽል ኣይከኣልኩን። እቲ እንረኽቦ ዝነበርና መኽሰብ ስለ ዝሰሓበና፡ ዓብዪ ቤት መሸጣ ኸፈትና፡ ምስ ካልኦት ብሽርክና ኽንሰርሕ ድማ ጀመርና። ድሕሪኡ፡ ናይ ሚልዮናት ዶላር ውዕል ንኽፍርም ናብ ወጻኢ ሃገራት ክገይሽ ጀመርኩ። ኣብ ቤት ዝዀነሉ እዋን ሳሕቲ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ሰበይተይን ጓለይን ዝነበረኒ ርክብ ላሕልሐ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እቲ እናተተኰሰ ዚኸይድ ዝነበረ ንግድና ቐስ ኢሉ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣደቀሰና። ምስ ጉባኤ ዝነበረና ርክብ ስለ እተበትከ፡ ብዛዕባ ኣሕዋትና ዋላ ሓንቲ ኣይንሓስብን ኢና ኔርና።”

ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ናይ ብሕትኻ “ገነት” ንምፍጣር ዚግበር ጻዕሪ ንሓደ ክርስትያን መጻወድያ ኪዀኖ ይኽእል እዩ፣ ሸለልተኛ ስለ ዚኸውን፡ “ክዳኑ” ማለት ክርስትያናዊ መንነቱ ኼጥፍእ ይኽእል እዩ። (ራእ. 16:15) እዚ ድማ፡ ምስቶም ክንሕግዞም እንኽእል ኣሕዋት ንዝነበረና ርክብ ኪበትኮ ይኽእል እዩ።

ብቕንዕና ርእስኻ ገምግም

‘ኣነ እኳ ፈጺመ ኸምኡ ኣይከውንን እየ’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ኰይኑ ግን፡ ንህይወትና ኽንደይ ዚኣክል ጥሪት ብሓቂ ኸም ዜድልየና ኽንምርምር ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና” ኢሉ እዩ ጽሒፉ። (1 ጢሞ. 6:7, 8) ልክዕ እዩ፡ ደረጃ መነባብሮ ኻብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገር ከም መሰረታዊ ጌርካ ዚርአ ነገር፡ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ከም ኣቕሓ ምሾት ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ።

ደረጃ መነባብሮ እቲ እንነብረሉ ሃገር ብዘየገድስ፡ ነቲ ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ክንሓስበሉ ኣሎና። (1 ጢሞ. 6:9) መፈንጠራ በቲ ግዳዩ ኺርአ ኣይከኣልን እዩ። ብድንገት ከም ዚፍንጠር ጌርካ እዩ ዚዳሎ። ንሕናኸ ‘ብናይ ጕድኣት ትምኒት’ ንኸይንፍንጠር ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧

ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ምፍላጥና፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ፡ እንተላይ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ዝያዳ ግዜ ንኽንረክብ ኪድርኸና ይኽእል እዩ። ብጸሎት ተሰንዩ ዚግበር መጽናዕቲ፡ ንሓደ ክርስትያን፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ “ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም” ንኪኸውን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።—2 ጢሞ. 2:15፣ 3:17።

ድሕሪ ግዜ፡ ፈቃራት ሽማግለታት ንያሮስዋቭ ኪሃንጽዎን ኬተባብዕዎን ጸዓሩ። ንሱ ኸኣ ዓብዪ ለውጥታት ገበረ። ብዛዕባ እዚ እውን ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “ኣተሓሳስባይ ንኽልውጥ ካብ ዝደረኸኒ ሓደ ምይይጥ፡ እቶም ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ንዘለኣለም ኪነብር እናደለየ፡ ስጋዊ ጥሪቱ ኺሓድግ ፍቓደኛ ዘይኰነ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ዘሎ ሃብታም መንእሰይ እተዛረብዎ ነገር እዩ። ድሕሪኡ፡ እዚ ሓበሬታ እዚ ንዓይ ዚምልከት እንተ ዀይኑ ብሜላ ሓተቱኒ። እዚ ንኣዒንተይ ከፊቱለይ እዩ።”—ምሳ. 11:28፣ ማር. 10:17-22።

