ጥንታዊት የሩሳሌም ዝጠፍአት መዓስ እያ፧ ቀዳማይ ክፋል
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እተረኽበ መርትዖ እንታይ ይሕብር፧
እዛ ዓንቀጽ ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ነቲ ጥንታዊት የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ዕለት ብዚምልከት ምሁራት ንዜበግስዎ ሕቶታት ንምምላስ ተባሂላ ዝወጸት ቀዳመይቲ ኽፋል እያ፣ ኣብ እትቕጽል ሕታም ድማ ካልኣይቲ ኽፋል ክትወጽእ እያ። እዘን ክልተ ኽፋላት እዚኣተን ነቲ ንብዙሓት ኣንበብቲ ግድል ኰይንዎም ዝጸንሐ ሕቶታት ዓሚቝ ምርምር እተገብረሉን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተን መልሲ ይህባ።
“ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽን ተመራመርቲ ስነ ጥንትን፡ የሩሳሌም ብ586 ወይ ብ587 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት እዩ ዚእመን።a ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ እቲ ጥፍኣት ብ607 ቅ.ክ. ከም ዝዀነ እትዛረቡ ስለምንታይ ኢኹም፧ ከምኡ ንኽትብሉ እንታይ መሰረት ኣለኩም፧”
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ዝጸሓፈ፡ ሓደ ኻብ ኣንበብቲ ጽሑፋትና እዩ። እቲ ንጉስ ባቢሎን ዝነበረ ነቡካድነጻር ዳግማይ ንኸተማ የሩሳሌም ዘጥፍኣላ ዓመት፡ ብትኽክል ክንፈልጦ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ ቀዳማይ፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ንሓደ ኣገዳሲ መቐይሮ ስለ ዜመልክት እዩ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ፡ እቲ ፍጻመ ናብ “ናይ መጨረሽታ ጥፍኣት” ከም ዝመርሐ ገሊጹ ኣሎ። እታ ዕለት እቲኣ፡ እታ ን400 ዓመት ዚኣክል ሕምብርቲ ኣምልኾ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝነበረት ቤት መቕደስ፡ ከም ዘብቅዐት እተመልክት እያ ነይራ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዎ ኣምላኽ፡ . . . ንቕድስቲ መቕደስካ ኣርከስዋ፡ ንየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ” ኢሉ ደጕዐ።—መዝሙር 79:1።
ካልኣይ፡ እዚ “ናይ መጨረሽታ ጥፍኣት” እዚ፡ መዓስ ከም ዝጀመረ ምፍላጥካ፡ ከምኡውን ምሕዳስ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣቐዲሙ ብትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተነጊሩ ኸም ዝነበረ ምርዳእካ፡ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንዘሎካ እምነት ዜደልድለልካ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ዕለት፡ 20 ዓመት ፍልልይ ንዘለዎ ዕለት ዝመረጹ ስለምንታይ እዮም፧ ብሓጺሩ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መርትዖ ስለ ዚኣምኑሉ እዩ።
“ሰብዓ ዓመት” ንመን፧
እቲ ኣይሁዳዊ ነብዪ ዝነበረ ኤርምያስ፡ ካብቲ የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ዕለት፡ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብሮ ግዜ ኽንፈልጠሉ እንኽእል ኣገዳሲ ኣፋፍኖት ይህበና እዩ። ንሱ፡ “ንዅላቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ” ኼጠንቅቖም ከሎ፡ “ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ክትባድምን ክትዖኑን እያ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከኣ ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎን ኪግዝኡ እዮም” በሎም። (ኤርምያስ 25:1, 2, 11) እቲ ነብዪ ጸኒሑ እውን፡ “እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል አሎ፤ ንባቢሎን [“እተን ኣብ ባቢሎን እትጸንሑለን፡” NW] ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ፡ ክዝክረኩም እየ እሞ፡ ናብ እዛ ስፍራ እዚኣ ኸም እትምለሱ ገይረ ነቲ ጽቡቕ ቃለይ ክፍጽመልኩም እየ” በለ። (ኤርምያስ 29:10) እተን “ሰብዓ ዓመት” እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧ ነቲ የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ዕለት ንኽንፈልጥ ኪሕግዛና ዚኽእላኸ ብኸመይ እየን፧
