ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 15/6 ገጽ 7
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዳድ ሬሳ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናብ ሓመድ ምምላስ ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተስፋ ትንሳኤ ሓይሊ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • “ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 15/6 ገጽ 7
ኣብ ገነት ካብ ሞት ንዚትንስኡ ሰባት ዚግበር ኣቀባብላ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ክርስትያናት፡ ሬሳ ኼንድዱ ይግባእ ድዩ፧

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ምንዳድ ሬሳ ጌጋ ኸም ዝዀነ ዚሕብር መሰረታዊ ሓሳብ የለን።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሬሳ ወይ ኣዕጽምቲ ሰብ ይነድድ ከም ዝነበረ ዚሕብር ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ። (እያ. 7:25፣ 2 ዜና 34:4, 5) እዚ ኸኣ፡ እቶም ሰባት ንቡር ቀብሪ ንኺግበረሎም ከም ዘይበቕዑ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሬሳ እቶም ንንቡር ቀብሪ ዘይበቕዑ ሰባት ጥራይ ኣይኰነን ዚነድድ ነይሩ።

ነዚ ኻብ ጸብጻብ ሞት ንጉስ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ኣርባዕቲኦም ምስ ፍልስጢኤማውያን ኪዋግኡ ኸለዉ እዮም ሞይቶም። ሓደ ኻብ ደቂ ሳኦል፡ ዮናታን እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ ንዳዊት ፈታዊኡን እሙን ደጋፊኡን እዩ ነይሩ። ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዝነበሩ ጀጋኑ እስራኤላውያን፡ ብዛዕባ ሞት ሳኦልን ሞት ደቁን ምስ ሰምዑ፡ ንሬሳ ኣርባዕቲኦም ሰባት ኣልዒሎም፡ ኣንደድዎ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ኸኣ ቀበርዎ። ድሕርዚ፡ ዳዊት ነቶም እዚ ዝገበሩ እስራኤላውያን ንኢድዎም እዩ።—1 ሳሙ. 31:2, 8-13፣ 2 ሳሙ. 2:4-6።

ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ምዉታት፡ ተስፋ ትንሳኤ ኣለዎም። ሓደ ምዉት ሰብ፡ ብሓዊ ይንደድ ኣይንደድ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ነቲ ሰብ ሓድሽ ኣካላት ሂቡ፡ ናብ ህይወት ንኺመልሶ ኣይጽግሞን እዩ። እቶም ብትእዛዝ ንጉስ ነቡካድነጻር ኣብ እቶን ሓዊ እተደርበዩ ሰለስተ እሙናት እብራውያን፡ ብሓዊ እንተ ነዲዶም ኣምላኽ ኬተንስኦም ከም ዘይክእል ገይሮም ስለ ዘይሓሰቡ፡ ኣይፈርሁን። (ዳን. 3:16-18) እቶም ኣብ መዳጎኒ ደምበታት ናዚ ዝነበሩ፡ ተረሺኖም፡ ሬሳኦም ንኺንደድ እተፈርዶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከምኡ ዓይነት መትከል እዩ ነይርዎም። እሙናት ዝዀኑ ሓያሎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ብነታጒ ወይ ኣሰሮም ብዜጥፍእ ካልእ መገድታት ሃሊቖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ከም ዚትንስኡ እተረጋገጸ እዩ።—ራእ. 20:13።

የሆዋ ንሓደ ሰብ ንኸተንስኦ፡ ነቲ ናይ ቅድም ኣካላት እቲ ሰብ ኣኪቡ ኺገጣጥሞ ኣየድልዮን እዩ። ነዚ ኽእለት እዚ፡ ንቕቡኣት ክርስትያናት ናብ ሰማያዊ ህይወት ብምትንሳእ ኣርእይዎ እዩ። ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ልክዕ ከምቲ ‘ብመንፈስ ህያው ዝዀነ’ የሱስ፡ ኪትንስኡ ኸለዉ መንፈሳዊ ኣካል ሒዞም ዚትንስኡ እኳ እንተ ዀኑ፡ መንነቶም ግና ኣይቅየርን እዩ። ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ስጋዊ ኣካላቶም ምስኦም ናብ ሰማይ ኣይድይብን እዩ።—1 ጴጥ. 3:18፣ 1 ቈረ. 15:42-53፣ 1 ዮሃ. 3:2።

ኣብ ትንሳኤ ዘሎና ተስፋ፡ ኣብቲ ንሬሳ ዘጋጥሞ ነገር ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣምላኽ መብጽዓኡ ንኺፍጽም ዘለዎ ኽእለትን ባህግን እዩ ዚምርኰስ። (ግብ. 24:15) ነቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብተኣምር ዝፈጸሞ ዀነ ኣብ ዚመጽእ ዚፍጽሞ ትንሳኤ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣይንርድኦን ኢና። ምስናይዚ ግና፡ እምንቶና ኣብ የሆዋ ኢና እንገብር። የሆዋ ንየሱስ ብምትንሳእ “ውሕስነት” ሂቡና እዩ።—ግብ. 17:31፣ ሉቃ. 24:2, 3።

ክርስትያናት፡ ንስርዓት ሬሳ ብዚምልከት ንልምድን ስምዒታትን እቲ ዚነብሩሉ ሕብረተ ሰብ፡ ከምኡ እውን ንዚሕተት ሕጋዊ ብቕዓታት ኣብ ግምት የእትዉ እዮም። (2 ቈረ. 6:3, 4) ስለዚ፡ ሬሳ ሰብ ኪነድድ እንተ ኣለዎ፡ ወይ እንተ ዘይብሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ወይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ባዕሉ እዩ ዚውስኖ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