ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 44
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኣብ ግብጺ ናብ ኣይሁድ መዓት ከም ዚመጽእ ተነግረ (1-14)

      • እቶም ህዝቢ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ኣይሰምዑን (15-30)

        • “ንንግስቲ ሰማይ” ኣምለኽዋ (17-19)

ኤርምያስ 44:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሞፍን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 43:4, 7
  • +ህዝ 29:10፣ 30:6
  • +ህዝ 30:18
  • +ኤር 46:14፣ ህዝ 30:16
  • +ህዝ 29:14፣ 30:14

ኤርምያስ 44:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:9, 10፣ ኤር 39:8
  • +ድጕ 1:1

ኤርምያስ 44:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 13:6-9፣ 32:17፣ ኤር 19:4
  • +ኤር 11:17

ኤርምያስ 44:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:15, 16፣ ኢሳ 65:2፣ ኤር 7:24-26፣ 35:15

ኤርምያስ 44:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 19:13

ኤርምያስ 44:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:11፣ ኤር 39:8

ኤርምያስ 44:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኹም።”

ኤርምያስ 44:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 9:7፣ ኤር 24:9፣ 42:18

ኤርምያስ 44:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:19, 20፣ 24:8, 9
  • +1ነገ 11:1-3
  • +ኤር 44:19

ኤርምያስ 44:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣይተደቝሱን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 36:22-24
  • +ዘዳ 6:1, 2

ኤርምያስ 44:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 30:13
  • +ኤር 42:17, 18

ኤርምያስ 44:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሕማምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:9፣ 42:22፣ 43:11

ኤርምያስ 44:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም ኬልዕሉ።”

ኤርምያስ 44:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 43:4, 7
  • +ኤር 44:1

ኤርምያስ 44:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    መጸውዒ ሓንቲ ብኸሓድቲ እስራኤላውያን እትምለኽ ዝነበረት ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ፍርያምነት ክትከውን ትኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:18

ኤርምያስ 44:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    መጸውዒ ሓንቲ ብኸሓድቲ እስራኤላውያን እትምለኽ ዝነበረት ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ፍርያምነት ክትከውን ትኽእል።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/1999፡ ገጽ 13-14

ኤርምያስ 44:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    መጸውዒ ሓንቲ ብኸሓድቲ እስራኤላውያን እትምለኽ ዝነበረት ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ፍርያምነት ክትከውን ትኽእል።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1515

ኤርምያስ 44:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 11:13፣ ህዝ 16:24, 25

ኤርምያስ 44:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 9:8, 9፣ ድጕ 2:15፣ ህዝ 33:29

ኤርምያስ 44:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:15, 16፣ ዳን 9:11

ኤርምያስ 44:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    መጸውዒ ሓንቲ ብኸሓድቲ እስራኤላውያን እትምለኽ ዝነበረት ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ፍርያምነት ክትከውን ትኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:18፣ 44:15, 17

ኤርምያስ 44:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 20:39
  • +ኢሳ 48:1, 2፣ ኤር 5:2

ኤርምያስ 44:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:10
  • +ኤር 44:12

ኤርምያስ 44:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:44፣ ኢሳ 27:13፣ ኤር 44:14

ኤርምያስ 44:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሱ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:7፣ ኤር 34:21፣ 39:5