መብዛሕትኦም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ፡ “እተን ኣብ ባቢሎን እትጸንሑለን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ” እትብል ሓረግ፡ “ንባቢሎን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ” ኢሎም እዮም ተርጒሞምዋ። ካብዚ ተበጊሶም ከኣ ገሊኣቶም ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ እዘን 70 ዓመት እዚኣተን ንሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ከም ዜመልክታ እዮም ዚዛረቡ። ብመሰረት ዓለማዊ መስርዕ ፍጻመታት፡ ባቢሎናውያን ንጥንታውያን ይሁዳን የሩሳሌምን ንኣስታት 70 ዓመት እዮም ገዚኦምወን፣ እዚ ኸኣ ካብ 609 ቅ.ክ. ክሳዕ 539 ቅ.ክ. ኣቢሉ፡ ማለት ክሳዕ እቲ ርእሰ ኸተማ ባቢሎን እተማረኸትሉ ዓመት እዩ ቐጺሉ።
ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን 70 ዓመት፡ ኣምላኽ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኺእዘዝዎ ኺዳን ዚኣተዉ ህዝቢ ይሁዳን የሩሳሌምን ከቢድ መቕጻዕቲ ዘውረደሉ እዋን ከም ዝዀና እዩ ዚሕብር። (ዘጸኣት 19:3-6) እቶም ህዝቢ ኻብቲ እኩይ መገዶም ምምላስ ምስ ኣበዩ፡ ኣምላኽ፡ “ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን . . . ኽልእከሎም እየ . . . ናብ እዛ ሃገር እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋን ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታትን [ከምጽኦ] እየ” በለ። (ኤርምያስ 25:4, 5, 8, 9) ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እተን ጐረባብቲ ሃገራት እውን ተቘጢዓ እኳ እንተ ነበረት፡ ኤርምያስ ንጥፍኣት የሩሳሌምን ነተን ቀጺለን ዝነበራ 70 ዓመት ምርኮን ‘መቕጻዕቲ ህዝበይ’ ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። እዚ ኸኣ የሩሳሌም “ብርቱዕ ሓጢኣት” ብምግባራ ዝወረደ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።—ድጕዓ ኤርምያስ 1:8፣ 3:42፣ 4:6፡ ትርጕም 1990።
ስለዚ እምበኣር፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተን 70 ዓመት ኣብ ልዕሊ ይሁዳ መሪር መቕጻዕቲ ዝወረደለን ዓመታት እየን ነይረን፣ ኣምላኽ ንባቢሎናውያን ተጠቒሙ ነዚ ኸቢድ መቕጻዕቲ እዚ ኣውረዶ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንኣይሁድ፡ “ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ፡ . . . ናብ እዛ ስፍራ እዚኣ [ናብ ምድሪ ይሁዳን የሩሳሌምን] ኸም እትምለሱ ገይረ ነቲ ጽቡቕ ቃለይ ክፍጽመልኩም እየ” በሎም።—ኤርምያስ 29:10።
እተን “ሰብዓ ዓመት” መዓስ ጀሚረን፧
እዝራ እቲ ጸሓፍ ታሪኽ፡ እተን ኤርምያስ እተነበየን 70 ዓመት ድሕሪ ምፍጻመን እዩ ዚነብር ነይሩ፣ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ድማ ኸምዚ በለ፦ “[ንጉስ ነቡካድነጻር] ነቶም ካብ ሴፍ ዘምለጡ ዘበሉ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፡ መንግስቲ ፋርስ ክሳዕ እትገዝእ፡ ንእኡን ንደቁን ባሮት ዀኑ። እተን ሰብዓ ዓመት ክሳዕ ዚመልኣ፡ እታ ምድሪ ኣብ ክንዲ እተን ሰናብታ ኽሳዕ እትከሐስ፡ ባዲማ ኸላ ሰናብቲ ኣብዐለት። እዚ ኸኣ እቲ ብኣፍ ነብዪ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም ኰነ።”—2 ዜና መዋእል 36:20, 21።
