ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/2 ገጽ 13-16
  • ንዘብዐኛታት ሃጸይ ተመስከረሎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዘብዐኛታት ሃጸይ ተመስከረሎም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሃዋርያ ጳውሎስ “ከይተኸልከለ” ይሰብኽ ነበረ
  • ጳውሎስ ንንእሽቶን ንዓብይን ይምስክር ነበረ
  • ‘ከይፈራህካ ቓል ኣምላኽ ተዛረብ’
  • “ኣጸቢቑ እናመስከረ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነቲ ብስራት ምምጓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/2 ገጽ 13-16

ንዘብዐኛታት ሃጸይ ተመስከረሎም

እዋኑ ብ59 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። በቲ ኣብ ፖርታ ካፔና ዝነበረ ደገ፡ ብጕዕዞ ዝደኸሙ ዓቀይቶትን ሓያሎ እሱራትን ናብ ሮሜ ኣተዉ። ኣብ ኵርባ ፓላታይን፡ ቤተ መንግስቲ ሃጸይ ኔሮ ነበረ፣ እዚ ቦታ እዚ በቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ቶጋ ዚብሃል ወግዓዊ ኽዳኖም ኣስያፍ እተዓጥቁ ዘብዐኛታት ሃጸይ እዩ ዚሕሎ ነይሩ።a እቲ ዩልዮስ ዝስሙ ሓለቓ ሚእቲ፡ ንእሱራቱ በቲ መጋባእያ ሮሜ ዝነበሮ ቦታ ገይሩ ናብ ኵርባ ቪሚናል ወሰዶም። ብሓደ ንኣማልኽቲ ሮሜ መስዋእቲ ዚቐርበሉ ብዙሕ ቦታታት መሰውኢ ዘለዎ ስፍራ ኣታኽልቲ ገይሮም ከዱ፣ ነቲ ምርኢት ሰልፊ ዚርኣየሉን ዓቀይቶት ዚስልጥኑሉን ቦታ ሓሊፎምዎ ኸኣ ተጓዕዙ።

ኣብቲ ብ51 ድ.ክ. እተሃንጸ ሓወልቲ ቅላውዴዎስ ዝነበረ ኪኸውን ዚኽእል ቅርጺ ዘብዐኛታት ሃጸይ

ሓደ ኻብቶም እሱራት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ ነይሩ። እተወሰነ ኣዋርሕ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ሓንቲ ብማዕበል እትናወጽ ዝነበረት መርከብ ከሎ፡ ሓደ መልኣኽ ኣምላኽ፡ “ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኣሎካ” ኢልዎ ነበረ። (ግብ. 27:24) እሞኸ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ኪብል ድዩ፧ ንርእሲ ኸተማ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኺርኢ ግልጽ ምስ በለ፡ ነቲ ጐይታ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ግምቢ ኣንቶንያ ኸሎ ዝበሎ ዘኪርዎ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ንጳውሎስ፡ “ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ኣጸቢቕካ ዝመስከርካ፡ ኣብ ሮሜ እውን ከምኡ ኽትምስክር ኣሎካ እሞ፡ ኣጆኻ!” በሎ።—ግብ. 23:10, 11።

ጳውሎስ ሓንሳእ ደው ኢሉ ነቲ ካስትራ ፕሪቶሪያ ዚብሃል፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፋሉ ግምብታት ዘለዎ፡ ብቐይሕ ሕጡብ እተሰርሐ ነዊሕ መናድቕ ድማ ዝሓቘፈ ዓብዪ ዕርዲ ርእይዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ዕርዲ፡ እቶም ሓለውቲ ሃጸይን ሓይሊ ፖሊስ እታ ኸተማን ኰይኖም ዜገልግሉ ዘብዐኛታት ሃጸይ ዚነብሩሉ ኣባይቲ ነበረ። ኣብቲ ቦታ እቲ፡ 12 ጕጅለ ጭፍራb ዘብዐኛታትን ካልኦት ብዙሓት ጭፍራታት ከተማን ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ዕርዲ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ዓቀይቶት፡ እንተላይ ፈረሰኛታት ሰራዊት ይቕመጡ ነበሩ። ካስትራ ፕሪቶሪያ፡ ምንጪ ሓይሊ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት እንታይ ምዃኑ ዜዘኻኽር እዩ ነይሩ። እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይ ነቶም ካብ ኣውራጃታት ዚመጹ እሱራት ብሓላፍነት ስለ ዚከታተልዎም፡ ዩልዮስ ነቶም ምስኡ ዝመጹ እሱራት፡ ብሓደ ኻብቲ ናብ ሮሜ ዜእቱ ኣርባዕተ ደገታት መሪሕዎም ከደ። በዚ ኸምዚ፡ ድሕሪ እቲ ሓያሎ ኣዋርሕ ዝወሰደ ሓደገኛ ጕዕዞ፡ ንእሱራቱ ኣብቲ ዚድለ ቦታ ኣብጽሖም።—ግብ. 27:1-3, 43, 44።

