ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/2 ገጽ 10
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • የሱስ ቤት መቕደስ የጽሪ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/2 ገጽ 10

ትፈልጥዶ፧

እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዝውተር ዝነበረ ዓልወ እንታይ እዩ፧

ኦም ኣጋርዉድ

ዓልወ ኻብ ኦም ኣጋርዉድ እዩ ዚርከብ ነይሩ

ጨና ዓልወ፡ ኣብ ክዳንን ዓራትን ይዝውተር ከም ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (መዝሙር 45:8፣ ምሳሌ 7:17፣ መሃልየ መሃልይ 4:14) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ዓለወ፡ ካብ ኣጋርዉድ (ዓይነት ኣኲላሪያ) እዩ ዚርከብ። እቲ ዕንጨይቲ ኺብስብስ ከሎ፡ ጥዑም ዝጨናኡ ዘይትን ዕንዲዳን የውጽእ እዩ። ሽዑ እቲ ዕንጨይቲ ተጣሒኑ፡ “ዓልወ” ዀይኑ ይሽየጥ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንድንኳናት እስራኤል፡ “የሆዋ ኸም ዝተኸሎ ኣትክልቲ ዓልወ” ኸም ዝዀነ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ዘሁልቍ 24:5, 6፡ NW) እዚ መግለጺ እዚ፡ ንቕርጺ እቲ 30 ሜተር ዝንውሓቱን ዜጕላዕልዕን ኦም ኣጋርዉድ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኦም እዚ ሎሚ ኣብ እስራኤል ዘይርከብ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ኤ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል ዝገለጸቶ፡ “እዚ ኦም እዝን ካልእ ሎሚ ኣብቲ [ኸባቢ] ዘይፍለጥ ኣእዋምን፡ ኣብቲ ጥንቲ ዝነበረ ልሙዕን ዕሙርን ስንጭሮ ዮርዳኖስ ኣይበቍልን እዩ ነይሩ ኺብሃል ኣይከኣልን እዩ።”

ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም እንታይ ዓይነት መስዋእቲ እዩ ተቐባልነት ነይርዎ፧

ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዝነበረ ማሕተም ካይላ

እዚ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም እተረኽበ ማሕተም ካይላ፡ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር ዝነበረ እዩ

ሕጊ ኣምላኽ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ዝበለጸ ኪኸውን ከም ዘለዎ ይእዝዝ ነበረ። ኣምላኽ፡ ጐደሎ ዘለዎ መስዋእቲ ኣይቅበልን ነበረ። (ዘጸኣት 23:19፣ ዘሌዋውያን 22:21-24) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ፊሎ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ጸሓፊ ኸም ዝገለጾ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ኻህናት፡ እቲ ንመስዋእቲ ዚቐርብ እንስሳ ብዅሉ መዳይ ጥዑይ ምዃኑ፡ “ዝዀነ ይኹን መንቅብ ወይ ኣበር” ድማ ኸም ዘይብሉ ንምርግጋጽ፡ “ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ” ይምርምርዎ ነበሩ።

ኤድ ፓሪሽ ሳንደርስ ዚብሃል ምሁር፡ ሓለፍቲ ቤተ መቕደስ “ነቶም ንመስዋእቲ ዚዀኑ እንስሳታት ዚሸጡ እሙናት ሸየጥቲ፡ ካህናት ኣቐዲሞም ዝመርመርዎም እንስሳታትን ኣዕዋፍን ጥራይ ንኺሸጡ ስልጣን ሂቦምዎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሸያጢ ነቲ ዓዳጊ፡ እቲ እንስሳ ጐደሎ ኸም ዘይብሉ ዜረጋግጽ ቅብሊት ይህቦ ነበረ” በለ።

ብ2011 ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ቤተ መቕደስ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ቅብሊት ረኺቦም እዮም፣ ካብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. ክሳዕ 70 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ጥቕሚ እትውዕል ዝነበረት ክንዲ ሳንቲም እትኸውን ማሕተም ካይላ ኸኣ እያ። እቲ ኣብታ ማሕተም እተቐርጸ ኽልተ ቓላት ኣረማይስጢ፡ “ንጹህ ንኣምላኽ” ብዚብል ተተርጒሙ ኣሎ። ሓለፍቲ ቤተ መቕደስ፡ ነታ ቕብሊት ምስቲ ንኣምልኾ ዚኸውን ነገር ወይ ከኣ ምስቲ ንመስዋእቲ ዚቐርብ እንስሳ የተሓሕዝዋ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚግመት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