ስለዚ እምበኣር፡ እተን 70 ዓመት፡ ምድሪ ይሁዳን የሩሳሌምን ‘ሰናብቲ ዘብዓለትሉ’ እዋን እየን ነይረን። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ እታ ምድሪ ኣይትሕረስን፡ ዘርኢ ኣይዝራእን ወይ ወይኒ ኣይጥጠፍን ማለት እዩ። (ዘሌዋውያን 25:1-5) እታ ምድሪ ን70 ዓመት ከይተሓርሰት፡ ከም እትባድም እተገብረትሉ ምኽንያት ድማ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንዅሉ ሰናብቲ ዓመታትን ካልእ ትእዛዛትን ብዘይምሕላዎም ሓጢኣት ስለ ዝፈጸሙ ምእንቲ ኪቕጽዑ እዩ።—ዘሌዋውያን 26:27, 32-35, 42, 43።
ምድሪ ይሁዳ ኸይተሓርሰት ዝነበረትሉን ዝባደመትሉን እዋን መዓስ እዩ ነይሩ፧ እቶም ብነቡካድነጻር ዚምርሑ ዝነበሩ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ክልተ ሳዕ ከም ዘጥቅዕዋ ፍሉጥ እዩ፣ እዚ ድማ ብዓመታት እተረሓሓቐ ኽልተ እተፈላለየ እዋናት እዩ ነይሩ። እተን 70 ዓመት ደኣ እሞ መዓስ እየን ጀሚረን፧ ደድሕሪ እቲ ነቡካድነጻር ንመጀመርታ ግዜ ንየሩሳሌም ዝኸበበሉ ዓመት ኪኸውን ከም ዘይክእል እተረጋገጸ እዩ። ሽዑ ኪኸውን ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧ ከመይሲ፡ ሽሕኳ ነቡካድነጻር ኣብታ ዓመት እቲኣ ንብዙሓት ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም እንተ ወሰደ፡ ንገሊኣቶም ኣብታ ምድሪ ገዲፍዎም እዩ ኸይዱ። ነታ ኸተማ እውን ኣየጥፍኣን። ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ ምርኮ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝተረፉ “ድኻታት” ንዓመታት ዚኣክል ኣብታ ምድሪ ሓሪሶም ይነብሩ ነይሮም እዮም። (2 ነገስት 24:8-17) ኰይኑ ግና፡ ነገራት ብሃንደበት ተቐየረ።
ኣይሁድ ካብ ንጉስ ነቡካድነጻር ስለ ዝዓለዉ፡ ባቢሎናውያን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። (2 ነገስት 24:20፣ 25:8-10) ነታ ኸተማ ምስ ቤት መቕደሳ ምሉእ ብምሉእ ኣዕነውዋ፡ ንሓያሎ ተቐማጦኣ ኸኣ ማሪኾም ናብ ባቢሎን ወሰድዎም። እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ወርሒ እተፈጸመ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “እቶም [ኣብታ ሃገር ዝተረፉ] ህዝቢ ብዘለዉ ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን፡ እቶም ሓላቑ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሆም ነበሩ እሞ፡ ተንሲኦም ናብ ግብጺ ኸዱ” ይብል። (2 ነገስት 25:25, 26) እታ ምድሪ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ ወርሒ ኣይሁድ (መስከረም/ጥቅምቲ) ዝዀነት ወርሒ ቲሽሪ፡ ስለ ዝባደመት ድማ፡ ሽዑ ጥራይ እዩ ሰናብታ ኸተብዕል ጀሚራ ኺበሃል ዚከኣል። ኣምላኽ ነቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ኣይሁድ ስደተኛታት፡ “ኵሉ እቲ ኣነ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳን ዘውረድክዎ ዅሉ መዓት ርኢኹምዎ አሎኹም። እንሆ ኸኣ፡ ሎሚ ባዲመን፡ ሓደ እኳ ዚነብረለን የልቦን” በሎም። (ኤርምያስ 44:1, 2) ስለዚ እምበኣር፡ እዚ ፍጻመ እዚ፡ መበገሲ እተን 70 ዓመት ኪኸውን ኣለዎ። እታ ዓመት እቲኣ መዓስ እያ ነይራ፧ ነዛ ሕቶ እዚ ንምምላስ፡ እቲ እዋን እቲ መዓስ ከም ዘብቅዐ ኽንርኢ ኣሎና።
እተን “ሰብዓ ዓመት” መዓስ ኣብቂዐን፧
ነብዪ ዳንኤል፡ ክሳዕ እቲ መንግስቲ ፋርስ ኪገዝእ ዝጀመረሉ እዋን ብህይወት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ባቢሎን ኰይኑ፡ እተን 70 ዓመት መዓስ ከም ዜብቅዓ ጸብጸበ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ፦ “ኣነ ዳንኤል ነቲ ብዛዕባኡ ቓል እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ እተዛረቦ ቝጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልክዎ፡ ማለት ምዕናው የሩሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዚፍጸም እዩ።”—ዳንኤል 9:1, 2።