ሃዋርያ ጳውሎስ “ከይተኸልከለ” ይሰብኽ ነበረ

ጳውሎስ ኣብ ጕዕዞኡ፡ ብምሉኦም ኣብታ ዚጐዓዘላ ዝነበረ መርከብ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት፡ ካብ ሓደጋ መርከብ ብህይወት ከም ዚተርፉ ብራእይ ረኣየ። ብመርዛም ተመን እኳ እንተ ተነኽሰ፡ ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ኣይወረዶን። ኣብ ደሴት መሊጠ ንዝነበሩ ሕሙማት ድማ ኣሕወዮም፣ እቶም ተቐማጦ እታ ደሴት ከኣ ከም ኣምላኽ ገይሮም ኪርእይዎ ጀመሩ። ምናልባት እዚ ፍጻመታት እዚ ኣብቶም ብማሪት ዚኣምኑ ዘብዐኛታት ሃጸይ ይውረ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ጳውሎስ ምስቶም ‘ንኪቕበልዎ ኢሎም ካብ ሮሜ ኽሳዕ ዕዳጋ ኣጵዩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን ዝመጹ’ ኣሕዋት ድሮ ተራኺቡ ነይሩ እዩ። (ግብ. 28:15) ኰይኑ ግና፡ እሱር ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ሮሜ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዝነበሮ ባህጊ ብኸመይ እዩ ኺፍጽሞ ዚኽእል ነይሩ፧ (ሮሜ 1:14, 15) ገሊኦም ሰባት፡ እሱራት ናብ ቅድሚ ሓለቓ እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይ ይቐርቡ ኸም ዝነበሩ ይገልጹ እዮም። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ጳውሎስ ናብቲ ኻብቲ ሃጸይ ቀጺሉ ስልጣን ዝነበሮ ኣፍራንዩስ ቡሮስ ዝስሙ ሓለቓ ዘብዐኛታት ሃጸይ እዩ ተወሲዱ።c ዝዀነ ዀይኑ፡ ጳውሎስ ብሓላቑ ሚእቲ ዘይኰነስ፡ ብሓደ ተራ ዘብዐኛ ሃጸይ እዩ ዚሕሎ ነይሩ። ዝደለዮ ቤት ኪካረ ኸምኡውን ሰባት ኪበጽሕዎን “ከይተኸልከለ” ኺሰብከሎምን ተፈቕደሉ።—ግብ. 28:16, 30, 31።

ብግዜ ኔሮ ዝነበሩ ዘብዐኛታት ሃጸይ

ምስሊ ሰፈር ዘብዐኛታት ሃጸይ ዘለዎ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሰልዲ

እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይ፡ ነቲ ሃጸይን ንስድራ ቤቱን ከም ዚሕልዉ ይምሕሉ ነበሩ። ናብ ውግእ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣርማ እቲ ሃጸይን ምስሊ ዕንቅርቢት ዘለዎ ዋልታን ናይ ቄሳር ጢቤርዮስ ምልክት ኰዀብን እዮም ዚሕዙ ነይሮም። ኣብ ትሕቲ ሓደ ሮማዊ ብዓል ስልጣንን ሓላቑ ሚእትን ኰይኖም ድማ፡ ኣብ ጸወታታትን ኣብ ትያትራትን ስርዓት ከም ዚሰፍን ይገብሩ ነበሩ፣ ኣብ ኣገልግሎት ምጥፋእ ሓዊ ኸኣ ይሕግዙ ነበሩ። እቶም ን16 ዓመት ዘብዐኛታት ሃጸይ ኰይኖም ዜገልግሉ ዓቀይቶት፡ ካብቶም ኣባላት ጭፍራ ሰራዊት ኰይኖም ን25 ዓመት ዜገልግሉ ንላዕሊ፡ ሰለስተ ዕጽፊ ይኽፈሎምን ብዙሕ መቝሽሽ ይቕበሉን ጡረታ ኣብ ዚወጹሉ እዋን ድማ ብዙሕ ገንዘብ ይውሃቦምን ነበረ። ንእሱራት የሳቕዩን ይቐትሉን እውን ነይሮም እዮም። ጳውሎስ ድሕሪ እቲ ኻልኣይ ማእሰርቱ፡ በቶም ብስብከቱ ኼድሕኖም ዚጽዕር ዝነበረ ዓቀይቶት ተቐቲሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—2 ጢሞ. 4:16, 17።