ሓፈሻዊ

ኤር. 44:1ኤር 43:4, 7
ኤር. 44:1ህዝ 29:10፣ 30:6
ኤር. 44:1ህዝ 30:18
ኤር. 44:1ኤር 46:14፣ ህዝ 30:16
ኤር. 44:1ህዝ 29:14፣ 30:14
ኤር. 44:22ነገ 25:9, 10፣ ኤር 39:8
ኤር. 44:2ድጕ 1:1
ኤር. 44:3ዘዳ 13:6-9፣ 32:17፣ ኤር 19:4
ኤር. 44:3ኤር 11:17
ኤር. 44:42ዜና 36:15, 16፣ ኢሳ 65:2፣ ኤር 7:24-26፣ 35:15
ኤር. 44:5ኤር 19:13
ኤር. 44:6ኢሳ 6:11፣ ኤር 39:8
ኤር. 44:81ነገ 9:7፣ ኤር 24:9፣ 42:18
ኤር. 44:92ነገ 21:19, 20፣ 24:8, 9
ኤር. 44:91ነገ 11:1-3
ኤር. 44:9ኤር 44:19
ኤር. 44:10ኤር 36:22-24
ኤር. 44:10ዘዳ 6:1, 2
ኤር. 44:12ህዝ 30:13
ኤር. 44:12ኤር 42:17, 18
ኤር. 44:13ኤር 21:9፣ 42:22፣ 43:11
ኤር. 44:15ኤር 43:4, 7
ኤር. 44:15ኤር 44:1
ኤር. 44:17ኤር 7:18
ኤር. 44:21ኤር 11:13፣ ህዝ 16:24, 25
ኤር. 44:221ነገ 9:8, 9፣ ድጕ 2:15፣ ህዝ 33:29
ኤር. 44:232ዜና 36:15, 16፣ ዳን 9:11
ኤር. 44:25ኤር 7:18፣ 44:15, 17
ኤር. 44:26ህዝ 20:39
ኤር. 44:26ኢሳ 48:1, 2፣ ኤር 5:2
ኤር. 44:27ኤር 1:10
ኤር. 44:27ኤር 44:12
ኤር. 44:28ዘሌ 26:44፣ ኢሳ 27:13፣ ኤር 44:14
ኤር. 44:302ነገ 25:7፣ ኤር 34:21፣ 39:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 44:1-30

ኤርምያስ

44 ብዛዕባ ዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ+ ዚነብሩ፡ ኣብ ሚግዶልን+ ታህጳኔስን+ ኖፍን*+ ምድሪ ጳጥሮስን+ ዚነብሩ ኣይሁድ፡ ከምዚ ዚብል ቃል ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 2 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ንስኻትኩም ኵሉ እቲ ኣብ የሩሳሌምን+ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳን ዘምጻእክዎ መዓት ርኢኹም ኢኹም፣ ሎሚ ነባሪ ዘይብለን ዑናታት ኰይነን ኣለዋ።+ 3 ብሰንኪ እቲ ንሳቶም ኰኑ ኣቦታቶም ናብ ዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ+ ብምኻዶምን ንዓታቶም ብምስዋኦምን+ ብምግልጋሎምን ዝገበርዎ እከይ እየ ኸምኡ ገይረየን። 4 ንዅሎም ገላዎይ ነብያት ከኣ፡ “በጃኹም እዚ ኣነ ዝጸልኦ ፍንፉን ነገር እዚ ኣይትግበሩ” ኢለ ደጋጊመ* ልኢኸልኩም።+ 5 ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብዘይምስዋእ ካብ እከዮም ኪምለሱስ ኣይሰምዑን፡ እዝኖም እውን ኣየድነኑን።+ 6 ስለዚ፡ ነድረይን ቍጥዓይን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ተኻዕዩ፡ ነዲዱ እውን፣ ንሳተን ድማ ከምዚ ሎሚ ዀይነናኦ ዘለዋ፡ ዑናን ባድምን ኰይነን።’+