ያሮስዋቭ ንዅነታቱ ብቕንዕና ድሕሪ ምግምጋም፡ ኣብቲ ሰፊሕ ንግዲ ዝነበሮ እጃም ኬቋርጾ ወሰነ። ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዕና ረኸቡ። ሕጂ፡ ንሱ ሽማግለ ዀይኑ ንኣሕዋቱ የገልግል ኣሎ። ያሮስዋቭ ነዚ ብዚምልከት ከምዚ በለ፦ “ኣሕዋት ንመንፈሳውነቶም ዕሽሽ ክሳዕ ዚብሉ ብንግዲ ኺወሓጡ ኸለዉ፡ ብናይ ርእሰይ ተመክሮ ተጠቒመ፡ ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ምጽማድ ክሳዕ ክንደይ ዘይጥበባዊ ምዃኑ እነግሮም እየ። ንዚቐርበልካ ፈታኒ ኣጋጣሚታት ምጽራርን ካብ ሸፈጥ ምርሓቕን ቀሊል ኣይኰነን።”—2 ቈረ. 6:14።

ማረክ እውን መከራ ምስ በጽሖ እዩ ተማሂሩ። እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚሰርሖ ዝነበረ ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ንስድራ ቤቱ ብገንዘብ ንኺሕግዝ እኳ እንተ ኣኽኣሎ፡ ምስ ኣምላኽን ምስ ኣሕዋቱን ዝነበሮ ርክብ ግን ተበላሸወ። ድሕሪ ግዜ፡ ቀዳምነት ኣብ ዚህቦ ነገራት ምትዕርራይ ገበረ። ንሱ እውን ከምዚ በለ፦ “ንእተወሰነ ዓመታት፡ ኵነታተይ ምስቲ ጥንቲ ዝነበረ ‘ንርእሱ ዓብዪ ነገር ዝደለየ’ ባሩኽ ዚመሳሰል እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ጭንቀተይ ብምሉኡ ንየሆዋ ብምንጋር ልበይ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍሰስኩ፣ ሕጂ፡ መንፈሳዊ ሚዛነይ ዝሓለኹ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።” (ኤር. 45:1-5) ሎሚ ማረክ፡ ኣብ ጉባኤ ሓላዊ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግል፡ “ሰናይ ግብሪ” ይደሊ ኣሎ።—1 ጢሞ. 3:1።

ማረክ ነቶም ጽቡቕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ ኪረኽቡ ኢሎም ናብ ወጻኢ ሃገር ኪኸዱ ዚሓስቡ መጠንቀቕታ ኺህቦም ከሎ፡ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ወጻኢ ሃገር፡ ኣብ መፈንጠራ እዛ እክይቲ ዓለም ብቐሊሉ ኽትወድቕ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ዓዲ ብዛዕባ ዚዝረብ ቋንቋ ብዙሕ ፍልጠት ዘይብልካ ምዃንካ፡ ምስ ካልኦት ንዚህልወካ ርክብ ይድርቶ እዩ። ገንዘብ ሒዝካ ናብ ዓድኻ ትምለስ ትኸውን፣ ኰይኑ ግን፡ ብቐሊሉ ዘይሓዊ መንፈሳዊ ቝስሊ ኸተጥሪ ይኽእል እዩ።”

ዓለማዊ ስራሕና ምስቲ ንኣሕዋትና ዘሎና ግዴታ ብሚዛናዊ መገዲ ምስ እንሕዞ፡ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ኢና። ንኻልኦት እውን፡ ጥበባዊ ውሳነ ንኺገብሩ ጽቡቕ ኣብነት ክንኰኖም ንኽእል ኢና። እቶም ናብራ ዝኸበዶም፡ ናይ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ደገፍን ርሕራሐን ጽቡቕ ኣብነትን የድልዮም እዩ። ሽማግለታት ጉባኤን ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ንኣሕዋቶም፡ ሚዛኖም ንኺሕልዉን ብሓልዮት ናብራ ንኸይወሓጡን ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።—እብ. 13:7።

እምበኣር፡ ብዓለማዊ ስራሕ ተዋሒጥና ንክርስትያን ብጾትና ኣይንራሕርሓዮም። (ፊል. 1:10) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ህይወትና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃብ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ንኹን።—ሉቃ. 12:21።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ዓለማዊ ስራሕካ ኻብ ኣኼባ የብኵረካ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ነቶም ብመንፈስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዝዀኑ ንምሕጋዝ እትረኽቦ ኣጋጣሚ ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