Courtesy Classical Numismatic Group, Inc./cngcoins.com

ጳውሎስ ንንእሽቶን ንዓብይን ይምስክር ነበረ

ሎሚ ዘሎ መናድቕ ካስትራ ፕሪቶሪያ

ቡሮስ ንፍርዳዊ ጕዳያት ጳውሎስ ተኸታቲሉ ናብ ኔሮ ቕድሚ ምምሕልላፉ፡ ንጳውሎስ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ወይ ከኣ ኣብ ሰፈር እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይ ኣዘራሪብዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ድማ ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሙ፡ ‘ንንእሽቶን ንዓብይን ይምስክር’ ነበረ። (ግብ. 26:19-23) ቡሮስ ብዛዕባ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ብዘየገድስ፡ ንጳውሎስ ኣብ ሰፈር እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይ ኣየእሰሮን።d

እቲ ጳውሎስ ተኻርይዎ ዝነበረ ቤት ዓብዪ ስለ ዝነበረ፡ “ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ” ከምኡውን ‘ነቶም ናብታ ዝዓረፈላ ቤት ዚመጹ ብዙሓት ሰባት’ ኪቕበሎምን ኪምስክረሎምን ይኽእል ነበረ። እቶም ዓቀይቶት ዘብዐኛታት ሃጸይ እውን፡ ጳውሎስ ንኣይሁድ “ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት” ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን የሱስን ‘ኣጸቢቑ ኺምስክረሎም’ ከሎ ይሰምዕዎ ነይሮም እዮም።—ግብ. 28:17, 23።

ጳውሎስ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ደብዳበታት ኬጽሕፍ ከሎ፡ እቶም ዓቀይቶት ይሰምዕዎ ነበሩ

እቶም ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ዚሕልዉ ዝነበሩ ጭፍራ ዘብዐኛታት፡ በብመዓልቱ ኣብ ሸሸሞንተ ሰዓት ይቀያየሩ ነበሩ። እቲ ንጳውሎስ ዚሕልዎ ዝነበረ ዓቀይታይ እውን ይቕየር ነበረ። ጳውሎስ ኣብቲ ተኣሲሩ ዝጸንሓሉ ኽልተ ዓመት፡ ነቶም ኣብ ኤፌሶንን ኣብ ፊልጲን ኣብ ቈሎሴን ዝነበሩን ንእብራውያን ክርስትያናትን ደብዳበታት ኬጽሕፍ ከሎ፡ ዓቀይቶት ይሰምዕዎ ነይሮም እዮም፣ ነቲ ፊልሞን ዝስሙ ክርስትያን ባዕሉ ኺጽሕፈሉ ኸሎ እውን ርእዮምዎ ነይሮም እዮም። ጳውሎስ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ንሓደ ኦኔሲሞስ ዝስሙ ‘ኣብ መቝሑ ዀይኑ ዝወለዶ’ ዝሃደመ ባርያ ተገደሰሉ፣ ናብ ጐይታኡ ኸኣ መለሶ። (ፊሞ. 10) ብዛዕባ እቶም ሓለውቱ ይግደስ ከም ዝነበረ እውን ኣየጠራጥርን እዩ። (1 ቈረ. 9:22) ንሓደ ዓቀይታይ ብዛዕባ እተፈላለየ ዕላማ ኣጽዋሩ ኺሓትቶ ኸሎን ነቲ ሓበሬታ ተጠቒሙ ጽቡቕ ምሳሌ ኺጽሕፍ ከሎን ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና።—ኤፌ. 6:13-17።

‘ከይፈራህካ ቓል ኣምላኽ ተዛረብ’

ማእሰርቲ ጳውሎስ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይ ኰነ ኣብ ካልእ ቦታታት፡ “ንምስፋሕ እቲ ብስራት” ዓብዪ ኣበርክቶ ነይርዎ እዩ። (ፊል. 1:12, 13) ተቐማጦ ካስትራ ፕሪቶሪያ ምስ ምሉእ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኸምኡውን ምስቲ ሃጸይን ምስቲ ሰፊሕ ቤተ ሰቡን ርክብ ነይርዎም እዩ። እቲ ቤተ ሰብ ሃጸይ፡ ኣባላት ስድራ ቤትን ኣገልገልትን እተወሰኑ ክርስትያናት ዝዀኑ ባሮትን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ፊል. 4:22) ጳውሎስ ብትብዓት ስለ ዝመስከረ ድማ፡ እቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ “ቃል ኣምላኽ ንምዝራብ ብዝያዳ ተቢዖም” እዮም።—ፊል. 1:14።

