ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ ኵሎም ጻድቃን ድዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምይያጥ ባህ ይብሎም እዩ። ክትዘራረበሉ እትደሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእሰ ነገር ኣሎካዶ፧ ብዛዕባ እምነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ እንተ ደሊኻ፡ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ክትራኸብ ከለኻ፡ ከይተሰከፍካ ነቲ ጕዳይ ኣበግሶ። ንሱ እውን ተሓጒሱ ኺምልሰልካ እዩ።
ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ካልእ ሰብ ዚገብሮ ዝርርብ ከምዚ ዚስዕብ ኪመስል ይኽእል እዩ። ማርቆስ ዚብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ናብ እንዳ ሓደ ሮቤል ዚብሃል ሰብኣይ ከም ዝኸደ ጌርና እስከ ንሕሰብ።
እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፡ ኣብኡ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧
ማርቆስ፦ ብዛዕባ መጻኢ ኽትሓስብ ከለኻ፡ ኵነታት ዚመሓየሽዶ ይመስለካ፡ ወይስ እናገደደ ዚኸይድ፧ ወይስ ከም ዘለዎ ዚቕጽል እዩ ዚመስለካ፧
ሮቤል፦ ኵነታት ዚመሓየሽ ይመስለኒ። ምስ ጐይታ ንኽነብር ናብ ሰማይ ክኸይድ እምነ እየ።
ማርቆስ፦ እዚ ዜድንቕ ተስፋ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ሰማይ እንታይ ከም ዚመስል፡ ናብ ሰማይ ምኻድ ከኣ ፍሉይ መሰል ምዃኑ ይገልጽ እዩ። እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ ሰባት፡ ኣብኡ እንታይ ከም ዝገብሩስ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧
ሮቤል፦ ምስ ኣምላኽ ኽንነብር፡ ንዘለኣለም ከኣ ክንውድሶ ኢና።
ማርቆስ፦ እዚ ብሓቂ ባህ ዜብል ተስፋ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ ሰባት ፍሉይ መሰል ከም ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣገዳሲ ሓላፍነት እውን ከም ዘለዎም ይገልጽ እዩ።
ሮቤል፦ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧
ማርቆስ፦ እዚ ሓላፍነት እዚ ኣብ ራእይ 5:10 ተገሊጹ ኣሎ። እታ ጥቕሲ፡ “ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም” ትብል። እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ ሰባት እንታይ ሓላፍነት ከም ዚስከሙስ ኣስተብሂልካዶ፧
ሮቤል፦ እታ ጥቕሲ፡ ኣብ ምድሪ ኸም ዚነግሱ ትገልጽ።
ማርቆስ፦ እዝስ ብሓቂ ባህ ዜብል ሓሳባትዶ ኣይመስለካን፧
ኣብ ልዕሊ መን እዮም ዚገዝኡ፧
ማርቆስ፦ ስለዚ፡ እቶም ንሰማይ ዚኸዱ ሰባት፡ ኪነግሱ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ብኣታቶም ዚግዝኡ ህዝቢ ኪሕልዉ ዘለዎምዶ ኣይመስለካን፧ ሓደ መንግስቲ ተገዛእቲ እንተ ዘየልይዎ፡ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
ሮቤል፦ ሕጂ እንታይ ክትብል ከም ዝደለኻ ተረዲኡኒ።
ማርቆስ፦ እቲ ርትዓዊ ዝዀነ ሕቶ እምበኣር፡ ኣብ ልዕሊ መን እዮም ዚነግሱ፧ ዚብል እዩ።
ሮቤል፦ ከም ዝመስለኒ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብህይወት ዘለዉ እሞ፡ ናብ ሰማይ ዘይከዱ ሰባት ኢና እንነግስ።
ማርቆስ፦ ኵሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ዚኸዱ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ዝበልካዮ ርትዓዊ መልሲ እዩ። ግናኸ፡ ካልእ ክንሓስበሉ ዘሎና ነጥቢ እውን ኣሎ። ናብ ሰማይ ዘይከዱ ገለ ጻድቃንከ ኺህልዉ ይኽእሉዶ፧
ሮቤል፦ ከምኡ ኢሎም ዚኣምኑ ክርስትያናት ከም ዘለዉ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ።
ማርቆስ፦ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዘበገስኩላ ምኽንያት፡ ኣብ መዝሙር 37:29፡ (ትርጕም 1990) ይርከብ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ተንብባዶ፧