እዝራ ብዛዕባ ትንቢታት ኤርምያስ ድሕሪ ምስትንታኑ፡ ንመወዳእታ “እተን ሰብዓ ዓመት” ምስቲ ‘እግዚኣብሄር ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣዋጅ ኪእውጅ ዝደረኸሉ እዋን’ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (2 ዜና መዋእል 36:21, 22) ኣይሁድ ሓራ ዝወጹ መዓስ እዮም፧ እቲ ኻብ ምርኮ ሓራ ኸም ዝወጹ ዚገልጽ ኣዋጅ፡ “በታ መጀመርታ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ” እዩ ወጺኡ። (ነታ፡ “ኣብ ታሪኽ መበገሲ ዕለት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) በዚ መሰረት እዚ፡ ኣብ መወዳእታ 537 ቅ.ክ. ኣቢሉ ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም እንደገና ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺመላለሱ ጀመሩ።—እዝራ 1:1-5፣ 2:1፣ 3:1-5።
ስለዚ እምበኣር፡ ብመሰረት መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን 70 ዓመት ብ537 ቅ.ክ. እየን ኣብቂዐን። ካብዚ ግዜ እዚ ጀሚርና ንድሕሪት 70 ዓመት እንተ ደኣ ቘጺርና፡ ናብ 607 ቅ.ክ. ኢና እንበጽሕ፣ እዚ ኸኣ እተን 70 ዓመት ዝጀመራሉ ግዜ እዩ።
እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ዓመት ብ607 ቅ.ክ. ምዃኑ ብንጹር ዚሕብር ካብ ኰነ፡ ሓያሎ ምሁራት እቲ ጥፍኣት ብ587 ቅ.ክ. ከም እተፈጸመ ዚገልጹ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ እዞም ምሁራት እዚኣቶም ኣብ ክልተ ምንጪ፡ ማለት ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ኣብ ዘዳለውዎ ጽሑፋትን ኣብ ቀኖና ተሎሚን እዮም ዚምርኰሱ። እዚ ምንጭታት እዚ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ዜተኣማምን ድዩ፧ እስከ ንርአ።
ጸብጻብ ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ክሳዕ ክንደይ እዩ ቕኑዕ፧
ኣብ ከባቢ እቲ የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ እዋን ዚነብሩ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ “ኻልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን” ተባሂሉ ዚጽዋዕ እዋን ዝነበሩ ነገስታት ባቢሎን እተሓላለኸ ሓበሬታ እዮም ዚህቡ።b (ነታ፡ “ነገስታት ባቢሎን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቲ ንሳቶም ዚጥቀምሉ ሰሌዳ ግዜ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀመሉ ሰሌዳ ግዜ ኣይሰማማዕን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጽሑፋቶም ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜተኣማምን፧
ሓደ ኻብቶም ኣብ ከባቢ እቲ ኻልአይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝነበረሉ እዋን ዚነብር ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ፡ በሮሰስ ዚስሙ ባቢሎናዊ “ኻህን ቤል” እዩ ነይሩ። እቲ ብ281 ቅ.ክ. ዘዳለዎ ባቢሎኒካ እተባህለ ናይ መጀመርታ ጽሑፉ ጠፊኡ እዩ፣ እቲ ኣብ ካልኦት ጸሓፍቲ ታሪኽ እተዓቀበ እውን እንተ ዀነ ቍርጽራጻት ጥራይ እዩ። በሮሰስ “ኣብ ባቢሎን ብጥንቃቐ እተዓቀበ . . . መጻሕፍቲ” ኸም እተጠቕመ ገለጸ።1 ጽሑፋት በሮሰስ ብሓቂዶ ትኽክል እዩ ነይሩ፧ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።
በሮሰስ፡ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ደድሕሪ “ሓዉ” ከም ዝነገሰ፡ “ድሕሪኡ ድማ ወዱ [ኤሳርሓዶን] ን8 ዓመት፣ ድሕሪኡ ሳሙገስ [ሻማሽ-ሹማ-ኡኪን] ን21 ዓመት” ከም ዝነገሰ ጸሓፈ። (3ይ፡ 2.1፡ 4) ኰይኑ ግና፡ ካብ ግዜ በሮሰስ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ናይ ባቢሎን ጽሑፋት ታሪኽ፡ ሰናክሬብ ደድሕሪ ሓዉ ዘይኰነስ፡ ደድሕሪ ኣቦኡ ሳርጎን ዳግማይ ከም ዝነገሰ፣ ኤሳርሓዶን ድማ ን8 ዓመት ዘይኰነስ፡ ን12 ዓመት ከም ዝገዝአ፣ ሻማሽ-ሹማ-ኡኪን ከኣ ን21 ዓመት ዘይኰነስ፡ ን20 ዓመት ከም ዝገዝአ እዩ ዚገልጽ። ሮበርቱስ ጀይ. ቫንደርስቤክ እተባህለ ምሁር፡ ብዛዕባ በሮሰስ ኪገልጽ ከሎ፡ ካብ ጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን ከም እተወከሰ ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃበ፡ “ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባትን ትርጕምን ካብ ምሃብ ኣይተዓቀበን” በለ።2