ዘለናሉ ዅነታት ብዘየገድስ፡ ነቶም እተፈላለየ ኣገልግሎት ዚህቡ ሰባት ክንምስክረሎም ንኽእል ኢና

ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ‘ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ክንሰብኽ ከለና፡’ ኬተባብዓና ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 4:2) ገሌና ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ስለ እንነብር ወይ ኣብ ሆስፒታል ስለ ዘለና፡ ወይ ከኣ ብምኽንያት እምነትና ስለ እተኣሰርና፡ ካብ ቤት ክንወጽእ ኣይንኽእልን ንኸውን። ዘለናሉ ዅነታት ብዘየገድስ፡ ነቶም ኪበጽሑ ወይ እተፈላለየ ኣገልግሎት ኪህቡ ኢሎም ዚመጹ ሰባት ክንምስክረሎም ንኽእል ንኸውን። ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ብትብዓት ንምስክር እንተ ዄንና፡ ‘ቃል ኣምላኽ ከም ዘይእሰር’ ብዓይንና ኽንርኢ ኢና።—2 ጢሞ. 2:8, 9።

ሴክስተስ ኣፍራንዩስ ቡሮስ

ስም ሴክስተስ ኣፍራንዩስ ቡሮስ ዘለዎ ቕርጺ

ቡሮስ ኣብታ ብ1884 ድ.ክ. ስሙ ኣብ ሓደ ቕርጺ ተጻሒፉ እተረኽበላ፡ ሕጂ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ እትርከብ ቨዞን-ላ-ሮማን እትብሃል ከተማ እዩ ተወሊዱ ኪኸውን ዚኽእል። ብ51 ድ.ክ. እታ ሰበይትን ዘመድን ቄሳር ቅላውዴዎስ ዝነበረት ኣግሪፒና ንእሽቶ፡ ንቡሮስ ሓለቓ ዘብዐኛታት ሃጸይ ገይራ ሸመቶ። ኣግሪፒና ብኽልተ መጕዚ ወይ ሓለውቲ ገይራ ነቲ ንእሽቶ ወዳ ዝነበረ ኔሮ፡ ሃጸይ ንኪኸውን ኣዳለወቶ። ሓደ ኻብቶም መጕዚ፡ እቲ ውሩይ ዓቀይታይ ዝነበረ ቡሮስ ኰይኑ፡ ንኔሮ ወተሃደራዊ ስልጠና እዩ ዚህቦ ነይሩ። እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ እቲ ሰነካ ዝስሙ ፈላስፋ ዀይኑ፡ ንኣተሓሳስባ ኔሮ ቐረጾ። ኣግሪፒና ኣብ ምሹእ እዋን ንሰብኣያ ብመርዚ ኣቕተለቶ። ኰይኑ ግና፡ ሞት ቅላውዴዎስ ከይተሰምዐ ኸሎ፡ ቡሮስ ንኔሮ ናብ ካስትራ ፕሪቶሪያ ዓጂቡ ብምውሳድ፡ በቶም ዘብዐኛታት ሃጸይ ገይሩ ኣንገሶ፣ እዚ ኸኣ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ሮሜ ነቲ ውሳነ ኸይፈተወ ኸም ዚቕበሎ ገበሮ። ኔሮ ብ59 ድ.ክ. ንኣዲኡ ምስ ኣቕተላ፡ ቡሮስ ነቲ ገበን ሸፈነሉ። እቶም ሮማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝነበሩ ሱቶኒዮን ካስየስ ዲዮን ከም ዝገለጽዎ፡ ኔሮ ንቡሮስ ብ62 ድ.ክ. ብመርዚ ኣቕቲልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

Musée Calvet Avignon

a ነታ፡ “ብግዜ ኔሮ ዝነበሩ ዘብዐኛታት ሃጸይ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b ሓደ ጕጀለ ጭፍራ ሮሜ፡ ክሳዕ 1,000 ዚበጽሑ ዓቀይቶት ዝሓቘፈ እዩ ነይሩ።

c ነታ፡ “ሴክስተስ ኣፍራንዩስ ቡሮስ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

d ሄሮድስ ኣግሪጳ፡ ካሊጉላ ሃጸይ ኪኸውን ከም ዚደሊ ስለ እተዛረበ፡ ቄሳር ጢቤርዮስ ኣብ 36/37 ድ.ክ. ኣብዚ ቦታ እዚ ኣሲርዎ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ካሊጉላ ንጢቤርዮስ ተኪኡ ሃጸይ ምስ ኰነ፡ ንሄሮድስ ኣንገሶ።—ግብ. 12:1።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