ሮቤል፦ ሕራይ። ከምዚ ትብል፦ “ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፥ ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም።”
ማርቆስ፦ አመስግነካ። ሓያሎ ጻድቃን ኣበይ ከም ዚነብሩስ ኣስተብሂልካዶ፧
ሮቤል፦ እታ ጥቕሲ ኣብ ምድሪ ኸም ዚነብሩ ትገልጽ።
ማርቆስ፦ ልክዕ። ንሓጺር እዋን ጥራይ እውን ኣይኰነን። እታ ጥቕሲ፡ “ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም” ከም እትብል ኣስተብህል።
ሮቤል፦ እዚ ግና፡ ኣብ ምድሪ ኵሉ ሳዕ ጻድቃን ከም ዘለዉ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሞይትና ንሰማይ ምስ ከድና፡ በቶም ዚውለዱ ኻልኦት ጻድቃን ንትካእ ኢና።
ማርቆስ፦ ሓያሎ ሰባት ነታ ጥቕሲ ኸምኡ ኢሎም ይትርጕምዋ ይዀኑ እዮም። ግናኸ፡ እታ ጥቕሲ ኻልእ ትርጕም ኪህልዋ ኣይክእልንዶ፧ ጻድቃን ክትክኡ ዘይኰነስ፡ ባዕላቶም እውን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ኸተመልክት ኣይትኽእልንዶ፧
ሮቤል፦ እንታይ ክትብል ከም ዝደለኻ ኣይተረድኣንን።
ኣብ መጻኢ እትህሉ ምድራዊት ገነት
ማርቆስ፦ ካልእ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ህይወት እንታይ ከም እትብል ርአ። ራእይ 21:4 ነንብብ። እታ ጥቕሲ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዚመጽእ ዚነብሩ ሰባት ከምዚ ትብል፦ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” እዝስ ዜሐጕስ ተስፋዶ ኣይኰነን፧
ሮቤል፦ እወ፡ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ። እዚ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዚህሉ ናብራ ዚገልጽ ይመስለኒ።
ማርቆስ፦ እቶም ንሰማይ ዚኸዱ ሰባት ከምኡ ዝኣመሰለ በረኸት ከም ዚረኽቡ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ነታ ጥቕሲ እሞ እንደገና ንርኣያ። ሞት እንታይ ከም ዚኸውን እያ እትገልጽ፧
ሮቤል፦ “ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” ትብል።
ማርቆስ፦ ልክዕ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ‘ድሕሪ ደጊም ኣይኪኸውንን’ እንተ ተባሂሉ፡ ኣቐዲሙ ኺህሉ ኣለዎ። ኣይመስለካን፧
ሮቤል፦ እወ፡ ጽቡቕ ኣለኻ።
ማርቆስ፦ ኣብ ሰማይ ግና ሞት ሃልዩ ኣይፈልጥን እዩ። ሞት ዘሎ ኣብ ምድሪ ጥራይ እዩ።
ሮቤል፦ ኣሃ። ነዚ ኽሓስበሉ ኣሎኒ።
ማርቆስ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ጻድቃን ናብ ሰማይ ከም ዝኸዱ፡ መብዛሕትኦም ግና ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ እዩ ዚገልጽ። ነተን፡ “ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” ዚብላ ቓላት መቸም ሰሚዕኻየን ትኸውን ኢኻ።—ማቴዎስ 5:5።
ሮቤል፦ እወ፡ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክትንበብ ከላ፡ ብዙሕ ሳዕ ሰሚዐያ ኣለኹ።
ማርቆስ፦ ዓቃላት ንምድሪ ኺወርስዋ ኺብሃል ከሎ፡ ሰባት ኣብ ምድሪ ኸም ዚነብሩ ዜመልክትዶ ኣይኰነን፧ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት፡ ነቲ ኣብዚ ኣብ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ረብሓታት ኪረኽብዎ እዮም። እወ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ሕማቕ ነገራት፡ ንሞት እውን ከይተረፈ ስለ ዜወግዶ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንዓለምና ምሉእ ብምሉእ ተቐይራ ኺርእይዋ እዮም።
ሮቤል፦ ሕጂ እንታይ ክትብል ከም ዝደለኻ ተረዲኡኒ ኣሎ። ግናኸ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ንሓሳባትካ መረጋገጺ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
ማርቆስ፦ እወ፡ ጽቡቕ ኣለኻ። ግናኸ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ እንታይ ዓይነት ናብራ ህይወት ከም ዚህሉ ዚገልጽ ሓያሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ግዜ እንተ ኣልዩካ፡ ሓንቲ ኻብተን ዚፈትወን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከርእየካ እኽእል እየ።