ካልኦት ምሁራትከ ንበሮሰስ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧ ንጽሑፋት በሮሰስ ብዕምቈት ዘጽንዐ ስታንለይ ኤም. በርስታይን፡ ብዛዕባ በሮሰስ፡ “ቀደም በሮሰስ ከም ጸሓፍ ታሪኽ ጌርካ እዩ ዝርአ ነይሩ” ድሕሪ ምባሉ፡ “እቲ ጽሑፉ ኽርአ ኸሎ ግና፡ ብቕዓት የብሉን። ባቢሎኒካ ኣብቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘሎ ቝርጽራጽ እኳ ኸይተረፈ፡ ብዙሕ ዜደንጹ ጌጋታት ሒዙ ኣሎ። . . . ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕድለት ኪገብር ውጉዝ እዩ፣ ስለዚ እምበኣር፡ ጽሑፍ በሮሰስ ታሪኻዊ ኣይነበረን” ኢሉ ደምደመ።3
ብመሰረት እዚ ኣብ ላዕሊ እተዋህበ ሓሳባት፡ እንታይ ምበልካ፧ ጸብጻብ በሮሰስ ብምሉኡ ኸም ቅኑዕ ጌርካ ኺርአ ይግባእዶ፧ ብዛዕባ እቶም ንመብዛሕትኡ ጸብጻብ ፍጻመታት ኣብ ጽሑፋት በሮሰስ ተመርኲሶም ዝጸብጸብዎ ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽከ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ እቲ ታሪኻዊ ጽሑፋቶም ብሓቂዶ ዘተኣማምን ኪበሃል ይከኣል እዩ፧
ቀኖና ተሎሚ
ምሁራት ነቲ እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ኣስትሮነመር ቅላውድዮስ ተሎሚ ዘዳለዎ ቐኖና ቤተ መንግስቲ እውን ነቲ ብልምዲ 587 ቅ.ክ. ከም ዝዀነ ጌርካ ዚውሰድ ዕለት ንምድጋፍ ይጥቀሙሉ እዮም። እቲ ተሎሚ ዘቕረቦ ዝርዝር ነገስታት፡ መሰረት እቲ መስርዕ ፍጻመታት ጥንታዊ ታሪኽን እቲ ኻልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝነበረሉ እዋንን ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚውሰድ።
ተሎሚ ነቲ ዝርዝሩ ጠርኒፉ ዘቕረቦ፡ ካብቲ ኻልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝነበረሉ እዋን 600 ዓመት ኣቐዲሙ እዩ። እቲ ኣብ ዝርዝሩ ዝሰርዖ ናይ መጀመርታ ንጉስ፡ መዓስ ኪነግስ ከም ዝጀመረ ደኣ እሞ ኸመይ ገይሩ ፈሊጥዎ፧ ተሎሚ ‘ነቲ ናይ መጀመርታ ንግስነት ናቦናሳር ንኺጽብጽብ’ ነቲ ብመጠኑ ኣብ ግርደት እተመርኰሰ ኣስትሮኖምያዊ ቐመር ከም እተጠቕመ ገሊጹ ኣሎ።4 በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ ሙዝየም ብሪጣንያ ዚዓዪ ክሪስቶፈር ዎከር፡ ቀኖና ተሎሚ፡ “ንኣስትሮኖምያውያን ቀጻሊ ጸብጻብ ፍጻመታት ንምሃብ ተባሂሉ እተወጠነ ብልሓታዊ ውዲት” ከም ዝነበረ ደኣ እምበር፡ “ንጸሓፍቲ ታሪኽ ነቲ ነገስታት ዝነገሱሉን ዝሞቱሉን ልክዕ ጸብጻብ ንምሃቦም ተባሂሉ እተዳለወ” ኸም ዘይነበረ ገለጸ።5
ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ተጣበቕቲ ተሎሚ ዝዀነ ላዮ ደፓውት፡ “እቲ ቐኖና ብኣስትሮኖምያዊ መገዲ ዘተኣማምን ምዃኑ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኺፍለጥ ጸኒሑ እዩ። . . . እዚ ኺበሃል ከሎ ግና፡ ብታሪኻዊ መገዲ ዘተኣማምን እዩ ማለት ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። ፕሮፌሰር ደፓውት፡ ብዛዕባ እዚ ዝርዝር ነገስታት ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ነቶም ቀዳሞት ገዛእቲ [እንተላይ ነገስታት ካልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን] ብዚምልከት፡ እቲ ቐኖና ምስቲ ኣብ ኲኒፎርም ዘሎ መዝገብ ነገስታት በብሓደ ኺነጻጸር የድሊ” በለ።6
እቲ ቐኖና ተሎሚ ብታሪኻዊ መገዲ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ ንምግምጋም ዜኽእለና “ኣብ ኲኒፎርም ዘሎ መዝገብ” እንታይ እዩ፧ እዚ መዝገብ እዚ፡ ጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን፡ ዝርዝር ነገስታት፡ ቍጠባዊ ጽላታት ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ሰናዳት ኲኒፎርም በቶም ብግዜ ኻልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ወይ ኣብ ከባቢ እቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ጸሓፍቲ እተጻሕፈ እዩ።7