7 “ሕጂ ኸኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ሓደ ተረፍ እኳ ኸይተረፈኩም፡ ኵሉ ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ሕጻንን ካብ ይሁዳ ኺጠፍእሲ፡ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ርእስኹም* ዓብዪ መዓት እተምጽኡ ዘለኹም፧ 8 ኣብዛ ኽትነብሩላ ዝኸድኩምዋ ምድሪ ግብጺ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዋእ፡ ስለምንታይ ብግብሪ ኣእዳውኩም ተዀርዩኒ ኣለኹም፧ ክትጠፍኡ፡ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ምድሪ ድማ መራገምን መጻረፍን ክትኰኑ ኢኹም።+ 9 ነቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን እተገብረ እኩይ ግብርታት ኣቦታትኩምን እኩይ ግብርታት ነገስታት ይሁዳን+ እኩይ ግብርታት ኣንስቶምን+ እኩይ ግብርታትኩምን እኩይ ግብርታት ኣንስትኹምንዶ+ ረሲዕኩምዎ ኢኹም፧ 10 ንሳቶምሲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ርእሶም ኣየትሓቱን፡* ኣይፈርሁን፡+ በቲ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓታተይን እውን ኣይተመላለሱን።’+

11 “ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ንዅሉ ይሁዳ ኸጥፍእሲ፡ መዓት ከምጽኣልኩም ቈሪጸ ኣለኹ። 12 ነቶም ናብ ምድሪ ግብጺ ኸይዶም ኣብኣ ኺነብሩ ዝቘረጹ ተረፍ ይሁዳ ኸኣ ክወስዶም፡ ኵላቶም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኺውድኡ እዮም።+ ብሰይፊ ኺወድቁ፡ ብጥሜት እውን ኪውድኡ እዮም፣ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪሞቱ እዮም። መርገምን መሰክሕን መራገምን መጻረፍን ከኣ ኪዀኑ እዮም።+ 13 ከምቲ ንየሩሳሌም ዝቐጻዕክዋ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ ተቐሚጦም ዘለዉ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ክቐጽዖም እየ።+ 14 እቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ ኺነብሩ ዝኸዱ ተረፍ ይሁዳ ድማ ናብ ምድሪ ይሁዳ ምእንቲ ኺምለሱስ፡ ኣይኬምልጡን ወይ ኣይኪተርፉን እዮም። ናብኣ ኺምለሱን ኣብኣ ኪቕመጡን ኪናፍቑ* እዮም፣ ግናኸ፡ ብዘይካ ሒደት ዜምልጡስ፡ ኣይኪምለሱን እዮም።’”

15 ኵሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዚስውኣ ዚፈልጡ ሰብኡትን ኵለን እተን ኣብኡ ደው ኢለን ዝነበራ ኣዝየን ብዙሓት ኣንስትን ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ+ ኣብ ጳጥሮስ+ ዚነብሩ ህዝብን ንኤርምያስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ 16 “እቲ ብስም የሆዋ እተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዕን ኢና። 17 ከምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን መሳፍንትናን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን እንጌራ ኣብ እንጸግበሉን ጽቡቕ ኣብ ዝነበርናሉን መዓት ጠሪስና ኣብ ዘይረኣናሉን ግዜ ዝገበርናዮ ደኣ፡ ኵሉ እቲ ንንግስቲ ሰማይ* ክንስውኣላን መስዋእቲ መስተ ኸነፍስሰላን+ ኣፍና እተዛረቦ ቓል ብርግጽ ክንፍጽሞ ኢና። 18 ካብቲ ንንግስቲ ሰማይ* ምስዋእን መስዋእቲ መስተ ምፍሳስን ዝሓደግናሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኵሉ ነገር ጐዲሉና እዩ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን እውን ተወዲእና ኢና።”

19 እተን ኣንስቲ ኸኣ፡ “ንንግስቲ ሰማይ* ክንስውኣላን መስዋእቲ መስተ ኸነፍስሰላን ከለና፡ ብምስላ እተቐርጸ መስዋእቲ እንጌራ ዝገበርናላን መስዋእቲ መስተ ዘፍሰስናላንሲ ብዘይ ፍቓድ ሰብኡትና ዲና፧” በላ።

