ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/2 ገጽ 3
  • ሙሴ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሙሴ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መገድታት የሆዋ ምፍላጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • እታ እትነድድ ቈጥቋጥ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሙሴ ዝሃደመሉ ምኽንያት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/2 ገጽ 3

ገበር፦ ሙሴ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧

ሙሴ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧

ሙሴ ዚብል ስም ክትሰምዕ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧

  • ኣዲኡ ኣብ ሳጹን ሓቢኣ፡ ኣብ ጥቓ ርባ ዘንበረቶ ህጻን፧

  • ኣብ ግብጺ፡ ጓል ፈርኦን ብምሾት ዘዕበየቶ፡ ግናኸ እስራኤላዊ ምዃኑ ዘይረስዐ ወዲ፧

  • ኣርብዓ ዓመት ኣብ ሚድያን ዝነበረ ሰብኣይ፧

  • ኣብ ቅድሚ ዚነድድ ቍጥቋጥ ኰይኑ ምስ የሆዋa ዚዘራረብ ዝነበረ ሰብኣይ፧

  • ኣብ ቅድሚ ንጉስ ግብጺ ቐሪቡ፡ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኺወጹ ብትብዓት ዝሓተተ ተባዕ ሰብኣይ፧

  • ንጉስ ግብጺ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስ ተቓወሞ፡ ኣብ ግብጺ ዓሰርተ መዓት ከም ዚወርድ ብኣምላኽ ተመሪሑ ዝኣወጀ ሰብኣይ፧

  • ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ ዝመርሖም ሰብኣይ፧

  • ኣምላኽ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ ንምምቃል እተጠቕመሉ ሰብኣይ፧

  • ንእስራኤላውያን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣምላኽ ዝሃቦም ሰብኣይ፧

ሙሴ፡ ኵሉ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰን ካልእ ነገራትን ኣሕሊፉ እዩ። ክርስትያናትን ኣይሁድን ኣስላምን ነዚ እሙን ሰብኣይ እዚ፡ ኣዝዮም ከም ዜኽብርዎ ፍሉጥ እዩ።

ሙሴ፡ “ዓብዪ መፍርህ ነገር” ዝገበረ ነብዪ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። (ዘዳግም 34:10-12) ፍቓደኛ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ኣምላኽ ብርቱዕ ነገራት ንኺገብር ተጠቒሙሉ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ተራ ሰብ እዩ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ብራእይ ምስ ሙሴ እተራእየ ነብዪ ኤልያስ፡ ሙሴ እውን “ከማና ዝስምዒቱ ሰብ” እዩ ነይሩ። (ያእቆብ 5:17፣ ማቴዎስ 17:1-9) ንሱ ኸምቲ ሎሚ ንዓና ዜጋጥመና ሓያሎ ጸገማት የጋጥሞ ነይሩ እዩ፣ ንዅሉ ድማ ብዓወት ሰጊርዎ እዩ።

ነዚ ብኸመይ ከም ዝሰገሮ ኽትፈልጥ ምደለኻዶ፧ ሰለስተ ኻብቲ ሙሴ ዘርኣዮ ጽቡቕ ባህርያት ንመርምር እሞ፡ ካብኡ እንታይ ከም እንመሃር ንርአ።

a የሆዋ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