እቲ ተሎሚ ዝመዝገቦ ዝርዝር ምስቲ ኣብ ኲኒፎርም ዘሎ መዝገብ ብኸመይ እዩ ዝነጻጸር፧ ኣብታ “ቐኖና ተሎሚ ምስ ጥንታዊ ጽላታት ዚነጻጸር ብኸመይ እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን (ኣብ ታሕቲ ርአ)፡ እተወሰነ ኽፋል እቲ ቐኖና ምስ ጥንታዊ ሰነዳት ኲኒፎርም ብምንጽጻር ቀሪቡ ኣሎ። ተሎሚ ኣብ መንጎ ነገስታት ካንዳላኑን ናቦኒደስን ንዘለዉ ኣርባዕተ ነገስታት ጥራይ ከም ዝጠቐሰ ኣስተብህል። ሓደ ኽፋል እቲ መዝገብ ኲኒፎርም ዝዀነ ዝርዝር ንጉስ ዩሩክ ግና፡ ኣብ መንጎ እቶም ነገስታት ሸውዓተ ነገስታት ከም ዝነበሩ እዩ ዚጠቅስ። ንግስነቶም ሓጺርን ኣብ ግምት ዘይኣቱን ድዩ ነይሩ፧ ብመሰረት ቍጠባዊ ጽላታት ኲኒፎርም፡ ሓደ ኻባታቶም ንሸውዓተ ዓመት እዩ ገዚኡ።8
ካብ ሰነዳት ኲኒፎርም እተረኸበ ካልእ ድልዱል መርትዖ እውን ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ቅድሚ ንግስነት ናቦፖለጻር (ቀዳማይ ንጉስ ካልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን)፡ ካልእ ንጉስ (ኣሹር-ኤተል-ኢላኒ) ኣብ ባቢሎን ንኣርባዕተ ዓመት ከም ዝገዝአ ዚገልጽ እዩ። ብተወሳኺ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዚኸውን ኣብታ ሃገር ንጉስ ዚበሃል ኣይነበረን።9 ይኹን እምበር፡ እዚ ዅሉ ጸብጻባት ኣብ ቀኖና ተሎሚ ኣይተመዝገበን።
ተሎሚ ንገሊኣቶም ነገስታት ዘይመዝገቦም ስለምንታይ እዩ፧ ከም ሕጋውያን ነገስታት ባቢሎን ገይሩ ስለ ዘይቈጸሮም እዩ ኪኸውን ዚኽእል።10 ንኣብነት፡ ንሓደ ኻብቶም ነገስታት ባቢሎን ዝነበረ ላባሺ-ማርዱክ ኣይጠቐሶን። ብመሰረት ሰነዳት ኲኒፎርም ግና፡ እቶም ተሎሚ ዘይጠቐሶም ነገስታት ኣብ ባቢሎን ገዚኦም እዮም።
ብሓፈሻ፡ ቀኖና ተሎሚ ቕኑዕ ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚውሰድ። ግናኸ፡ ነቲ ዘይመዝገቦ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብሓቂዶ እቲ ልክዕ ታሪኻዊ ጸብጻብ ፍጻመታት ንምሃብ ክትጥቀመሉ ይከኣል እዩ፧
ኣብዚ መርትዖ እዚ ተመርኲስና እንህቦ መደምደምታ
ንምጥቕላል እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓመታት ምርኮ 70 ዓመት ከም ዝነበረ ብንጹር ይገልጽ እዩ። እቶም እተማረኹ ኣይሁድ ብ537 ቅ.ክ. ናብ ዓዶም ከም እተመልሱ ዚሕብር ድልዱል መርትዖ እውን ኣሎ፣ መብዛሕትኦም ምሁራት ከኣ ነዚ ይሰማምዑሉ እዮም። የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ዕለት ንምፍላጥ ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚርና ንድሕሪት ምስ እንቘጽር ናብ 607 ቅ.ክ. ኢና እንበጽሕ። ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽን ቀኖና ተሎሚን ምስዚ ዕለት እዚ ዘይሰማማዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ ልክዕነት ጽሑፋቶም ርጡብ ሕቶታት ኪብገስ ይኽእል እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ እዞም ዝረኣናዮም ክልተ ንመርትዖ ዝቐረቡ ምንጭታት ንጸብጻብ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬፍሽል ዚኽእል መርትዖ ኬቕርቡ ኣይክእሉን እዮም።
ይኹን እምበር፡ ገና ዘይተመለሰ ሕቶታት እውን ኣሎ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ ዕለት፡ ማለት 607 ቅ.ክ. ዚድግፍ ታሪኻዊ መርትዖስ የለን ማለት ድዩ፧ በቲ መብዛሕትኡ ብጥንታውያን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እተጻሕፈ ዕለቱ ዚፍለጥ ሰነዳት ኲኒፎርም እንታይ መርትዖ ተረኺቡ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ሕታምና ኽንርእዮ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ክልቲኡ ዓመት ኣብ ዓለማዊ ምንጭታት ተጠቒሱ ኣሎ። ንምርዳኡ ምእንቲ ኪቐልል ኣብዘን ተኸታተልቲ ኽፍልታት እዚኣተን ን587 ቅ.ክ. ክንጥቀም ኢና። ቅ.ክ. ኪበሃል ከሎ፡ “ቅድሚ ክርስቶስ” ማለት እዩ።
b ካልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝጀመረ ናቦፖለጻር ኣቦ ነቡካድነጻር ምስ ነገሰ ኪኸውን ከሎ፡ ናቦኒደስ ምስ ነገሰ ኸኣ ኣብቅዐ። እቲ እዋን እቲ ንመብዛሕትኡ እተን 70 ዓመት ዕንወት ዚሽፍን ብምዃኑ፡ ምሁራት ይግደሱሉ እዮም።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
ኣብ ታሪኽ መበገሲ ዕለት
ዳግማዊ ቂሮስ ንባቢሎን ዝሰዓረሉ ዕለት ብ539 ቅ.ክ. ምዃኑ እተፈልጠ በዚ ዚስዕብ መግለጺታት እዩ፦
▪ ናይ ጥንቲ ታሪኻዊ ምንጭታትን ጽላታት ኲኒፎርምን፦ ዲያዶረስ ብዓል ሲስሊ (ከባቢ 80-20 ቅ.ክ.)፡ ቂሮስ “ኣብ መጀመርታ ዓመት እቲ መበል ሓምሳን ሓሙሽተን ኦሊምፕያድ” ከም ዝነገሰ ጸሓፈ። (ሂስቶሪካል ላይብረሪ፡ 9ይ መጽሓፍ፡ 21) እታ ዓመት እቲኣ 560 ቅ.ክ. እያ። ሄሮዶተስ ዚበሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ (ከባቢ 485-425 ቅ.ክ.)፡ ቂሮስ “ንዕስራን ትሽዓተን ዓመት ድሕሪ ምንጋሱ” ኸም እተቐትለ ገሊጹ ኣሎ፣ ስለዚ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመቱ ኻብ ሞተ እቲ ጸብጻብ ናብ 530 ቅ.ክ. እዩ ዜብጽሓና። (ሂስትሪስ 1ይ መጽሓፍ፡ ክልዮ፡ 214) ጽላታት ኲኒፎርም፡ ቂሮስ ቅድሚ ሞቱ ኣብ ባቢሎን ንትሽዓተ ዓመት ከም ዝነገሰ ይገልጽ። ካብታ ዝሞተላ ዓመት፡ ማለት ካብ 530 ቅ.ክ. ትሽዓተ ዓመት ንድሕሪት እንተ ቘጺርና ድማ ናብ 539 ቅ.ክ. ኢና እንበጽሕ። ኣብዛ ዓመት እዚ ኸኣ ቂሮስ ንባቢሎን ሰዓራ።
ብሓደ ጽላት ኲኒፎርም እተዋህበ መረጋገጺ፦ ናይ ባቢሎን ኣስትሮኖምያዊ ጽላት ካይላ (BM 33066)፡ ቂሮስ ብ530 ቅ.ክ. ከም ዝሞተ የረጋግጸልና። እዚ ጽላት እዚ ብዛዕባ ኣስትሮኖምያዊ ኣቀማምጣ ገለ ጌጋታት እኳ እንተለዎ፡ ናይ ክልተ ግርደት ወርሒ መግለጺታት ሒዙ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ሻውዓይ ዓመት እቲ ንቂሮስ ተኪኡ ዝነገሰ ወዱ ካምባይሲስ ዳግማይ ከም እተፈጸመ እቲ ጽላት ገሊጹ ኣሎ። እቲ ግርደት ወርሒ፡ ኣብ ባቢሎን እተራእየ ብ16 ሓምለ 523 ቅ.ክ. ከምኡውን ብ10 ጥሪ 522 ቅ.ክ. ስለ ዝዀነ፡ ሻውዓይ ዓመት ካምባይሲስ ብጽድያ 523 ቅ.ክ. ከም ዝጀመረ ይሕብር። በዚ መሰረት እዚ ንግስነቱ ብ529 ቅ.ክ. እዩ ጀሚሩ። ስለዚ እምበኣር፡ ቂሮስ ንመወዳእታ ግዜ ዝነገሰላ ዓመት 530 ቅ.ክ. ክትከውን ከላ፡ ኣብ ባቢሎን ኪገዝእ ዝጀመረላ ዓመት ከኣ 539 ቅ.ክ. ትኸውን ኣላ ማለት እዩ።
[ምንጪ ስእሊ]
Tablet: © The Trustees of the British Museum
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]
ጽማቝ
▪ መብዛሕትኡ ግዜ ዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ የሩሳሌም ብ587 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት እዮም ዚገልጹ።
▪ ጸብጻብ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ከም ዝጠፍአት ኣነጺሩ ይገልጽ።
▪ ዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ብቐንዱ ኣብ ጽሑፋት ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽን ኣብ ቀኖና ተሎሚን ተመርኲሶም እዮም ሓሳባት ዚህቡ።
▪ ጽሑፋት ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ርኡይ ጌጋታት ኣለዎ፡ ምስቲ ኣብ ጽላታት ካይላ ዘሎ መዝገብ ዘይሰማማዕ ነጥብታት እውን ኣለዎ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]
ተወሳኺ ሓበሬታ
1. ባቢሎኒካ (ካልዲዮሩም ሂስቶሪያ)፡ ቀዳማይ መጽሓፍ፡ 1.1።
2. ስታድይስ ኢን ኣንሸንት ኒር ኢስተርን ዎርልድ ቪው ኤንድ ሶሳይቲ፡ ገጽ 295።
3. ዘ ባቢሎኒካ ኦቭ በሮሰስ ገጽ 8።
4. ኣልማገስት፡ 3ይ፡ 7፡ ብጂ. ጀይ. ቶመር፡ ኣብ ተሎሚስ ኣልማገስት እተተርጐመ፡ ብ1998 እተሓተመ፡ ገጽ 166። ተሎሚ፡ ባቢሎናውያን ኣስትሮኖመራት ሓደ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ ግርደት ኣብ ነፍሲ ወከፍ 18 ዓመት ከም ዚርአ ስለ እተረድኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓስ ግርደት ከም እተራእየ፡ ኣብ ዚመጽእ ድማ መዓስ ከም ዚርአ “ንምጽብጻብ” ሕሳባዊ ሜላ ኸም እተጠቕሙ ይፈልጥ ነበረ።—ኣልማገስት፡ 4ይ፡ 2።
5. መስፖታምያ ኤንድ ኢራን ኢን ዘ ፔርሽያን ፒርየድ፡ ገጽ 17-18።
6. ጆርናል ኦቭ ኲኒፎርም ስታድይስ፡ መበል 47 ጥራዝ፡ 1995፡ ገጽ 106-107።