ሮቤል፦ እወ፡ ሒደት ደቓይቕ ኣሎኒ።
“እቲ ረሲእ የሎን”
ማርቆስ፦ ኣቐድም ኣቢልና መዝሙር 37 ፍቕዲ 29 ኣንቢብና ኔርና። ናብታ መዝሙር እቲኣ እሞ ንመለስ፡ ፍቕዲ 10ን 11ን ነንብብ። ነተን ፍቕድታት ከተንብበንዶ፧
ሮቤል፦ ሕራይ። “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”
ማርቆስ፦ አመስግነካ። ብመሰረት ፍቕዲ 11፡ “ትሑታት” ወይ ጻድቃን ኣበይ እዮም ዚነብሩ፧
ሮቤል፦ እታ ጥቕሲ፡ “ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም” ትብል። ኰይኑ ግና፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነዚ ግዜና እያ እተመልክት፣ ሎሚ እውን እኮ ጻድቃን ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ ዘለዉ።
ማርቆስ፦ ሓቅኻ። ኰይኑ ግና፡ እታ ጥቕሲ፡ ጻድቃን “ብብዝሒ ሰላም” ደስ ኪብሎም ምዃኑ ኸም እትገልጽ እውን ኣስተብህል። ሎሚ ኣብ ዓለም ብዝሒ ሰላም ኣሎ ድዩ፧
ሮቤል፦ የለን።
ማርቆስ፦ ስለዚ፡ እቲ መብጽዓ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ ምስዚ ኺነጻጸር ዚኽእል ሓደ ኣብነት ክጠቕሰልካ። ብዙሕ ክፍልታት ዘለዎ ህንጻ ኸም ዘሎካ ጌርና ንሕሰብ። ገሊኦም ተኻረይቲ ቕኑዓት ሰባት እዮም። ነቲ ኽፍልታት ጽቡቕ ገይሮም ይሕዝዎ፡ ጥዑማት ጐረባብቲ ኪዀኑ ኸኣ ይጽዕሩ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክፍልታት ከተካርዮም፡ ሕጉስ ኢኻ። ገሊኦም ተኻረይቲ ግና ክፉኣት እዮም። ነቲ ኽፍልታት የበላሽውዎ፡ ንጐረባብቶም ከኣ ሰላም ይኸልእዎም። እዞም ተኻረይቲ እዚኣቶም ጠባዮም እንተ ዘየመሓይሾም፡ እንታይ ምገበርካ፧
ሮቤል፦ ካብቲ ገዛ ምሰጐጕክዎም።
ማርቆስ፦ ኣምላኽ እውን ነቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኽፉኣት ሰባት ልክዕ ከምኡ እዩ ኺገብሮም። እንደገና ፍቕዲ 10 እሞ ንርአ። “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን” ትብል። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣምላኽ ነቶም ንኻልኦት ዜሸግሩ ሰባት “ኪሰጕጐም” እዩ። ሽዑ፡ ጻድቃን ኣብ ምድሪ ብሰላም ኪነብሩ እዮም። ጻድቃን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ እተመሃርካዮ ሓሳብ ከም ዚፍለ ይርድኣኒ እዩ።
ሮቤል፦ እወ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ቤተ ክርስትያነይ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን እየ።
ማርቆስ፦ ከምቲ ኣቐዲምካ ዝገለጽካዮ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት ጥራይ ምርኣይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሻ ብዛዕባ መጻኢ ጻድቃን እንታይ ከም ዚብል ክንምርምር ኣሎና። ብመሰረት እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ጥቕስታት ግና፡ ናብ ሰማይ ዚኸዱ ገለ ጻድቃን ኪህልዉ ኸም ዚኽእሉ፡ ከምኡውን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ ሓያሎ ጻድቃን ኪህልዉ ኸም ዚኽእሉስ ኣይትሰማማዓሉንዶ፧
ሮቤል፦ ርግጸኛ ኣይኰንኩን። ካብቲ ዘንበብካዮ ጥቕስታት ግና፡ ከምኡ እዩ ዚመስል። ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ ኣሎኒ።
ማርቆስ፦ ነቲ ጕዳይ ክትምርምሮ ኸለኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ኻልእ ሕቶታት እውን ኪመጸካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ጻድቃንከ፧ ኵሎም ድዮም ናብ ሰማይ ከይዶም፧ ኵሎም እንተ ዘይኰይኖም፡ ሕጂ ኣበይ ደኣ እዮም ዘለዉ፧
ሮቤል፦ ኣገደስቲ ሕቶታት እየን።
ማርቆስ፦ እንተ ፈቒድካለይ፡ ክልተ ነገራት ክገብረልካ እኽእል እየ። መጀመርታ፡ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዜብርሃ ሒደት ጥቕስታት ኪጽሕፈልካ።a ካልኣይ፡ ነተን ጥቕስታት ኣጋጣሚ ረኺብካ ምስ ኣንበብካየንን ምስ ሓሰብካለንን ተመሊሰ መጺአ ኸመያይጠካ ደስ ምበለኒ። እንታይ ምበልካ፧
ሮቤል፦ ሕራይ፡ ጽቡቕ። አመስግነካ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዮብ 14:13-15፣ ዮሃንስ 3:13፣ ከምኡውን ግብሪ ሃዋርያት 2:34 ርአ።