20 ሽዑ፡ ኤርምያስ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ ነቶም ሰብኡትን ንኣንስቶምን ንዅሎም እቶም ዚዛረብዎ ዝነበሩ ህዝብን ከምዚ በሎም፦ 21 “እቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን መሳፍንትኹምን ህዝቢ እታ ምድርን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ዝሰዋእኩምዎ መስዋእቲ፡+ የሆዋ ዘኪርዎን ኣብ ልቡ ትዝ ኢልዎን ኣሎ! 22 የሆዋ ኸኣ ነቲ እኩይ ተግባራትኩምን ነቲ ዝገበርኩምዎ ፍንፉን ነገራትን ደጊም ኣይኪዕገሶን እዩ፣ ምድርኹም ድማ ከምዚ ሎሚ ዀይናቶ ዘላ፡ ባድምን መሰክሕን መራገምን ብዘይ ነባርን ክትከውን እያ።+ 23 እዚ መስዋእቲ እዚ ስለ ዝሰዋእኩም፡ ንድምጺ የሆዋ ብዘይምእዛዝን ሕግታቱን ስርዓታቱን መዘኻኸሪታቱን ብዘይምስዓብን ከኣ ንየሆዋ ስለ ዝበደልኩምዎ እዩ ኸምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ እዚ መዓት እዚ ዝወረደኩም።”+

24 ኤርምያስ ድማ ንዅሎም እቶም ህዝብን ንዅለን እተን ኣንስትን ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘለኹም ኵልኹም ይሁዳ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 25 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘እቲ ንስኻትኩምን ኣንስትኹምን ብኣፍኩም እተዛረብኩምዎ፡ ብኣእዳውኩም ፈጺምኩምዎ ኣለኹም፣ ንስኻትኩምሲ፡ “ንንግስቲ ሰማይ* ክንስውኣላን መስዋእቲ መስተ ኸነፍስሰላን ዝኣቶናዮ መብጽዓታት ብርግጽ ክንፍጽም ኢና” ኢልኩም ኢኹም።+ ኣትን ኣንስቲ፡ ብርግጽ መብጽዓታትክን ክትፍጽማን መብጽዓታትክን ክትገብራን ኢኽን።’

26 “ስለዚ፡ ኣቱም ኣብ ምድሪ ግብጺ እትነብሩ ዘለኹም ኵልኹም ይሁዳ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፦ ‘“እንሆ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ‘ከምቲ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ተባሂሉ ስመይ ብዝዀነ ሰብ ይሁዳ+ ብማሕላ ኸም ዘይጽዋዕ፡ በቲ ዓብዪ ስመይ እምሕል ኣለኹ” ይብል የሆዋ።+ 27 “ሕጂ፡ ጽቡቕ ዘይኰነስ፡ መዓት ከምጽኣሎም እቋመቶም ኣለኹ፣+ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘለዉ ዅሎም ሰብ ይሁዳ ኽሳዕ ዚጠፍኡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪውድኡ እዮም።+ 28 ሒደት ጥራይ ካብ ሰይፊ ኣምሊጦም ካብ ምድሪ ግብጺ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሱ እዮም።+ ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ኣብኣ ኺነብሩ ናብ ምድሪ ግብጺ ዚመጹ ተረፍ ይሁዳ፡ ካብ ናተይ ወይ ካብ ናታቶም፡ ናይ መን ቃል ከም እተፈጸመ ኺፈልጡ እዮም!”’”

29 “‘እቲ መዓት ከም ዘምጽኣልኩም እተዛረብክዎ ቓላተይ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ምእንቲ ኽትፈልጡስ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸም ዝቐጽዓኩም ዚሕብር ምልክት እዚ እዩ። 30 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ከምቲ ንጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ እቲ ጸላኢኡን ንህይወቱ* ዚደልያን ዝነበረ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ፡ ንፈርኦን ሆፍራ ንጉስ ግብጺ ኸኣ ኣብ ኢድ ጸላእቱን ኣብ ኢድ እቶም ንህይወቱ* ዚደልይዋን ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።”’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