7. ኲኒፎርም፡ ነቲ ሓደ ጸሓፊ፡ ውሻል ዝቕርጹ በሊሕ ጫፍ ዘለዎ ብርዒ ተጠቒሙ ኣብ ርሑስ ካይላ ዚጽሕፎ እተፈላለየ ቕርጽታት የመልክት።
8. ሲን-ሻራ-ኢሽኩን ንሸውዓተ ዓመት ገዝአ፡ 57 ቍጠባዊ ጽላታቱ (Economic tablets) ኸኣ፡ ካብቲ ዝነገሰሉ ዓመት ክሳዕ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ እተጻሕፈ እዩ። ጆርናል ኦቭ ኲኒፍሮም ስታድይስ፡ መበል 35 ጥራዝ፡ 1983፡ ገጽ 54-59።
9. እቲ ቍጠባዊ ጽላት C.B.M. 2152 ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ንኣሹር-ኤተል-ኢላኒ እተጸሓፈ እዩ። (ሌጋል ኤንድ ኮመርሻል ትራንስኣክሽንስ ደይትድ ኢን ዘ ኣሲርያን፡ ኒዮ-ባቢሎንያን ኤንድ ፔርሽያን ፒርየድስ—ቺፍሊ ፍሮም ኒፑር፡ ብአይ.ቲ.ክለይ፡ 1908፡ ገጽ 74) ብተወሳኺ፡ ናይ ናቦኒደስ ቅርጸ ጽሑፍ ሃራን (H1B)፡ 1ይ ዓምዲ፡ መበል 30 መስመር፡ ንኣሹር-ኤተል-ኢላኒ ቐቅድሚ ናቦፖለጻር ሰሪዕዎ ኣሎ። (ኣናቶሊያን ስታድይስ፡ 8ይ ጥራዝ 1958፡ ገጽ 35, 47።) ብዛዕባ እተን ነገስታት ዘይነበሩለን እዋናት፡ ኣብ ኣሲርያን ኤንድ ባቢሎንያን ክሮኒክልስ፡ 2ይ ክሮኒክል፡ መበል 14 መስመር፡ ገጽ 87-88 ርአ።
10. ገሊኣቶም ምሁራት፡ ተሎሚ ንገሊኣቶም ነገስታት ዘይጠቐሰሉ ምኽንያት፡ ነገስታት ባቢሎን ጥራይ ኪዝርዝር ስለ ዝደለየ፡ እቶም ዘይጠቐሶም ነገስታት ግና “ንጉስ ኣሶር” ዚብል ማዕርግ ስለ ዝነበሮም ምዃኑ ይከራኸሩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ ገጽ 30 ኣብ ዘላ ሳጹን ተሓቢሩ ዘሎ፡ ኣብ ቀኖና ተሎሚ እተጠቕሱ ሓያሎ ነገስታት “ንጉስ ኣሶር” ዚብል ማዕርግ ኣለዎም። ቍጠባዊ ጽላታትን ፊደላት ኲኒፎርምን ቅርጸ ጽሑፋትን፡ ኣሹር-ኢተል ኢላን፡ ሲን-ሽሙ-ሊሽር፡ ከምኡውን ሲን-ሻራ-ኢሽኩን እተባህሉ ነገስታት ኣብ ባቢሎን ከም ዚገዝኡ ብንጹር ይገልጽ እዩ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]
(For fully formatted text, see publication)
ነገስታት ካልኣይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን
ጸብጻብ እዞም ዚስዕቡ ጸሓፍቲ ታሪኽ ኣብ ሓቂ እተመርኰሰ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ ስለምንታይ እዩ፧
በሮሰስ ፖሊሂስተር ጆሰፈስ ተሎሚ
ከባቢ 350-270 105-፧ ቅ.ክ. 37-፧ 100 ከባቢ100-170
ቅ.ክ. ድ.ክ. ድ.ክ.
ነገስታት
ናቦፖለጻር 21 20 — 21
ነቡካድነጻር
ዳግማይ 43 43 43 43
ኣሜል-
ማርዱክ 2 12 18 2
ኔሪግሊሳር 4 4 40 4
ላባሺ-
ማርዱክ 9 ወርሒ — 9 ወርሒ —
ናቦኒደስ 17 17 17 17
ብመሰረት ፍሉጣት ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ነገስታት ዝገዝእሉ ዓመታት
[ምንጪ ስእሊ]
Photograph taken by courtesy of the British Museum
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]
(For fully formatted text, see publication)
ቀኖና ቶሎሚ ምስ ጥንታዊ ጽላታት ዚነጻጸር ብኸመይ እዩ፧
ተሎሚ ንገሊኦም ነገስታት ኣይጠቐሶምን። ስለምንታይ፧
ቀኖና ተሎሚ
ናቦናሳር
ናቡ-ናዲን-ጸሪ (ናዲኑ)
ሙኪን-ጸሪን ፑልን
ኡሉላዩ (ሰልመናስር 5ይ)
“ንጉስ ኣሶር”
መሮዳክ-በላዳን
ዳግማይ ሳርጎን “ንጉስ ኣሶር”
ነገስታት ዘይነበሩለን እዋናት (ቀዳማይ)
ቤሊ-ኢብኒ
ኣሹር-ናዲን-ሹሚ
ኔርጋል-ኡሸዚብ
ሙሸዚብ-ማርዱክ
ነገስታት ዘይነበሩለን እዋናት (ካልኣይ) ኣብ ጥንታዊ ጽላት
ኤሳርሓዶን “ንጉስ ኣሶር” እተረኽበ ስማት
ሻማሽ-ሹማ-ኡኪን ነገስታት ዩሩክ
ካንዳላኑ ካንዳላኑ
ሲን-ሹሙ-ሊሺር
ሲን-ሻራ-ኢሽኩን
ናቦፖለጻር ናቦፖለጻር
ነቡካድነጻር ነቡካድነጻር
ኣሜል-ማርዱክ ኣሜል-ማርዱክ
ኔሪግሊሳር ኔሪግሊሳር
ላባሺ-ማርዱክ
ናቦኒደስ ናቦኒደስ
ቂሮስ
ካምባይሲስ
[ስእሊ]
ጸብጻብ ፍጻመታት ባቢሎን ክፍሊ እቲ ቐኖና ተሎሚ ብታሪኻዊ መገዲ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ንምግምጋም ዚሕግዘና መዝገብ ኲኒፎርም እዩ
[ምንጪ ስእሊ]
Photograph taken by courtesy of the British Museum
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Photograph taken by courtesy of the British Museum